ኣብቲ ውዑይን ኣሲዳውን ክልል ዓፋር ዝተረኸበ ህይወት

Danakil is full of deposits of mineral salts forced to the surface (Credit: Alamy) Image copyright Credit Alamy
ናይ ምስሊ መግለጺ ብሰንኪ ሕሱም ዋዒ ዝተሰናጣጠቐ ምድረ ደንከል

ሳይንቲስት፡ ዳናኪል ዲፕሬሺን ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ፡ ዝወዓየ ክፋል ክልል ዓፈር፡ ንመጀመርታ ግዜ፡ ህይወት ዘለዎ "ማይክሮብስ" ረኺቦም።

እቲ ኣከባቢ ብዝተፈላለየ ቀለማት ዝወቀበ፡ እቲ ኣየር ግን ክሎሪን ሳልፈር ብዝተባህለ መርዛም ጋዝ ዝመልአ እዩ። እቲ ቦታ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስን ክልል ዓፈር፡ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 100 ሜትር ትሒቱ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ይርከብ።

እንተኾነ ካብ ዓለምና ዝወዓየን ንኪትነብሮ ኣጸጋምን ቦታ እዩ።

ይኹን እምበር ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዝተገብረ መጽናዕቲ ኣብቲ ኣከባቢ ህይወት ዘለዎም ነገራት ከምእተረኽቡ ተረጋጊጹ ኣሎ።

እዚ ኣብ ሕሉም ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከብ ካብቶም ኣብ ዓለምና ውሑድ መጽናዕቲ ዝተገብረሎም ቦታ፡ ኣብ መጻኢ ክፍጠር ብዝኽእል እሳተ ጎመራ ንሰለስተ ክፍለ ዓለማት ዝመቅል ሓዲሽ ምድሪ ክፈጥር ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ኣሎ።

እቲ እኹል ዝናብ ዘይዘንቦ ሓውሲ ምድረ-በዳ ደረቕ ቦታ ክሳብ 45 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ዝበጽሕ ዋዒ ኣለዎ። ኣብቲ ቦታ፡ ወትሩ ሸረኽረኽ ዝብል ክልተ ጋህሲ እሳተ ጎመራ ኣሎ።

እቲ ኤርታዕለ ዝስመ ጋህሲ ኣሲድ ዝተሓወሶ እዩ። እቲ ኣብ እሳተ ጎመራ ዝርከብ ማዕድን፡ ምስቲ ጨዋም ባሕሪ ተሓዊሱ ዝተፈልየ ሕብሪ ይፈጥር። ኣብቲ ቦታ፡ ሳልፈርን ጨውን ተሓዋዊሶም ድሙቕ ቢጫ ሕብሪ ክፈጥሩ እንከለው፡ ኮፐርን ጨዋም ማይን ከኣ ሰመያዊ ሕብሪ ይፈጥሩ።

ኣብቲ ሓውሲ ምድረ በዳ ደረቕ ስፍራ ዳሉል፡ ውሱን ዕጸዋትን እንስሳታትን ጥራሕ እዮም ዝነብሩ። ካብኡ ርሕቕ ኢሉ፡ ሃማዴላ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ግን ግዝያዊ መዕቆቢ መስሪቶም ዝነብሩ ሰባት ኣለው።

እቲ ቦታ ሎውስቶን ምስ ዝበሃል ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ዝወዓየ ቦታ ዝቀራረብ እኳ እንተኾነ ማዕረ ናይ ደንከል ውዑይን ጨዋምን ኣይኮነን። ኣብ ደናኪል ዲፕረሺን ዝርከብ ማይ ልዑል መጠን ኣሲድ ኣለዎ።

ካብ 2013 ጀሚሩ ኣብቲ ቦታ፡ ስነ-ምድራዊ መጽናዕቲ ይካየድ ብምህላዉ፡ ነቲ ቦታ ፍሉይ ቖላሕታ ፈጢሩሉ ኣሎ። ዩሮ ፕላኔት እተባህለ ማእከል ምርምር ሕብረት ሳይንቲስት፡ "ምስ ማርስ ክቀራረብ ይኽእል'ዩ" ንዝበሃል ክፍሊ ዓለም የጽንዖ ኣሎ።

ባህሪያዊ ኩነታት እቲ ቦታ ኣሸጋሪ ስለዝኾነ እቲ ስራሕ ኣዚዩ ፈታኒ'ዩ። ብተወሳኺ እቲ ከባቢ ኣብ ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ስለዝርከብ እቲ ገና መሊኡ ዘይተፈትሐ ኩናት ዶባት፣ ነቲ ነገር ኣጋዲዱዎ ይርከብ።

ኣብ 2012፡ ወጻእተኛታት በጻሕቲ፣ ስለዝተቐትሉን ስለዝተጨውዩን፡ ናብቲ ቦታ ዝገሹ ሳይንቲስት፡ ብወተሃደራት ተዓጂቦም ክንቀሳቐሱ ይግደዱ።

ካብ 2013 ኣትሒዛ፡ ኣብቲ ቦታ፡ መጽናዕቲ ምስ ዘካይዱ ዘለው ሳይንቲስት እትሰርሕ ዘላ፡ ኣባል ዩኒቨርሲቲ ቦሎኛ ኢጣልያ ባርባራ ካቫላዚ፣ " ኣብዚ ቦታ ክሳብ 48 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝበጽሕ ብርቱዕ ዋዒ ኣሎ። ንሓንሳብ እውን ናብ 55 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝዓረገሉ ግዜ ኣሎ" ትብል።

Image copyright Credit Alamy
ናይ ምስሊ መግለጺ ዘደንቕ ባህሪ

ኣብ ዳሉል ዘሎ መጠን ሙቐት ማይ 100 ዲግሪ ሴንቲግሬድ እዩ ዝበጽሕ። እቶም ሳይንቲስት ሳልፋይድ ካብ ዝተባህለ መርዛም ጋዝን፡ ሕማም ሳንቡእ ከኸትል ካብ ዝኽእል ብናን ክሎሪን ክከላኸሉ፡ ወትሩ፡ ንኣፎምን ኣፍንጨኦምን ዝሽፍን መከላኸሊ ማስኬራ ክገብሩ ይግደዱ።

"ኣብቲ፡ ደረቕ ናይ ጨው ኩምራ ንኽትንቀሳቐስ ዓቢ ጥንቃቐ እዩ ዘድሊ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብቲ 100 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝበጽሕ መርዛም ባህሪያዊ ፍሉሕ ማይ እንተወዲቕካ፡ ብቐሊሉ ሕክምናዊ ረድኤት ክትረክብ ስለዘይትኽእል ናይ ብሓቂ ኢኻ ክትጥንቀቕ ዝግባእ" ትብል ባርባራ ካባላዚ።

ኣስዒባ፡ እታ ረድኤት ሕክምና እትረኽበላ ዝቐረበት ከተማ መቐለ ስለዝኾነት፡ ኣብኡ ንኽትበጽሕ ከኣ ነዊሕ ግዜ ስለዝወስድ፡ ኣብቲ ቦታ ክንቀሳቐስ እንከለኹ ሓደጋ ንኸየጋጥመኒ ደቂ'ቲ ኸባቢ እዮም ዝመርሑኒ" ትብል።

"ኣብ 2013፡ እቲ ምርምር ክጅመር እንከሎ፡ ኣብቲ ውዑይ ከባቢ፡ እቲ ንስራሕ ዘድልየና ኬሚካል ክንዕቅበሉ ዝሕግዘና መዝሓሊ ከነምጽእ ስለዘይንኽእል፡ ከመይ ጌርና ክንሰርሕ ከምዘለና ብዝግባእ ክንውጥን ኣገዳሲ ነይሩ፣ ከምኡ ኢና ከኣ ገይርና" ትብል ባርባራ።

ኣብ 2016፡ እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብቲ ውዑይን ኣሲዳውን ጨዋም ቦታ፡ ህይወት ምህላዉ ንምርግጋጽ ዘድልዮም ቅምሶ (ሳምፕል) ብምውሳድ መጠን ሙቐት ማይ እቲ ከባብን መርዛማነቱን ክዕቅኑ ጀሚሮም።

እንደገና ኣብ ጥሪ 2017 ካልኣይ ቅምሶ ወሲዶም መርሚሮሙዎ። ድሕሪ ኣስታት 3 ወርሒ ኣቢሉ፡ በዓል ባርባራ ኣብ ዝሰርሓሉ ላባራቶሪ ካብ ባክተሪያ፡ ዲ ኤን ኤ፡ ፈልዮም ብምጽናዕ፡ ኣብቲ ቦታ ህይወት ከምዘሎ ኣረጋጊጾም።

እቶም ፖሊክስትሬሞፊልስ ዝተባህሉ ባክተርያ፡ ኣብቲ ውዑይን ኣሲዳውን ጨዋም ቦታ ክነብሩ ከምዝኽእሉ ተረጋጊጹ።

ክሳብ ሕጂ፡ ገና ኣብ ሳይንሳዊ መጋዝን ዘይተሓትመ ውጽኢት መጽናዕታዊ ምርምር፡ ክልተ ህይወት ዘለዎም ቫክተሪያ ረኺቡ ኣሎ።

እቲ ሓደ ባክተርያ፡ ኣብቲ ብሕብረ ቀለማት ዝወቀበ ዳሉል ኪኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ኣከባቢኡ ኣብ ዝርከብ ንእሽቶ ቀላይ'ዩ ተረኺቡ።

Image copyright Credit Alamy
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝተኾመረ ጨዋም ማዕደን ደንከል

እቲ ቀላይ፡ ማዕረ እቲ ጨዋም ማይ ዝዳረግ ዋዒ እኳ እንተዘይብሉ፡ መጠን ሙቐቱ ክሳብ 55 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ይበጽሕ፡ ኣሲድነቱ ግን ዝሓሸ እዩ። እቲ ማይ ኣብ ትሕቲኡ ብዘሎ እሳተ ጎመራ ልዑል መጠን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ኣለዎ።

እቲ ቐላይ ብዝተፈላለየ ኣስማት'ዩ ዝጽዋዕ። ነበርቲ እቲ ኸባቢ 'ጋት አሌ' ወይ ከኣ 'አራት' ክብሉዎ እንከለው፡ ካልኦት ከኣ ዘይታዊ ወይ ቢጫ ቀላይ ይብሉዎ።

ኣብቲ ቦታ አዕዋፍን ለመምትን ብብዝሒ ሞይቶም ስለዝርከቡ ገሊኦም እውን " ቀታሊ ቀላይ" ብዝብል ቅጽል ይጽውዑዎ እዮም። እቶም አዕዋፍን ለመምትን ማይ ክሰትዩ ምስ መጽኡ እዮም በቲ ብርቱዕ ካርቦንዳዮክሳይድ ተዓፊኖም ዝሞቱ" ትብል ካቫላዚ።

ካርቦንዳዮክሳይድ ካብቲ ንቡር አየር ስለዝኸብድ ናብ መሬት እዩ ዝምለስ። ስለዝኾነ ከኣ እየን እተን አዕዋፍን እቶም ለመምትን ንቲ ኣየር መሰተንፈሱ ዝሞቱ።

እቶም ሳይንቲስት፡ ኣብ ካልእ ፕላኔትን ወርሕን እውን ከምቲ ኣብ ደንከል ዝተረኽበ ተመሳሳሊ ህይወት ክህሉ ከምዝኽእል ይሕብሩ። ኣብ ማዕድናት ማርስ ምስቲ ኣብ ደንከል ዝተረኽበ ሳልፈይት ዝመሳሳል ነገር ተረኺቡ ኣሎ።

ባርባራ ካቨላዚ ከኣ፣ "ጨዋም ማይ እውን ክህሉ ይኽእል እዩ" ትብል።

ስለዝኾነ፡ እቲ ኣብ ደናኪል ዝግበር መጽናዕታዊ ምርምር፡ ኣበየናይ ክፋል ማርስ ህይወት ክህሉ ይኽእልን ኣይክእልን ንዝብል ነገር ክምልስ ይኽእል እዩ።

"ክሳብ ሕጂ፡ ህይወታውያን፡ ከመይ ገይሮም፡ ኣብ ኣዚዩ ጽንኩር ኩነታት ክነብሩ ከምዝኽእሉን ከምዝኸኣሉን መጽናዕቲ ዘይምግባሩ ይገርመኒ እዩ።" ትብል ባርባራ ካቫላዚ።

ኣብ ዓለምና ክሳብ ሕጂ ብዙሕ መጽናዕቲ ዘይተገብረሎም ብዙሓት ህይወታውያን ክህሉዉ ከምዝኽእሉ ምርምራዊ መጽናዕቲ ዳናኪል ሓደ ኣብነት እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት