Got a TV Licence?

You need one to watch live TV on any channel or device, and BBC programmes on iPlayer. It’s the law.

Find out more
I don’t have a TV Licence.

  1. ቦይንግ 737 ማክስ 8 መገዲ ኣየር ኢትዯጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስተበገሰት ድሕሪ ሽድሽተ ደቒቓ ወዲቓ
  2. በቲ ሓደጋ ሸሞንተ ኣባለት በረራ ሓዊሱ 157 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ
  3. ቦይንግ 737 ማክስ 8 ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ተኣጊደን ይርከባ

live_reporting

time_stated_uk

  1. "ተሪፍኪ'ዶ?"

    መተኣናገዲት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

    ስማ ክግለፅ ዘይደለየት ሓንቲ መተኣናገዲት፡ ምስ ቤተሰባ እናዕለለት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ከም ዝሰምዐት ትዝክር።

    ሽዑ ድምፂ ፃውዒት ሞባይል ስልካ ተሰሚዑ። "ተሪፍኪ'ዶ?" ንምባል ካብ መሓዝኣ ዝተደወለላ ስልኪ'ዩ። ነቲ ዜና ምስ ሰምዐት ንምእማኑ ከም ዝተፀገመት'ውን ትዛረብ።

    ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ፡ መግለፂ ሓዘን ኣውፂኡ ምስ ረኣየት ድማ ነቲ ሓቂ ክትኣምን ክኢላ።

    እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ መዓልቲ ናብ ታይላንድ - ባንኮክ በረራ ዝነበራ እንትኸውን፡ ወለዳ ግን ንኸይትኸይድ ለሚኖምዋ'ዮም።

    ንኣዲኣ ሓዊሱ ኩሎም ቤተሰባ፡ "እዚ ተፈጢሩ ከሎ ናበይ ክትኸዲ? ንሞት'ዶ በዓልካ ትፅውዓ?" ከም ዝበልዋ ትዝክር።

    "እታ ነፋሪት ካብ ትብገስ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ሓደጋ ስለዘጋጠማ፡ ንሕና'ውን ነፋሪትና ክትብገስ ከላ ኩላህና ንበክይ ነይርና። ኣገልግሎት ክንህብ ኣይከኣልናን" ኢላ።

    ብሞያ ሕጊ ዝተመረቐት እዛ መተኣናገዳኢት በረራ ኣየር ፡ ወለዳ ኣብ ስግኣት ከም ዝርከቡ'ያ ትገልፅ።

    "ኣቦይ ብዝተመረቕኩሉ ሞያ ንኽሰርሕ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ምልክተታት እናረኣየ 'ኣብዚ ፈትኒ! ክሳብ መዓዝ ክንሻቐል?' እናበለ ይዛረበኒ" ትብል።

    ንሳ ግን ነቲ ሕዚ ዘላትሉ ስራሕ ስለእትፈትዎ፡ ንርእይቶ ወለዳ ክትቕበል ኣይከኣለትን።

    ሰራሕተኛታት በረራ ኣብ ሓዘን
  2. ሓደጋ ነፋሪት ዘጋጠማ ሃገር እንታይ ክትገብር ትግደድ?

    ምርመራ ምጽራይ ሓደጋ ነፋሪት እንትካየድ፡ እታ ሓደጋ ዘጋጠማ ሃገር ኣብ እዋን እቲ ምጽራይን ብድሕሪኡን ብኸመይ ትነጥፍ?

    ብመሰረት ውዕል በረራ ቺካጎ ኣንቀጽ 13 ፡ እታ ሃገር ሓደጋ ዝበጽሐሉ ኩነታት ዝገልጽ ሓበሬታ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ ግዜ እንተደኣ ዘይቀሪቡ፡ እቲ ሓደጋ ካብ ዝበጽሐሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ቀዳማይ ብርኪ ውጽኢት ምጽራይ ንትካል ዓለም-ለኸ ሲቪል ኣቭየሽን(ICAO) ከተቕርብ ትግደድ።

    እቲ ናይ መጀመርታ ደረጃ ውጽኢት ምጽራይ፡ ብፍቓድ እታ ሃገር፡ ብምስጢር ክተሓዝ ይኽእል ወይከኣ፡ ንህዝቢ ዕላዊ ምግባር ይካኣል እዩ።

    ከምኡ’ውን ነቲ ምርመራ ምጽራይ ተካይድ ዘላ ሃገር፡ እንተነኣሰ እቲ ሓደጋ ምስ በጽሐ ክሳብ 12 ወርሒ ኣብ ዘሎ እዋን ሙሉእ ጸብጻብ ውጽኢት እቲ ምርመራ ንህዝቢ ዕላዊ ክገብር ከምዘለዎ እቲ ስምምዕ ይገልጽ።

    እዚ ምግባር እንተዘይተኻኢሉ ግን፡ እንተነኣሰ በብዓመቱ እቲ ምርመራ ምጽራይ ዝርክበሉ ብርክን ዘጋጠሙ ሕልኽላኻትን ብዝርዝር ክተፍልጥ ኣለዋ።

    ኣርማ ትካል ዓለም-ለኸ ሲቪል ኣቭየሽን(ICAO)
  3. ብላክ ቦክስ (መኽዝን መረዳእታ) እንታይ እዩ?

    ኣብ ሓንቲ ነፈርቲ ዝበፅሐ ሓደጋ ምርመራ ንምክያድ ዝሕግዝ ወሳኒ መረዳእታ ዝሕዝ ኤሌክትሮኒክ መሳርሒ ኮይኑ፡ ኣብ ዳሕሪት ክፋል እታ ነፋሪት ይርከብ።

    መረዳእታ በረራ መዝጊቡ ዝሕዝ እዚ መሳርሒ ሕብሩ ግን ከም ስሙ ፀሊም ዘይኮነስ፡ ድሙቕ ሕብሪ ኣራንሺ’ዩ።

    መጠኑ ክንዲ ንጫማ መዕሸጊ ዝኸውን ባኮ’ዩ። ኣብ ውሽጡ ድማ ክልተ ክፍልታት ኣለውዎ።

    ንሳቶም ድማ መመዝገቢ መረዳእታ በረራን ናይ ክፍሊ በረራ መቕድሒ ድምፅን እዮም።

    መጠን ዋዒ፣ ናህሪ፣ ብራኸ፣ መጠን ነዳድን ካልኦትን ን25 ሰዓታት መዝጊቡ ይሕዝ።

    እቲ ሳንዱቕ ናብ ውሽጢ ማይ ካብ ዝኣተወሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ከከም ዓይነት እተን ነፈርቲ ካብ 30 ክሳብ 90 መዓልቲ ብዘይምቁራፅ፡ ዝርከበሉ ቦታ ዝሕብር ጨረር ብርሃን የርእይ።

    ምስሊ ሳንዱቕ ወይ መኽዝን መረዳእታ - ብላክ ቦክስ
  4. "ብብቕዓት ኣብረርትና ንሕበንን ንኾርዕን"

    መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ቀዳማይ ደረጃ ምርመራ ሓደጋ ነፋሪት ኢቲ 302 ንዘካየደ ጉጅለ ንኢዱ።

    ምርመራ ምጽራይ እቲ ሓደጋ፡ ፓይለታት ነታ ነፋሪት ክቆፃፀሩ ዝሕግዝ ስርዓት ከም ዝተኸታተሉ ዘረጋገፀ ምንባሩ ሓቢሩ።

    ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም "ብብቕዓት ኣብረርትናን ማእኸላት ስልጠናን ንሕበንን ንኾርዕን" ኢሉ።

    ንስድራ ግዳያት ደጊሙ ፅንዓት ብምምናይ “እቲ ምርመራ ይቕፅል ስለዘሎ ነቲ ጉጅለ ዘድልይ ምትሕብባር ክንገብር ኢና” ድማ ኢሉ።

    ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም
    View more on twitter
  5. ኬንያውያን ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ቦይንግን ክኸሱ እዮም

    ኬንያውያን ስድራ ግዳያት ብምኽንያት ኣብታ ቅድሚ ሰሙናት ዝወደቕት ነፋሪት ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣባላት ስድርኦም፡ ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኩባንያ መፍረዪ ነፈርቲ ቦይንግን ክኸሱ እዮም።

    በቲ ኣብ ልዕሊ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ምውዳቕ፡ ህይወቶም ካብ መንጎ ዝሰኣኑ 157 ተጓዓዝቲ፡ እቶም 32 ኬንያውያን 'ዮም።

    ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ

    ቁፅሪ በረራ 302 ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ-ኣዲስኣበባ ካብ እትብገስ ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ደቓይቕ ዝተሓምሸሸት ኮይና፡ ክትበፅሓሉ ዝተሓሰበ ቦታ ግን ኬንያ ናይሮቢ ነይሩ።

    ኬንያውያን ስድራ ግዳያት፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኩባንያ ቦይንግን ብሕልፈት ህይወት ኣባላት ስድርኦም ተሓተትቲ ክኾኑ ከም ዝግባእ ተዛሪቦም።

    ስብርባር ኣካል ቦይንግ 737 ማክስ 8
  6. ናይ መወዳእታ ውፅኢት ምርመራ

    ነቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተወሃበ ቀዳማይ ደረጃ ውፅኢት ምርመራ እቲ ሓደጋ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝርዝር መረዳእታ ንማሕበረሰብ ዓለም ከም ዝቐርብ እተን ሚንስትር ትራንስፖርት ወሲኸን ሓቢረን።

  7. እቲ ሓደጋ ስዒቡ፡ ቁፅሪ ተጓዓዝቲ ኣይነከየን ተባሂሉ

    እቲ ሓደጋ ስዒቡ፡ ዛጊድ ኣብ ብዝሒ ተገልገልቲ እቲ መገዲ ኣየር ዘጋጠመ ምንካይ ቁፅሪ ከም ዘየጋጠመ ተገሊፁ።

    ጉዳይ ካሕሳ ሕጋዊ መስርሒ ተኸቲሉ ከም ዝፍፀም’ውን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

    ተመሳሳሊ ሓደጋ ንኸየጋጥም መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዝምልከቶ ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ’ሎ

    መግለፂ ሚንስትር ትራንስፖርት
  8. ምኽረ ሓሳባት ድሕነት በረራ

    ምኽረ ሓሳባት ድሕነት በረራ ካብ ጉጅለ ምርመራ

    ብሚንስትር ወ/ሮ ዳግማዊት ዝቐረቡ ናይ ድሕንነት ምኽረ ሓሳባት

    - እቲ ኩባንያ፡ ብተደጋጋሚ ዘጋጠመ ነታ ነፋሪት ንምቁፅፃር ዘፀግምን ንቑልቁል ኣፋ ዝደፍእ ኩነታት መሊሱ ክፍትሾ ይግባእ

    - ኣብ ስርሓት እታ ነፋሪት ዝምልከቶም ኣካላት፡ ስርዓት ቁፅፅር በረራ ከጠናኽሩ ኣለዎም

    መግለፂ ሚንስትር ትራንስፖርት
  9. Breakingቀዳማይ ደረጃ ውፅኢት ምርመራ ነፋሪት ኢትዮጵያ ዕላዊ ኮይኑ

    ኣብቲ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺ፡ ሚንስትር ትራንስፖርት ዳግማዊት ሞገስ ከም ዝሓበርኦ፡

    1- እታ ነፋሪት ምሉእ በረራ ንምክያድ ዘኽእላ ሕጋዊ ሰርተፊኬት ከም ዘለዋ ተረጋጊፁ

    2 - ኣብረርቲ ብቕዓትን ፍቓድን ኣብራርነት ከም ዝነበሮም በቲ ምርመራ ተረጋጊፁ'ሎ

    3 - እታ ነፋሪት ንበረራ ክትለዓል ከላ ኣብ ትኽክለኛ መስመር ከም ዝነበረት ተፈሊጡ

    4 - ኣብረርቲ ካብ ሓደጋ ንምቁፃፃር ዘኽእል መስርሕ ቦይንግ ቅደም-ሰዓብ ብምኽታል ነታ ነፋሪት ንምቁፅፃር ፈቲኖም ግን ኣይከኣሉን

    ቀጥታዊ ፈነወ እቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብዚ ተኸታተሉ

    ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ መግለፂ እናሃባ
    View more on facebook
  10. እንታይ ክበሃል ፀኒሑ?

    ምስ ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝተሓሃዘ ዝተፈላለዩ መረዳእታታት ክወፅኡ ፀኒሖም'ዮም።

    ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል፡ ርክብ ሬድዮ እታ ነፋሪት ቅድሚ ምቁራፁ፡ እቲ ሓደ ካፕቴይን "ኣቕነዐዮ! ኣቕንዓዮ!" ኢሉ ንመሳርሕቱ እናተዛረበ ዝተቐድሐ ድምፂ ከምዝተረኽበ ፀብፂቡ ነይሩ።

    ነታ ነፋሪት ካብ ሓደጋ ምትራፍ ዝከኣለሉ መስርሕ ክኽተሉ'ኳ እንተፈተኑ፡ ነቲ ሓደጋ ከትርፉ ከም ዘይከኣሉ'ውን፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ቀረባ ዝኾኑ ምንጭታት ፀሪሑ እቲ ጋዜጣ ፀብፂቡ'ዩ።

    ካብ መኽዝን ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝተረኸበ ቀዳማይ ደረጃ መረዳእታ ከም ዝሕብሮ፡ ነታ ንቑልቁል ኣፋ ትድፋእ ዝነበረት ነፋሪት "ከድሕን ይኽእል'ዩ" ዝተበሃለ ስርዓት ክፍተን ከም ዝተገበረ'ውን ኣመልኪቱ።

    ዘ ዎል ስትሪት፡ ስሞም ንዘይተገለፁ ምንጭታት ፀሪሑ ከም ዝገለፆ፡ ብራኸን ቁልቁልን ንምቁፅፃር ዘኽእል ስርዓተ ኮምፒተር ፀገም ነይሩዎ እዩ።

    ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ
  11. ቀዳማይ ደረጃ ውፅኢት ምርመራ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

    ነቲ ኣብ በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ዝወሃብ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝፅበዩ ጋዜጠኛታት።

    ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ሪፖርተር ቢቢሲ ሃብታሙ ጥበቡ፡ ዝህበና ሓበሬታታት እናተኸታተልና ብቐጥታ ክነቕርበልኩም ኢና

    ነቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝፅበዩ ጋዜጠኛታትን ዕዱማትን