Got a TV Licence?

You need one to watch live TV on any channel or device, and BBC programmes on iPlayer. It’s the law.

Find out more
I don’t have a TV Licence.

ቀጥታዊ ጸብጻብ

time_stated_uk

  1. ቆልዑ ዓዲ-እንግሊዝ ንቤት ትምህርቲ ክምለሱ ጀሚሮም

    ቆልዑ ናብ ቤት-ትምህርቲ እናተመለሱ

    ተምሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ) ንፈለማ እዋን፡ ድሕሪ ምቁራጽ ትምህርቲ ናብ ኣብያተ-ትምህርቲ ክምለሱ ጀሚሮም።

    ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ መደብ፡ ጀመርቲ (ሪሰፕሽን)፡ ከምኡ’ውን ናይ 1ይን 6ይን ዓመት ተምሃሮ’ዮም ካብ ሎሚ ሰኑይ ክምለሱ ተወሲኑ ዘሎ።

    ይኹን እምበር፡ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝኸፍታሉ ናይ ግዜ ሰሌዳታት ከውጽኣ ስለዘለወን ኣብ ኩሉ ኣብ ሓደ እዋን ኣይኮነን እቲ ናይ ምኽፋት ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ።

    ብዘይካ’ዚ ልዕሊ ፍርቂ ወለዲ ናይቶም ክምለሱ ዝተፈቐደሎም ተምሃሮ፡ ደቆም ናብ ቤት-ትምህርቲ ክሰዱ ድሌት ከም ዘይብሎም ሓደ ዝተኻየደ ዳህሳስ ሓቢሩ።

    ኣብያተ-ትምህርቲ ምስቲ ሓድሽ ቅጥዒታት ኮቪድ-19 ዝሳነ ኣካይዳ ንክህልወን ለውጥታት ክገብራ ይግደዳ ኣለዋ። ሓደ ካብቲ በዳሂ ኮይኑ ዘሎ ድማ፡ ብኸመይ ትምሃሮ ኣካላዊ ምፍንታት ክዕቅቡ ይኽእሉ ዝብል’ዩ።

    መምሃራነን ንባዕሎም በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝተወሸቡ ወይ ድማ ኣባላት ቤተሰቦም ዝሓመምዎም ስለዘለዉ፡ ዋሕዲ ከየጋጥም ስግኣት ኣሎ።

  2. ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ናይ ሓደ ወርሒ ህጻን ተረኺቡ

    ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ናይ ሓደ ወርሒ ህጻን ተረኺቡ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገብረ መርመራ 2926 ቅምሶታት፡ 85 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም።

    ካብዚኦም፡ እቲ ሓደ ናይ ሓደ ወርሒ ህጻን እዩ። እቶም 51 ደቂ ተባዕትዮ ኮይኖም፡ እተን 35 ድማ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾናን፡ እቶም 72 ነበርቲ ኣዲስ ኣባበ አዮም።

    ኣብታ ሃገር ብሓፈሻ፡ 1257 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለው። ካልኦት 217 ብኮሮናቫይረስ ሓሚሞም ዝነበሩ ሰባት ድማ ሓውዮም።

    ካልእ፡ ትማሊ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ዝነበረ ወዲ 30 ዓመት ሕሙም ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ክመውት እንከሎ፡ ብሓፈሻ 12 ሰባት በዚ ቫይረስ ሞይቶም።

    ኣብ ትግራይ ድማ ሓደሽቲ ኣርባዕተ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም።

  3. ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን

    ብደረጃ ዓለም 6.1 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ ኣብ ብራዚል ብምኽንያት እዚ ሕማም ዘጋጥም መልከፍትን ሞትን ይውስኽ ኣሎ። ኣሜሪካ ድማ ዋላ'ኳ ዝኾነ ሰብ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ክወስዶ የብሉን እንተተባህለ፡ ክልተ ሚሊዮን መድሓኒት ዓሶ ዝኾነ ሃይድሮክሎሮኪን ናብ ብራዚል ልኢኻ። ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ናይዚ ዕለት ዘለው ምዕባለታት ኣብዚ ከቕርበልኩም ኢና፤ ተኸታተሉ።

    Catch up
    next
  4. ፕሬዝደንት ኬኒያ፡ 'ዝርግሐ ኮቪድ-19 ኣብ ወርሒ ነሓሰን መስከረምን ክውስኽ'ዩ' ኢሉ

    ፕሬዝደንት ኬኒያ ኡህሩ ኬኒያታ

    ፕሬዝደንት ኬኒያ ኡሁሩ ኬኒያታ፡ ኣብታ ሃገር ይርአ ዘሎ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝሰግኦ ተገሊጹ።

    እቲ ፕሬዝደንት ብቴሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰን መስከረም ዝርግሐ እዚ ለበዳ ክዓርግ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

    ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኬኒያውያን ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ጠጠው ኣብ ምባል ሓላፍነት ከም ዘለዎም ሓቢሩ።

    ኬኒያ፡ ካብ ቀረባ መዓልታት ንነጀው መዓልታዊ ብኣማሚአት ዝቑጸሩ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ትረክብ ኣላ። ኣብዚ እዋን ድማ፡ 1962 በዚ ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ኣለውዋ።

    ካብዚኦም እቶም 64 ሰባት ሞይቶም።

    ኬኒያ፡ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ብዝብል ኣዋጅ እቶ እቶ ካብ እትእውጅ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኮይኑዋ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ናይሮቢ ምውጻእ ኮነ ናብታ ከተማ ምእታው ኣይፍቀድን።

  5. ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ ትግራይ ዝኣተወ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምንታይ ደረጃ ይርከብ?

    - ኣብ ትግራይ፡ ብ 2 ሚያዚያ 2020 ኣብቲ ክልል መርመራ ኮቪድ-19 ተጀሚሩ

    - ኣብዚ ወርሒ መንግስቲ እቲ ክልል፡ ኩነታት እቲ ቫይረስ ንምፍላጥን ግንዛበ ንምፍጣርን ብዝብል፡ ልዕሊ 23 ሽሕ ሰብ ሞያ ጥዕና ብምውፋር፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ዳህሳስ ኣካይደ ኢሉ

    - ብ6 ግንቦት 2020 ድማ ፈላሞት በዚ ቫይረስ ዝተትሓዙ ኣርባዕተ ሰባት ተረኺቦም

    - ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ድማ" ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ሕማም ኮሮናቫይረስ ሓንቲ ውልቀሰብ ሞይታ

    ንምዃኑ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ ትግራይ ዝኣተወ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምንታይ ደረጃ ይርከብ?

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን
  6. ቀዳማይ ሚኒስትር ኣርመኒያ ምስ ቤተሰቡ ብኮቪድ-19 ተታሒዙ

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኣርመኒያ ብኮቪድ-19 ተታሒዙ

    ቀዳማይ ሚኒስትረ ኣርመኒያ ኒኮል ፓሺኒያ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ ተባሂሉ።

    “ዝኾነ ዓይነት ምልክታት እዚ ሕማም የብለይን፤ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝተዋፈሩ ሰባት ክርእዮም መደብ ምስ ኣውጻእኹ እየ መርመራ ክገብር ወሲነ” ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሑፉ።

    ወሲኹ፡ ኩሎም ኣባላት ስድርኡ’ውን በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ሓቢሩ።

    ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ኣርመኒያ ዝለዓለ ቑጽሪ ዘለዎም ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ’ኳ እንተተገለጸ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ምግዳብ ምንቅስቓስ ዜጋታት ኣይወሰደትን።

    ኣብ ክንድኡ፡ ሰባት ማሕበራዊ ርሕቐቶም ክሕልውን ኢዶም ብዝግባእ ክሕጸቡን እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ይምዕድ።

    ኣብ ኣርመኒያ፡ ልዕሊ 9 ሽሕ ሰባት ብኮቪድ-19 ክትሓዙ ከለው፡ ካብዚኦም እቶም 131 ሞይቶም።

  7. ‘ኣመሪካ፡ ምግዳፍ ኣመላ እዩ’ ክትብል ቻይና ወቒሳታ

    ትራምፕ

    ኣመሪካ ምስ ትካል ጥዕና ዓለም ንዘለዋ ርክብ ክተቋርጾ ምዃና ምስኣፍለጠት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ንኣመሪካ ወቒስዋ ኣሎ።

    ማሕበረሰብ ዓለም፡ ነቲ ትካል ዝህቦ ድጋፍ ከሐይል እውን ጸዊዑ።

    እቲ ሚኒስትሪ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ውሳነ ‘ኣመሪካ ንፖለቲካዊ ሓይሊ ዘለዋ ጽምእን ውሳነታት በይና ክትውስን ንዘለዋ ድልየትን ዘንጸባርቕ እዩ’ ኢሉ።

    ወሲኹ ድማ “ኣመሪካ፡ ምግዳፍ ኣመላ እዩ” ኢሉ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዓርቢ እዩ ሃገሩ ካብ ትካል ጥዕና ዓለም ትስሕብ ከምዘላ ኣፍሊጡ። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ዓለማዊ ትካል፡ ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንቻይና ተሓታቲት ኣይገበራን ብዝብል እዩ።

    “ንትካል ጥዕና ዓለም ብሒታ ተቖጻጺራቶ ዘላ ቻይና እያ” ይብል ትራምፕ።

    ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ግን፡ እቲ ትካል ዘይሻራዊ እዩ ክብል እዩ ዝምጉት።

    ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዶናልድ ትራምፕ ንውሳንኡ ዳግም ህድእ ኢሉ ክርእዮ ጸዊዑ ኣሎ። ምኽንያቱ ድማ፡ ውሳነ ትራምፕ ነቲ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝግበር ዘሎ ዓለማዊ ጻዕሪ ከየዐንቅፎ ብምስጋእ።

  8. በጻሕቲ ዓዲ ናብ ጃፓን ክኣትው ክፍቀደሎም’ዩ ተባሂሉ

    ጃፓን፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ኽልከላ በጻሕቲ ዓዲ ክተፍኩሶ ምዃና፡ ሓደ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ጸብጺቡ።

    በዚ መሰረት፡ ካብ ታይላንድ፣ ቬትናም፣ ኣውትራሊያን ኒውዝላንድን ዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ ናብታ ሃገር ክኣትው ከም ዝፍቀደሎም ሓቢሩ።

    እዚ ሽሙ ዘይተጠቕሰ በዓል መዚ መንግስቲ ኮዮዶኒውስ ንዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ዘለወን ቑጽሪ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ኣዝዩ ዝተሓተን ምስ ጃፓን ጥቡቕ ንግዳዊ ምትእስሳር ዘለወንን እየን ኢሉ።

    ይኹን’ምበር፡ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ጃፓን ዝተረኽበ መረጋገጺ ሓበሬታ የለን።

    ጃፓን፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ፡ ኣሜሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ዝርከብአን ን111 ሃገራት ናብ ሃገራ ጉዕዞ ከይገብራ ኣጊዳ እያ።

    ሎሚ መዓልቲ ድማ፡ ትካላት ንግድን ኣብ 47 ኣውራጃታት ጃፓን ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርትን መሊኦም ክኽፈቱ እዮም። ኣብ ቶክዮን ካልኦት ሽዱሽተ ኣውራጃታትን ግን፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተነብረ እገዳታት ኣብ ቦትኡ ክቕጽል እዩ።

    ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከም ዘመላኽቶ፡ ኣብታ ሃገር ኣስታት 17 ሽሕ ሰባት በዚ ቫይረስ ክልከፉ ከለው፡ ሞት 898 ሰባት ድማ ኣመዝጊባ።

  9. መስተ ዝናፈቑ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ንኣርባዕተ መዓልቲ ተፈቒዱሎም

    ድራፍት

    ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ንፈለማ እዋን ኣልኮላዊ መስተ ክዕድጉ ክፍቀደሎም እዩ።

    መንግስቲ እታ ሃገር፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኣብ ዓለም ተወሲዶም ካብ ዝተብሃሉ እቲ ዝኸበደ ስጉምቲ ዕጽዋ ከም ዝወሰደ እዩ ዝእመን።

    መሸጣ ኾነ መስተ ኣልኮላዊ መስተታት ዝኽልኽል ስጉምቲ ክውሰድ እንከሎ፡ ፖሊስን ሆስፒታላትን፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቅላስ ክሕግዞም’ዩ ብዝብልን ዘቤታዊ ዓመጻት ንምንካይን እዩ ነይሩ።

    ደቡብ ኣፍሪቃውያን እምበኣር፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ካብ ሎሚ መዓልቲ ክሳብ ሓሙስ ኣብ ዘለዋ መዓልታት መስተ ክዕድጉ ተፈቒዱሎም ኣሎ።

    ፖሊስን ሓካይምን ኣብ ዝሃቡዎ ርኢይቶ ድማ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣልኮላዊ መስተታት ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ፡ ብዝተፈላለየ መጉዳእቲ ቑጽሪ ናብ ሕክምና ዝመጽኡ ሰባት ኮነ ገበን ዝፍጽሙ ክንኪ ብምግባር ዓብዪ ሓገዝ ከም ዝነበሮ ገሊጾም።

    ፋብሪካታት ቢራ፣ ጸሞቕትን ነጋዶ ዊስኪን ወይንን እታ ሃገር ግን፡ እዚ እገዳ ካብ ዕዳጋ ወጻእ ይገብረና ኣሎ፣ ንኸስር ኣለና ክብሉ ነቲ ስጉምቲ ይቃወሙዎ ነይሮም።

    መንግስቲ ብወገኑ፡ ኣነ’ውን ካብዚ ዓውዲ ዝረኽቦ ዝነበርኩ እቶት ጎዲሉኒ እዩ ዝብል ምላሽ ሂቡዎም።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 31 ሽሕ ሰባት በዚ ቫይረስ ሓሚሞም’ዮም።

  10. ጋና ኣብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖት ዘንበረቶ እገዳ ኣልዒላ

    ብምኽንያት ኮቪድ-19 ትካላት እምነት ተዓጽየን ጸኒሐን

    ፕሬዝደንት ጋና ናና ኣኩፎ-ኣዶ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ተነቢሮም ዝነበሩ እገዳታት ምትእኽኻብ ከም ዝለዓሉ ኣፍሊጡ።

    ብመሰረት እቲ ዝወጽአ ሓድሽ መምርሒ፡ ኣብያተ ክርስቲያንን መሳጊድን፡ ንሓደ ሰዓት ኣብ መዓልቲ ክሳብ 100 ሰባት ዝካፈልሉ ስርዓት ጸሎት ክፍጽማ ይኽእላ።

    መምርሒታት ምሕላው ኣካላዊ ርሕቐትን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባርን ከኣ፡ ኣገደስቲ ኮይኖም ክቕጽሉ እዮም።

    እዚ ውሳነ፡ ካብ መጻኢ ዓርቢ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

    ጋና፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝብል ነዚ ስጉምቲ ወሲዳ ጸኒሓ።

    ፕሬዝደንት ኣኩፎ-ኣዶ፡ እቲ ዝነበረ እገዳ ክለዓል ዝተገበረሉ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ፡ ነዚ ለበዳ ናይ ምቅላዕ ዘለዎም ተኽእሎ፣ ማሕበረ ቑጠባዊ ጽልዋን እታ ሃገር ነዚ ለበዳ ንምቅላስ ዘለዋ ዓቕምን ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ ኢሉ።

    ኣብያተ ትምህርቲ ናይ መወዳእታ ዓመት ተመሃሮ ንዝኾኑ ጥራሕ ክኽፈታ ከለዋ፡ ክሳብ 100 ሰብ ዝሳተፈሎም ኣኼባታት፣ መርዓ፣ ምትንኻፍ ኢድ ዘይብሎም ስፖርታዊ ምንቅስቓሳትን ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ክፍቀዱ’ዮም።

    ይኹን’ምበር፡ ጽምብላት፣ ስፖርታዊ ፍጻሜታት፣ ለይታዊ ተልሂት፣ ሲነማን ፖለቲካዊ ሰልፍን ክልኩል ኮይኑ ክቕጽል እዩ።

    ብኻልእ ወገን፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ናብ ሃገሮም ክመጽኡ ዘይኽኣሉ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ጋናውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ከም ዝግበርን፡ ን14 መዓልታት ተወሺቦም ከም ዝጸንሑ’ውን እቲ ፕሬዝደንት ኣብሪሁ።

    ኣብ ጋና፡ 8060 ሰባት በዚ ቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ 36 ሰባት ድማ ሞይቶም።

  11. ኣብ ብራዚል ቑጽሪ ብኮቪድ-19 ዝሓሙን ዝሞቱን ይውስኽ ኣሎ

    መቓብር

    ኣብ ብራዚል: ትማሊ ጥራይ 16 ሽሕን 409 ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም። እዚ ቑጽሪ ኣብታ ሃገር በዚ ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ናብ 514 ሽሕን 849 ሓፍ ክብል ገይሩ።

    ኣብቲ ዕለት 480 ሰባት ክሞቱ ከለው፡ ብጠቕላላ 29 ሽሕን 314 ሰባት ብምኽንያት እዚ ሕማም ሞይቶምዋ ኣለው።

    ሓደጋ እዚ ቫይረስ ከምዚ እናሃለወ ግን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ብተደጋጋሚ ነዚ ለበዳ ብምንእኣስ፡ ኣብታ ሃገር ዝተኣወጀ ዕጽዋ ንቑጠባን ስራሕን ይጸሉ ኣሎ ብምባል ይቃወሞ ኣሎ።

    ብዙሓት ሰብ ሞያ፡ ኣብዚ እዋን፡ ማእከላይን ደቡብን ኣሜሪካ ማእከል እዚ ለበዳ ከም ዝኾና ይገልጹ።

    መድሓኒት ዓሶ ሃይድሮክሎሮኲን

    ብኻልእ ወገን፡ ኣሜሪካ ክልተ ሚሊዮን ሃይድሮክሎሮኲን ናብ ብራዚል ልኢኻ።

    ይኹን’ምበር፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኮነ ካልኦት ሰብ ሞያ ጥዕና፡ እዚ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ክንወስዶ ንኽእል ኢና ዝተባህለ መድሓኒት ዓሶ፡ ኣብ ጥዕናዊ ኩነታት ጸገም ከየምጽእ ብምስጋእ፡ ብሕሙማት ኮሮናቫይረስ ክውሰድ ከም ዘይብሉ ኣጠንቂቖም’ዮም።

    ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ከም መከላኸሊ ኮቪድ-19 ነዚ መድሓኒት ጸረ ዓሶ ይወስድ ከም ዘሎ እንትገልጽ፡ ብራዚላዊ መዘንኡ ጃይር ቦልሶናሮ’ውን ኣድላዪ ኮይኑ ምስ ዝረኽቦ ንጓል 93 ዓመት ኣዲኡ ንክህባ ከም ዘዳለዎ ተዛሪቡ ነይሩ።

    ክሳብ ሕጂ ግን፡ እዚ ሃይድሮክሎሮኲን ዝተባህለ መድሓኒት ጸረ ዓሶ፡ ንኮሮናቫይረስ ክውዕል ይኽእል’ዩ ዝብል ዝተረጋገጸ ሳይንሳዊ መረዳእታ የለን።

    ንኮሮናቫይረስ ዝከላኸል ክታበት ይኹን መድሓኒት’ውን ኣይተረኽበን ዘሎ።

  12. ኣውስትራልያ፡ ኣብ ሆስፒታል ዘለውዋ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ 22 ጥራይ እዮም

    ኣውስትራልያ

    ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ካብ ዝተረጋገጸ 7,200 ሰባት፡ እቶም 92 ምኢታዊት ሓውዮም እዮም።

    ኣውስትራልያ ነቲ ሕማም ዝተቖጻጸረቶ ትመስል። ነዚ ድማ እዮም ኣብታ ሃገር ተነቢሩ ንዝነበረ ዕጽዋታት በብደረጅኡ ዘፍኩስዎ ዘለዉ።

    እቲ ምልዓል እገዳታት ግን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ እዩ።

    ንኣብነት ሲድኒ ኣብ እትርከበሉ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝበሃል ዝበዝሐ ህዝቢ ዝነብረሉ ግዝኣት፡ እንዳ ጸጉሪ፣ ቤተ መዘክር፣ ኣብያተ መጻሕፍቲን ህዝባዊ መሐምበሲ ቦታታትን ሎሚ ክኽፈቱ እዮም።

    እንዳ መስተን ኣብያተ ምግብን ድማ፡ ኣካላዊ ርሕቀቶም ክሳብ ዝሓለዉ፡ ኣስታት 50 ሰባት ከአንግዳ ይኽእላ እየን ተባሂሉ።

    ኣብ ውሽጢ እታ ግዝኣት፡ ንሽርሽር ጉዕዞ ምግባር’ውን ፍቑድ እዩ።

  13. ከተማ ማኒላ ካብ ዕጽዋ ወጺኣ

    ዜጋታት እዛ ሃገር ንኣዋርሕ ኣብ ዕጽዋ እዮም ጸኒሖም

    ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ሙሉእ ዕጽዋ ዝነበረት ርእሰ ከተማ ፊሊፒንስ ማኒላ፡ ነቲ ኣዋጅ ዕጽዋ ተፍኩሶ ኣላ።

    ካብታ መጀመርታ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተራእየላ ከተማ ውሃን ዝዛየደ ናይ ዕጽዋ መዓልታት ዘሕለፈት ኮይና፡ 12 ሚሊየን ህዝቢ ማኒላ፡ ን76 መዓልታት ኣብ ገዝኡ ተወሺቡ ጸኒሑ።

    ኣብዚ እዋን ድማ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ናብ ስርሖም ክምለሱ፣ ገለ ድኳናትን ፋብሪካታትን ክኽፈቱ፣ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ውሑድ ሰብ ጽዒነን ኣገልግሎት ክህባ ኣፍቂዳ ኣላ።

    ከም ናይ ስፖርት ማእከላት፣ ቤት መስተ፣ ሲነማ ለይታዊ ተልሂትን ግን ተዓጽዮም ክጸንሑ ከም ዘለዎምን፡ ሰባት ድማ እንተኽኢሎም ሕጂ’ውን ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ከም ዘይብሎምን፡ ሰበ ስልጣን እታ ከተማ ሓቢሮም።

    ማኒላ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ፍዅስ ዝበለ ኣዋጅ ዕጽዋ ክህልዋ ክትገብር ጀሚራ እያ። እዚ ድማ፡ ሰባት ኣብ ደገ ወጺኦም ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ክገብሩን ንፋስ ክቕበሉን ዘፍቅድ ነይሩ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ፊሊፒንስ 18086 ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ኣለው፤ 957 ሰባት ድማ ብምኽንያት እዚ ሕማም ሞይቶም።

  14. ከመይ ሓዲርኩም?

    ቡን

    ናብ ቢቢሲ ትግርኛ እንኳዕ ድሓን መጻእኩም። ኣብ ምሉእ ዓለም ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዝህልው ምዕባለታት ኣብዚ ገጽ ብቐጥታ ክትከታተሉ ትኽእሉ።

    - ማኒላ፡ ርእሰ ከተማ ፊሊፒንስ ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኣንቢራቶ ንዝነበረት ኣዋጅ ዕጽዋ ክፎክስ ገይራ። ብዙሓት ሰባት ናብ ስራሕ ክኸዱን ድኳናት ክኽፈቱን ኣፍቂዳ ኣላ።

    ብርክት ዝበሉ እገዳታት ግን፡ ኣብ ቦትኦም ክጸንሑ እዯም።

    - ኣብ ብራዚል ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን በጺሑ። ብደረጃ ዓለም ድማ እታ ካልአይቲ ዝለዓለ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ዘለውዋ ሃገር ኮይና ኣላ።

    - ኣሜሪካ ብወገና፡ ነቲ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኾነ ንምሕካም ክውሰድ የብሉን ተባሂሉ ብውድብ ጥዕና ዓለም መጠንቀቕታ ዝተዋህቦ መድሓኒት ዓሶ ዝኾነ ሃይድሮክሎሮኪን ናብ ብራዚል ልኢኻ።

    እዚ መድሓኒት፡ ብዝሑ ክልተ ሚሊዮን ከም ዝኾነ ድማ ተገሊጹ ኣሎ።

    - ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከም ዝጽብጽቦ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ መላእ ዓለም 6.1 ሚሊዮን ሰባት በዚ ቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ 371 ሽሕ ድማ ሞይቶም።

    ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር፡ ኢድኩም ብማይን ሳሙናን ተሓጸቡ፣ ሰብ ኣብ ዝእከበሎም ቦታታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተጠቐሙ፣ ኣገዳሲ እንተዘይኮይኑ ካብ ገዛኹም ኣይትውጽኡ።

    ሰናይ መዓልቲ