ስእልታት ገንዘብ ብመልክዕ'ዶ ብትርጉም?

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ መብዛሕቲኡ ኖታት ቅርሺ ዓለም ብስእልታት ደቂ ተባዕትዮ ዝተዓብለለ እዩ

ብ ኣመሪካ ዝመደበሩ 'ውሜንስ ኦን 20 ስ'ዝተባህለ ማሕበር፡ ኣብ ናይ ኣመሪካ 20 ዶላር ኖት ኣሜሪካዊት ጓለንስተይቲ ክትህሉ ኣለዋ ዝብል ጎስጋስ የካይድ ኣሎ።

ሓላፊት እቲ ጎስጓስ ሱዛን ስቶን "ዶላር ኣሜሪካ፡ ንሕብረተሰብና ዝገልጽን ዘንጸባርቕን እዩ ካብ በልና፡ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን ኣምር ብዙሑነትን ነኽብር ኣለና ክንብል እንተደኣኸይና፡

ኣብቲ ናይ ወረቐት ገንዘብና፡ ምስሊ ደቂ ኣንስትዮ ክንጥቀም ኣለና" ትብል።

እቲ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ኣብ ካናዳ እውን ተዛማዲ ጎስጓስ ይካየድ ከምዘሎን፡ ዛጊድ፡ ኣብ ሃገረ ኢንግሊዝ ብዝተገበረ ጎስጓስ ድማ ማእከላይ ባንኪ እታ ሃገር፡ ካብ 2017 ጀሚሩ፡

ንስምይቲ ፀሓፊት ጃኔ ኣውስተን ኣብ 10 ፓውንድ ገንዘብ እታ ሃገር ንኽሕትማ ከምእተሰማምዐ ሓቢሩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ዩናይትድ ኪንግደም ካብ ንግስቲ ኤልሳቤት ብተወሳኺ ንጃኔ ኣውስተን ኣብ ቅርሺ ኖታኣ ክትሕትም ተገዲዳ

መብዛሕተአን ሃገራት ዓለም፡ ኣብ ናይ ወረቓቕቲ ገንዘበን፡ ኣብ ታሪኽ ሃገረን ልዑል ኣበርክቶ ናይ ዝነበሮም ውልቀ ሰባት ኣሳእል ከምዘሕትማ ዝሓበረ እቲ ፀብፃብ፡

ኣሜሪካ፡ ኣብ ናይ ሸውዓተ ኖት ገንዘባ፡ ዋላ ሓንቲ እውን ትኹን ምስሊ ጓለንስተይቲ ዘይምህላዋ እዩ እቲ ጎስጓስ ከምዝለዓል ገይርዎ ዘሎ።

ነቲ ብቕትለትን ምፍንቓልን ቀዳሞት ኣመሪካውያን ዝፍለጥ መባል ሻብዓይ ፕሬዚደንት ሃገረ ኣሜሪካ፡ ኣንድሪው ጃክሰን፡ ካብቲ ናይ 20 ዶላር ኖት ኣውፂእካ፡

ተሓለቕቲ መሰል ደቂ ሰባት ናይ ዝኾና፡ ከም እኒ ሮዛ ፓርክስን ካልኦትን ዝኣመሰላ ሰባት ምስለን ኽሕተም ይግባእ እዮም ዝብሉ እቶም ጎስጎስቲ።

ነቲ ሓሳብ ከኣ ኣስታት ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ዜጋታት ይድግፍዎ ኣለዉ። ሃገረ ቻይናን ህንድን፡ ኣብ ናይ ወረቐት ገንዘበን፡ ናይ መራሕተን ነበር ማኦ ዘዳንግን ማህተማ ጋንዲን ጥራሕ እምበር

ምስሊ ደቀንስትዮ ሃገረን ብዘይምጥቃመን ካብ ዝንቀፋ ሃገራት እየን። ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንተመጺእካ ግን ኣብ ሓያሎ ናይ ወረቐት ገንዘበን ምስሊ ደቀንስትዮ ሃገረን ኣለዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሓሙሽተ ናይ ወረቐት ኖት ኣብ ሓንቲ ጥራይ ክህሉ እንከሎ፡ ንኤርትራ እንተወሲድና ግን ናቕፋ ኣብ ዝስመ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ሚእቲ ኣብ ዘሎ ሽዱሽተ ናይ ወረቐት ገንዘባ፡

ምስሊ ትሽዓተ ብሄራት እታ ሃገር ብደቀንስትዮ ተወኪሉ ኣሎ።