ጃኮብ ፉገር ፡ ተኸዊሉ ዝነበረ ኣብ ታሪኽ ዓለም እቲ ዝሃብተመ ሰብ

ጃኮብ ፉገር Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ በቲ ሽዑ እዋን 400,000 ሚልየን (400 ቢልየን) ዶላር ይውንን ዝነበረ ጃኮብ ፉገር

ጃኮብ ፉገር ( 1459-1525) ሎሚ ብሂወት እንተዝህሉ፡ ናይ ቢል ገትስ፡ ዋረን ቡፌት፡ ካርሎስ ስሊምን ማርክ ዛከርበርግን ሃብቲ ተኣኪቡ ማዕረ ናቱ ኣይምኾነን ነይሩ።

ጸሓፊ ታሪኽ ሂወቱ፡ ግረግ ስተይንሚዝ ከምዝብሎ፡ እቲ ብ"እቲ ሃብታም" ዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ዝነበረ ጀርመናዊ ወናኒ ባንኪን ነጋዳይን፡ ኣብ ግዚኡ በዚ ናይ ሎሚ ክትመን እንከሎ፡ 400,000 ሚልዮን (400 ቢልየን) ዶላር ዝኣክል ጸጋ ከጥሪ ክኢሉ አዩ። እዚ ገንዘብ ድማ በቲ ሽዑ እዋን ብዝነበሮ ዓቕሚ ምግዛእ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብቢልዮናት ይግመት።

ኣዳላዊ 'ዎል ስትሪት ጆርናል' ዝበሃል ጋዜጣ ዝነበረ ስቲንሚትዝ፡ ልክዕ ከምቲ ነቲ ብዛዕባ ፉገር ዝጸሓፎ መጽሓፍ ዝሃቦ ኣርእስቲ፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም እቲ ዝሃብተመ ሰብ ጌሩ'ዩ ዝቖጽሮ።

ዋላኳ ገለ ሰባት ሃብቲ ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ታሪኽ እዋናት ምንጽጻር ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትውዎ እንተኾኑ፡ ስቲንሚትዝ ዘረጋገጾ ሓደ ነገር ግና ኣሎ።

"ጃኮብ ፉገር ብዘየወላውል መንገዲ እቲ ካብ ኩሉ ዝሓየለ፡ መወዳድርቲ ኣልቦ ባንከኛ እዩ ነይሩ" ክብል ካብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ንቢቢሲ ዎርልድ ሓቢሩ።

"ኣብቲ ብረነይሳንስ [ተሃድሶ] ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ፉገር ዝነበረሉ እዋን፡ ዓለም ኣብ ትሕቲ ክልተ ባእታታት እያ ነይራ። ንሳቶም ድማ፡ ናይ ሮማ ንጉሰ-ነገስትን ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን እዮም። ጃኮብ ፉገር ድማ ንክልቲኦም ብፋይናንስ ይድጉሞም ነይሩ" ይብል።

እቲ ጸሓፊ ከምዝብሎ፡ ኣብ ምሉእ ታሪኽ ዓለም ከም ናቱ ጌሩ ኣብ ልዕሊ ፓለቲካዊ ስልጣን ጽልዋ ዝነበሮ ባንከኛ የለን።

"ፉገር፡ ንጉስ ስፔን ዝነበረ ቻርለስ ቀዳማይ፡ ናይ ሮማ ሃጸይ ክኸውን ብምውሳኑ፡ ቻርለስ ሓሙሻይ [ናይ ሮማ] ኮይኑ ክምረጽ ኣኽኢልዎ'ዩ" ድማ ይብል።

"ቻርለስ ሓምሻይ ግዝኣቱ ናብቲ ብ"ሓድሽ ዓለም" ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣሜሪካታት ከምዘስፍሐ ብምሕባር፡ ንሱ እንተ ዘይነግስ ነይሩ ታሪኽ ዓለም ከምዚ ንርእዮ ኣይምኾነን ነይሩ" ብምባል ይቕጽል።

ስለምንታይ ድኣሞ ብዙሕ ሰብ ብዛዕባ ጃኮብ ፉገር ሰሚዑ ዘይፈልጥ?

ስቲንሚትዝ ከምዝብሎ፡ ሓደ ካብቲ ምኽንያታት፡ ፉገር ጀመርመናዊ ምዃኑን በቲ እንግሊዝ ዝዛረብ ዓለም ፍሉጥ ስለዘይነበረን'ዩ።

"ዋላ ሓንቲ ብዛዕብኡ ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ክረክብ ኣይከኣልኩን" ።

ምናልባት እቲ ቀንዲ ምኽንያት ካብ መበቆል ዓዱ ወጻኢ ታሪኹ ብዙሓት ክፈልጥዎ ዘየኽኣሎም፡ ንሱ ስልጣን ዘይደሊ ስለዝነበረ እዩ። ጳጳስ ክኸውን ወይ ፖለቲካዊ ስልጣን ክጭብጥ ድሌት ኣይነበሮን።

ንወላሓደ ካብቶም ናይ ረነይሳንስ ስነ-ጥበበኛታት (ከየንቲ) ኣይምውልን'ዩ ነይሩ። ርሻናትን ካቴድራላትን እውን ኣይሃነጸን።

ዝሰርሖ ፍሉጥ ነገር እንተነይሩ፡ እቲ ብፉገረይ ዝፍለጥ ኣብታ ዝነብረላ፡ ኣብ ደቡባዊ ጀርመን እትርከብ ከተማ ኣጉስበርግ ዝመስረቶ ናይ ሓባር ገዛውቲ ፕሮጀክት'ዩ። ክሳብ ሎሚ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ኣብ ዓመት 1 ዶላር ጥራይ ስለዝኸፍሉ ተፈላጥነት ረኺቢ'ዩ።

"ወነንቲ ባንኪ ብምስጢር ምስራሕ ለሚዶሞ'ዮም" ይብል ስቲንሚትዝ፡ መሰክሕ ምንባሩ ንምግላጽ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሮጀክት ሓባራዊ መንበሪ ኣባይቲ ጃኮብ ፉገር

እንተኾነ ግና፡ ጃኮብ ፉገር ዝኾነ ሓድጊ ኣይገደፈን ማለት ኣይኮነን። ዋላ'ኳ ብዛሓት ካባና ዘይንፍልጦ እንተኾነ፡ ጽልዋኡ ክሳብ ሎሚ'ሎ።

ቀጺልና ሓሙሽተ ኣበርክቶታት ናይዚ ግኑን ዝነበረ ፉገር ነቕርብ፡

1. ንፈለማ እዋን ንግዲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘንቀሳቐስ ኩባንያ (ማልቲናሽናል ኮርፕፖረሽን) መስሪቱ

ፉገር ኣብቲ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ኣዝዩ ትሑት ዝነበረሉ እዋን'ዩ ዝነብር ነይሩ። ሃብታማት ብዝነበሮም መሬትን ጉልበት ናይ ኣብትሕቲኦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ገባርን'ዮም ዝናበሩ ነይሮም። እቶም ገባሮ ድማ ኣምሳያ ጎልበቶም ሓለዋ ናይቶም ሃብታማት ይርኽቡ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ጀርመን ሓላፊ ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ዝነበረሉ ብዛዕባ ፉገር ተገዳስነት ዘሕደረ ግሬግ ስቲንሚትዝ

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ፉገር መርኣያ ናይቲ ዝህቦ ዝነበረ ልቓሕ፡ ናይ ዕደና መሰል ብምርካብ፡ ነቲ ናይ ነሓሲን ብሩርን ዕዳጋ ክቆጻጸሮ ኪኢሉ። ኣብ ርእሲኡ'ውን ኣብ ናይ ቀመማት ንግዲ ተዋፊሩ ነይሩ። ስለዚ ንሱ ሓደ ካብ መስረትቲ ርእሰማልነት (ካፒታሊዝም) እዩ ክበሃል ይከኣል።

2. ኣብ ታሪኽ ናይ መጀመርታ ኣግልግሎት ዜና ፈጢሩ

ፉገር ዋጋ ሓበሬታ ልዑል ምዃኑ ብምርዳእ ቅድሚ መወዳድርቱ ሓቤረታ ክረክብ ዝህቅን ዝነበረ ሰብ'ዩ።

ናይ ዝተፈላለያ ከተማታት ንግዳውን ፓለቲካውን ንጥፈታት ዝምልከቱ ሓበሬታታት ንምእካብ ገዘብ ብምኽፋል ልኡኻት ይሰድድ ምንባሩ ይፍለጥ።

ወረስቱ'ውን ነቲ ልምዲ'ቲ ከምዝቐጸልዎን ኣብ መውዳእታ'ውን እቲ ገለ ሰባት ኣብ ታሪኽ ናይ መጀመርታ ጋዜጣታት ጌሮም ዝወስድዎ፡ "ፉገር ኒውስለተርስ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጋዜጣ መስሪቶም'ዮም።

3. ዘመናዊ ናይ ውህለላ ሕሳብ (ሰይቪንግስ ኣካውንት) ፈጢሩ

ከም በዓል እቶም መዲቺ ተባሂሎም ዝፍለጡ ጣልያናውያን ቤተሰብ ባንክታት ነይሮሞም'ዮም፡ እንተኾነ ግና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናይ ወለድ ክፍሊት ኣይተፍቅድን'ያ ነይራ።

ፉገር ነቲ ዓሚሉ ዝነበረ ጳጳስ ልዮ 10ይ ብምእማን ነቲ እገዳ ክለዓል ብምግባር፡ ንኹሎም እቶም ኣብቲ ኣብ ኣጉስበርግ ዝነበረ ባንኩ ገንዘብ ዘቐመጡ 5% ወለድ ክኸፍል ጀሚሩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ላቭሽ፡ ናይ ጃኮብ ፉገር ሻወር ኣብ ኦግስበርግ።

4. ንዳህሰስቲ መዊሉ

ኮለምበስ ሃገረ ኣሜሪካ ኣብ ዝዳህሰሰሉ እዋን፡ ፉገር ወዲ 33 ዓመት'ዩ ነይሩ። እቲ ዳህሳስ ዝነበሮ ቁጠባዊ ዓቕሚ ወይ ተኽእሎ ብምሕሳብ ወጻኢታት ናይ ህንዲ ፋልማይ ዳህሳሲ (ኣውሮጳዊ) ጉዕዞ መዊሉ።

ንሱ ነቲ ናይ ፈርናንዶ ዲ ማጋላነስ ዝተባህለ ፖርቱጋላዊ ዳህሳሲ ኣብ ዙርያ ዓለም ዘካየዶ ጉዕዞ'ውን መዊሉ'ዩ።

5. ተሃድሶ ፐሮቴስታንት ንክለዓዓል ገይሩ

ሓደ ካብቲ ምስ ቫቲካን ዝነበሮ ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ናይ ስርየት ዕድጊ እዩ። ገንዘብ ብምኽፋል ድሕሪ ሞት ዘሎ መቕጻዕቲ ከምዝጎድል ይገብር ነይሩ።

ነዚ ኣገባብ ዝመረጸ ነቲ ሳን ፐድሮ ዝበሃል ካቴድራለ ንክስራሕ ዘድሊ ወጻኢታት ንምሽፋን'ዩ። ፍርቂ ናይቲ ብናይ ስርየት መሸጣ ዝተኣከብ ገንዘብ ኣብ መዓላ ናይቲ ስራሕ ክውዕል ከሎ፡ እቲ ካልእ ፍርቂ ግን ንዕኡ ጊርዎ'ዩ።

2017 መበል 500 ዓመት ናይቲ ማርቲን ሉተር ነቲ ኣገባብ ዝተቓወመሉን ናብ ናይ ጽገና ምንቅስቓስ (ሪፎርመሽን) ዘለዓዓለን ኩነታት ዝጽንበለላ ዓመት'ያ።