Got a TV Licence?

You need one to watch live TV on any channel or device, and BBC programmes on iPlayer. It’s the law.

Find out more
I don’t have a TV Licence.

ቀጥታዊ ጸብጻብ

time_stated_uk

  1. Breakingኣብ ኤርትራ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 6 በጺሑ

    ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ

    ኤርትራ ክልተ ተወሰኽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝረኸበት ኣረጋጊጻ።

    እቶም ዝተለኸፉ፡ ካብቶም ብዕለት 23 መጋቢት ብኣየር ዓረብያ ካብ ዱባይ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ገያሾ እዮም።

    በዚ ድማ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሽዱሽተ በጺሑ ኣሎ።

    "ኩሎም ድማ ዘድሊ ክንክን እናተገበረሎም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት" ከምዘለዉ መግለጺ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።

    ምስ'ዚ ብዝተኣሳሰር፡ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምቁጽጻር ኣገዳሲ ስጉምትታት ክወስድ ምጽንሑ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ፡ ተወሰኽቲ ስጉምትታት ክውሰድ ወሲኑ'ሎ።

    በዚ ድማ፡

    - ካብ ጽባሕ ዓርቢ 27 መጋቢት ጀሚሩ፡ ኩለን ትካላት ትምህርቲ፤ ካብ መዋእለ-ህጻናት ክሳብ ኮሌጃት ክዕጸዋ’የን።

    - ኣብ ኩለን ከተማታት ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝህባ ኣውቶቡሳት፡ ሚኒባሳትን ታክሲታትን፡ ካብ ጽባሕ ዓርቢ 27 መጋቢት ሰዓት 6፡00 ንግሆ ኣገልግሎት ደው ከብላ’የን።

    "ብናይ ጽዕነት መካይን ሰባት ምምልላስ ብጥብቂ ዝተኸልከለን ብሕጊ ዘቕጽዕን’ዩ" ይብል እቲ መግለጺ።

    - ብዘይካ ንፍሉይ ኩነታትን ብፍቓድ ዝምልከቶ ኣካልን፡ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ወይ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ከምኡ’ውን ካብን ናብን ከተማን ገጠርን ኣገልግሎት ዝህባ ኣውቶቡሳት’ውን ብተመሳሳሊ፡ ካብ ጽባሕ ዓርቢ 27 መጋቢት ሰዓት 6፡00 ጀሚሩ ንግሆ ኣገልግሎት ደው ከብላ’የን።

  2. Breakingብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን በጺሑ

    ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን በጺሑ ኣሎ።

  3. Breakingኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ ኣብ ጣልያን 662 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም

    ጣልያን

    ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ ኣብ ጣልያን 662 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ኮይኖም፡ ኣብታ ሃገር ዛጊት 8,165 በቲ ሕማም ሞይቶም ኣለዉ።

    ኣብ ጣልያን ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ድማ፡ 80,539 በጺሑ'ሎ።

  4. ውዕሎ ኣፍሪቃ እንታይ ይመስል?

    ኡጋንዳ
    Image caption: ፖሊስ ኡጋንዳ፡ ትካላት ንግዲ ንዘይዓጸዉ ሰባት ኣብ ጽርግያታት ከጓይይዎምን ክወቕዕዎምን ተራእዮም።

    ኬንያ፡ ብኮሮናቫይረስ ፈላማይ ሞት ከምዘጋጠማ ኣፍሊጣ'ላ።

    ኡጋንዳ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ምሉእ ንምሉእ ዓጽያ። ብጀካ ቤትመግብታትን ሱፐርማርኬታትን፡ ኩሎም ትካላት ንግዲ ክዕጸዉ ተኣዚዞም።

    ፖሊስ ኡጋንዳ፡ ትካላት ንግዲ ንዘይዓጸዉ ሰባት ኣብ ጽርግያታት ከጓይይዎምን ክወቕዕዎምን ተራእዮም።

    ናይጄርያ፡ ካብ ሓደ ግዛኣት ናብ ካልእ ግዝኣት ዝግበር፡ ናይ ውሽጢ ዓዲ ጉዕዞታት ከምትእግድ ኣፍሊጣ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ጽባሕ ጀሚራ ንሰለስተ ሰሙን፡ ሙሉእ ንምሉእ ምንቅስቓሳት ክትእግድ እያ።

  5. Breakingቻይና ወጻእተኛታት ከይኣትውዋ ከልኪላ

    ቻይና፡ ቪዛ ዝሓዙ ኮነ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ወጻእተኛታት ከይኣትውዋ ከልኪላ።

    እቲ ስጉምቲ፡ ካብ ደገ ኮሮናቫይረስ ሒዞም ንዝመጹ ሰባት ንምዕጋት ዝተወሰደ እዩ።

    እቲ ክልከላ ካብ 28 መጋቢት ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

    ዲፕሎማሰኛታት ግን ሕዚ'ውን ናብ ቻይና ክኣትዉ ክፍቀደሎም እዩ።

    "ኣገዳሲ" ንዝኾነ ቁጠባዊ፣ ንግዳውን ሳይንሳውን ዕዮታት፡ ወይ'ውን ንህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቻይና ክኣትዉ ዝደልዩ፡ ኣብ ኤምባሲታትን ኣብ ቆንስላታትን ከመልክቱ ተሓቢርዎም ኣሎ።

    ቻይና
  6. ቅድድም ብሽክለታ ቱር ዴ ፍራንስ፡ ተዓዘብቲ ኣብ ዘይብሉ ክካየድ ሓሳብ ኣሎ

    ዓበይቲ ስፖርታዊ ፍጻመታት ዓለምና፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ገሊኦም ይስረዙ፡ ገሊኦም ድማ ዝካየድሉ ግዜ ይናዋሕ ኣሎ።

    ቅድድም ብሽክለታ ቱር ዴ ፍራንስ ግን፡ ተዓዘብቲ ኣብ ዘይብሉ ክካየድ ሓሳብ ከምዘሎ ይግለጽ።

    እቲ ቅድድም፡ ካብ 27 ሰነ ክሳብ 19 ሓምለ ክካየድ እዩ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ።

    ሚኒስተር ስፖርት ፈረንሳይ፡ እቲ ቅድድም ይካየድ ዶ ኣይካየድ ኣብ ዝብል "ውሳነ ንምሕላፍ ገና እዩ" ኢላ።

    እቲ ውድድር "ኣብ ዕጹው" እንተተኻየደ እውን፡ ከምቶም ካልኦት ዓይነታት ስፖርት ኣብ መሸጣ ትኬት ዝድረክ ስለዘይኮነ፡ ዝኾነ ፋይናንሳዊ ጽልዋ ኣይህልዎን ኢላ እታ ሚኒሰተር።

    ቱር ዴ ፍራንስ
  7. ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ሰሙን ጥራይ፡ 3 ሚልዮን ኣመሪካውያን ሸቕሊ ኣልቦ ኮይንና ኢሎም

    ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ልዕሊ 3 ሚልዮን ሰባት፡ ስራሕ ንዘይብሎም ኣመሪካውያን ዝወሃብ ጥቕምታት ክወሃቦም ሕቶ ኣቕሪቦም።

    እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕዚ እቲ ዝለዓለ ኣብ 1982 ዝተመዝገበን 695,000 ሰባት ዘቕረብዎ ሕቶ እዩ ነይሩ።

    ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ብዙሓት ግዝኣታት እታ ሃገር፡ ኣብያተ መግቢ፣ እንዳ መስተ፣ ስኒማን ሆቴላትን ዝተዓጸዉ ኮይኖም ኣፍረይቲ መካይን እውን ፍርያት ደው ኣቢሎም እዮም።

    ከምኡ'ውን፡ ናይ ኣየር መጓዓዝያትት ኣዝዩ ነክዩ ኣሎ።

    እዚ ድማ፡ ንብዙሓት ሰባት ሸቕሊ ኣልቦ ክኾኑ ምኽንያት ከምዝኾነ ይግለጽ።

  8. ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣገልግሎታት ቆንስላ ኣቋሪጹ

    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ብምኽንያት ሕማም ኮሮናቫይረስ ንዘይተወሰነ እዋን ኣገልግሎታት ቆንስላ ኣቋሪጹ።

    እቲ ኤምባሲ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንዜጋታቱ ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ምሕዳስ ፓስፖርት፣ ምዝገባ ልደትን ሞትን ሓዊሱ ኣገልግሎታት ቆንስላ ዘይህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።

    ኤምባሲ
  9. ኣምነስቲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝተጨወያ 17 ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደምቢ ደሎ መብርሂ ክህብ ሓቲቱ

    ሎጎ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

    መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እተን ዛጊድ ሃለዋተን ዘይተፈለጠ 17 ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደምቢ ደሎ መብርሂ ክህብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቲቱ።

    መንግስቲ፡ ህይወት ናይተን ተምሃሮ ንምድሓን ዝወሰዶ ስጉምቲ እንተሎ ድማ ከፍልጥ እቲ ትካል ወሲኹ ሓቲቱ።

    ኣምነስቲ፡ እዚ ሕቶ ዘቕረበ፡ መንግስቲ ኣብ መላእ'ታ ሃገር ዝርከቡ ዩኒቨርሲታት ካብ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ተምሃሮ ናብ ገዘኦም ክኸዱ ምውሳኑ ስዒቡ እዩ።

    ስድራን ቤተ ዘመድን እተን ተመሃሮ ኣብ ጓሂ ዝርከቡ እንተኾኑ'ኳ፡ መንግስቲ ፌዴራል ብዛዕበአን ህልዊ ኩነታት ዝሃቦ መብርሂ የለን።

    ቅድም ክብል ዝተውሃቡ መግለጺታት ድማ ባዕሎም ንባዕሎም ዝጋጨው እዮም ብዝብል ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።

    እቲ ዓለምለኸ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንገለ ኣባላት ስድራ እተን ዝተጨውያ ተምሃሮ ከም ዘዛረበ፡ ምክትል ዳይሬክተር ምብራቕ ኣፍሪቃ ዴስክ እቲ ትካል፡ ሰይፍ ማጋንጎ ገሊጹ። ብፍላይ እቲ ጭውያ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ዝርከበሉ ምዕራብ ኦሮምያ፡ ምዕጻው ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ቴሌፎንን ድማ እቲ ኩነታት ዝገደደ ክተሓላለኽ ከምዝገበሮ እቲ ትካል ገሊጹ።

    እተን ተምሃሮ ኣብ ወርሒ ሕዳር ምስተጨወያ፡ ዛጊድ ዘለዋሉ ህልዊ ኩነታት ኣይተፈለጠን።

  10. ትግራይ፡ ካብን ናብን ገጠር-ከተማ፣ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ዝግበሩ ዝዉዉራት ኣጊዳ

    ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

    ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፡ ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ትማሊ ኣማሽዩ ዘውጸኦ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣመልኪቶም ዝርዝር መግለጺ ይህቡ ኣለዉ።

    በዚ ሓድሽ ኣዋጅ መሰረት፡ ኣብ ትግራይ ካብ ገጠር ናብ ከተማ፣ ካብ ከተማ ናብ ገፀር፣ ካብ ከተማ ናብ ከተማ፣ ዝግበሩ ዝዉዉራት ንክልተ ሰሙናት ከምዝተኣገደ ዶ/ር ደብረጽዮን ተዛሪቦም።

    ከምኡ ድማ ህዝቢ ብበዝሒ ዝእከበሎም ዓበይቲ ዕዳጋታት ተኣጊዶም ኣለዉ፡ ኢሎም።

    ከም መርዓን ተስካርን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ጉዳያት ጠጠዉ ክብሉ'ውን ተወሲኑ ኣሎ።

    እቲ ኣዋጅ ንክልተ ሰሙን ዝጸንሕ ኾይኑ ከም ኣድላይነቱ ክናዋሕ ከምዝኽእል ተገሊጹ።

  11. ፕሬዝደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝረእየቶ ስክፍታኣ ገሊፃ

    ፕሬዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ሕማም ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ህዝቢ ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ንምርኣይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትዕዝብቲ ገይራ።

    "ክግበሩ ዝግብኦም ነገራት ሙሉእ ንሙሉእ ይትግበሩ የለውን" ድማ ኢላ።

    እታ ፕሬዝደንት ኣብ ትዊተር ከም ዘስፈረቶ፡ እቲ ቫይረስ ኣብተን ምዕቡላት ሃገራት ዘብጸሖ ዘሎ ጉድኣት ኣዘኻኺራ፡ ኣብታ ከተማ ተዘዋዊራ ዝርኣየቶ ነገር ዘተሓሳሰባ ይመስል።

    “ብሰብ ሞያ ዝወሃቡ መምርሕታት ኣብ ምትግባር ብዙሕ ይተርፈና’ዩ” ክትብል ስግኣታ ገሊጻ።

    ብተወሳኺ፡ መርመራ እቲ ቫይረስ ብስፍሓት ስለ ዘይተኻየደ እቲ ዘሎ ትኽክለኛ ኩነታት ከም ዘይፍለጥ ብምግላጽ ብደረጃ ሃገር ብዝተዋደደ መልክዑ ክስራሕ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲባ።

    View more on twitter
  12. ስነ ስርዓት ቀብሪ ከይፍጽሙ ዝተኣገዱ ጋናውያን የንጸርጽሩ'ለዉ

    ኣብ ጋና ንዝፍጸም ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝዳሎ ሳንዱቕ ሬሳ
    Image caption: ኣብ ጋና ንዝፍጸም ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝዳሎ ሳንዱቕ ሬሳ ኣዝዩ ምዕሩግን ብዝተፈለየ ቕርጺ ዝተዳለወን ክኸውን ዝተለመደ እዩ

    ሓደ ጋናዊ፡ ናይ ኣፍሪቃውያን ሰላምታ ዘይብሉ ሰብ ሰላም ክህብ ኣይኽእልን ክብሉ ዝሰምዐ መን ይህሉ?

    ንሰላምታ ኢዱ ንዝዘርግሐልካ ሰብ ኣይጭብጠካን ምባል ወይ ዕሽሽ ምስ እትብሎ፡ እቲ ሰብ ጸላኢኻ'ዩ ማለት እዩ።

    ሕጂ ግን ምስ ዝኾነ ሰብ፣ መሓዛ ዋላ ጸላኢኻ ኢድ ክትጨባጥ ኣይትኽእልን።

    ፕሬዝደንት ናና ኣኩፎ-ኣዶ፡ ብ6 መጋቢት 2020 ኣብ ዝተጸምበለ መበል 63 ዓመት መዓልቲ ናጽነት፡ ክልቲኤን ኣእዳው ንድሕሪት ገይሩ ኣብቲ በዓል ንዝተረኸቡ ሰባት ሰላምታ ንምሃብ ኣብ ክንዲ ኢዱ ድምጹ'ዩ ተጠቒሙ።

    ጋናውያን በዚ ኣብ ልዕሊ ኢድ ንኢድ ምጭብባጥ ዝተመሓላለፈ ገደብ ክስንብዱ እኹል ኣይነበረን፤ እኳ ድኣ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ተኣኪብኻ ምርካብ ተወሲኹዎ።ዝርዝር እቲ ጸብጻብ 'ጸላኢኻ ጥራሕ'ዩ ኢድካ ንሰላምታ'

  13. ኣማኻሪ ፕሬዝደንት ዲኣርሲ ኮንጎ ብኮሮናቫይረስ ሞይቱ

    ኣማኻሪ ፕሬዝደንትን ጂን ጆሴፍ ሙከንዲ ዋ ሙሉምባ

    ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሰለስተ ሰባት ዝሞቱ ኾይኖም፡ ካብ መንጎኦም ኣማኻሪ ፕሬዝደንትን ጂን ጆሴፍ ሙከንዲ ዋ ሙሉምባ ሓደ እዩ።

    ኣብ ዙርያ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ተቓውሞ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ወሳኒ ሰብ ዝበሃል እውን እዩ።

    ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 48 ኮይኖም፡ ብሰኑይ ፕሬዝደንት ፌሊክስ ኩሎም ዶባት እታ ሃገር ክዕጸው፡ ርእሰ ከተማ ኪንሻሳ ድማ ምስ ካልኦት ከባቢታት ዘለዋ ርክብ ክተቋርጽ ውሳነ ኣሕሊፉ'ዩ።

    ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ መንግስቲ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፤ ዋና ሓጋዚ ፕሬዝደንት ናይጄሪያ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ ኣሎ።

    "የማናይ ኢድ" መሓመድ ሁሃሪ ዝበሃል ኣባ ክያሪ ኣብ 70ታት ዕድመ ዝርከብ እዩ። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ካልኦት ሰብ መዚ መንግስቲ ብምዃን ኣብ ጀርመን ምብጻሕ ኣካይዱ።

    ኣባ ክያሪ ንነብሱ ወሺቡ ከም ዘይጸንሐ እንትግለጽ፡ ብውሑድ 16 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ምስኡ ምትንኻፍ ከም ዝነበሮም ተፈሊጡ'ሎ።

  14. ሓደሽቲ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ

    • ኣብ ኣፍሪቃ 2621 ሰባት በዚ ቫይረስ እንትጥቅዑ ካብዚኦም እቶም 204 ሓውዮም፤ 71 ድማ ሞይቶም
    • ኣብ ኢትዮጵያ 12 በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም፤ ካብዚኦም ክሳብ ሕጂ ዝሓወየ የለን
    • ኤርትራ ትማሊ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰለስተ ሰባት ከም ዝረኸበት ክትገልጽ እንከላ፡ ቅድም ኢሉ ካብ ኖርወይ ዝኣተወ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ኤርትራዊ ረኺባ እያ
    • ትማሊ ኣብ ስፔን ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 738 ሰባት ብምሟቶም ቑጽሪ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ናብ 3434 ሓፍ ኢሉ
    • እዚ ቫይረስ ቐዲሙ ኣብ ዝተርኣየላ ኤዥያዊት ሃገር ቻይና ዝሞቱ ሰባት 3285 ከም ዝኾነ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ኤውሮጳ በዚ ቫይረስ ዚያዳ ተጠቒኣ ኣብ ዘላ ጥልያን ድማ ልዕሊ 6000 ሞይቶም
    • ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 471 ሽሕ ሰባት እንትልከፉ፡ ከባቢ 20 ሽሕ ሞይቶም ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ድማ ሓውዮም
  15. ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ገለ ሃገራት ዳግም ከይጥቃዓ ኣጠንቂቑ

    ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

    ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኮሮናቫይረስ "ቁጽሪ ሓደ ጸላኢ ህዝቢ እዩ" ኢሉ።

    ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ስጉምቲ ዘይምንቅስቓስን ምውሻብን ዝወስዳ ዘለዋ ሃገራት፡ "በዚ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ኣሊሸን፣ ፈልየን፣ መርሚረን፣ ሓኪመንን ተኸታቲለንን" እቲ ቫይረስ ክገትኣሉ ዝኽእላ ኣማራጺ ከናድያ ኣተሓሳሲቡ።

    እዚ እንተዘይገይረን ግን፡ ዳግም በዚ ቫይረስ "ክጥቅዓ" ከም ዝኽእላ ኣጠንቂቑ።

    ኮሮናቫይረስ "ቁጽሪ ሓደ ጸላኢ ህዝቢ እዩ" ኢሉ።

  16. ኣመሪካ ኣብ ሓደ ማዓልቲ 10 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም

    ኣመሪካ

    ኣመሪካ እቲ ቫይረስ ብፍጥነት ዝላበዐለን ካብ መንጎ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ ኾይና፡ ኣብ ሓደ ማዓልቲ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም።

    ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር 70 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ እንትኸውን፡ ዛጊድ ብውሕዱ 1050 ሰባት ብሰንኪ በሰንኪ'ቲ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም።

    እዚ ከምዚእንተሎ፡ ሰኔት ኣመሪካ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝዓበየ ድጎማ 2 ትሪልዮን ዶላር ኣጽዲቑ።

    ኣብ መንጎ ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን፡ ክትዕ ምስተገብረ፡ እቲ ድንጋገ ብሙሉእ ድምጺ ጸዲቑ።

    ጽባሕ ድማ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ክጸድቕ ትጽቢት ይግበረሉ።

    መንግስቲ'ታ ሃገር ንመናእሰይ 1200 ዶላር ንምኽፋል ዝተለመ እንትኸውን፡ በቲ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ምኽንያት ንግዳዊ ንጥፈታቶም ንዝተጸልወ ድማ ሓገዝ ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ።