Got a TV Licence?

You need one to watch live TV on any channel or device, and BBC programmes on iPlayer. It’s the law.

Find out more
I don’t have a TV Licence.

ቀጥታዊ ፈነወ

time_stated_uk

  1. ብዛዕባ ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ዝነበረና ቀጥታዊ ፈነወ ኣብዚ ተወዲኡ'ሎ

    ንሽልማት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣመልኪትና ከነመሓላልፎ ዝወዓልና ቀጥታዊ ጸብጻብ ኣብ ታሕቲ ክትረኽብዎ ትኽሉ።

    ንስለምክትታልኩም ነመስግን።

    ኣብዪ ኣሕመድ
  2. መንግስቲ ክልል ትግራይ ብሽልማት ኖበል ኣብዪ ኣሕመድ "ዝተሰመዖ ታሕጓስ ገሊፁ"

    ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ተሸላሚ ኖበል ሰላም 2019 ብምዃኑ "ዝተሰመዖ ታሕጓስ ገሊፁ" ክብል ትካል መራኽብቲ ሓፋሽ እቲ ክልል ኣብ ፈይስቡክ ጽሒፉ።

    "እቲ ሽልማት ኣብ ምርግጋፅ ሰላም ኢትዮጵያ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ዝሕግዝ ክኸውን ዘለዎ እምነት ገሊፁ" ብምባል እቲ ትካል ሓቢሩ።

    ነቲ ክልል ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት፡ ነቲ ብኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ኣብታ ሃገር ሰላምን ጸጥታን ከስፍን ብዘይምኽኣሉ ክነቅፍ ምጽንሑ ይፍለጥ።

    እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣውራ ሓይሊ ኮይኑ ዝጸንሐ ውድብ ህወሓት፡ ወሳኒ ናይ ስልጣን ቦታ ሒዝሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከም ዝተፈጸመ ይግለጽ።

    ኣብዪ ኣሕመድ (የማን) ምስ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል
    Image caption: ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ምዃኑ፡ ኣብ ትግራይ ዝተዋህቦ ሽልማት
  3. 'ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን: ሰላም ኮይኑ ዝብል እምነት የብለይን'

    ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝነበሩ ኣቶ ስብሓት ነጋ፡ ብዛዕባ ሽልማት ኖበል ኣብዪ ኣሕመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንሽልማት ዘብቅዕ ስራሕ ከም ዘይሰርሐ ብምጥቃስ፡ በቲ ዝተዋህበ ሽልማት ከም ዝተገረሙ ተዛሪቦም።

    “ኣነ ደጋጊመ ዝገልፆ: ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን: ሰላም ኮይኑ ዝበሃል እምነት የብለይን" ብምባል፡ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሓምለን መስከረምን 2018 ዝተፈረመ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣብዪን ዝተደረተ'ዩ ብምባል ይነቕፉ።

    "እቲ ሰላም ሰላም ኣብ መንጎ ክልቲኦም እዩ። [እቲ ኩነታት ግን] ካብቲ ዝነበሮ ናብቲ ዝኸፍአ ከይዱ'ሎ" ዝበሉ ኣቶ ስብሓት፡ "ኣብ መንጎ ክልተ ዓዲ ዝፈልጦ የብለይን" ኢሎም።

    ቀጺሎም "ሕገ መንግስቲ ዘየኽበረ ኣሸባሪ እዩ። ኢህወዴግ ሕገ መንግስቲ የኽብርዶ'ሎ? ኢህወዴግ ዴሞክራስያዊ ልምዓታዊ ድዩ ነፅናሓዮ'ሞ፡ ሃገራዊ ድዩ?

    "ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመትን ፈረቓን ኢህወዴግ ሕገ መንግስቲ ኣየኽበረን። ስለ'ዚ ምፅያቕ እንተኾይኑ መሸለሚ የሸልሞ እወ" ብምባል ነቲ ዝተወሃበ ሽልማት ተቓዊመሞ:

    ስብሓት ነጋ
  4. "ኣብዪ፡ ማእከላይ ሓይሊ ኣብ ምግምማዕ'ውን ኣበርኪቱ'ዩ"

    View more on twitter

    ተንታኒ ፖለቲካን ምክትል ዳይሬክተር ኣፍሪቃ ፕሮግራም፡ ክራይስስ ግሩፕ፡ ዲኖ ማህተኒ እቲ ሽልማት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ።

    “ንኣብይ ዝተበርከተ ሽልማት ሃገራት ምዕራብ ኣብ ኢትዮጵያ ክሪኡዎ ናይ ዝደልዩ ለውጢ ነጸብራቕ እዩ። እታ ሃገር ኣብቲ ዞባ ንዝህሉ ሰላምን ድሕነትን ሓንቲ ወሳኒት ተገይራ እያ ትውሰድ። እንተኾነ: ናብ ውልቀ ትሕዝቶ ናይ ምዝዋር ስጉምቲ ሓዊሱ ዝተኸተሎ ፖሊሲ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝጸንሐ ሰላም ንኽዝረግ መንቀሊ ኮይኑ እዩ። እቲ ማእከላይ ሓይሊ ኣብ ምግምማዕ'ውን ኣበርኪቱ'ዩ።"

    "ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብዪ እቶም ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ዘለው ናብ ቦቶኦም ዝምለስሉን ድሌት ህዝቢታት ኣብ ግምት ዘእተወን ብዕሊ ዝተሓሰበሉን ፖሊሲ ክኽተል ኣለዎ" ኢሉ።

  5. ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ መን'ዩ?

    ወዲ 42 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኦሮምያ ጥቃ ኣጋሮ ኣብ እትርከብ ሻሻ ተወሊዱ። ወላዲኡ 16 ቆልዑት ዝወለዱ ኮይኖም ኣብይ ኸኣ መበል ሻድሻይ'ዩ።

    ኣበይ ኣሕመድ መን'ዩ ንምፍላጥ ኣብዚ ፈለግ ጠውቑ

  6. "ደም፡ ርሃጽን ንብዓትን ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መወዳእታ ተዓዊቱ"

    View more on twitter

    ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሃገረ ጃፓን ኣቶ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ "ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እንቋዕ ሓጎሰካ" ድሕሪ ምባል "ደም፡ ርሃጽን ንብዓትን ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መወዳእታ ተዓዊቱ" ኢሉ።

  7. "እዚ ሽልማት ናይ መላእ ኢትዮጵያውያን እዩ"

    ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተሸላሚ፡ ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ምኳኑ ሓጎሱ ብምግላጽ፡ እዚ ሽልማት ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ናይ ዕርቕን ይቕሬታን ፍረ እዩ ኢሉ።

    ብምስዓብ "እዚ ሽልማት ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ መላእ ኢትዮጵያውያን እዩ"

    View more on facebook
  8. ክልተኣዊ ስምምዓት ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ እዩ ነይሩ?

    ክልተኣዊ ስምምዓት ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ እዩ ነይሩ?

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ሓሙሽተ መሰራዊ ጉዳያት ዝሓዘ ሰምምዕ ፈሪሞም። እቶም ነጥብታት ድማ፡

     ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሃዋህዉ ኵናት ምብቃዕን ሓድሽ ምዕራፍ ሰላምን ምሕዝነትን ምምስራትን

     ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ፖለቲካ፣ ማሕበረ-ቑጠባዊ ርክባት፣ ባህልን ጸጥታን ሓቢርካ ምስራሕ

     ምንቅስቓሳት ንግዲ፣ መጓዓዝያን ቴሌኮምዩኒኬሽንን ናብ ንቡር ምምላስን ዲፕሎማሲያዊ ርክባትን ንጥፈታትን ምሕዳስ

     ዉሳነ ኮሚሽን ዶብ ምትግባር

     ዞባዊ ሰላም፣ ልምዓትን ዉህደትን ከረጋግጻ ብሓባር ምስራሕ ዝብሉ ሓሙሽተ መትከላት ስምምዕ ይርከቡዎም።

    ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን እቶም ኣብ 2018 ዝተኸፈታ ዓርባዕተ መስመራት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኩለን ተዓጽየን ይርከባ።

    እቶም ዝተዓጸዉ ኣፍደገታት ዶብ፡ካበይ ናበይ ዝወስዱ እዮም?

    • ዛላምበሳ-ሰርሓ

    • ራማ - ክሳድ ዒቃ

    • ሑመራ - ኦምሓጀር

    • ቡሬ- ደባይ ሲማ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣስታት 800 ኪሎሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ዶብ እየን ዝዋሰና።

    ኣብዚ ነዊሕ ዶብ፤ ንክልቲኤን ሃገራት ከም መእተውን መውጽእን ኮይነን ዘገልግላ ኣርባዕተ ኣፍ ደገታት ኣለዋ። እተን ሰለስተ ኣፍ ደገታት፤ ንዝበዝሐ ክፋል እቲ ዶብ ምስ ኤርትራ ኣብ እተዳውብ ክልል ትግራይ እየን ዝርከባ።

    እታ ሓንቲ ኣፍ ደገ ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ኣላ። እዘን ኣርባዕተ ኣፍ ደገታት ብምኽንያት ኲናት፡ ንዕስራ ዓመታት ተዓጽየን ድሕሪ ምጽናሕ፤ ኣብ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያውያን፤ ነታጕ ተጸሪጉ፡ ሓጹር ዕሾኽ ፈሪሱ፡ እዘን ኣፍደገታት ተራሒወን።

  9. ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ "ሓጎሰይ ወሰን የብሉን"

    View more on twitter

    ቀዳመይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ጸሓፊ ኮሜተ ኖቤል ኖርወይ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ኣብዚ☝ ☝ ☝ ምስማዕ ይከኣል።

  10. ኣምነስቲ ኢንተርናሽልናል፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ተወሳኺ ለውጢ ሰብኣዊ መሰላት ክገብር ሓቲቱ

    ኣደ ወንበር ስልማት ስልማት ኖቤል ስእሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሒዛ እንከላ

    ዋና ጸሓፊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኩሚ ኒዶ፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም እዚ ዓመት፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዙርያ ሰብኣዊ መሰላት ተወሳኺ ለውጢ ንክገብር ክተግህ ይግባእ ኢሉ።

    “እዚ ሽልማት፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንክልተ ዓሰርታት ዓመታት ካብ ዝዘለቐ ጭቆና ብምውጻእ መሰላት ንምኽባር ንዝወሰዶም ስጉምታት፡ ኣፍልጦ ዝህብ’ዩ” ኢሉ።

    ኣምነስቲ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝገብሮ ዘሎ ለውጢ፡ ከምኡ’ውን ምስ ኤርትራ ዝበጽሖ ስምምዕን ተነሓናሕቲ ሓይልታት ሱዳን ሰላም ከውርዱ ኣብ ምግባር ንዝተጻወቶ ግደ ንኢዱ።

    ብተወሳኺ ኢሉ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ “ዕማም እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ጌና ኣይተወድአን፤ እዚ ሽልማት ዝጀመሮም ስራሕቲ ቀጻልነት ክህልዎም ብምግባር፡ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበሩ ዘስግኡ ነገራት ንምውጋእ ከትብዖ ይግባእ” ኢሉ። ሕጂ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር መትከላት ሽልማት ኖቤል ተግባዊ ብምግባር፡ “ኣብ ሃገሩ፣ ዞብኡን ዓላምን ዘላቒ ሓድጊ ሰብኣዊ መሰላት” ኣንጺፉ ክሓልፍ ይግባእ ክብል መልእኽቱ ዛዚሙ።

  11. "ኣብ ኤርትራ ሕዚ’ውን ለውጢ ክጽበ ዝጸንሐ ህዝቢ ናይቲ ሰላም ተረባሒ ኣይኮነን”

    ዊልያም ደቪድሶን

    ዊልያም ዴቪድሰን ፍሉጥ ተንታኒ ፖለቲካ ኢትዮጵያ እዩ።

    እቲ ንዶክተር ኣብዪ ዝተውሃበ ሽልማት ኣመልኪቱ

    "መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብዙሓት ለውጥታት ክመጽእ ገይሩ እዩ።

    ምስ ኤርትራ'ውን ሰላም ንክፍጠር ሰሪሑ እዩ። እንተኾነ፡ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝፍጠር ዘሎ ምፍርኽኻስን ጎንጽታትን ዕልባት ክረክብ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ።

    ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ዕርቀ-ሰላም'ውን እንተኾነ፡ ብዙሓት ብድሆታት ገጢምዎ ኣሎ። እዚ ኣብዪ፡ ንቕድሚት እቲ ዝዓበየ ስራሕከ ምዝጽበዮ ዝሕብር እዩ" ኢሉ።

    እቲ ተንታኒ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዓለም ዝዓበየ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተመዝገበን፡ ምስ ኤርትራ ድማ ዛጊድ እቲ ኩነታት መሊኡ ናብ ንቡር ዘይምምላሱን ከም ሓደ ዓብዪ ፈተና ገይሩ ሪኡዎ።

    “እቲ ዝተጀመረ ዕርቀ ሰላም እቲ ዝምድና ካብን ናብን ዘስዐበ ኳ እንተኸነ፡ ሕዝ’ውን እንተኾነ ጉዳይ ዶብ ዕልባት ኣይረኸበን፡ ኣብ ኤርትራ ዛጊድ ቅዋም-ኣልቦ ስርዓት እዩ ዘሎ፡ ኣብታ ሃገር ሕዚ’ውን ለውጢ ክጽበ ዝጸንሐ ህዝቢ ናይቲ ሰላም ተረባሒ ኣይኮነን” ኢሉ።

    “ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ዝምድና ንመሓየሽን ምስ ኤርትራ ዝርርብ ንክጅመርን ዓቢ ረቛሒ ኮይኑ ይኸውን። ይኹን’ምበር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣወንታዊ ምላሽ ዝሃቦ፡ ብሓደ ገጹ፡ ኣብቲ ውሽጢ እቲ ገዛኢ ውድብ፡ ዘሎ ቀንዲ ጸላኢየይ ዝብሎ ሓይሊ ‘ተወቒኡ ኣሎ’ ካብ ዝብል እምነት ዝነቐለ እዩ” ኢሉ።

  12. ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማሃማት 'ኩርዓተ ተሰሚዑኒ'

    View more on twitter

    ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ሰላም ብምርካቡ ኩርዓት ከም ዝተሰምዖ ገሊጹ። ንሱ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “ዓለም ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ዘገልግላ መራሒ ኣብ እትደልየሉ ግዜ ዝተረኽበን ንዓለም ተስፋ ዝሃበን’ዩ” ክብል ገሊጹዎ። ብምስዓብ “መበል 100 ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ብምኻንካ እንኳዕ ደስ በለካ” ኢሉ።

  13. መልእኽቲ ዮውሃና መራሕቲ ሃገራት

    View more on twitter

    ፕሬዝደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ "ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2019 ረኸዒቡ! ኢትዮጵያ ሃገረይ እንኳዕ ደስ በለኪ" ኢላ።

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ፡ ብትዊተሩ ኣብ ዘሕለፎ መግለጺ ሰናይ ትምኒት፡ “ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ብምኻንካ እንኳዕ ደስ በለካ” ኢሉ።

    ራኢ እቲ ቀዳማይ ሚኒሰትር፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ታሪካዊ ምሕዝነት ኣብ ምፍጣርን ኣብ ኣፍሪቃን ካልኦትን መርኣያ ዝኾነ መሪሕነትን ኣንቢሩ’ዩ ኢሉ። ፕሬዝደንት ሶማሊያ መሓመድ ፋርማጆ ብወገኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ "እንኳዕ ደስ በለካ" ብምባል፡ "እዚ ሽልማት ዝግብኦ ሰብ’ዩ" ክብል ገሊጹዎ።

    "ዞባዊ ምትሕብባር ኣብ ምጥንኻር ምስ ዶክተር ኣብዪ ብሓባር ምስርሐይ ድማ የሐጉሰኒ" ኢሉ።

    መራሒ ተቓዋሚ ኬኒያ ራይላ ኦዲንጋ ብተመሳሳሊ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ምስ ኤርትራ ዝነበረ ዶባዊ ኲናት ብምፍታሕ ንዝተበርከተልካ ሽልማት እንኳዕ ደስ በለካ" እንትብል፡ "እዚ ሽልማት ብኲናት ድሕሪት ንዝተረፈት ኣህጉርና ክብሪ’ዩ" ኢሉ

  14. ቅድሚ ሕጂ ሽልማት ኖበል ዝተሸለሙ ኣፍሪቃውያን ብዓል መን'ዮም?

    ኔልሰን ማንዴላ

    ካብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ተሸላሚ ኖቬል ደቡብ ኣፍሪቃዊ ማክስ ቴለር እዩ። ንሱ ኣብ 1951 ብዓውዲ ሕክምና እዩ ተሸሊሙ።

    ኣብ 1960 እውን ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣልበርት ሉቱሊ ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም ኮይኑ።

    ፕረዚደንት ግብጺ ኣንዋር ሳዳት እውን ኣብ 1978 ሽልማት ኖበል ሰላም ረኺቡ። ኣላን ኮርማክ፡ ኣሮን ክሉግና ዴዝሞንድ ቱቱን እውን ሰለስቲኦም ካብ ደቡብ ኣፍረቃ፡ ብሕክምና፡ ስነ ቀመም፤ ከምኡ እውን ንሰላም ጻዕሪ ብምክያድ ተዓወትቲ ሽልማት ኖቬል ኮይኖም።

    ናይጀርያዊ ወሌ ሶዮንካ፡ ናጂብ ማሕፉዝ ካብ ግብጺ፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ናዲን ጎርዲመር ብስነ ጽሑፍ ክዕወቱ እንከለዉ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኔልሰን ማንዴላ እውን ሽልማት ኖቬል ካብ ዝተዓወቱ ኣፍሪቃውያን ዜጋታት እዩ።

    ግብጻዊ ኣሕምድ ዛዋይል ብስነ ቀመም፡ ጋናዊ ኮፊ ኣናን ብሰላም ከምኡ እውን ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሲዲኒ ብሬነርም ጌኤም ኮዊትዝ ብሕክምናን ብስነ ጽሑፍን ተዓወትቲ ሽልማት ኖቬል ኮይኖም። ኬንያዊት ዋንጋሪ ሙታይ፡ ግብጻዊ ሞሓመድ ኣል ባርዲ፡ ላይበርያውያን ኤለን ጆንሰንን ልይማን ግባዊን ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ክሳብ 2011 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኖቬል ተሸሊሞም።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2018 ወዲ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዴኒስ ሙክዌጌ ብሰላም ክሽለም እንከሎ፡ ሎሚ ዓመት ከኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕምድ ናይ ሰላም ኖቬል ተዓወቱ።

  15. Post update

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2019 ተዓዊቱ
    Image caption: ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2019 ተዓዊቱ
  16. ካብ ቃላት እቲ ሸላሚ ኮሜተ

    እታ ሽልማት ኖቬል ዘቃለሐት ኣደ መንበር በሪት ረይስ ኣንደርሰን

    ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ንወጥሪ ዶባት 20 ዓመታት ኢትዮ ኤርትራ ብዕርቀ ሰላም ብምዝዛሙን ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰላም ንክመጽእ ልዑል ኣበርክቶ ብምግባሩን ከምዝሸለሞ ሓቢሩ ኣሎ።

    ኣቢይ ኣሕመድ ብ20 ሚያዚያ 2018፡ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ምስ ኤርትራ ሰላም ክፈጥር ከም ዝደሊ ብምሕላን ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናይ ሰላም ጻውዒት ኣቕሪቡ።

    ፕሬዝደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቲ ጻውዒት ድሕሪ ምቕባሉ ከኣ እቲ ወጥሪ ለዚቡ ንቡር ርክብ ጀሚሩ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ተበጻጺሖም ኣብ ክልቲኡ ህዝብታት እውን ዓቢ ተስፋ ሰላም ፈጢሩ።

    እታ ሽልማት ኖቬል ዘቃለሐት ኣደ መንበር በሪት ረይስ ኣንደርሰን፡ ሰላም ብሓደ ሰብን ወገንን ስለዘይመጽእ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንስምምዕ ሰላም ብምቕባሉ ምስጋና ከምዝግበኦ ሓቢራ።

    እቲ ኮሚተ፡ ንተግባራት ኣቢይ ኣፍልጦ ንምሃብን ንመጻኢ ስርሑ ንምትብባዕን ብምባል ከምዝሃቦ ብምሕባር፤ መስርሕ ሰላም ክልቲኤን ሃገራት፡ እወንታዊ ለውጢ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምጽእ እዩ ኢሉ ከምዝኣምን ገሊጻ።

    መሪሕነት ኣብዪ፡ ዝምድና ኤርትራን ጅቡትን ናብ ንቡር ንክምለስ፡ ምስሕሓብ ባሕሪ ኬንያን ሶማልያን ብዘተ ንኪፍታሕ ብምሕጋዝ፡ ኣብ መንጎ መኮንናት ሱዳንን ተቓወምትን ጉዳዮም ብዕርቅን ምርድዳእን ንኪፍታሕ ኣበርክቶ ብምግባሩ ንሽልማት ከምዘሕረዮ መዐቀኒ ምንባሩ ኮሚቴ ገሊጹ።

    ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል፡ ኣብታ ሃገር ማሕበራዊ ፍትሒ ከረጋግጽ፣ ዕርቂ ክመጽን ሓድነት ክረጋገጽን ቃል ዝኣተወ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብዚ ሰሙንን ወርሕን እንሪኦም ዘለና ዓሌታዊ ግጭታት ንምውጋድን መንብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽን ንኪሰርሕ ምትብባዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝኣምን እውን ሓቢሩ።

    ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ንዝነበረ ቅልውላው ኣብ ምህዳእን ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ ምብቃዕን ዝምስገን ተራ ከምዝተጻወተ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ግን ኣስታት ሰለስተ ሚሊዮን ዝኾኑ ኢትዮጵውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ከምዘለው ጸብጻባት ይገልጹ።

  17. ስልማት ኖበል ሰላም ኣይቕበልን ዝበለ ውልቀሰብ

    ቬትናማዊ ፖለቲከኛ ሊ ዱች ቶ፡ ብ1973 ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብሓባር ሽልማት ሰላም ኖቤል እንተተዓወተ'ውን፡ ኣይቕበልን ኢሉ'ዩ።

    እዞም ውልቀሰባት፡ ስምምዕ ሰላም ቬትናም ክፍረም ብዘበርከቱዎ እጃም ነዚ ሽልማት እንትሕረዩ፡ ሊ ዱች ቶ ግን፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ቬትናም ዝነበረ ኩነታት ከም ምኽንያት ብምልዓል ነቲ ሽልማት ኣይቕበልን ኢሉ

  18. ደቂ ኣንስትዮ ተሸለምቲ ኖቤል ሰላም

    ክሳብ ሕጂ፡ ብውልቂ ካብ ዝተውሃቡ 106 ሽልማታት ኖቤል ሰላም፡ ቑጽሪ እዚ ሽልማት ዝተበርከተለን ደቂ ኣንስትዮ 17 ጥራሕ'ዩ።

    ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ተዓዋቲት እዚ ሽልማት ድማ፡ በርታ ቮን ሰትነር እያ። ኦስትሪያዊት ሰትነር፡ ጸሓፊት ነዊሕ ልበወለድን ጠበቓ ሰላምን'ያ።

  19. ብዕድመ ዝነኣሰትን ዝዓበየን ተሸላምቲ ኖቤል ሰላም

    ደቂ ኣንስትዮ ትምህርቲ ክረኽባ እትቃለስ ፓኪስታናዊት ማላላ ዮሱፍዛይ፡ ብ2014፡ ዝተውሃበ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብ 17 ዓመታ ብምርካብ፡ እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ተሸላሚት እዚ ዓውዲ ኮይና'ያ።

    ብትውልዲ ፖላንዳዊ ዝኾነ ኢንግሊዛዊ ጆሴፍ ሮትብላት፡ ኣጽዋር ኒኩሌር ኣብ ፖለቲካ ዓለም ዘለዎ ጽልዋ ንምንካይ ብዘበርከቶ እጃም፡ ብ1995 ሽልማት ሰላም ኖቤል እንትብርከተሉ፡ ወዲ 87 ዓመት ነይሩ።

    ማላላ ዮሱፍዛይ
  20. ሽልማት ኖቤል ሰላም ብውልቀን ብጉጅለን ይወሃብ

    67 ዝኾኑ ሽልማታት ኖቤል ሰላም፡ ብውልቀ ንዝተዓወቱ ውልቀሰባት ዝተበርከቱ ኮይኖም፡ እቶም 30 ድማ ብጉጅለ ንዝተዓወቱ ተዋሂቦም።

    ክልተ ሽልማታት ሰላም፡ ሰሰለስተ ኮይኖም ብጉጅለ ዝተዓወቱሉ ሰባት ኣለው።

    እቶም ቀዳሞት ሰለስተ ዝተውሃቡ ሽልማታት ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን፡ ኣብ 1994 ከምኡ'ውን 2011 ኮይኑ፡ መራሒ ፍልስጤም ያሲር ዓራፋትን ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ሺሞን ፔሬዝን ቀዳማይ ሚኒስትር ይዝሃክ ራቢን ብሓባር ወሲዶም።

    እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ፕሬዝደንት ላይቤሪያ ዝነበረት ኤለን ሰርሊፍ ጆንሰን፣ ላይቤሪያዊት ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ሌይማህ ቦዊ ከምኡ'ውን የመናዊት ጋዜጠኛን ተሓላቒት መሰላትን ታዋኮል ካርማን እቲ ሽልማት ብሓባር ወሲደን።

    ክሳብ ሕጂ፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም ን106 ውልቀሰባትን 27 ትካላትን ተዋሂቡ ኣሎ።

    ኮሚቴ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሰለስተ ግዘ እዚ ሽልማት ካብ ዝወሰዱ ትካላት ኮይኑ፡ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ድማ ክልተ ግዘ ተሸሊሙ።

    ቀይሕ መስቀል፡ እዚ ሽልማት ሰለስተ ግዘ ብምውሳድ ብቐዳምነት እንትመርሕ፡ መስራቲ እዚ ትካል ሄንሪ ዱና ድማ፡ ፈላማዊ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም'ዩ።