መንእሰያት ዓረብ፡ ስለምንታይ’ዮም ንጾታዊ ርክብ ዝሕግዝ መድሃኒት ብብዝሒ ዝጥቀሙ?

ብመሰረት ኣብ 2021 ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ግብጺ ንስንፈተ-ወሲብ ዝሕግዝ መድሃኒታት ንምሽማት ዓመታዊ 127 ሚልዮን ዶላር ተህልኽ፡ እዚ ኸኣ ካብቲ ግብጺ ንመድሃኒት ንምሽማት ተውጽኦ ወጻኢታት 2.8 ሚኢታዊት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንእሰይ ኣል ሃባሺ ኣብ ማእከል ካይሮ፡ ባብ ኣ'ሻሪዓ ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ንሱ ‘ትእምርታዊ ቀመም’ ኢሉ ዝጽውዖ መድሃኒት እናኣቃመመ’ዩ ዝሸይጥ።

ኣል ሃባሺ፡ ‘ንጾታዊ ስምዒት ዘነቃቕሕ’ መድሃኒት’ዩ ዝሸይጥ፡ ንነብሱ ኸኣ ክኢላ ባህላዊ መድሃኒት ኢሉ’ዩ ዝጽውዓ። እንተኾነ ኣብ ድኳኑ ንሱ ዘቃመሞ መድሃኒት ጥራይ ኣይኮነን ዝሸይጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዘኻዕበቶ ተመኵሮ፡ ዓማዊሉ እንታይ ዓይነት መድሃኒት ዝያዳ ከም ዝጠልቡ ክፈልጥ ክኢሉ ኣሎ።

ኣል ሃባሺ፡ “ዝበዝሑ መንእሰያት እተን ሰማያዊ ዝሕብረን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝስርሓ ከኒናታት’ዮም ዝያዳ ዝጠልቡ” ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሲልደናፉ [ኣብ ዕዳጋ ቪያግራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ]፡ ቫርደፊን ከምኡ'ውን ታዳላፊል ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣብ እዋን ጸታዊ ርክብ ዝሕግዙ ከኒናታት ዝጥቀሙ መንእሰያት ሃገራት ዓረብ፡ ቍጽሮም ይውስኽ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ብኣንጻር እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግን፡ ቢቢሲ ኣብ ጐደናታት ግብጽን ባሕረይንን ንመንእሰያት ኣብ ዝሓተተሉ፡ እቶም መንእሰያት ንመትሎ ዘቕንዕ መድሃኒት ከም ዘይጥቀሙን፡ ብዛዕባኡ ከምዘይፈልጡን’ዮም ገሊጾም።

ገለ ኸኣ “ኣንጻር ሞራል ሕብረተሰብ’ዩ” ብምባል ፈጺሞም ብዛዕባኡ ክዛረቡ ከም ዘይደልዩ ገሊጾም።

እንተዀነ ብመሰረት ኣብ 2012 ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ካብ ኵለን ሃገራት ዓረብ፡ ግብጺ ጸረ ስንፈተ-ወሲብ ብምውሳድ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ፡ ስዑድ ዓረብ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ።

ነቲ ጸብጻብ ዝሓተመቶ ኣ'ሪያድ ዝተበሃለት ጋዜጣ ስዑድ ዓረብ፡ ስዑዳውያን ዓመታዊ ንጾታዊ ርክብ ዝሕግዝ መድሃኒታት ንምሽማት 1.5 ቢልዮን ዶላር ከምዘህልኹ ኣብ ገጻታ ኣስፊራ።

ስዑዳውያን ንጾታዊ ርክብ ዝሕግዝ መድሃኒታት ንምሽማት ዘህልኸዎ ገንዘብ፡ ምስቶም ብብዝሒ ህዝቢ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝዛይድዎም ሩስያውያን ክነጻጸር እንከሎ ብዓሰርተ ዕጽፊ ከም ዝዛይድ እታ ጋዜጣ ኣብ ገጻታ ኣስፊራ።

ኣብ ቀረባ ብኣራብ ጆርናል ኦፍ ኤሮሎጂ ዝተገበረ መጽናዕቲ ከም ዘረጋገጾ፡ ካብቶም ንመጽናዕቲ ዝተሓረዩ ስዑዳውያን መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ፡ እቶም 40 ሚእታዊት ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ቪያግራ [ንጾታዊ ርክብ ዝሕግዝ ከኒና] ተጠቒሞም ከምዝፈልጡ ተኣሚኖም ይብል።

ግብጻውያን’ውን ኣብ ሸመታ እዚ መድሃኒት ኣብ ቅድሚት’ዮም ዝስርዑ።

ብመሰረት ኣብ 2021 ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ግብጺ ንስንፈተ-ወሲብ ዝሕግዝ መድሃኒታት ንምሽማት ዓመታዊ 127 ሚልዮን ዶላር ተህልኽ፡ እዚ ኸኣ ካብቲ ግብጺ ንመድሃኒት ንምሽማት ተውጽኦ ወጻኢታት 2.8 ሚእታዊት እዩ።

ጸቕጢ ደቂ ተባዕትዮ

ኣብ 2014 ኣብ ግብጺ ኣል ፋንኮሽ ዝብል ስም ዝተወሃቦ ንስንፈተ-ወሲብ ዝሕግዝ መድሃኒት ብመልክዕ ጣዕሚ ቸኮላታ ኣብ ዕዳጋታት ብብዝሒ ክረአ ጀሚሩ።

ሓንቲ ኣል ፋንኮሽ ከኣ፡ ብሕሳብ ሓንቲ ፓውንድ ግብጺ [0.05 ዶላር] ትሽየጥ ነይራ።

እቲ መድሃኒት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝተወዓውዓሉ፡ ንህጻናት ከይተረፈ ይሽየጥ ኣሎ ተባሂሉ ካብ ዕዳጋ ደው ኢሉ፤ እቲ ዝምስርሖ ዝነበረ ሰብ’ውን ብኣካላት ጸጥታ ግብጺ ከም ዝተኣሰረ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

ተጠቃምነት እዚ መድሃኒት ካብ ኣብ መንእሰያት ኣብ ዓበይቲ ዝያዳ ብምስጢር ከም ዝተሓዝ ይግለጽ።

ኣብ የመን፡ ካብ መዝገብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ዕድመኦም ካብ 20 ክሳብ 45 ዝዀኑ ብዝያዳ ንጾታዊ ርክብ ዝሕግዝ መድሃኒት ከም ዝገዝኡ የረድእ።

ኣብ የመን ኣብ መንጐ ሑትን ብስዑድያ ዝድገፍ መንግስትን ኣብ 2015 ኵናት ሓድሕድ ካብ ዝጅመር፡ ኣብ መንእሰያት ተጠቃምነት ቪያግራን ስያሊስ ዝተበሃለ ካልእ ተመሳሳሊ መድሃኒትን ከም ዝሳዕረረ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

ቱኒዝያዊ መሓመድ ስፋክሲ ፕሮፌሰር ስነተዋልዶን ስርዓተ መፍረን እዩ።

ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ እዚ ዝጥቀስ መድሃኒታት ፈጺሙ ‘ኣነቃቓሒ ኣይኮነን’ ብምባል፡ ንመብዛሕትኡ ስንፈተ-ወሲብ ብሳይንስ ዝተደገፈ ሕክምና ኣለዎ ይብል።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ክኢላታት እዚ ዓውዲ ግን፡ መንእሰያት ዓረብ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ዓቃባዊ ባህሊ ኣክንዲ ናብ ሕክምና ናብቲ ስትር ኢሎም ብቐረባ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ‘ከኒና’ ከምዝጐዩ ይገልጹ።

ግብጻዊት ብሪጣንያዊት ጋዜጠኛን ደራሲት ‘Sex and the Citadel’ ዘርእስታ መጽሓፍን ሸሪን ኢልፈኪ “እቲ ምኽንያት ናብቲ መንእሰያት ሃገራት ዓረብ ዝገጥሞም ዘሎ ዝዓበየ ጉዳይ’ዩ ዝመርሓና” ትብል።

ሸሪን ኢልፈኪ፡ ነቲ ብ2017 ብሕቡራት ሃገራት ንጾታዊ ማዕርነት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣመልኪቱ ዝተገበረ መጽናዕቲ ምርኩስ ብምግባር፡ “ዳርጋ ኵሎም እቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ መጻኢኦም ፍርሒ ኣለዎም፡ ንሓድሕዶም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣዕሚቘም’ዮም ዝዝትዩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብወገነን ደቂ ተባዕትዮ ድሕሪ ሕጂ ሰብኡት ክዀኑ ከምዘይክእሉ’የን ዝገልጻ” ትብል። 

ኣስዒባ፡ “ስለዚ ሰብኣይ ምዃንካ ንኸተእምን ናብ ካልእ ጸቕጢ’ዩ ዘምርሕ ዘሎ። እዚ ኸኣ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ርእሱ ዝኸኣለ ኣሉታዊ ጽልዋ’ዩ ዘለዎ” ብምባል ግብረ ጽዩፍ ምዕዛብ’ውን ናቱ ባህርያዊ ጽልዋ ከም ዝፈጥረሎም ተብርህ።

 

ታሪኻዊ ግንዛበ

ንስንፈተ-ወሲብ ብዝምልከት ሓገዛት ምርካብ ገለ ገለ ስድራቤታት ሃገራት ዓረብ ናብ ሕክምና ክኸዱ ይርኣዩ’ዮም። እንተኾነ ኣብ ታሪኽ መብዛሕትአን ሃገራት ዓረብ ተጠቃምነት ባህላዊ መድሃኒት ኣዝዩ ግኑን’ዩ።

ኣብ ታሪኽ’ውን ነዊሕ ሱር ዘለዎ’ዩ።

ኢቢን ቃይም ኣ'ጀውዝያ ኣብ 14 ክፈል ዘመን ዝነበረ ዓረባዊ ምሁሩን ጸሓፍን’ዩ።

ኢቢን ቃይም ኣ'ጀውዝያ፡ ኣብ መጻሕፉ ንወሲብ ዝሕዝግ ዝበሎ ባህላዊ መድሃኒት ዘርዚሩ ኣቐሚጥዎ ኣሎ።

ሸሪን ኢልፈኪ፡ ባህሊ ዓረብን እስላማዊ ትውፊትን፡ “ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ዓቕምን ድሌትን ጾታዊ ርክብ ኣለወን ተባሂሉ’ዩ ዝእመን” ትብል።

ካብዚ ብምብጋስ  “ደቂ ተባዕትዮ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ብቑዓት ንክኾኑ ገለ ነገር ክገብሩ ከም ዘለዎም’ዮም ዝሓስቡ”

እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ እዋን ግዝኣት ኦትማን [ቅድሚ 500 ዓመታት] ዝያዳ ይንጸባረቕ ከም ዝነበረ’ውን ይንገር’ዩ።

ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኣሕመድ ቢን ሱለይማን ዝተበሃለ ፍሉጥ ጸሓፊ፡ ንጾታዊ ዕግበት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝሕግዝ ዝበሎ ባህላዊ መድሃኒታት ኣብ መጻሕፍቱ ኣስፊሑ ጽሒፉ ነይሩ።

ሕጂ ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት ከኣ መንስያት ሃገራት ዓረብ ንመጻሕፍቱ ገናጺሎም፡ ሽሙ እናረቑሑ ዕዳጋኦም የሰስኑ ኣለዉ።