Got a TV Licence?

You need one to watch live TV on any channel or device, and BBC programmes on iPlayer. It’s the law.

Find out more
I don’t have a TV Licence.

ቀጥታዊ ጸብጻብ

time_stated_uk

  1. ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ "ኮቪድ19 ካብ ስዋይን ፍሉ ብዓሰርተ ዕጽፊ ሓደገኛ እዩ"

    ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረክርስቶስ

    ኮሮናቫይረስ ካብቲ ኣብ 2009 ዝተረኣየ ብ’ስዋይ ፍሉ’ ዝፍለጥ ተላባዒ ሕማም፡ ብዓሰርተ ዕጽፊ ሓደገኛ ምዃኑ ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ።

    "ኮቪድ19 ካብን ናብን ዝመሓላለፈሉ ኣገባብ፡ ኣዛዩ ሓደገኛ እዩ፡ ምስቲ ኣብ 2009 ዝተኸሰተ ስዋይን ፍሉ ብምንጽጻር ኸኣ ብ10 ዕጽፊ ሓደገኛ'ዩ" ኢሉ።

    እቲ ኣብ 2009 ዝተረኣየ ለበዳ ስዋይን ፍሉ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ከምዝቐተለ ይፍለጥ።

    ሎሚ ኣብ ጀኔቫ፡ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብክትባት ጥራይ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

    ይኹን’ምበር፡ ክትባት ንምምዕባልን ብብዝሒ ንምፍራይን፡ ብውሕዱ ሓደ ዓመት ክወስድ ከም ዝኽእል ኪኢላታት ይገልጹ።

    እቲ ሓላፊ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነዚ ሃገራት ዝወስድኦ ዘለዋ ናይ ዕጽዋን እገዳ ምንቅስቓሳትን ቅድሚ ምዝላቐን፡ እኹል ናይ ስርዓተ-ጥዕና ምድላዋት ክገብራ ኣለወን ክብል’ውን ኣጠንቂቑ።

  2. ኣሜሪካ፡ ልዕሊ 2.8 ሚልዮን ሰባት መርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይሩሎም

    ዩ ኤስ ኤስ ሩዘቨልት
    Image caption: ኣብታ መርከብ ልዕሊ 500 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ተለኺፎም ኣለዉ

    ሕቡራት መንግስተት ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ 2 ሚልዮንን 816 ሽሕን ጥርጡራት ብዘካየደቶ መርመራ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 557 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለዉ ኣረጋጊጻ’ላ።

    ካብቶም ዝተመርመሩ፡ እቶም ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ኣብ ግዛኣት ኒውዮርክ መርመራ ዝተገበረሎም ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ካሊፎርንያ’ውን ንልዕሊ 190 ሽሕ ህዝቢ መርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይሩሎም።

    ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ጸብጻብ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 33 ሽሕ ሓውዮም ናብ ገዝኦም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ሞት ናይ ልዕሊ 22 ሽሕ ተመዝጊቡ ኣሎ።

    ካብ ግዝኣታት ኣሜሪካ እታ ቀንዲ ተሃስያ ዘላ ግዝኣት ኒውዮርክ ክትከውን እንከላ፡ ዛጊት 6898 ሞይቶማ ኣለዉ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሓደ ኣባል ናይታ ዩ_ኤስ_ኤስ ሩዘቨልት (USS Roosevelt) ተባሂላ እትጽዋዕ ነፈርቲ ኲናት እትስከም ዓርሞሾሽ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።

    ኣብታ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ፡ ኣብ ጉዋም ዝርከብ ወታሃደራዊ መደበር ተወሺባ ዘላ መርከብ ልዕሊ 500 ባሕረኛታት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ’ሎ።

  3. ቀዳማይ ሚኒስተር ብርጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ካብ ኮሮናቫኣይረስ ምሉእ ብምሉእ ሓውዩ

    በሪስ ጆንሰን ምስ መጻምድቱ ካሪ ሲሞንድስ
    Image caption: እታ ነፍሰ-ጾር ዝኾነት መጻምድቱ፡ ካሪ ሲሞንድ’ውን ምልክታት ብምርኣያ፡ ተወሺባ ትርከብ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብርጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ትማሊ ካብ ሕክምና ቅድሚ ምውጻኡ ኣብ ዝገበሮ መርመራ፡ እቲ ውጽኢት፡ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኑ ከም ዝተረጋገጸ ኣፈኛ መንግስቲ ሓቢሩ።

    ቀዳማይ ሚኒሰተር ጆንሰን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ቸከርስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ካብ ለንደን ወጽእ ኢሉ ዝርከብ ካልኣይ መንበሪ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ምክትታል እናተገበረሉ የዕሪፉ ከምዘሎ'ውን እቲ ኣፈኛ ጠቒሱ።

    ንሱ፡ ምልክታት ናይቲ ቫይረስ ድሕሪ ምርኣዩ ን10 መዓልታት ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ መንበሪኡ ተወሺቡ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኩነታቱ እናንቆለቆለ ስለዝኸደ ንሆስፒታል ተወሲዱ፡ ንሓደ ሰሙን ጽኑዕ ክንከን ክግበረሉ’ዩ ጸኒሑ።

    እታ ነፍሰ-ጾር ዝኾነት መጻምድቱ፡ ካሪ ሲሞንድ’ውን ምልክታት ብምርኣያ፡ ተወሺባ ትርከብ።

    ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት 11, 329 በጺሑ።

    እዚ ቁጽሪ’ዚ ነቶም ብኮሮናቫይረስ ከምዝተታሕዙ ተረጋጊጹን፤ ኣብ ሆስፒታል ዝሞቱን ጥራይ ከምዝውክልን ተፈሊጡ።

    ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራይ 717 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ መንግስቲ እታ ሃገር ሓቢሩ።

  4. ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሕጽረት መግነዚ ሬሳ ከጋጥም ከም ዝኽእል ተገሊጹ

    መግነዚ ሬሳ

    ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ኣካየድቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ኣብዚ ሕጂ እዋን ንመሸጣ ዝውዕል ይኹን መጠቕለሊ ሬሳ ዝኸውን ጎማ ('ቦዲባግ') ከም ዘይብሎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

    እዞም ኣካየድቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሰባትልዕሊእቲዘድልዮም (ንኻልእ መዓላ) ገዚኦም ኣብ ገዝኦም ስለዝኸዘንዎ ሕጽረት 'ቦዲባግ' ከምዘጋጠሞም ይገልጹ።

    ነዚ መጠቕለሊ ሬሳ ካብ ካልእ ሃገር ገዚእካ ንምምጻእ ሳምንታት ከም ዝወስድ ዝሕበሩ እዞም ትካላት፡እተን ነዚ መጠቕለሊ ሬሳ ዘፍርያ ትካላት መስርሒ ዝኸውን ቀረብ 'ላስቲካዊጭሕጎ' ስለዘየለ ከምቲ ከፍርይኦ ዝግበአን የፍርያ ከም ዘየለዋ'ዩ ዝግለጽ።

    ኣገልግሎት ጥዕና 'NHS' ዓዲ እንግዘዝ፡ኣኹል ፕላስቲክ መጠቕለሊ ሬሳ ከምዘሎ እኳ እንተሓበረ፡ሰብሞያ ጥዕና ግን ንዝሞቱ ሰባት ብኣንሶላ ክጥቕልልዎም ይግደዱ ከምዘለዉ እዮም ዝሕብሩ።

  5. Breakingኣብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ተወሰኽቲ ሰባት ተረኺቦም

    ሊያ ታደሰ

    ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ኢትዮጵያ ምርመራ ካብ ዝተገበረሎም 247 ሰባት፡ ሰለስተ እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም፡ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ኣብ መግለጺኣ ሓቢራ።

    ነዚ ስዒቡ፡ ቁጽሪ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 74 በጺሑ።

    እቶም ውልቀ ሰባት፡ ኩሎም ኢትዮጵያውያን እንትኸኑ ዝኾነ ናይ ጉዕዞ ቅድመ-ታሪኽ የብሎምን።

    እቶም ክልተ ደቂ ተባዕትዮ፡ በቲ ቫይረስ ምስ ዝሓመመ ሰብ ርክብ ከምዝነበሮም ዝሕብር መረዳእታ ኣይተረኸበን።

    እታ ሓንቲ ግን፡ ጓል 23 ዕድመ ኸይና፡ በቲ ሕማም ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ርክብ ዝነበራ ምዃና ከምዝተተረጋገጸ- እቲ መግለጺ ይሕብር።

    ኣርባዕተ ሰባት እድማ ካብቲ ሕማም ከምዝሓወዩ ተገሊጹ።

    View more on facebook
  6. ‘ኣሜሪካ ኣቐዲማ ስጉምቲ ምወሰደት ህይወት ሰባት ከተድሕን ምኸኣለት’

    ኣመሪካ

    ላዕለዋይ ሓላፊ ጥዕና ኣሜሪካ፡ እታ ሃገር ኣቐዲማ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ደው ዘብል ስጉምቲ እንተትወስድ ነይራ፡ “ህይወት ብዙሓት ከተድሕን ምኸኣለት” ኢሉ።

    “ካብ መጀመርትኡ ኩሉ ነገር እንተዝዕጾ ነይሩ፡ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ካልእ መልክዐዕ ምሃለዎ ነይሩ” ኢሉ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውሲ።

    እንተኾነ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ምውሳድ ዝተሓላለኸ’ዩ ነይሩ ኢሉ። ኣብ ኣሜሪካ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 550 ሽሕ እንትበጽሕ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ኒውዮርክ ዝኾኑ 22 ሽሕ ሰባት ሞይቶም።

    ዶክተር ፋውሲ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ገለ ክፋል ኣሜሪካ ናብ ንቡር ክምለስ ከም ዝኽእል’ውን ተዛሪቡ።

    ዝርዝር እቲ ዛንታ ኣብዚ ኣለኩም

  7. ደቡብ ኮርያ ካብ ኣሜሪካ ንዝመጽኡ ኩሎም ተጓዓዝቲ ክትምርምር’ያ

    ደቡብ ኮርያ

    ደቡብ ኮርያ ካብ ኣሜሪካ ዝመጽኡ ገያሾ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ መወሸቢ ምስጸንሑ ንኹሎም ምርመራ ኮሮናቫይረስ ክትገብር ምዃና አፍሊጣ።

    እቲ ስጉምቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ሰኑይ ከምዝጅመር ወኪል ዜና ዮንሃፕ ንማእኸል ቁጽጽርን ምክልኻልን ሕማማት እታ ሃገር ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

    ደቡብ ኮርያ አብ ውሽጢ ዓዲ ብዘጋጥም ምልባዕ ዘይኮነስ ካብ ደገ ኣብ ዝመጽኡ ሰባት እቲ ቫይረስ ይርከብ ከምዘሎ ትገልጽ።

    ካብቶም ካብ ደገ ዝኣትዉ ሕሙማት እቲ ቫይረስ ድማ ፍርቆም ካብ ኣሜሪካ ከምዝኾኑ መረዳእታታት ይሕብሩ።

  8. ኮቪድ-19 ኣብ መንጎ ሃገራት ዓለም ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ኣስዒቡ

    ወጥሪ ዲፕሎማሲ

    ስፔን፡ ሓንቲ ካብተን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ዝሃሰየን በዚ ምኽንያት ድማ ልዑል ጠለብ ናውታት ሕክምና ካብ ዘድልየን ሃገራት እያ።

    እንተኾነ፡ ካብ ሰለስተ ዞባታት ስፔን ዝተዓደጉ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናይ ሕክምና መገልገሊ ኣቑሑ ብሰንኪ ምስ መንግስቲ ቱርኪ ዝተፈጥረ ፍሕፍሕ፡ ኣብ መርከብ እንከሎ ናብ ስፔን ክጉዓዓዝ ዕድል ኣይረኸበን።

    መራኸብቲ ማዕኸናት ስፔን፡ ነዚ ጉዳይ "ስርቂ ክብላ ገሊጸንኦ።

    ንሰሙን ድሕሪ ዝነበረ እንካን ሃባን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስፔን እቲ ምጉዕዓዝ ፍቓድ ዝረኽበሉ ኩነታት ኣመቻቸወ።

    ይኹን'ምበር፡ እዚ ኣጋጣሚ ኮቪድ-19 ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ብኸመይ ይጸልዎ ከም ዘሎ ዘርኢ ኣብነት'ዩ።

    ስለዚ፡ እቶም ምትፍናናት ኣበይ የጋጥሙ ኣለው?

    ኣብ ሞንጎ ቻይናን ኣሜሪካን ዘሎ ዘይምቅድዳው፡ ትኹረት ንምርካብ ዝዓለመ ይመስል።

    ዝርዝር እቲ ዛንታ ኣብዚ ክተንብቡ ትኽእሉ

  9. ሃገራት ደቡብ ኤስያ እቲ ዝኸፍአ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ከምዘጋጥመን ባንኪ ዓለም ገሚቱ

    ደቡብ ኤስያ

    ህንዲ ትርከበን ሃገራት ደቡብ ኤሰያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመት እቲ ዝኸበደ ቁጠባዊ ሃሰያ ከጋጥመን ምዃኑ ባንኪ ዓለም ሓቢሩ።

    ንሸሞንተ ሃገራትን ንርብዒ ካብ ህዝቢ ዓለምን ዝሓዘ እዚ ዞባ፡ ኣብዚ ዓመት ካብ 1.8 ክሳብ 2.8 ሚኢታዊት ዕቤት ቁጠባ ከመዝግብ ትጽቢት ይግበር።

    እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሽድሽተ ወርሒ ዝተገመተ 6.3 ሚኢታዊት ኣዝዩ ዝወረደ ከምዝኾነ ባንኪ ዓለም ገሊጹ።

    ቁጠባ ህንዲ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ክሳብ መዋዳእታ ናይዚ ዓመት [2020] ካብ 1.5 ክሳብ 2.8 ሚኢታዊት ክዓብይ ትንበያ ባንኪ ዓለም የመልክት።

    ሃገራት ስሪ ላንካ፣ ኔፓል፣ ብሁታንን ባንግላዲሽን ድማ ቁጠበአን ብዝለዓለ ናህሪ ከምዝዝሕትል ገሊጹ’ሎ። ፓኪስታን፣ ኣፍጋኒስታንን ማልዲቭስን እውን ምድኻም ቁጠባ ከምዝረኣየን ዝሓበረ ባንኪ ዓለም ኣብቲ ዞባ ዝግበር ዝነበረ ተስፋ ወሃቢ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነት መሊሱ ናብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ኣፍሊጡ።

  10. ኣብ ፈረንሳን ጣልያንን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘጋጥም ሞት ነክዩ

    ፈረንሳይ

    ክልትኤን ሃገራት ኣብ ኣውሮጳ እተን ብኮሮናቫይረስ ኣዝየን ዝተሃሰያ ሃገራት ኮይነን፡ እቲ ብሰንኪ እቲ ሕማም ዘጋጥመን ዝነበረ ሞት ነክዩ’ሎ።

    ኣብ ጣልያን ድሕሪ ልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ዝተሓተ ኮይኑ ዝተመዝገበ ሞት 432 ከምዝኾነ ተገሊጹ።

    ፈረንሳ’ውን ኣብ ብዝሒ ዝሞቱን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ህይወት ብምዃኖም ጥቡቕ ክትትል ሕክምና ዝግበረሎምን ምንካይ ከም ዝተረኣያ ተሓቢሩ።

    መንግስቲ ከምዘፍለጦ፡ ትማሊ ሰንበት 315 ሰባት ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ህይወቶም ሓሊፋ። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ 345 ከምዝሞቱ ተገሊጹ ነይሩ።

    ብኣንጻሩ ስፐይን ኣብ ቁጽሪ ዝሞቱ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ወሰኽ ተራእይዋ’ሎ። ልዕሊ 600 ሰባት ሞይቶምዋ።

    ዋላ ኣብ ቁጽሪ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ምንካይ እንተሃለወ፡ ኣብ ቅድሚት ዝኸፍአ እዋን ክህልው ከምዝኽእል መንግስቲ እታ ሃገር ኣጠንቂቑ።

  11. ቻይና ድሕሪ ሰሙናት ዝለዓለ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኣመዝጊባ

    ቻይና

    እቲ ቁጽሪ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር ከሎ ብዙሕ ዝበሃል’ኳ እንተዘይኮነ ንቻይና ግን ጽቡቕ ዜና ኣይኮነን።

    እቶም ሕዚ ዝተመዝገቡ 108 ሓደሽቲ ኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኣብታ ሃገር ድሕሪ ልዕሊ ሓሙሽተ ሰሙን ብዝለዓለ ቁጽሪ ዝተረኸቡ እዮም።

    ነዚ ከም ቀንዲ ምኽንያት ዝተወሰደ ድማ ብዙሓት ቻይናውያን ናብ ሃገሮም ይምለሱ ብምለሱ ብምህላዎም’ዩ ተባሂሉ።

    ዳርጋ ኩሎም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ካብ ደገ ተመለሱ ዜጋታታ እዮም። መንግስቲ ቻይና ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ናብ ሃገሩ ከይኣትዉ እንተኽልከለ’ውን በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ምርካብ ግን ኣየቋረጸን።