Got a TV Licence?

You need one to watch live TV on any channel or device, and BBC programmes on iPlayer. It’s the law.

Find out more
I don’t have a TV Licence.

ቀጥታዊ ጸብጻብ

time_stated_uk

  1. Breakingኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 170 ሰባት ኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተገሊጹ

    ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 6187 ሰባት ምርመራ ተገይሩሎም፤ ኣብቶም 170 ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ሚንስትሪ ጥዕና ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

    3 ሰባት ህይወቶም ክሓልፍ ከሎ፡ ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 2506 በጺሑ።

    እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ድማ 93 ደቂ ተባዕትዮ ከምኡ'ውን 77 ደቂኣንስትዮ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

    ካብ 2 ክሳብ 115 ዓመት ክሊ ዕድመ ከምዝርከቡ ድማ እቲ መግለጺ የመልክት።

    ካብ ሞንጎ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም እቶም 7 ካብ ትግራይ እዮም።

  2. ምስ ኮሮናቫይረስ ተታሓሒዙ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተዘርገሑ ግጉይ ሓበሬታ

    ተምሃሮ ኣም ማዳጋስካር

    ኮሮናቫይረስ ኣብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዘስፋሕፋሓሉ፡ ነታ ኣህጉር ምስ ኮሮረናቫይረስ ብምትሕሓዝ ዘይቅኑዓት ሓበሬታታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከዕለቅልቑ ይርኣዩ ኣለዉ።

    ገለ ካብኦም እዞም ዝስዕቡ ዝስዕቡ እቶም ብብዝሒ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክቀባበለሎም ዝተራዩ ዘይቅኑዓት ሓበሬታታት

    1. ኣፍሪቃ መድሃኒት ኮቪድ 19 ከይተፍሪ ሽርሕታት ተኣሊሙ

    ፕረዚደንት ማዳጋስካር ኣንድሪ ራጆሊና ነቲ ሃገሩ ተፍርዮ ዘላ መድሃኒት ኮቪድ 19 ስሚ ክውስኾሉ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዘይተኣደነ ሰልዲ ተዋሂብዎ ካብ ዝብል 'ናይ ሓሶት' ዜና ክንጅምር።

    ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ - ምስ ኮሮናቫይረስ ተታሓሒዙ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተዘርገሑ ግጉይ ሓበሬታ

  3. ስግኣት ኮሮናቫይረስ እንተቐጺሉ ኣብያተ ምኽሪ ፌደራልን ክልላትን ስርሖም ክቕጽሉ ተወሲኑ

    ኣርማ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ

    ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ፡ ኮሮናቫይረስ ስግኣት ኮይኑ ክሳብ ዝቐጸለሉ እዋን ኩሎም ኣብያተ ምኽሪ ፌደራልን ክልላትን ስርሖም ክቕጽሉ ብዝብል ንዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ኣጽዲቑ።

    እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ ውሳነ ዘሕለፈ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ እዩ።

    ብተወሳኺ'ውን እቲ ቫይረስ ዝህልዎ ዝርግሐን ዘኸትሎ ጉድኣትን ብዝምልከት ካብ ዝምልከቶም ኣካላት እኹል ሓበሬታ ምስ ዝርከብ እቲ ዝተናውሐ ምርጫ ካብ 9 ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክካየድ ከምዝኽእል ውሳነ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

  4. ግጥማት ላሊጋ ስፐይን ጽባሕ ሓሙስ ክጅምሩ እዮም

    ተጻወትቲ ጋንታታት ባርሴሎና (ጸጋም) ሪያል ማድሬድ (የማን)

    ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ላሊጋ ስፐይን ካብ ጽባሕ ሓሙስ ናብ ሜዳ ከምዝምለሱ ተፈሊጡ።

    ኣብ ሞንጎ ጋንታት ዝግበሩ ጸዋታታት መዓልታዊ ብዘይ ተመልካቲ ዝካየዱ ኮይኖም፡ ሲቪያ ምስ ሪያል ቤትስ ብዝግበርኦ ግጥም'ዩ ክጅመር።

    እቲ ሊግ ባርሴሎና ብኽልተ ነጥቢ ካብ ሪያል ማድሪድ ቀዲማ እናመርሐቶ'ዩ ብሰንኪ ስግኣት ኮሮናቫይረስ ተቛሪጹ ጸኒሑ።

  5. ከተማ ሙምባይ ልዕሊ'ታ ኮሮናቫይረስ ዝጀመረላ ከተማ ውሃን መልከፍቲ ኣመዝጊባ

    ምርመራ ኮሮናቫይረስ ዝግበረሎም ህንዳውያን

    ማእከል ዕዳጋ ህንዲ ዝኾነት ከተማ ሙምባይ፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ነበርታ ልዕሊ 51 ሽሕ ብምብጽሑ ነታ መጀመርታ ኮሮናቫይረስ ዝተራኣየላ ቻይናዊት ከተማ ውሃን በሊጻታ።

    እዚ ዜና ኣብ መላእ ህንዲ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ቁጽሪ 266 ሽሕን 598 ምብጽሑ ኣብ ዝተሓበረሉ እዩ ተገሊጹ።

    ኣብታ ከተማ ሙምባይ ርእሰ ከተማኣ ዝኾነት ግዝኣት ማሃራሽተራ ጥራይ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 90 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።

    ኣብ ርእሰ ከተማ ህንዲ ደልሂ’ውን ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት ብናህሪ ይውስኽ ኣሎ፤ ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ መዋዳእታ ወርሒ ሓምለ እቲ ቁጽሪ ናብ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል’ዮም ዝሕብሩ።

    እዚ ክስትት ህንዲ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣንቢራቶ ዝነበረት ኣዋጃ ዕጽዋ ድሕሪ ምልሕላሓ የጋጥም ብምህላዉ ስግኣታት ፈጢሩ ይርከብ።

    ሙሉእ ዛንታ ኣብዚ ተወከሱ

  6. ምስ ኣስከሬን ናይ ዝሞተ ሰብ ምትንኻፍ ነይርዎም ዝተባሃሉ 45 ሰባት ናብ መወሸቢ ክእትዉ ተገይሩ

    ካርታ ኢትዮጵያ

    ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሓደጋ ምስ ናይ ዝሞተ ውልቀሰብ ኣስከሬን ምትንኻፍ ነይርዎም ዝተበሃሉ 45 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ስለዝተጠርጠሩ ናብ መወሸቢ ማእኸል ክኣትዉ ተገይሩ።

    ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጥዕና ወረዳ እንሳሮ ሲስተር በቀለች ሞገስ ከምዝሓበረቶ፡ መዋቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ዝነበረ ኮይኑ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ክሕከም ምስ ጸንሐ እዩ ህይወቱ ሓሊፋ።

    ቅድሚ ምሟቱ ንምርመራ ኮሮናቫይረስ ቅምሶ ዝተወሰዶ እዚ ውልቀሰብ፡ ገና ውጽኢቱ ከይተፈለጠ ቤተሰቡ ንኣስከሬኑ ናብ ወረዳ እንሳሮ ወሲዶም ቀቢሮምዎ።

    ውጽኢት ምርመርኡ ምስተረኣየ ድማ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዘ ተፈሊጡ።

  7. ኣብ ፈረንሳይ ዝርከብ ማእኸል መዘናግዒ ኤፍል ታወር ንዑደተኛታት ክኽፈት'ዩ

    ኣብ ጥቓ ኤፍል ታወር ዝንቀሳቐሱ ሰባት

    ኤፍል ታወር ኣብ ኣውሮጳ በጻሕቲ ዓዲ ብብዝሒ ካብ ዘተኣናግዱ ቦታታት እቲ ሓደ እዩ። ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝዕጸው ግን ኣዋርሕ ተቖጺሮም።

    እዚ ኣብ ከተማ ፓሪስ - ፈረንሳ ዝርከብ መስሕብ በጻሕቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን መሊሱ ከምዝኽፈት ተገሊጹ።

    ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝተዓጸወ ኤፍል ታወር [ካብ ሓጺን ተገጣጢሙ ዝተሰርሐ ሓወልቲ] ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንነዊሕ እዋን ተዓጽዩ ዝጸንሓሉ ግዜ ኮይኑ'ሎ።

    ዑደተኛታት ናብቲ ቦታ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ከምዘለዎም'ውን ተሓቢሩ።

    ብዘይካ ኤፍል ታወር ካልኦት ኣብ ፈረንሳይ ዝርከቡ ብዑደተኛታት ዝምረጹ ቦታታትን ማእኸላት ሙዚቃን ንበጻሕቲ እናተኸፈቱ እዮም።

    አብ ፈረንሳይ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን ልዕሊ 30 ሽሕ ከምዝሞቱን ይግለጽ።

  8. ናብ ዝኣትውዎ ዘይብሎም ስደተኛታት

    ብጀልባ ዝጓዓዙ ስደተኛታት

    እቶም ስደተኛታት ብምኽንያት ኣብ ሚያንማር ዝነበረ ቅትለት፡ ጉዕዞ ባሕሪ ካብ ዝጅምሩ ክልተ ወርሒ መሊእዎም ኣሎ።

    ብምኽንያት ኣዋጅ ዕጽዋ ድማ ዝኾነት ሃገር ከይተቐበለቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ክጸንሑ ተገዲዶም'ዮም።

    ትማሊ ግን ነቶም ካብ ደቡባዊ ባንግላዲሽ ከምዝተበገሱ ንዝእመነሎም ስደተኛታት ከምዝሓዘት ማሌዥያ ኣፍሊጣ።

    ነቶም ኣብ ማያዊ ግዝኣታ ኣብ ቀይዲ ዘውዓለቶም ሮሂንጋውያን ስደተኛታት ናብ ባንግላዲሽ ክተረክብ ሕቶ ኣቕሪባትላ።

    ባንግላድሽ ግን ክትቕበሎም ድልየት ከምዘይብላ]ያ ኣፍሊጣ።

    ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር፡ ዓብዶል ሞመን ንወኪል ዜና ቱርኪ - ኣናዶሉ "ባንግላዲሽ ኣይክትወስዶምን። ተወሰኽቲ ሮሂንጋውያን ክትቕበል ኣይትግደድን ድልውቲ'ውን ኣይኮነትን" ክብል ተዛሪቡ።

    ኣብዚ ሕዚ እዋን እቶም ስደተኛታት ብማሌዥያ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ።

  9. መንግስቲ ብራዚል ንኮቪድ-19 ዝምልከት ሓበሬታ ክዝርግሕ ብቤት ፍርዲ ተገዲዱ

    ሳንዱቕ ሬሳ ዝሓዙ ሰብ ሞያ ጥዕና

    ብራዚል ንኮቪድ-19 ዝምልከት ዝርዝር መረዳእታ ዝህብ ዌብሳይታ ብመሰረት ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ናብ ኣገልግሎት መሊሳ።

    ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱን ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙን ሰባት ዝምልከት ጸብጻብ፡ ብቐዳም ኣብቲ ዌብሳይት ምዝርጋሕ ደው ኣብ ዘበለሉ እዋን ንብዙሓት ኣቖጢዑ ነይሩ።

    ትማሊ ሰሉስ ድማ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ መንግስቲ ነቶም ቁጽርታት በቲ መርበብ ሓበሬታ ምዝርግሑ ክቕጽል ውሳነ ኣሕሊፉ።

  10. ከመይ ሓዲርኩም ተኸታተልትና ?

    ትማሊ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ ላዕለዎት ሰብ ሞያ ተራኺባ ምዝታያ ናባኹም ኣቢልና ተፈሊናኩም ነይርና።

    ሕዚ ድማ ካብዚ ሰዓት ጀሚሩ እቲ ቫይረስ ብዝምልከት ናይዚ ሎሚ መዓልቲ ዘሎ ምዕባለታት ክነስዕበልኩም ኢና ምሳና ኹኑ።

    ቢቢሲ ትግርኛ ሰናይ መዓልቲ ስራሕ ክኾነልኩም ይምነ።

  11. ምብጻሕ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ

    ሊያ ታደሰ ምስ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

    ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ኢትዮጵያ ሎሚ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ ላዕለዎት ሰብ ሞያ ጥዕና ተራኺባ።

    ንማእኸል ምርምር ጥዕና ትግራይን መሐከሚ ኮሮናቫይረስን ድሕሪ ምዕዛባ፡ ምስ ክኢላታትን እተን ማእከላት ኣብ ጉዳይ ምምካት እቲ ቫይረስ ዘተ ኣካይዳ።

    ቁጽሪ ኣብቲ ክልል ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 87 በጺሑ’ሎ። ሎሚ ኣብ ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ 2 ተወሰኽቲ ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።

    ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ፡ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ: ብፍላይ ኣብ ስግር ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ኣመልኪቱ ንዝህሉ ኩነታት ሓላፍነት መንግስቲ ፌደራል እናሃለወ፡ ዛጊድ ዝግበር ሓገዝ የለን ኢሉ። መንግስቲ ፌደራል ሓገዝ ገንዘብን ሕክምናዊ ናውትን ንክልል ትግራይ ከምዝሃበ ዝገለጸ ዶ/ር ሓጎስ፡ እኹል ግን ኣይኮነን ኢሉ።

    ቀዳማይ ሚንስትር ኣቢዪ ኣሕመድ ንመኸተ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝውዕል 46 ሚልዮን ብር ዝግመት ሓገዝ ንክልል ትግራይ ከምዝተዋህበ ሓቢሩ። ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ እቲ ክልል 34 ሚልዮን ገንዘብ ከምዝተቐበለ ይገልፁ።

    ይኹን እምበር በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ብመንግስቲ ፈደራል ንዝውነን ላዕለዋይ ሕክምና ዓይደር 12 ሚልዮን ብር ከምዝተወሃበ ተሓቢሩ ኣሎ።

    ዶ/ር ሊያ እውን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝስርሑ ዘለዉ ኣገባባት ምክልኻል እቲ ቫይረስ ብኣካል ተረኺባ ብምርኣይ ካብ መንግስቲ ፌደራል ክግበር ዝግበኦ ሓገዝ ከምዝህሉ ቃል ከምዝኣተወት ካብቲ ቢሮ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

    ንሳ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝጸንሓትሉ እዋን፡ ምስ ምክትል-ርእሰ ምምሕዳር ናይቲ ክልል ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ዝተራኸበት’ውን ተፈሊጡ።

    ቅድሚ ሕዚ እውን ኣብ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኣብ ትግራይን ተተካኢ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ክፍሊ ምክልኻልን ምቁጽጻር ሕማማትን እቲ ክልል ኣይተ መንግሽ ባህረስላሰ፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ጽቡቕ ርክብ ከምዘለዎምን ብመጠኑ ናውትን ሓገዝን ከምዝረኽቡ እውን ንቢቢሲ ምሕባሮም ይዝከር።

  12. Breakingኣብ ኢትዮጵያ 190 ሓደሽቲ ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም

    ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ ምርመራ ሓደሽቲ 190 ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኢሉ።

    ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ተወሰኽቲ 5 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ።

    ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ክልተ ሰባት ካብ ትግራይ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

    ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ብኮሮናቨይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁጽሮም 2336 በጺሑ።

  13. ሓሙሽተ ሆስፒታላት ሕክምና ዝኸልእኦ ሕሙም ኮሮናቫይረስ ህይወቱ ሓሊፋ

    ኣብ ሆስፒታል ዝንቀሳቐሱ ሰብ ሞያ ሕክምና

    እቲ ጉዳይ ኣብ ህንዲ'ዩ ኣጋጢሙ። ኣብ ከተማ ኒው ደልሂ ኣብ ዝርከባ ሓሙሽተ ሆስፒታላት ኣገልግሎት ሕክምና ክረክብ ዘይከኣለ ሕሙም ኮቪድ-19 ናብ ካልእ ሆስፒታል ክኸይድ ይውስን።

    ሕክምና ክረክብ ተስፋ ብምግባር ድማ ኣስታት 800 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ናብ ከተማ ሆፓል ብባቡር ይጓዓዝ።

    እዚ ዝኸውን ዘሎ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ክኸውን ከሎ፡ ናብታ ከተማ ምስበጽሐ ብሰንበት ናብ ሓደ ሆስፒታል ክኣትው ይግበር።

    ዝገበሮ ነዊሕ ጉዕዞ ግን ዝሓሰቦ ከስምረሉ ኣይከኣለን። ናብቲ ሆስፒታል ካብ ዝኣትው ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ህይወቱ ከምዝሓለፈት ጸብጻብ ጋዜጣ 'ዘ ታይምስ ኦቭ ኢንድያን' የመልክት።

    ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስኡ ብባቡር ዝተጓዓዙ ሰባት ንምርካብ ጽዕሪ እናተገበረ ኮይኑ፡ ሰበስልጣን ግን ልዑል ረስኒ ሰብነት እናሃለዎ ብኸመይ ናብ ባቡር ክሳፈር ከምዝኸኣለ ኣሐሲብዎም ኣሎ።

    ኣብታ ከተማ ካልኦት ነበርቲ'ውን ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ናብ ገዝኦም ክምለሱ ስለዝተገበሩ ቅሬታ ኣቕሪቦም'ዮም።

    ኣብ ከተማ ኒው ደልሂ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት እናወሰኸ ኣብ ዝመጽኣሎ ዘሎ እዋን፤ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራይ 1000 ተወሰኽቲ ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።

  14. ቁጠባ ፈረንሳ ኣብ መፋርቕ 2020 ናብ ዝነበሮ ክምለስ'ዩ - ማእከላዊ ባንክ እታ ሃገር

    ኣብ መገዲ ዝንቀሳቐሱ ሰባት

    ማእከላዊ ባንኪ ፈረንሳ፡ ናይታ ሃገር ቁጠባ ኣብ መፋርቕ 2020 ናብቲ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበረሉ ደረጃ ከምዝምለስ ሓቢሩ።

    ኣብዚ ዓመት ቁጠብኣ ብኣስታት 10 ሚኢታዊት ከምዘንቆልቁልን ስእነት ስራሕ ከምዝውስኽን እቲ ባንኪ ወሲኹ ገሊጹ።

    ካልኣይ ዙር ኣዋጅ ዕጽዋ ካብ 2 ሰነ ጀሚራ ተፉኩስ ዘላ ፈረንሳ፡ ካብ 100 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ንላዕሊ መገሻ ምግባር ዝኽልክል እገዳ'ውን ኣልዒላ'ላ።

    ብዙሓት እንዳ መስተን ኣብያተ-መግብን እውን መሊሰን ይኽፈታ ኣለዋ።

    ሓላፊ ናይቲ ንመንግስቲ ኣብ ሳይንሳዊ ጉዳያት ዘማኽር ቤትምኽሪ ብዓርቢ ከምዘፍለጦ እንተኾይኑ፡ ፈረንሳ ነቲ ለበዳ "ኣብቁጽጽር" ኣእትያቶ'ያ።

  15. ኣብ ዓለም ካብ ኮሮናቫይረስ ነጻ ዝኾነት ብሕታዊት ኣህጉር

    ኣንታርክቲካ ኣብ ዓለም እታ ኮሮናቫይረስ ዘይተለኸፈት ክፍለዓለም እያ

    ኒውዝላንድ ኣብ ኣንታርክተካ ከተካይዶ ወጢናቲ ዝነበረት መጽናዕትታት፤ እታ ኣህጉር ካብ ኮሮናቫይረስ ነጻ ኮይና መታን ክትጸንሕ ንዘይተወሰነ ግዜ ደው ከምዝበለቶ ገሊጻ።

    ነቲ መጽናዕቲ ዝከታተልን ዝድጉምን ትካል መንግስቲ ብስንኪ እዚ ዘሎ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብቶም ተጀሚሮም ዝነበሩ 36 መጽናዕትታት ነቶም 23 ደው ክብሉ ከምዝኣዘዘ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    እቶም ንነዊሕ ገዜ ዓሊሞም ተጀሚሮም ዝነበሩ 15 መጽናዕትታት ግን ነቲ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ኣንታርክቲካ ዘምጽእዎ ቅምሶታት ተሞርኲሶም መጽናዕትታቶም ክቅጽሉ እቲ ትካል ፍቃድ ሂብዎም ኣሎ።

    እቲ ትካል “ዓለም ብምሉኣ ብኮቪድ 19 ኣብ ዝተወረረትሉ ኣንታርክቲካ እያ በዚ ሕማም ዘይተተንከፈት ዘላ ስለዚ ነዛ ኣህጉር እዚኣ ካብዚ ለበዳ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ስለዘለና ኢና ነዚ ስጉምቲ ወሲድና” ኢሉ።

    ላዕለወይቲ ሓላፊት እቲ ትካል ሳተራ ዊልያምሶን ናብ ኣንታርክቲካ ዝግበር መጽናዕታዊ ጉዕዞታት ደው ብምባል ጥራይ ንኣንታርክቲካ ካብ ኮሮናቫይረስ ነጻ ምግባር ከምዝክኣል እያ ትገልጽ።

  16. ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ዝተሓተ መጠን ሞት ኣመዝጊባ

    ኣብ ጥቓ ሳንዱቕ ሬሳ ደው ኢላ ሓዘና እትገልጽ ሰበይቲ

    ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ 450 ሞት ኣመዝጊባ።

    እዚ ቁጽሪ ድማ ኣብ ውሸጢ እቶም ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ እቲ ዝነኣሰ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዘጋጠመ መጠን ሞት ኮይኑ'ሎ።

    በቲ ቫይረስ ኣዝየን ካብ ሞንጎ ዝተሃሰያ ሃገራት ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ኣሜሪካ፡ ክሳብ ሕዚ 110 ሽሕን 990 ሰባት ብሞት ስኢና'ያ።

    ኣስታት 2 ሚልዮን ሰባት ድማ ኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ መረዳእታታት ይሕብሩ።

    ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ'ቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 3 ሽሕ ዝበጽሐሉ ኣጋጣሚ ነይሩ።

    ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ግን ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ዝሞቱ ቁጽሮም ትሕቲ 1 ሽሕ ወሪዱ'ዩ።

  17. ሞስኮ ገደባት ኣዋጅ ዕጽዋ ክተፍኩስ'ያ

    ኣብ ጎደናትተ ሞስኮ ዝንቀሳቐስ ሰብ

    ሩስያዊት ከተማ ሞስኮ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣንቢራቶም ዝጸንሐት ገደባት ክተፍኩስ ምዃና ተገሊጹ።

    እንተኾነ እዚ ውሳነ ኣዝዩ ዝቐልጠፈ ከይኸውን ብዝብል ስክፍትኦም ዝገልጹ ኣይተስኣኑን።

    ኣብ መዓልቲ ክሳብ 2 ሽሕ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ይምዝገቡ ኣብ ዘለዉሉ ገደባት ክፎኽሱ ምግባር ስግኣት ከምዘሕደረሎም የረድኡ።

  18. ኣብ ኣውሮጳ ኣዋጃት ዕጽዋ፡ ህይወት ሚልዮናት ከምዘድሓነ ተገሊጹ

    ኣብ ማእከላይ ለንደን ዝርከብ ድልድል ሚለንየም

    ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ኣዋጃት ዕጽዋ ህይወት ልዕሊ 3 ሚልዮን ሰባት ከምዘድሓነ፡ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

    እዚ ብጉጅለ ኢምፐርያል ኮሌጅ ሎንዶን ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ኣዋጃት ዕጽዋ ተግባራዊ እንተዘይኸውን ኣብ ኣውሮጳ ብስንኪ ኮሮናቫይረስ ክስዕብ ዝኽእል ዝነበረ መጠን ሞት ኣዝዩ ልዑል ምኾነ ነይሩ ኢሉ።

    እቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንውሱን ከባብን ንውሱናት ሰባትን ጥራይ ከምዝጸለወ ብምሕባር ‘ኣብ መጀመርታ ናይቲ ለበዳ ኢና ዘለና’ ብምባል ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

    ካልእ መጽናዕቲ’ውን እተን ኣዋጃት ዕጽዋ ዘተግበራ ሃገራት ህይወት ዜጋታተን ብሰፊሕ ከምዝዓቀባ ዝገለጽ መግለጺ ሂቡ ኣሎ።

    ጉጅለ ኢምፐርያል ኮሌጅ ሎንዶን ኣብ 11 ሃገራት ኣውሮጳ ( ኦስትርያ፤ ቤልጂም፤ ዴኒማርከ፤ ፈረንሳ፤ ጀርመን፤ ጣልያን፤ ኖርወይ፤ ስጳኛ፤ ስዊድን፤ ስዊዘርላንድን ዓባይ ብርጣንያን) ክሳብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ዝተኻየደ ኣዋጃት ዕጽዋ ብምምርማር እዩ ናብዚ ዝሃቦ መደምደምታ ክበጽሕ ክኢሉ።

    ኣብዘን ዝተጠቀሳ 11 ሃገራት ክሳብ እዚ መጽናዕቲ ዝተኻየደሉ እዋን 130 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም ነይሮም።

    ሙሉእ ዛንታ ኣብዚ ተወከሱ

  19. ኣብ ናይጀርያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘጋጥም ሞት ይውስኽ ኣሎ

    ኣብ ጥቓ ኣምቡላንስ ደው ዝበለ በዓል ሞያ ጥዕና

    ኣብ ሰሜናዊት ግዝኣት ካኖ ጥራይ ካብ ዘጋጠሙ ምኽንያቶም ዘይተነጸረ ኣስታት 1,000 ሞት እቲ 60 ሚኢታዊት ምስ ኮቪድ-19 ዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእል ሚንስተር ጥዕና ናይጀርያ ኦሳጌ ኤሃኒረ ይዛረብ።

    እዚ ቁጽሪ ግን ምስቲ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘጋጠመ ሞት ኣይተጸብጸበን።

    ኣብ ሚያዝያን መእተዊ ወርሒ ግንቦትን ኣብ ግዝኣት ካኖ ንዝተረኣየ ወሰኽ ሞት ዝመርመሩ ሰብ ሞያ፡ ዝበዝሑ ግዳያት ካልእ ተደራቢ ጸገም ጥዕና ዝነበሮም ኣረጋውያን ከምዝኾኑ ይገልጹ።

    ገሊኦም ኣብ ሆስፒታላት ልዕሊ ፍርቂ ድማ ኣብ ገዝኦም'ዮም ሞይቶም።

    ካልኦት ምኽንያቶም ዘይተነጸረ ወሰኽ ቁጽሪ ሞት ኣብ ካልኦት ግዝኣታት ሰሜናዊ ናይጀርያ'ውን ከምዘለዉ ይግለጽ።

    ኣብታ ብብዝሒ ህዝባ ንሃገራት ኣፍሪቃ እትመርሕ ሃገር ቁጽሪ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ዝግበረሎም ሰባት ትሑት'ዩ። ካብዚ ዝነቐለ እቲ ቫይረስ ብስፍሓት ከይዝርጋሕ ሰብሞያ ስግኣት ኣለዎም።

    ዛጊድ 12 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ክረጋገጽ ከሎ፡ 350 ሞት ብወግዒ ከምዝተመዝገበ ይግለጽ።

  20. “ንኽንደይ መዓልታት ከምዝደቀስኩ ኣይፍለጠንን”

    ናይ መወዳእታ ተሓካሚት ኣብ ኒውዝላንድ

    ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ ኮፍ ዝበለት ሰበይቲ

    ኒው ዚላንድ ኣብዚ እዋን ካብ ኮሮናቫይረስ ነጻ ኮይና’ላ። ኩነታት ናይታ ኣብ መወዳእታ ዝሓወየት ተሓካሚት ግን ክብደት’ቲ ሕማም ክንደየናይ ሕሱም ምዃኑ ዘርኣየ ነይሩ።

    ሊሊያን ሱኣ ጓል 55 ዓመት’ያ። ምስቲ ቫይረስ ድማ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ክትቃለስ ጸኒሓ። ሓደ እዋን ኩነታታት ናብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ደረጃ በጺሑ ነይሩ።

    እቲ ቫይረስ ብዘስዐበላ ከቢድ ሕማም ዋላ’ውን ዶካትር ብህይወት ክትተርፍ ከምዘይትኽእል’ዮም ንወለዳ ዝገለጹሎም። ኣብ መወዳታ ግን ብህይወት ክትተርፍ ክኢላ።

    ኣብዚ እዋን ኣብ ገዝኣ እትርከብ ሊሊያን ንሓደ ኣብ ኒው ዚላንድ ዝርከብ ሬድዮ ከምዝሓበረቶ፡ ንኣርባዕተ ሰሙናት ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ጸኒሓ’ያ።

    ንንጥፈታት ኣእምሮ ኣረጋጊኡ ክትድቅስ ዝገብራ ዓይነታት መድሓኒት ክትወስድ ዝተገበረሉ ኩነታት’ውን ነይሩ’ዩ።

    ንሳ “ንኽንደይ መዓልታት ከምዝደቀስኩ ኣይፍለጠንን። ግን ከኣ ካብ ኣንደበተይ ይወጽእ ዝነበረ ዘረባ ‘ተመስገን ፈጣሪ’ ዝብል’ዩ” ክትብል ንዘሕለፈቶ ኩነታት ዘኪራ።