ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት 22 መንእሰያት ሞይቶም ተረኺቦም

ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ለይታዊ ተልሂት ተኣኪቦም ካብ መንጐ ዝነበሩ መንእሰያት፡ ብውሑድ 22 ሞይቶም ተረኺቦም።

ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ምኽንያት ሞት እዞም መናእሰይ ንምፍላጥ መርመራ ይገብሩ ከም ዘለው ገሊጾም።

እቶም መናእሰይ፡ ናብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ሞይቶም ክርከቡ እንከለው፡ ዕድመኦም ካብ 18 ክሳብ 20 ዓመት ዝግመቱ ምዃኖም’ውን እቶም ሰብ መዚ ብተወሳኺ ሓቢሮም።

እቶም መናእሰይ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ኢስት ለንደን ኣብ ዝርከብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት፡ ኣብ መሬትን ጠረጴዛን ወዲቘም ተረኺቦም።

ተሰሚሞም ከይኰኑ ንምፍላጥን ተወሳኺ መርመራ ንምግባርን ድማ፡ ኣስከሬን መወትቲ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ'ሎ።

ፕረዚደንት ስሪል ራማፎዛ ብሞት እቶም መንእሰያት ዝተሰምዖ “ዓሚቝ ሓዘን” ገሊጹ።

“እዚ ዘስካሕክሕ ኵነታት፡ ንመንእሰያት ሃገርና ንምምሓሽ ኣብ ዝሕግዙ ጉዳያት ኣተኵርና ኣብ እንሰርሓሉ ዘለና ግዜ ብዘጋጠመ ክስተት ሓዚነ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ኣመሓዳሪ ግዝኣት ምብራቕ ኬፕ ኦስካር ማቡያኔ ብወገኑ፡ ምኽንያት ሞት እቶም መንእሰያት'ኳ እንተዘይገለጸ፡ “ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝውሰድ ኣልኮላዊ መሰተ” ኰኒኑ።

እቲ በዓል መዚ፡ ኣብቲ እቶም መንእሰያት ሞይቶም ዝተረኸብሉ ለይታዊ ትልሂት ብምብጻሕ፡ “ኣብ መንጐ ሓደ ሕብረተሰብ ከምዚ ዓይነት መስተ ክሽየጥ እንከሎ፡ መንእሰያት ከይፈተንዎ ስቕ ክብሉ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ምሕሳብ መቸም ኣይክኣልን'ዩ፡” ኢሉ።

ሓደ በዓል መዚ ድሕነት እታ ግዝኣት'ውን ብወገኑ፡ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም መንእሰያት፡ “ኣብ ሰብነቶም ዝዀነ ዓይነት በሰላ” ከም ዘይነበረ ገሊጹ።

“መርመርቲ፡ ቅምሶታት ብምውሳድ መርመራ ምስ ገበሩ፡ ኣብ ሰብነቶም ዝተረኽበ ነገር ከጻርዩ’ዮም” ድማ ኢሉ።

እንተዀነ፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ክንድዚ ዝኣኽሉ መንእሰያት ብምማቶም ኣብታ ሃገር ዓቢይ ስንባደ ፈጢሩ ይርከብ።