Posted at 15:11 15 ሰነ 202015:11 15 ሰነ 2020ሓደ ወተሃደር ኣመሪካ ነበር ኣብ ሩስያ ብስለያ ተኸሲሱ ን16 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱእዚ ናይ ኣሜሪካ፣ እንግሊዝ፣ ካናዳን ኣየርላንድን ዜግነት ዝለዎ ውልቀሰብ፡ ነቲ ሚስጢራዊ ሓበሬታ ሒዙ ዝተብሃለ ፍላሽ 'ናይ በዓል ኣሳእል ዝሓዘ ፍላሽ ዲስክ እዩ' ክብል ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ነጺግዎ ነይሩ።ተወሳኺ ንባብnext
Posted at 12:23 13 ሰነ 202012:23 13 ሰነ 2020Breakingኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 268 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኸቢብዎምኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓት 5644 ሰባት መርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይርሎም እቶም 268 ሰባት ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ። በዚ መሰረት ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዘተለኸፉ ሰባት 3,166 በጺሑ ኣሎ። እቲ ሚኒሰትሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ሸሞንተ ሰባት ብኮቪድ 19 ከምዝሞቱ ብምግላጽ ኣብታ ሃገር ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞገ ሰባት ናብ ሓምሳን ሓሙሽተን ክብ ምባሉ ገሊጹ። ካብዞም 268 እተን 91 ደቂ ኣንስትዮ ክኾና እንከለዋ፡ እቶም 177 ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ብዝርገሐ ቦታ ድማ 232 ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ 12 ካብ ኦሮምያ፡ 8 ካብ ኣምሓራ፡ 6 ካብ ትግራይ፡ 5 ካብ ሃረር፡ 2 ካብ ደቡብ፡ 2 ካብ ዓፋርን 1 ካብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ምኳኖም እቲ ሚኒሰትሪ ኣብ ዝሃቦ ዕለታዊ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ሚኒሰትሪ ብተወሳኺ ካብቶም ኮቪድ 19 ሓሚሞም ሕክምናዊ ናብዮት ክግበረሎም ዝጸንሐ 44 ሰባት ስለዝሓወዩ ሓፈሻዊ ቁጽሪ ካብዚ ሕማም ዝሓወዩ 495 ከም ዝበጸሐ ገሊጹ።AFPCopyright: AFP
Posted at 10:23 13 ሰነ 202010:23 13 ሰነ 2020ብራዚል ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስኣብዚ እዋን ብዓለም ጀረጃ ልዕሊ ፍርቂ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ከምዘሎን፡ ማእከል እቲ ለበዳ ድማ ብራዚል ኮይና ትርከብ። ኣብ ብራዚል፡ 828,810 ሰባት ተለኺፎም ከምዘለውን፡ እዚ ቁጽሪ ድማ ድሕሪ እቲ ናይ ኣመሪካ ይስራዕ። ቊጽሪ ዝሞቱ 42,000 በጺሑ’ሎ። እቲ ቊጽሪ መልከፍቲ ግን፡ እኹል መርመራ ከምቲ ዝድለ ሰለዘይካየድ ድማ ልዕሊ እቲ ዝተገልጽ ክኸውን ይኽእል እዩ። Getty ImagesCopyright: Getty Images
Posted at 10:04 13 ሰነ 202010:04 13 ሰነ 2020ተመኩሮ ዓሌትነት ብዓይኒ ኤርትራውያን ኣዴታትእቲ ብ25 ግንቦት 2020፡ ደርክ ቻውቪን ዝተባህለ ኣባል ፖሊስ ሚንያሶታ፡ ኣብ ልዕሊ ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ዝተፈጸመ ኢሰብኣዊ ቅትለት፡ ኣብ ኣሜሪካን፡ ኣብ ካልኦት ክፍልታት ዓለምን ቁጥዐን ነድርን ኣስዒቡስስ ኣህዛብ ዓለም ብሰልፍን ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ይኹንንዎ ኣለው። ካብዚ ብዝብገስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉርን ኩርናዕ ዓለምን ዝርከባ ኤርትራውያን ኣዴታት፡ ጸለምቲ ብምዃነንን ኣብ ደቀንን ስድረአንን ከባቢአንን ንዘጋጠመን ተመኩሮ ንቢቢሲ ገሊጸን ኣለዋ።ተወሳኺ ንባብnext
Posted at 10:04 13 ሰነ 202010:04 13 ሰነ 2020ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ 7.6 ሚልዮን ሰባት ኣስታት ፍርቆም ሓውዮምሎሚ ቀዳም ብዘሎ ሓበሬታ ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ 7.6 ሚላዮን ሰባት ኣስታት ፍርቆም (ልዕሊ 3.6 ሚልዮን) ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋነዮም። እንተኾነ ሕዱር ሕማም ዝነበሮም፡ ኣረጋውያንን ናይ ምጽዋር ዓቕሞም ድኹም ዝጸንሐን 425,869 ሰባት ድማ ብኮቪድ-19 ሞይቶም ኣለዉ። ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ብምቁጽጻር የእዳውና ደጋጊምና ብማይን ሳምናን ምሕጻብ፡ ኣካላዊ ምርሕሓቅ ምትግባር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ካብቲ ቀንዲ ክንገብሮ ዘለና ምዃኑ ሰብ ሞያ ጥዕና ይምዕዱ።Getty ImagesCopyright: Getty Images
Posted at 10:01 13 ሰነ 202010:01 13 ሰነ 2020'መስርሕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ዕርክነት ኣብዪን ኢሳይያስን ኮይኑ ተሪፉ' ሜ/ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖትጀነራል ኣበበ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጋዜጣታት፡ መጽሄታትን ብዘቕርቦም ፖለቲካዊ ትንታነታት ይፍለጥ። 'የኢትዮጵያ ፖለቲካ ከየት ወዴት' ዝብል መጽሓፍ'ውን ጽሒፉ እዩ። ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣዘራሪብዎ ኣሎ።ተወሳኺ ንባብnext
Posted at 18:12 12 ሰነ 202018:12 12 ሰነ 2020ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ዓባይ ብሪጣንያሎሚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ 202 ሰባት ብሕማም ኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዝሞቱ ጸብጻባት መንግስቲ ሓቢሮም። ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት እናጎደለ ይኸይድ ከምዘሎ'ውን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። BBCCopyright: BBC
Posted at 18:11 12 ሰነ 202018:11 12 ሰነ 2020ኣባላት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ምዕዳግ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብሓባር ክሰርሓ ጻውዒት ቀሪቡGetty ImagesCopyright: Getty Images ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ምሽማት ክታበት ኮሮናቫይረስ ብሓንሳብ ተሓባቢረን ክሰርሓ ፈጻሚ ኣካል እቲ ሕብረት ኣዘኻኺሩ።ሓላፊት ጥዕና ኤውሮጳዊ ሕብረት ከምዝሓበረቶ፡ እቲ ሕብረት ካብ መንግስታት እተን ኣባላት ሃገራት ምሉእ ደገፍ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣስታት 2.7 ቢልዮን ዶላር ንመግዝኢ መድሃኒት ኮሮናቫይስ ሰሊዑ ከምዘሎ ገሊጻ።ሃገራት ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ከምኡ’ውን ሆላንድ ድሮ ምስ መድሃኒት ዘፍርያ ዘለዋ ኩባንያታት ዝርርብ ጀሚረን ከምዘለዋን፡ እዚ ድማ ነቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝወስዶ ዘሎ ተበግሶ ዘድክም ምዃኑ ተሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ሕበረት ንኹለን 27 ሃገራት ዘማእከለ ረብሓ ይሰርሕ ምህላው ሓላፊት ጥዕና ናይቲ ሕብረት ስተላ ከርዩደስ ሓቢራ።
Posted at 14:47 12 ሰነ 202014:47 12 ሰነ 2020ፕረዚደንት ሶርያ ንቀዳማይ ሚኒሰትር እታ ሃገር ሰጒጉፕረሲደንት ሶርያ በሽር ኣል ኣሳድ ንቀዳማይ ሚኒሰትር እታ ሃገር ኢማድ ክሃሚስ ካብ ስራሕ ከምዝሰጐገ ተገሊጹተወሳኺ ንባብnext
Posted at 14:19 12 ሰነ 202014:19 12 ሰነ 2020ኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ ብዝሒ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት 64 በጺሑኣብዚ እዋን፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረሰተብ ዘሎ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምፍላጥ፡ ገዛ ንገዛ ዳህሳስ ከም ዝጀመረ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ንቢቢሲ ገሊጹ። ሎሚ መዓልቲ፡ ኣብ ትግራይ 15 ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ከም ዝተረኸቡ ብመርመራ ክረጋገጽ እንከሎ፡ እቶም 11 ካብ ምዕራብ ትግራይ፡ ማይካድራን ሰቲት ሑመራን እዮም። ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ከም ዘስግእ ዝገልጽ ምኽትል ሓላፊ ቦሮ ጥዕና ዶክተር ጸጋይ በርሀ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ስጉምቲ ዕጽዋ ቅድሚ ምውሳዱ ነዚ ቫይረስ ተቓላዕቲ’ዮም ኣብ ዝበሃሉ ሆቴላት፣ ባንክን ካልኦት ናይ ኣገልግሎት ትካላትን ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዳህሳስን መርመራን ይካየድ ኣሎ ኢሉ። ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ምስ ሱዳንን ክልል ኣምሓራን ዘዳውቦ ሰፊሕ ከባቢ ስለ ዘሎ፡ ካብዘን ከባቢታት ስሩዕ ብዘይኮነ መገዲ ዝኣትው ሰባት ብዙሓት ከም ዝኾኑ ዶክተር ጸጋይ ገሊጹ። እዚ ድማ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ሕብረሰተብ ልሒኹ ልዑል መልከፍቲ ከይፍጠር ከም ዝስጋእ ብምዝኽኻር፡ ሕብረተሰብ ጥንቃቐ የጉድል ብምህላው፡ ብሰብ ሞያ ዝወሃቡ ምኽርታት መከላኸሊ እዚ ሕማም ከተግብር ኣዘኻኺሩ።ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ቅድም ኢሉ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ከምዝሞተት ይፍለጥ።ብሓፈሻ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝሒ ብዚ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 107 ክበጽሕ እንከሎ፡ ሸሞንተ ድማ ሓውዮም ኣለው።Assow 2020Copyright: Assow 2020
Posted at 13:17 12 ሰነ 202013:17 12 ሰነ 2020ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተጋደደ ጾታዊ ጥቕዓት ኣብ ልዕሊ ኢትዯጵያውያንን ኤርትራውያንንበዓልቲ ሞያ ሕግን ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላትን ዱንያ መኮነን፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዙሓት መጻምድቲ ኣብ ገዛ ተዓጽዮም’ዮም ይውዕሉ ስዘለዉ፡ እዚ ከኣ ንቁጽሪ ጾታዊ ዓመጻት ክውስኽ ካብ ዝደረኸ ምኽንያታት እቲ ቀንዲ ከምዝኾነ ትዛረብ።ተወሳኺ ንባብnext
Posted at 12:07 12 ሰነ 202012:07 12 ሰነ 2020Breakingኣብ ኢትዮጵያ 245 ተወሰኽቲ ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎምሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 5709 ሰባት ምርመራ ተገይርሎም'ዩ።ካብቶም ምርመራ ዝተገበረሎም ድማ ኣብቶም 245 ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ። 7 ሰባት'ውን ሞይቶም።እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተረኸበ መዓልታዊ ቁጽሪ እቲ ዝለዓለ ኮይኑ'ሎ።ነቲ ናይ ሎሚመዓልቲ ሓዊሱ ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር በኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት 2915 በጺሖም።እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ኣብ ክሊ ዕድመ 1 ክሳብ 85 ዓመት ይርከቡ ተባሂሉ።ብጾታ ከኣ 172 ደቂተባዕትዮን 73 ደቂኣንስትዮን ይብል መግለጺ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ።EBCCopyright: EBC
Posted at 10:31 12 ሰነ 202010:31 12 ሰነ 2020Breakingባይቶ ክልል ትግራይ ሎሚመዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ መረፃ ክካየድ ብምሉእ ድምፂ ወሲኑBBCCopyright: BBC"መረፃ ዝካየደሉ መዓልቲ ዛጊድ ኣይተነፀረን ግን ቅድሚ ጳጉሜን ክካየድ እዩ" ክብል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ባይቶ ትግራይ ኣይተ ሙሉጌታ ታረቀ ንቢቢሲ ገሊጹ።ስእሊ፡ ፋይል [ቅድሚ ኮሮና ዝተወሰደ]
Posted at 10:30 12 ሰነ 202010:30 12 ሰነ 2020ኣብ ትግራይ ተወሰኽቲ 15 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተታሒዞምBBCCopyright: BBCኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ስዓታት ምርመራ ላብራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም 182 ሰባት ኣብቶም 15 እቲ ቫይረሰ ተረኺብዎ ኣሎ። እቶም ሰባት ካብ 20-45 ክሊ ዕድመ ከምዝርከቡ ቢሮ ጥዕና'ቲ ክልል ኣፍሊጡ።"እዞም ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 10 ኣብ ማይ ካድራ መወሸቢ ዝነበሩ ፤ 3 ኣብ መወሸቢ ማእኸል መቐለ ዝነበሩ 2 ድማ ኣብ ሰቲት ሑሞራ ኮይኖም እቲ ቫይረስ ምስ ዘለዎ ርክብ ይኹን ጉዕዞ ታሪኽ ዘይነበሮም እዮም" ይብል ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብፌስቡክ ዝዘርግሖ ሓበሬታ። ዛጊድ ኣብ ትግራይ 4,888 ምርመራ ዝተገበረሎም እንትኾኑ 107 ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም እቲ ጸብጻብ የመልክት።
Posted at 10:02 12 ሰነ 202010:02 12 ሰነ 2020ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተጋደደ ጾታዊ ጥቕዓት ኣብ ልዕሊ ኢትዯጵያውያንን ኤርትራውያንንDUNIA MEKONNENCopyright: DUNIA MEKONNENዱንያ መኮነን ነባሪት ኣሜሪካ ኮይና ብዓልቲ ሞያ ሕግን ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላትን እያ። ኣብ ስራሕ ካብ ትዋፍር ጀሚራ ድማ ዝያዳ ንጥሕሰት መሰላት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ኣተኩሮ ሂባ ትሰርሕ።ዱንያ እቲ ንመሰል ደቂ ኣንስተዮ ምጥባቕ ኣብ ኢትዮጵያ እንከላ’ውን ኣብ ማሕበር ሰብ ሞያ ሕጊ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ተጠርኒፋ ትሰርሓሉ ነይራ እያ።ኣብቲ ማሕበር እንከላ ኣብቲ እዋን ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ቆላሕታ ይውሃቦ ከምዘይነበረ እትዛረብ ዱንያ፡ እቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ልዑል ብምንባሩ እቲ ማሕበር ብሰናይ ተበግስኡ ይሰረሕ ከምዝነበረ ትሕብር።ምሉእ ዛንታ ንምንባብ - ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝፍጸም ጾታዊ ጥቕዓት ወሲኹ ተባሂሉ
Posted at 9:10 12 ሰነ 20209:10 12 ሰነ 2020'ጽርየቶም ዘይሓለዉ መወሸቢ ማእኸላት መራብሒ ኮሮናቫይረስ ዝኾኑላ' ኔፓልGetty ImagesCopyright: Getty Imagesማእኸላት መወሸቢ፡ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝብል ዕላማ ከምዝጣየሹ ይፍለጥ። ኣብ ኔፓል ግን ሰባት በቲ ቫይረስ ዝልከፉሎም ቦታታት ይኾኑ ከምዘለዉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ሓቢሩ።ኣብታ ሃገር ኣስታት 170,000 ሰባት ኣብ መወሸቢ ማእኸላት ይርከቡ።መንግስቲ ብመሰረት መምዘኒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ነቶም ማእኸላት ክቆጻጸሮም ከምዘይከኣለ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ነቒፉ።እንተተኻኢሉ ስፍሕ ዝበለ ሓደ ክፍሊ ምስ ቬንትሌተር፣ ሽቓቕን መሕጸብን ብነብሲ ወከፍ ክዳለው፤ ሓበራዊ ክፍሊ እንተኾይኑ ድማ ኣብ ሞንጎ ዓራውቲ ናይ ሓደ ሜትሮ ርሕቐት ክዕቀብ ውድብ ጥዕና ዓለም ይምዕድ።ኔፓል ኣብዚ ሕዚ እዋን 4,614 ሰባት በቲ ቫይረስ ክተሓዝዋ ከለዉ፡ 14 ድማ ሞይቶም።
Posted at 8:50 12 ሰነ 20208:50 12 ሰነ 2020ኣብ ናይጀርያ ልዕሊ 39́ ሚልዮን ዜጋታት ሸቕሊ ኣልቦ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹReutersCopyright: Reutersኣብ ናይጀርያ ክሳብ መዛዘሚ እዚ ዓመት 39.4 ሚልዮን ሰባት ሸቕሊ ኣልቦ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሚቱ።ቁጠባ እታ ሃገር ብድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምንቕቓሕ ብዝብል ዝቖመ ኮሚቴ ከምዘፍለጦ እቶም ብቑጽሪ ዝተገመቱ ዜጋታት ክሳብ መዛዘሚ 2020 'ዮም ሸቕሊ ኣልቦ ክኾኑ።ብምኽትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝምራሕ እቲ ጉጅለ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝብል ዝተነበረ ገደብ ምንቅስቓስ ንዓውዲታት ሕርሻ፣ ቱሪዝምን ኣፍረይቲ ትካላትን ከምዝሃሰየ ኣፍሊጡ።ነቲ ጸገም ሽቕለት ኣልቦነት ንምፍታሕ ድማ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ክቖጽሩ ዝኽእሉ ፕሮጀክትታት ክጅምሩ ምግባር ተመራጺ ከምዝኾነ ሓቢሩ።ኣብ ናይጀርያ 14 ሽሕን 554 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ መረዳእታታት የመልክቱ።
Posted at 7:51 12 ሰነ 20207:51 12 ሰነ 2020ሆስፒታላት ህንዲ ንሕሙማት ኮቪድ-19 "ኣይንቕበልን" ክብላ ጀሚረንGetty ImagesCopyright: Getty Imagesኣብ ህንዲ ብሕሙማት ዝተጨናነቓ ሆስፒታላት ብኮሮናቫይረስ ንዝተትሓዙ ኣይንቕበልን ይብላ ኣለዋ።ኣብታ ሃገር ብፍላይ እተን ብዝሒ ነበርቲ ዘለውወን ከተማታት ብሕሙማት ኮቪድ-19 ከምዝተጨናነቓ ይግለጽ።ከተማ ደልሂ ጥራይ ድሕሪ ሽድሽተ ሰሙናት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን በቲ ቫይረስ ዝሓመሙ ክህልውዋ ከምዝኽእሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣጠንቂቖም።ብተመሳሳሊ ኣብ ሙምባይ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ካብታ እቲ ቫይረስ ዝፈለመላ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ዛይዱ'ሎ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ሆስፒታላት ሕሙማት ኣይንቕበልን ብምባለን ብዙሓት ሰባት ሕክምና ብዘይምርካቦም ይሞቱ ኣለዉ።
Posted at 6:48 12 ሰነ 20206:48 12 ሰነ 2020ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ እዋን ለበዳ ምዝመዛ ጉልበት ህጻናት ክውስኽ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑEPACopyright: EPAኣብ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ህጻናት ናብ ሓደጋ ምዝመዛ ጉልበት (ግዱድ ዕዮ ህጻናት) የእትው ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዘጋጠመ ወሰኽ ቁጽሪ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።"እቲ ለበዳ ኣብ ኣታዊታት ስድራ ጽልዋ ስለዘሕደረ መብዛሕቲኦም ኣብ ምዝመዛ ጉልበት ህጻናት ክምርኮሱ ይኽእሉ እዮም" ኢሉ ዓለምለኻዊ ውድብ ዕዮ።ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ኣብ ግዱድ ዕዮ ዝተዋፈሩ ህጻናት ኣብ 2000 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ካብ 246 ሚልዮን ናብ 152 ሚልዮን ነኪዩ ነይሩ።ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዓለም ናብ ኣዝዩ ከቢድ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ከምዘእትዋ ተንተንቲ ቁጠባ የተንብሁ።
Posted at 6:22 12 ሰነ 20206:22 12 ሰነ 2020ልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት ኣብ ዝሞትዋ ብራዚል ዝተወለዐ ቁጠዐReutersCopyright: Reutersተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብራዚል፤ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ምቁጽጻርን ምክልኻልን ኮቪድ-19 ሸለልትነት ኣርእዩ ብምባል ሕርቃኖም ክገልጹ ጀሚሮም።ነዚ ድማ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሪዮ ኮፖካባና 100 መቃብራት ብምስራሕ ነቶም ብኮቪድ 19 ዝሞቱ ልዕሊ 40 ሽሕ ብራዚላውያን ይዝክሩ ኣለዉ። እንተኾነ እዞም ነዚ ናይ ዝኽሪ መደብ ዘዳለዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፤ ደገፍቲ ፕረዚደንት ጃየር ቦለሶናሮ ነቲ ንዝኽሪ ዝተተኸለ መስቀል ስለዝመሓውዎ ቁጠዐ ከምዝፈጠረሎም ይሕብሩ። ምሉእ ዛንታ ንምንባብ - ኣብ ብራዚል ኮሮናቫይረስ ዝፈጥሮ ዘሎ ነቃዕ እናሓደረ ይገፍሕ ኣሎ
ቀጥታዊ ጸብጻብ
time_stated_uk
ሓደ ወተሃደር ኣመሪካ ነበር ኣብ ሩስያ ብስለያ ተኸሲሱ ን16 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ
እዚ ናይ ኣሜሪካ፣ እንግሊዝ፣ ካናዳን ኣየርላንድን ዜግነት ዝለዎ ውልቀሰብ፡ ነቲ ሚስጢራዊ ሓበሬታ ሒዙ ዝተብሃለ ፍላሽ 'ናይ በዓል ኣሳእል ዝሓዘ ፍላሽ ዲስክ እዩ' ክብል ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ነጺግዎ ነይሩ።
ተወሳኺ ንባብBreakingኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 268 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኸቢብዎም
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓት 5644 ሰባት መርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይርሎም እቶም 268 ሰባት ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።
በዚ መሰረት ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዘተለኸፉ ሰባት 3,166 በጺሑ ኣሎ።
እቲ ሚኒሰትሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ሸሞንተ ሰባት ብኮቪድ 19 ከምዝሞቱ ብምግላጽ ኣብታ ሃገር ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞገ ሰባት ናብ ሓምሳን ሓሙሽተን ክብ ምባሉ ገሊጹ።
ካብዞም 268 እተን 91 ደቂ ኣንስትዮ ክኾና እንከለዋ፡ እቶም 177 ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ብዝርገሐ ቦታ ድማ 232 ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ 12 ካብ ኦሮምያ፡ 8 ካብ ኣምሓራ፡ 6 ካብ ትግራይ፡ 5 ካብ ሃረር፡ 2 ካብ ደቡብ፡ 2 ካብ ዓፋርን 1 ካብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ምኳኖም እቲ ሚኒሰትሪ ኣብ ዝሃቦ ዕለታዊ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ሚኒሰትሪ ብተወሳኺ ካብቶም ኮቪድ 19 ሓሚሞም ሕክምናዊ ናብዮት ክግበረሎም ዝጸንሐ 44 ሰባት ስለዝሓወዩ ሓፈሻዊ ቁጽሪ ካብዚ ሕማም ዝሓወዩ 495 ከም ዝበጸሐ ገሊጹ።
ብራዚል ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ
ኣብዚ እዋን ብዓለም ጀረጃ ልዕሊ ፍርቂ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ከምዘሎን፡ ማእከል እቲ ለበዳ ድማ ብራዚል ኮይና ትርከብ።
ኣብ ብራዚል፡ 828,810 ሰባት ተለኺፎም ከምዘለውን፡ እዚ ቁጽሪ ድማ ድሕሪ እቲ ናይ ኣመሪካ ይስራዕ።
ቊጽሪ ዝሞቱ 42,000 በጺሑ’ሎ።
እቲ ቊጽሪ መልከፍቲ ግን፡ እኹል መርመራ ከምቲ ዝድለ ሰለዘይካየድ ድማ ልዕሊ እቲ ዝተገልጽ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ተመኩሮ ዓሌትነት ብዓይኒ ኤርትራውያን ኣዴታት
እቲ ብ25 ግንቦት 2020፡ ደርክ ቻውቪን ዝተባህለ ኣባል ፖሊስ ሚንያሶታ፡ ኣብ ልዕሊ ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ዝተፈጸመ ኢሰብኣዊ ቅትለት፡ ኣብ ኣሜሪካን፡ ኣብ ካልኦት ክፍልታት ዓለምን ቁጥዐን ነድርን ኣስዒቡስስ ኣህዛብ ዓለም ብሰልፍን ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ይኹንንዎ ኣለው። ካብዚ ብዝብገስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉርን ኩርናዕ ዓለምን ዝርከባ ኤርትራውያን ኣዴታት፡ ጸለምቲ ብምዃነንን ኣብ ደቀንን ስድረአንን ከባቢአንን ንዘጋጠመን ተመኩሮ ንቢቢሲ ገሊጸን ኣለዋ።
ተወሳኺ ንባብብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ 7.6 ሚልዮን ሰባት ኣስታት ፍርቆም ሓውዮም
ሎሚ ቀዳም ብዘሎ ሓበሬታ ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ 7.6 ሚላዮን ሰባት ኣስታት ፍርቆም (ልዕሊ 3.6 ሚልዮን) ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋነዮም።
እንተኾነ ሕዱር ሕማም ዝነበሮም፡ ኣረጋውያንን ናይ ምጽዋር ዓቕሞም ድኹም ዝጸንሐን 425,869 ሰባት ድማ ብኮቪድ-19 ሞይቶም ኣለዉ።
ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ብምቁጽጻር የእዳውና ደጋጊምና ብማይን ሳምናን ምሕጻብ፡ ኣካላዊ ምርሕሓቅ ምትግባር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ካብቲ ቀንዲ ክንገብሮ ዘለና ምዃኑ ሰብ ሞያ ጥዕና ይምዕዱ።
'መስርሕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ዕርክነት ኣብዪን ኢሳይያስን ኮይኑ ተሪፉ' ሜ/ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት
ጀነራል ኣበበ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጋዜጣታት፡ መጽሄታትን ብዘቕርቦም ፖለቲካዊ ትንታነታት ይፍለጥ። 'የኢትዮጵያ ፖለቲካ ከየት ወዴት' ዝብል መጽሓፍ'ውን ጽሒፉ እዩ። ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣዘራሪብዎ ኣሎ።
ተወሳኺ ንባብምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ዓባይ ብሪጣንያ
ሎሚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ 202 ሰባት ብሕማም ኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዝሞቱ ጸብጻባት መንግስቲ ሓቢሮም።
ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት እናጎደለ ይኸይድ ከምዘሎ'ውን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ኣባላት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ምዕዳግ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብሓባር ክሰርሓ ጻውዒት ቀሪቡ
ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ምሽማት ክታበት ኮሮናቫይረስ ብሓንሳብ ተሓባቢረን ክሰርሓ ፈጻሚ ኣካል እቲ ሕብረት ኣዘኻኺሩ።
ሓላፊት ጥዕና ኤውሮጳዊ ሕብረት ከምዝሓበረቶ፡ እቲ ሕብረት ካብ መንግስታት እተን ኣባላት ሃገራት ምሉእ ደገፍ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣስታት 2.7 ቢልዮን ዶላር ንመግዝኢ መድሃኒት ኮሮናቫይስ ሰሊዑ ከምዘሎ ገሊጻ።
ሃገራት ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ከምኡ’ውን ሆላንድ ድሮ ምስ መድሃኒት ዘፍርያ ዘለዋ ኩባንያታት ዝርርብ ጀሚረን ከምዘለዋን፡ እዚ ድማ ነቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝወስዶ ዘሎ ተበግሶ ዘድክም ምዃኑ ተሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ሕበረት ንኹለን 27 ሃገራት ዘማእከለ ረብሓ ይሰርሕ ምህላው ሓላፊት ጥዕና ናይቲ ሕብረት ስተላ ከርዩደስ ሓቢራ።
ፕረዚደንት ሶርያ ንቀዳማይ ሚኒሰትር እታ ሃገር ሰጒጉ
ፕረሲደንት ሶርያ በሽር ኣል ኣሳድ ንቀዳማይ ሚኒሰትር እታ ሃገር ኢማድ ክሃሚስ ካብ ስራሕ ከምዝሰጐገ ተገሊጹ
ተወሳኺ ንባብኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ ብዝሒ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት 64 በጺሑ
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረሰተብ ዘሎ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምፍላጥ፡ ገዛ ንገዛ ዳህሳስ ከም ዝጀመረ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሎሚ መዓልቲ፡ ኣብ ትግራይ 15 ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ከም ዝተረኸቡ ብመርመራ ክረጋገጽ እንከሎ፡ እቶም 11 ካብ ምዕራብ ትግራይ፡ ማይካድራን ሰቲት ሑመራን እዮም።
ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ከም ዘስግእ ዝገልጽ ምኽትል ሓላፊ ቦሮ ጥዕና ዶክተር ጸጋይ በርሀ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ስጉምቲ ዕጽዋ ቅድሚ ምውሳዱ ነዚ ቫይረስ ተቓላዕቲ’ዮም ኣብ ዝበሃሉ ሆቴላት፣ ባንክን ካልኦት ናይ ኣገልግሎት ትካላትን ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዳህሳስን መርመራን ይካየድ ኣሎ ኢሉ።
ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ምስ ሱዳንን ክልል ኣምሓራን ዘዳውቦ ሰፊሕ ከባቢ ስለ ዘሎ፡ ካብዘን ከባቢታት ስሩዕ ብዘይኮነ መገዲ ዝኣትው ሰባት ብዙሓት ከም ዝኾኑ ዶክተር ጸጋይ ገሊጹ።
እዚ ድማ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ሕብረሰተብ ልሒኹ ልዑል መልከፍቲ ከይፍጠር ከም ዝስጋእ ብምዝኽኻር፡ ሕብረተሰብ ጥንቃቐ የጉድል ብምህላው፡ ብሰብ ሞያ ዝወሃቡ ምኽርታት መከላኸሊ እዚ ሕማም ከተግብር ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ቅድም ኢሉ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ከምዝሞተት ይፍለጥ።
ብሓፈሻ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝሒ ብዚ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 107 ክበጽሕ እንከሎ፡ ሸሞንተ ድማ ሓውዮም ኣለው።
ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተጋደደ ጾታዊ ጥቕዓት ኣብ ልዕሊ ኢትዯጵያውያንን ኤርትራውያንን
በዓልቲ ሞያ ሕግን ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላትን ዱንያ መኮነን፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዙሓት መጻምድቲ ኣብ ገዛ ተዓጽዮም’ዮም ይውዕሉ ስዘለዉ፡ እዚ ከኣ ንቁጽሪ ጾታዊ ዓመጻት ክውስኽ ካብ ዝደረኸ ምኽንያታት እቲ ቀንዲ ከምዝኾነ ትዛረብ።
ተወሳኺ ንባብBreakingኣብ ኢትዮጵያ 245 ተወሰኽቲ ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም
ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 5709 ሰባት ምርመራ ተገይርሎም'ዩ።
ካብቶም ምርመራ ዝተገበረሎም ድማ ኣብቶም 245 ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ። 7 ሰባት'ውን ሞይቶም።
እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተረኸበ መዓልታዊ ቁጽሪ እቲ ዝለዓለ ኮይኑ'ሎ።
ነቲ ናይ ሎሚመዓልቲ ሓዊሱ ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር በኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት 2915 በጺሖም።
እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ኣብ ክሊ ዕድመ 1 ክሳብ 85 ዓመት ይርከቡ ተባሂሉ።
ብጾታ ከኣ 172 ደቂተባዕትዮን 73 ደቂኣንስትዮን ይብል መግለጺ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ።
Breakingባይቶ ክልል ትግራይ ሎሚመዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ መረፃ ክካየድ ብምሉእ ድምፂ ወሲኑ
"መረፃ ዝካየደሉ መዓልቲ ዛጊድ ኣይተነፀረን ግን ቅድሚ ጳጉሜን ክካየድ እዩ" ክብል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ባይቶ ትግራይ ኣይተ ሙሉጌታ ታረቀ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ስእሊ፡ ፋይል [ቅድሚ ኮሮና ዝተወሰደ]
ኣብ ትግራይ ተወሰኽቲ 15 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተታሒዞም
ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ስዓታት ምርመራ ላብራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም 182 ሰባት ኣብቶም 15 እቲ ቫይረሰ ተረኺብዎ ኣሎ።
እቶም ሰባት ካብ 20-45 ክሊ ዕድመ ከምዝርከቡ ቢሮ ጥዕና'ቲ ክልል ኣፍሊጡ።
"እዞም ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 10 ኣብ ማይ ካድራ መወሸቢ ዝነበሩ ፤ 3 ኣብ መወሸቢ ማእኸል መቐለ ዝነበሩ 2 ድማ ኣብ ሰቲት ሑሞራ ኮይኖም እቲ ቫይረስ ምስ ዘለዎ ርክብ ይኹን ጉዕዞ ታሪኽ ዘይነበሮም እዮም" ይብል ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብፌስቡክ ዝዘርግሖ ሓበሬታ።
ዛጊድ ኣብ ትግራይ 4,888 ምርመራ ዝተገበረሎም እንትኾኑ 107 ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተጋደደ ጾታዊ ጥቕዓት ኣብ ልዕሊ ኢትዯጵያውያንን ኤርትራውያንን
ዱንያ መኮነን ነባሪት ኣሜሪካ ኮይና ብዓልቲ ሞያ ሕግን ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላትን እያ። ኣብ ስራሕ ካብ ትዋፍር ጀሚራ ድማ ዝያዳ ንጥሕሰት መሰላት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ኣተኩሮ ሂባ ትሰርሕ።
ዱንያ እቲ ንመሰል ደቂ ኣንስተዮ ምጥባቕ ኣብ ኢትዮጵያ እንከላ’ውን ኣብ ማሕበር ሰብ ሞያ ሕጊ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ተጠርኒፋ ትሰርሓሉ ነይራ እያ።
ኣብቲ ማሕበር እንከላ ኣብቲ እዋን ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ቆላሕታ ይውሃቦ ከምዘይነበረ እትዛረብ ዱንያ፡ እቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ልዑል ብምንባሩ እቲ ማሕበር ብሰናይ ተበግስኡ ይሰረሕ ከምዝነበረ ትሕብር።
ምሉእ ዛንታ ንምንባብ - ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝፍጸም ጾታዊ ጥቕዓት ወሲኹ ተባሂሉ
'ጽርየቶም ዘይሓለዉ መወሸቢ ማእኸላት መራብሒ ኮሮናቫይረስ ዝኾኑላ' ኔፓል
ማእኸላት መወሸቢ፡ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝብል ዕላማ ከምዝጣየሹ ይፍለጥ።
ኣብ ኔፓል ግን ሰባት በቲ ቫይረስ ዝልከፉሎም ቦታታት ይኾኑ ከምዘለዉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ሓቢሩ።
ኣብታ ሃገር ኣስታት 170,000 ሰባት ኣብ መወሸቢ ማእኸላት ይርከቡ።
መንግስቲ ብመሰረት መምዘኒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ነቶም ማእኸላት ክቆጻጸሮም ከምዘይከኣለ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ነቒፉ።
እንተተኻኢሉ ስፍሕ ዝበለ ሓደ ክፍሊ ምስ ቬንትሌተር፣ ሽቓቕን መሕጸብን ብነብሲ ወከፍ ክዳለው፤ ሓበራዊ ክፍሊ እንተኾይኑ ድማ ኣብ ሞንጎ ዓራውቲ ናይ ሓደ ሜትሮ ርሕቐት ክዕቀብ ውድብ ጥዕና ዓለም ይምዕድ።
ኔፓል ኣብዚ ሕዚ እዋን 4,614 ሰባት በቲ ቫይረስ ክተሓዝዋ ከለዉ፡ 14 ድማ ሞይቶም።
ኣብ ናይጀርያ ልዕሊ 39́ ሚልዮን ዜጋታት ሸቕሊ ኣልቦ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ
ኣብ ናይጀርያ ክሳብ መዛዘሚ እዚ ዓመት 39.4 ሚልዮን ሰባት ሸቕሊ ኣልቦ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሚቱ።
ቁጠባ እታ ሃገር ብድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምንቕቓሕ ብዝብል ዝቖመ ኮሚቴ ከምዘፍለጦ እቶም ብቑጽሪ ዝተገመቱ ዜጋታት ክሳብ መዛዘሚ 2020 'ዮም ሸቕሊ ኣልቦ ክኾኑ።
ብምኽትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝምራሕ እቲ ጉጅለ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝብል ዝተነበረ ገደብ ምንቅስቓስ ንዓውዲታት ሕርሻ፣ ቱሪዝምን ኣፍረይቲ ትካላትን ከምዝሃሰየ ኣፍሊጡ።
ነቲ ጸገም ሽቕለት ኣልቦነት ንምፍታሕ ድማ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ክቖጽሩ ዝኽእሉ ፕሮጀክትታት ክጅምሩ ምግባር ተመራጺ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ኣብ ናይጀርያ 14 ሽሕን 554 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ መረዳእታታት የመልክቱ።
ሆስፒታላት ህንዲ ንሕሙማት ኮቪድ-19 "ኣይንቕበልን" ክብላ ጀሚረን
ኣብ ህንዲ ብሕሙማት ዝተጨናነቓ ሆስፒታላት ብኮሮናቫይረስ ንዝተትሓዙ ኣይንቕበልን ይብላ ኣለዋ።
ኣብታ ሃገር ብፍላይ እተን ብዝሒ ነበርቲ ዘለውወን ከተማታት ብሕሙማት ኮቪድ-19 ከምዝተጨናነቓ ይግለጽ።
ከተማ ደልሂ ጥራይ ድሕሪ ሽድሽተ ሰሙናት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን በቲ ቫይረስ ዝሓመሙ ክህልውዋ ከምዝኽእሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣጠንቂቖም።
ብተመሳሳሊ ኣብ ሙምባይ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ካብታ እቲ ቫይረስ ዝፈለመላ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ዛይዱ'ሎ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ሆስፒታላት ሕሙማት ኣይንቕበልን ብምባለን ብዙሓት ሰባት ሕክምና ብዘይምርካቦም ይሞቱ ኣለዉ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ እዋን ለበዳ ምዝመዛ ጉልበት ህጻናት ክውስኽ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ
ኣብ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ህጻናት ናብ ሓደጋ ምዝመዛ ጉልበት (ግዱድ ዕዮ ህጻናት) የእትው ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዘጋጠመ ወሰኽ ቁጽሪ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።
"እቲ ለበዳ ኣብ ኣታዊታት ስድራ ጽልዋ ስለዘሕደረ መብዛሕቲኦም ኣብ ምዝመዛ ጉልበት ህጻናት ክምርኮሱ ይኽእሉ እዮም" ኢሉ ዓለምለኻዊ ውድብ ዕዮ።
ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ኣብ ግዱድ ዕዮ ዝተዋፈሩ ህጻናት ኣብ 2000 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ካብ 246 ሚልዮን ናብ 152 ሚልዮን ነኪዩ ነይሩ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዓለም ናብ ኣዝዩ ከቢድ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ከምዘእትዋ ተንተንቲ ቁጠባ የተንብሁ።
ልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት ኣብ ዝሞትዋ ብራዚል ዝተወለዐ ቁጠዐ
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብራዚል፤ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ምቁጽጻርን ምክልኻልን ኮቪድ-19 ሸለልትነት ኣርእዩ ብምባል ሕርቃኖም ክገልጹ ጀሚሮም።
ነዚ ድማ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሪዮ ኮፖካባና 100 መቃብራት ብምስራሕ ነቶም ብኮቪድ 19 ዝሞቱ ልዕሊ 40 ሽሕ ብራዚላውያን ይዝክሩ ኣለዉ።
እንተኾነ እዞም ነዚ ናይ ዝኽሪ መደብ ዘዳለዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፤ ደገፍቲ ፕረዚደንት ጃየር ቦለሶናሮ ነቲ ንዝኽሪ ዝተተኸለ መስቀል ስለዝመሓውዎ ቁጠዐ ከምዝፈጠረሎም ይሕብሩ።
ምሉእ ዛንታ ንምንባብ - ኣብ ብራዚል ኮሮናቫይረስ ዝፈጥሮ ዘሎ ነቃዕ እናሓደረ ይገፍሕ ኣሎ