Got a TV Licence?

You need one to watch live TV on any channel or device, and BBC programmes on iPlayer. It’s the law.

Find out more
I don’t have a TV Licence.

ቀጥታዊ ጸብጻብ

time_stated_uk

  1. ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣውስትራልያን ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር 'ኣፕሊኬሽን' ክጥቀማ'የን

    ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣውስትራልያን ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር 'ኣፕሊኬሽን' ክጥቀማ'የን

    ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣውስትራልያን ዝርገሕ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር፥ ምስ ብኮሮናቫይረስ ዝሓዞ ሰብ ዝተራኸቡ ሰባት ዝሕበር መተግበሪ [ኣፕሊኬሽን] ክጥቀማ ምዃነን ተገሊጹ።

    ሚኒስትር ጥዕና ጀርመን እዚ መተግብሪ ካብ ዝመጽእ ሰለስት ሳምንታት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ሓቢሩ።

    እዚ መተግብሪ ኣብ ኣውስትራልያ'ውን ድሕሪ ክልተ ስሙን ኣብ ስራሕ ከምዝውዕል ተገሊጹ'ሎ።

    እዚ ምስ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰብ ዝተራኸቡ ሰባት ዝሕብር መተገብሪ ዝጥቀማ ሃገራት ቁጽረን ይውስኽ ኣሎ።

    እዚ 'ኣፕሊኬሽን' ብሉቱዝ ብምጥቃም ምስቲ ዝተለኸፈ ሰብ ዝተራኸቡ ሰባት ፈልዩ መጠንቀቓታ ከምዘመሓላልፍ ተገይሩ'ዩ ተሰሪሑ።

    እዚ መተግበሪ እዚ መሰል ሰባት ብምጥሓስ ኣብ ስለያዊ ምዓላ ከይውዕል ብምባል ብዓይኒ ጥርጣረ ዝርእይዎ ሰባት ግን ውሑዳት ኣይኮኑን።

  2. ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን "ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ምስ ኣኽተመ'ዩ ክግምገም ዘለዎ"

    ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሽንዞ ኣቤ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሽንዞ ኣቤ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ኣብቕዐ'ዩ ክግምገም ዘለዎ ኢሉ።

    መንግስቲ ጃፓን'ውን ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝህቦ ደገፍ ከምዝየቋርጾ ገሊጹ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሽንዞ ኣቤ "ሕጂ ንውድብ ጥዕና ዓለም ደገፍና ነርእየሉ እዋን'ዩ፡ አዚ ዘለናዮ ኩነታት መዕለቢ ምስ ረኸበ ኢና ነቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ክንግምግሞ ዘለና" ኢሉ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነዚ ርእይቶ ዝሃበ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሃገሩ ንውድብ ጥዕና ዓለም እትህቦ ደገፍ ደው ከምእተብሎ ድሕሪ ምሕባሩ ድሕሪ ምዓልታት እዩ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ልዕሊ ቻይና ዓቕኑ ዝሓለፍ እምነት ምንባሩን ጌጋ ምፍጻሙን'ዩ ዝኸሶ።

  3. ኣብ ኣፍሪቃ ብውሕዱ 300 ሽሕ ሰባት በኮቪድ-19 ክሞቱ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ

    ኣብ ኣፍሪቃ ብውሕዱ 300 ሽሕ በኮቪድ-19 ክሞቱ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ

    ኣብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ብውሕዱ 300 ሽሕ ክሞቱ ከምዝኽእሉን፡ ኣስታት 30 ሚልዮን ድማ ናብ ድኽንት ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

    ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮምሽን ቁጥባ ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝሓብሮ፡ እታ ኣህጉር ኣሰታት 100 ቢልዮን ዶላር ንመሐለውታ ከምዝደልያ ሓቢሩ።

    ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 20 ሽሕ ሰባታ ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ግን እዚ ቁጽሪ ኣብ ዝምጽእ ኣዋርሕ ናብ 10 ሚልዮን ክብ ክብል ከምዝኽእል'ዩ ዘጠንቅቕ።

  4. ኮሮናቫይረስ ሕዱር ሕማም ኮይኑ ምሳና ክነብር ይኽእልዶ?

    ከምቲ ገለ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝብልዎ ዘይኮነ፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፍና ማለት፡ ንመዋእልና በቲ ቫይረስ ተታዘዝና ንነብር ማለት ኣይኮነን።

    ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ መብዛሕትኦም ብኮቪድ19 ዝተለበዱ ሳባት፡ ምሉእ ብምሉእ ክሓውዩን፡ ኣካላቶም ካብቲ ቫይረስ ናጻ ክኾኑንን ይኽእሉ’ዮም።

    እንተኾነ ግና፡ ንካልኣይ ግዜ ክንልከፍ ተኽእሎ ስለዘሎ፡ ምስ ሓወና’ውን እንተኾነ ነዚ ሕጂ ዝወሃብ ዘሎ ናይ ጥዕናን ድሕነትን መምርሒታት ምትግባር ኣገዳሲ’ዩ።

    ቅድሚ ምኻድና፡ ሓንቲ ምኽሪ ኣላትና፡ ኮሮናቫይረስ ንስርዓተ ምስትንፋስ ዘጥቅዕ ብምዃኑ፡ ዝኾነ ዝጸንሐ ናይ ምስትንፋስ ጸገማት ዘለዎ ሰብ ኣብ ዝለዓለ ተቃላዕነት ኣለዎ።

    ብርቱዕ ኣዝማ እንተድኣ ኣልዩኩም ድማ፡ ካብቶም “ኣዝዮም ተነቀፍቲ” ምዃንኩም ተረዲእኩም፡ እቲ ናይ ዕጽዋ መምርሒ ክንዲ ዝወሰደ ይውሰድ ካብ ገዛኹም ከይትወጹ ትመዓዱ።

    ትሑት ኣዝማ እንተድኣ ሃልይኩም’ውን፡ ነቲ ዝወሃብ ኣካላዊ ምፍንታት ዓቲብኩም ከተተግብርዎ ኣለኩም። ድሕነትኩምን ድሕነት ካልኦት ንምሕላው ኣእዳውኩም ተሓጸቡ፡

  5. 1 ሚልዮን መመርመሪ ኮቪድ-19 ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክከፋፈል'ዩ

    1 ሚልዮን መመርመሪ ኮቪድ-19 ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክከፋፈል'ዩ

    ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ 1 ሚልዮን መመርመሪ ኮሮናቫይረስ ብምክፍፋል ሕጽረት መመርመሪ ኣፍሪቃ ከምዘጽብቦ ሓቢሩ።

    ዳይሬክተር ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ጆን ኒኬንጋሰንግ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ሕጽረት መመርመሪ ኮሮናቫይረስ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ ነዚ መመርመሪ ናብ ሃገራት ከካፋፍል ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

    ዶክተር ጆን ኒኬንጋሰንግ፡ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዎን ሃገራት ክሳብ ሕጂ ውሑድ ሰብ ጥራይ መርሚረን ከምዘለዋ ብምሕባር፡ እታ ልዕሊ 200 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ናይጀርያ 6 ሽሕ፡ እታ ልዕሊ 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ድማ 5000 ሰባት ጥራይ መርሚረን ከምዘለዋ ሓቢሩ።

    "ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣስታታ 15 ሚልዮን ናይ ምምርማር እዩ ዘለና፡ እንተኾነ ጉዕዞ 1000 ማይል ብሓንቲ ስጒሚ'ዩ ዝጅመር" ኢሉ።

    ኣብ 52 ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ 17700 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኪፎም ኣለዉ፡ ልዕሊ 915 በዚ ቫይረስ ክሞቱ እንከለዉ 3500 ድማ ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም።

  6. ጉግል፡ “ መዓልታዊ 18 ሚሊዮን ስኑዓት ኢሜላት ይለኣኽ”

    ጉግል፡ “ መዓልታዊ  18 ሚሊዮን  ስኑዓት ኢሜላት ይለኣኽ”

    ብኣጣፋፋእቲ ሰነዳታ (Scammers) ፥ ምስ ኮቪድ- 19 ዝተሓሓዙ መዓልታዊ 18 ሚልዮን መልእኽትታት ናብ ተጠቀምቲ ጂ መይል ከምዝለኣኽ ጸብጻባት ጉግል ይሕብሩ።

    እዚ ናብ ውልቀ ሰባት ዝልኣኽ መልእኽትታት፥ ውልቃዊ ሰነዳቶምን ውልቃዊ ሓበሬታን ተጠቀምቲ ዝሓትት ኮይኑ፡ ካብ ሞንጎ እዞመ ብተደጋጋሚ ዝስደዱ ዘለዉ መልእኽትታት ናይ ውድብ ጥዕና ዓለምን ናይ መንግስትታት ዝተፈላልያ ሃገራት ዝመስሉ እዮም።

    ጉግል መዓልታዊ ልዕሊ 100 ሽሕ ናይ ሓሶት መልእኽትታት ከምዝዓግትን ከም ዝድምስስን ብምሕባር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝተላኣኹ ናይ ሓሶት መልእኽትታት እቲ ኣስታት ሓደ ርብዒ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዝ ምንባሩ ጠቂሱ።

    ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 1.5 ቢልዮን ተጠቀምቲ ጂ መይል ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

  7. ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 14 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተወሰኽቲ 14 ሰባት ህይወቶም ብምሕላፉ ቁጽሪ ናይቶም ዛጊድ ኣብታ ሃገር ዝሞቱ 48 በጺሑ።

    ሚንስተር ጥዕና'ታ ሃገር ዝዌሊ ምኪዜ ከምዝሓበሮ 20 ሰባት ዝሞትዋ ግዝኣት ክዋላዙሉ ናታል ብዝለዓለ ቁጽሪ ኣብ ቅድሚት ትርከብ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዛጊድ 2606 በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተረጋጊጹ'ሎ።

    መሸፈኒ ገጽ ዝገበረት ሰበይቲ
  8. 'ኮሮናቫይረስ፣ ጥምየት ወይስ ጥይት. . .ዝቐትለና ኣይንፈልጥን' ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት

    ኣብ የመን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቕናለና ኢሎም

    እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝተሓብኡሉ ቦታ

    መምህር ዘነበ ታደለ ሓደ ካብቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ኮይኑ፡ "ዕጡቓት ሑቱ" ከምዝኾኑ ዝገለጾም ሚሊሻታት ጠያይቲ ክትኩሱሎም ምስጀመሩ ኩሎም ስደተኛታት ከምዝተበታተኑ ተዛሪቡ።

    "ኣልጋሃር ኣብ ሞንጎ የመንን ስዑድን እትርከብ ንኢሽተይ ናይ የመን ቁሸት እያ። ዶብ ስለዝኾነት ድማ ዝበዝሕ ሓበሻ ስደተኛ ኣብቲ ከባቢ እዩ ዝነብር።

    ብግምት ክሳብ 5 ሽሕ ንኸውን። ትማሊ ቀትሪ ድማ ብሃንደበት 20 ኣብ ዝኾና መኻይን ዝተጽዓኑ ከባቢ 200 ዕጡቓት ሑቲ ናብቲ ከባቢ ብምእታው ጠያይቲ ክትኩሱ ጀሚሮም" ኢሉ።

    ንገሊኦም ስደተኛታት ከምዝሓዝዎም ዝዛረብ መምህር ዘነበ ዝበዝሑ ግን በቶም ዕጡቓትን ድምጺ ጠያይትን ተሰናቢዶም ሃዲሞም ከምዝተበታተኑ ሓቢሩ።

    "ኣነን ካልኦት ምሳይ ዝነበሩን'ውን ንሃድም ስለዝነበርና መን ምዃና ኣየጻረናን እምበር ሓንቲ ተወቒዓ ዝቖሰለት ኣላ። ገሊኦም ስደተኛታት ድማ ናብ ዶብ ስዑዲ ምስሃደሙ ከቢድ ብረት ከይተረፈ ተኹሲ ተኸፊቱ" ክብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ገሊጹ።

    ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ፈለግ ትረኽብዎ ኣብ የመን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቕናለና ኢሎም

  9. ኣብ ኢትዯጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ተወሰኽቲ 4 ሰባት ተረኺቦም

    ኣብ ኢትዯጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ተወሰኽቲ 4 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚንስትሪ ጥዕና ሓቢሩ

    ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ታደሰ

    ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓት ምርመራ ካብ ሞንጎ ዝተገበረሎም 842 ሰባት እቶም ኣርባዕተ ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።

    ካብቶም ሰባት ሰለስቲኦም ካብ ዱባይ ምስመጽኡ ኣብ መወሸቢ ዝጸንሑ እዮም።

    ናይቲ ሓደ ግን ገና ይጻረይ ከምዘሎ እቲ ሚንስትሪ ሓቢሩ።

    ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁጽሪ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ 96 በጺሑ'ሎ።

  10. ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ኢትዯጵያ ዳግም ምጅማሩ እንታይ ሳዕቤን ይህልዎ?

    ሚኒስቴር መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ክቋረጽ ገይሩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ትማሊ ነቲ ውሳንኡ ብምልዓል፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተቛሪፁ ዝነበረ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ዳግም ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ።

    ኣውቶቡሳትን ሚኒባሳትን

    ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኢትዮጵያ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር፡ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ኣዊጃ።

    ክልተን ልዕሊኡን ዝኾኑ ሃይማኖታዊ፣ ፖለቲካዊ ወይ ካልእ ዓይነት ምትእኽኻባት፣ ናይ ኢድ ሰላምታ፣ ብዶባት ምውጻእን ምእታውን ዝተኸልከለ ምዃኑ ዝገልጹ እዚ 22 ነጥብታት ዝሓዘ ዝርዝር ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ፡ "ዝኾነ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ዝህብ መኪና ልዕሊ ፍርቂ እቲ ዝሕዞ ወንበር ምጽዓን ክልኩል እዩ" ይብል።

    በዚ መሰረት እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ካብን ናብን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከም ዝቋረጽ እኳ እንተዘይገበረ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ግን ሚኒስቴር መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ክቋረጽ ገይሩ ነይሩ።

    እንተኾነ፡ ትማሊ ነቲ ውሳንኡ ብምልዓል፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተቛሪፁ ዝነበረ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ዳግም ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ። ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህቡ ተሽከርከርቲ ፅሬቶም ብምሕላው ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝጽዕንዎ ብዝሒ ተሳፈርቲ 50 ሚኢታዊት ብምንካይ ኣገልግሎት ከም ዝህቡ'ውን ይገልጽ።

    ንፍቓድ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ፌደራል ዝቃወም ኣባል ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳኮሮናቫይረስ ትግራይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ እቲ ውሳነ ምውሳን እቲ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ለበዳ ከየጋድዶ ከም ዝሰግእ ተዛሪቡ።

    ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ትረኽብዎ

  11. እገዳታት ከፈጽም ዘይከኣለ ኣመሓዳሪ ካርቱም ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ

    ሰዓብቲ እምነት እስልምና ኣብ ውሽጢ መስጊድ

    ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላህ ሓምዶክ ንዋና ኣመሓዳሪ ከተማ ካርቱም ካብ መዝነቱ ኣውሪዱ።

    እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ነቲ ኣመሓዳሪ ካብ ስልጣኑ ክኣልዮ ዝኸኣለ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝተወሰነ ክልከላ ሃይማኖታዊ ምትእክኻብ 'ኣየፈጽምን' ኢሉ ብዝብል'ዩ።

    ኣመሓዳሪ ከተማ ካርቱም ጀነራል ኣሕመድ ዓብዱ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን መስጊዳትን ምትእኽኻብ ዝኽልክል መምርሒ 'ኣየፈጽምን' ከምዝበለ ይግለጽ።

    ብተዛማዲ ዜና ትማሊ ሓሙስ ንፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል በሺር ብምድጋፍ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዝወጽኡ ሰባት ፖሊስ መንብዒ ጋዝ (ትኪ) ተኲሱ።

    እቶም ሰልፈኛታት፡ እቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ስግግር መንግስቲ ኣብ ዝወስዶም ኣዝዮም ተረርቲ ዝኾኑ ስጉምትታት'ውን ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

  12. "ሕጂ ጽቡቅ ይስምዓኒ'ሎ፡ ንስኹም ኸኣ ጽቡቕ ክትህልዉ ይትፍሶ"

    ኣስታት 17 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝዋጻእ ዝገበረ ወዲ 99 ዓመት

    ካፕቴን ቶም ሙር

    ወዲ 99 ዓመት ወተሃደር ነበር፡ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ንምሕጋዝ ኣብ ጀርዲኑ 100 ግዜ ብምኲላል ልዕሊ 17 ሚልዮን ፓውንድ ኣዋህሊሉ።

    ካፕቴን ቶም ሙር ነዚ ሓሳብ እዚ ከበግስ እንከሎ ኣስታት ሓደ ሽሕ ፓውንድ ኣዋህሊሉ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ንምብርካት እዩ ሓሊኑ።

    እንተኾነ ነቲ ንሱ ዘበገሶ ናይ ገንዘብ ምውጻእ መስርሕ ልዕሊ 650 ሽሕ ሰባት ተጸንቢረምዎ።

    ንሱ፡ ነቲ ብምርኩስ ተሓጊዙ 100 ግዜ ኣብ ዙርያ ጀርዲኑ ዝገበሮ ምንቅስቃስ ድሕሪ ምዝዛሙ "ሕጂ ጽቡቅ ይስምዓኒ'ሎ፡ ንስኹም ኸኣ ጽቡቕ ክትህልዉ ይትፍሶ" ክብል ተሰሚዑ።

    ካፕቴን ሙር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ክሳብ ሕጂ ተዋጺኡ ዘሎ ገንዘብ ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑን ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ምዃኑን'ዩ ሓቢሩ።

    ምሉእ ዛንታ ኣብዚ ትረኽብዎ ኣስታት 17 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝዋጻእ ዝገበረ ወዲ 99 ዓመት

  13. ኣብ ቻይና ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን 'ናብ መወሸቢ ክኣትዉ ይግደዱ ኣለዉ'

    ካብ መንበሪ ገዝኦም ክወጽኡ ዝተገበሩ ኣፍሪቃውያን

    ኣብ ደቡባዊ ቻይና ከተማ ግዋንግዡ ዝርከቡ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ናብ መወሸቢ ክኣትው ወይ ከኣ ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ይግደዱ ኣለዉ።

    ሓደ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ ገዛ ዘካረይዎ ሰባት ካብ ገዝኡ ስለዘባረርዎ ንመዓልታት ኣብ ጎደናታት ክድቅስ ተገዲዱ'ዩ።

    ኣብ መእተዊ ወርሒ ሚያዝያ፡ ክልተ ናይጀርያውያን ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ካብ መወሸቢ ሃዲሞም ዝብል ወረ ምስተዘርግሐ ሰበመዚ እታ ከተማ ኣብ ኣፍሪቃውያን ምርመራ ከካይዱ ጀሚሮም'ዮም።

    እዚ ድማ 98 ሚኢታዊት ካብ ኣፍሪቃውያን ማሕበረሰብ ካብ ምንቅስቓስ ክግደቡ ከምዝገበረ ሓደ በዓልስልጣን ሓቢሩ።

  14. "ጥዕና ምሳይ ዝተራኸቡ ሰባት የጨንቐኒ ነይሩ" በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘት ኢትዯጵያዊት

    ኣብ ከተማ ባህርዳር እትርከብ ብኮሮናቫይረስ ዘተትሓዘት ውልቀሰብ፡ እቲ ሕማም አብ ኢትዮጵያ ከም ዝተረኸበ ምስ ተፈለጠ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እያ በቲ ቫይረስ ተለኺፋ።

    ከተማ ባህርዳር

    እዛ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዐት ውልቀሰብ ካብ ዱባይ ከም ዝመጽአት ተገሊጹ ነይሩ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ግዳያት ኮሮናቫይረስ ትርከብ።

    ኣብ ክልል ኣምሓራ ፈላመይቲ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዐት ምዃና ዝንገር እዛ ውልቀሰብ፡ ብኮቪድ-9 ከም ዝተትሓዘት ካብ እትፈልጥ 21 መዓልታት ኮይኑዋ ኣሎ።

    ከመይ ኢላ በዚ ቫይረስ ተታሒዛ? ኣብ ምንታይ ኩነታት ትርከብ? ዝብል ቢቢሲ ኣዘራሪቡዋ ኣሎ።

    ምሉእ ዛንታ ንምንባብ "ጥዕና ምሳይ ተራኺቦም ዝነበሩ ሰባት የጨንቐኒ ነይሩ" ኣብ ባህርዳር እትርከብ ሕምምቲ ኮቪድ-19

  15. 'ኮሮናቫይረስ ልዕሊ ኩሉ ፖለቲካዊ ቅልውላው እዩ'

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበረት ሰበይቲ

    እስራኤላዊ ጸሓፊ ታሪኽን ደራሲ ሳፔንስ፡ ሓጺር ታሪኽ ደቂ ሰብ ( Sapiens: A Brief History of Humankind) ዝኾነ ዩቫል ኖዋህ፡ ንኮቪድ-19 ንምቕላስ እንወስዶም ምርጫታት ንዓለምና ንዝቕጽል ዓመታት ቅርጺ ከትሕዛ እዩ ይብል።

    ድሕሪ እዚ ለበዳ እዚ እንታይ ዓይነት ሕብረተሰብ ክመጽእ እዩ? ሃገራት ክሓብራ ድየን ወላስ መሊሰን ክፈላለያ? ናይ ኣመሓዳድራን ጽኑዕ መምርሒታትን መሳርሒታት ንምሕላው ንዜጋታተን ይጭፍልቕኦም'ዶ?

    "እዚ ቅልውላው ዓበይቲ ውሳኔታትን ንምውሳንን ቀልጢፍና ክንገብሮምን ይግድደና ኣሎ። ይኹን ደኣ እምበር ምርጫታት ኣለዉና" ብምባል፡ ሃሪስ፡ ንመደብ ቢቢሲ ኒውስ - ኣዋር ሓቢሩ።

    ወሲኹ ድማ "ምናልባት ነዚ ቅልውላው ንምግጣም እተን ዘለዋና ክልተ ምርጫታት ክኾና ዝኽእላ ሓደ ሃገራዊ ምግላል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ዓለም ለኻዊ ምትሕግጋዝን ሓድነትን" እዩ ይብል።

    ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ

  16. ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

    ሰብ ሞያ ሕክምና

    ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 2,150,000 ክበጽሑ ከለዉ፤ ቁጽሪ በቲ ሕማም ዝሞቱ ሰባት ድማ ልዕሊ 143,000 ኣትዩ'ሎ።

    ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ልዕሊ 32,000 ሰባት ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይግለጽ።

  17. ቁጠባ ቻይና ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ውሽጢ ዓሰርታት ዓመታት ንፈለማ እዋን ነክዩ

    ኣብ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ እዚ ዓመት [2020] ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስን ኣዋጅ ዕጽዋን ቑጠብኣ ናብ 6.8 ሚኢታዊት ጎዲሉ።

    ሰራሕተኛ ፋብሪካ

    ምኽንያት ምዕጻው ትካላት ንግድን ፋብሪካታትን ዝኾነ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ቑጠባ ቻይና ኣብ ውሽጢ ዓሰርታት ዓመታት ክጎድል ገይሩ።

    ብዓርቢ ዝወጽአ መረዳእታ ከም ዘመላኽቶ፡ ወናኒት ካልኣይ ዓብዪ ቑጠባ ዓለምና ዝኾነት ቻይና፡ ቁጠብኣ ናብ 6.8 ሚኢታዊት ምንካይ ኣርእዩ።

    እዚ ቻይና ዝለዓለ ቑጠባዊ ዕብየት ምምዝጋብ ካብ ዝጀመረትሉ 1992 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣትሒዙ ዘጋጠመ ምጉዳል ቑጠባ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ።

    "እዚ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተርኣየ ምጉዳል ቑጠባ፡ ኣብ ዘላቒ ቑጠባዊ እቶት፣ ኣብ ንኣሽቱ ኩባኒያታትን ሸቕሊ ኣልቦነትን ክንጸባረቕ ዝኽእል ጽልዋ ኣለዎ" ኢሉ ክኢላ ስነ ቑጠባ ዩ ሱ።

    ኣብ ቻይና ጽልዋ ዝፈጠረ ኮሮናቫይረስ ድማ ንኻልኦት ሃገራት'ውን ዓብዪ ስግኣት ቁጠባዊ ምንጋዕ ምዃኑ ይንገር።

  18. ካብ 100 ዘይውሕዱ ኢትዮጵያውያን ሞይቶም - ኣምባሳደር ፍጹም ኣረጋ

    ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ፍጹም ኣረጋ

    ኣብ ኣሜሪካ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ካብ 100 ዘይውሕዱ ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ኣብታ ሃገር ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣይተ ፍጹም ኣረጋ ሓቢሩ።

    ንሱ ምስ ቪኦኤ-ኣምሓርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ኢትዮጵያውያን ብንጹር ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ብዙሓት ዝሓመሙ ኣብ ሆስፒታላትን ገዝኦምን ከምዘለዉ ተዛሪቡ።

    መንግስቲ ኣሜሪካ ኣስከሬን ከምዘይህብ ከምዘፍለጦም ድማ ኣብቲ ቃለመሕትት ገሊጹ።

    "ኣስከሬን ናይ ምሃብ ሓሳብ ከምዘይብሎም ዲፕሎማሲያዊ ብዝኾነ መገዲ ሓቢሮምልና ኣለዉ" ኢሉ።