ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዛዊት ጋንታ ኣብ ምድላውን መሸጣን መስተ ኮኛክ

ናብዚ ስራሕ እንትኣቱ ንዝገጠምዎ ማሕለኻታት ብፅንዓት ሰጊሩ
ኦሊቨር ተብሊ- ቅድሚ ሕጂ ካልኦት ኣፍሪካውያን ስፖርተኛታት ዘይፈተኑዎ፡ ኣብ ምፍራይን መሻጥን ኣልኮላዊ መስተ ዝተዋፈረ ብሕታዊ ኣፍሪካዊ ተጻወታይ ኩዐሶ ነበር እዩ።
ሕጂ፡ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ንዕዓኡ ኣይንታዩን እዮም፡ ዱሮ፡ ካብ ተኽሊ ወይኒ ኮኛክ ከፍሪ መሪጹ ኣሎ። ግን ከመይ ገየሩ እዩ ተብሊ ክልተ ዘይሳነዩ ነገራት ከሳኒ ፈቲኑ - ስፖርትን ኣልኮላዊ መስተን!
ዝኾነ ኮይኑ፡ አቲ ኣብ መስመር ምክልኻል ጋንታ በርሚንግሃም ሲቲ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረ ኣይቮሪኮስታዊ ኮኛክ የፍሪ'ሎ።
ኣባል ጋንታ ኩዕሶ እግሪ በርሚንግሃም ሲቲ ነበር ኦሊቨር ተብሊ
ተብሊ፡ ብቖልዕኡ እዩ ካብ ናይጀርያ ኣቢጃን ናብ ፈረንሳይ መጺኡ።
ኣብ ንእስነቱ ከኣ እዩ ግራት ተኸሊ ወይኒ ዓዲጉ። ''ደድሕሪ እታ ንፈላማ እዋን ኩዕሶ ንክጻወት ዝተፈራረምክዋ ውዑል'የ ክልተ ሄክታር ግራት ወይኒ ዓዲገ'' ዝብል ተብሊ፡
ምናልባት ሓደ እዋን ብዝኾነ ይኹን ማህሰይቲ ኩዕሶ ምጽዋት እንተቋሪጹ ካልእ ክወፍረሉ ዝኽእል ስራሕ ንክህልዎ ብምሕሳብ ነታ መሬት ከምዝዓደገ ይዛረብ።
ናብ ኩዕሶ እግሪ ብዕሊ ቅድሚ ምጽንባሩ፡ ንመዘናግዕን ካልኦት ወጻኢታቱ ንምሽፋንን ኣብቲ ናይ ወይኒ ግራት ተቖፂሩ ይሰርሕ ኔሩ።
'' ዓለም ለኻዊ ተጻዋታይ ንምዃን ዝግበር ጉዕዞ ከቢድ እዩ። ንመጻኢ ውሕስነት ክትኮነኒ ኢለ ድማ እየ ነታ መሬት ዓዲገያ'' ይብል ንውሳንኡ እናዘከረ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተብሊ ኣብ ጋንታ በርሚንገሃምዕዉት ግዘ ነይርዎ
ተብሊ ምስ ካናዳዊት ጋንታ ቶሮንቶ ፈሪሙ ንኣርባዕተ ሰሙን ምስተጻወተ'ዩ ከቢድ ማህሰይቲ ኣጋጢምዎ።
ብድሕሪ'ቲ ዘጋጠሞ ሓደጋ ድማ ኣንፈት ጉዕዞ ህይወቱ ናብ ሕርሻ ወይኒን ምድላው ኮኛክን ብምቕያር ስርሑ ጀሚሩ።
እታ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝገዝኣ መሬት እኽልቲ ብዘይምንባራ ግን ናብቲ ዝሓሰቦ ኮኛክ ናይ ምፍራይ ስራሕ ንክኣቱ ቀሊል ኮይኑ ኣይረኸቦን፡ ተወሳኺ መሬት ዘግዝእ እኹል ዓቕሚ እውን ኣይነበሮን።
ሕልሙ ንምግሃድ ዝወሰዶ ኣማራጺ እመበኣር ቤት መግቢ ምኽፋት እዩ ነይሩ። ንሽድሽተ ዓመታት ዝኣክል ከኣ ኣብተን ዝኸፈተን ክልተ ኣብያተ መግቢ ክሰርሕ ጸኒሑ።
ድሕሪ ሽድሽተ ዓመታት ግን ሓደ ዕድል ተኸሰተሉ። ወዲ እቲ ወናኒ ሰፊሕ ግራት ወይኒ ዝነበረ ጎረቤቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ወዱ ብሞት ዝተፈለዮ ጂን ማይክል ልፒን፡ መሬቱ መሓዛ ወዱ ንዝነበረ ኦሊቨር ተብሊ ስለዝሸጠሉ ተስፍኡ ዳግም ክጥጥዕ ጀሚሩ።
''ኩዕሶ ስለዝፈቱ ድዩ፥ ኦሊቨር ኣብ እዋን ፀገመይ ኣብ ጎነይ ደው ዝበለ? መሬተይ ንምንታይ ሓደ ፀሊም ዘይዕድጎ ኢለ? ንምንታይከ ተፃዋቲ ኩዕሶ ዘይኸውን ኢለ እውን ሓቲተ?''
ዝብል ማይክል ልፒን ሰባት ካብ ሓሳቡ ከተኣጟጉልዎ'ኳ እንተፈተኑ ከምዘይከኣሉ እዩ ዝገልፅ።
ኦሊቨር ተብሊ፡ 22 ሄክታር ሕርሻ ወይኒ ወኒኑሎ
እቲ ዘድልዮ ግራት ወይኒ ዝዓደገ ተብሊ ካብ ዝፍልጦም ሰባት ልዑል ተቓውሞ እዩ ገጢምዎ።
''ናብቲ ስራሕ እንትኣቱ ሰባት ተተቓወሙኒ 'ውን ደው ከብሉኒ ግን ኣይከኣሉን'' ክብል ድማ ይዛረብ።
እታ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝዓደጋ ንእሽተይ ግራት ወይኒ ሕዚ ብሰፊሕ መሬት ተተኪኣላ። ተብሊ ወናኒ 22 ሄክታር መሬት እዩ።
''ናብዚ ስራሕ ክኣቱ ከለኹ ኣፍሪካዊ ተጻዋቲ ብምንባረይ ብዙሓት ሰባት ብጣዕሚ እዮም ተገሪሞም'' ይብል ተብሊ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ልክዕ ከም ካልኦት ሓረስቶት ዘፍረዮ ፍርያት ንዓበይቲ ኩባንያትት እናቕረበ ይርከብ።
ፈላማይ መስተ ዘዳለወሉ እዋን ድማ 2013 እዩ ኔሩ። እቲ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከቡ ኣብያተ መግቢ ዝሸጠ ተብሊ ቀጻሊ ሓሳቡ ፍርያቱ ናብ ኣፍሪካ ጥራሕ ምቕራብ እዩ።
''ሕልመይ ንሱ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣይቮሪኮስት ንዝርከቡ ኣብያተ-መግቢ ጥራሕ እየ ዘቕርብ። ከም መጀመሪ በዚ ሕጉስ ኣለኹ'' ይብል ብሕታዊ ኣፍሪካዊ ኣዳለውን ነጋዳይን ኮኛክ ኦሊቨር ተብሊ ።