ህላወ ፓስፖርት ቁጠባዊ ምዕባለ ዓለም ይዓግት'ዶ ይኸውን?

ፓስፖርት ኮርያ ዝሓዘ ሰብ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ናይ ገለ ሃገራት ፓስፖርት ሒዝካ ናብኣተን ምእታው ዝኽልክላ ሃገራት ኣለዋ።

ፓስፖርት፡ ደቂ ሰባት ካብ ቦታ ንቦታ ንኺንቀሳቐሱ፡ ዝሕግዝ ብዝምልከቶም ሓለፍቲ ዝወሃብ መንቀሳቐሲ ሰነድ እዩ። ኣብ ታሪኽ ኣብ ሓደ እዋን'ዩ ፓስፖርት ምጥቃም ተጀሚሩ እምበር፡ ካብ ጥንቲ ዝነበረ ነገር ኣይኮነን።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ፈረንሳውያን፡ ዜጋታቶም ካብ ሃገር ክወጽኡ እንከለው ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐሱ እንከለዉ እውን እንተኾነ፡ ፓስፖርት ክጥቀሙ የገድድዎም ነይሮም።

ሕጂ ብዙሓት ዝማዕበላ ሃገራት ሞያ ዘይብሎም ሰባት ናብ ሃገረን ንኸይኣትዉ ይኽልክላ ኣለዋ። ቅድም ከኣ፡ ሃገራት፡ ሞያ ዘለዎም ዜጋታተን ካብ ሃገር ንኸይወጽኡ ይኽልክላ ነይረን።

ብዝሕን ምዕባለን መጓዓዝያ 19 ክፍለ ዘበን፡ ጉዕዞ ሰባት ቅልጡፍን ሕሳርን ከምዝኸውን ገይሩዎ። ኣብቲ እዋን'ቲ ቁጽጽር ዝበዝሖም ሰነዳት ብዙሕ ተቐባልነት ኣይነበሮምን።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብዚ ሕዚ ዘለው ዘመነዎት ፓስፖርትታት ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዝወነኑ እዮም።

ኣብ 1980ታት ዝኾነ ይኹን ጻዕዳ ሰብ (ፈረንጂ) ብዘይ ፓስፖርት ንኣሜሪካ ክገይሽ ይኽእል ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሓደ ሓደ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ሕገ-መንግስታቶም፡ ብዘይ ፓስፖርት ናይ ምንቅስቓስ መሰል ኣስፊሮም ነይሮም።

ቻይናን ጃፓንን ብወገነን ናብ ሃገረን ዝኣትዉ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት፡ ፓስፖርት ንክሕዙ ይሓታ ነይረን።

ኣብ መእተዊ መበል 20 ክፍለ ዘመን እንተኾነ'ውን ንዝኣትውን ዝወፅኡን ዜጋታት ፓስፖርት ዝሓታ ሃገራት ውሑዳት እየን ነይረን። ሕጂ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ቅድመ-ኩነት ዝገብራ ሃገራት ዝህልዋ ኣይመስላን።

ፈተና ስደተኛታት

ኣብ ወርሒ መስከረም 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ፡ ካብ ቱርኪ ቦድረም ዝተበገሰት ጀልባ፡ ኮስ ናብ ዝተብሃለት ደሴት ግሪክ ትበፅሕ። ዓብዱላሂ ኩርዲ ዝተብሃለ ውልቀ-ሰብ ከኣ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ኣብታ መርከብ ነይሩ።

ኣብ ጉዕዞ እናሃለዉ እታ ጀልባ ስለዝጠሓለት፡ ካብታ ስድራ ዓብዱላሂ ጥራሕ እዩ ብህይወት ተሪፉ። ኣስከሬን ሰለስተ ዓመት ዝዕድሚኡ፡ ኣይላን ኩርዲ ዝተብሃለ ወዱ፡ ብማዕበል ተደፊኡ ኣብ ገምገም ባህሪ ምስ ተረኽበ ከኣ ንመላእ ዓለም ኣሰንቢዱ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ናይ ገለ ሃገራት ፓስፖርት ሒዝካ ናብኣተን ምእታው ዝኽልክላ ሃገራት ኣለዋ።

ዕላማ ጉዕዞ ዓብዱላሂን ስድርኡን፡ ኣብ ቱርኪ ናብራ ምጥያሽ ዘይኮነስ ኣብ ቫንኮቨር ካናዳ ናብ ትርከብ ሓፍቱ ምኻድ እዩ ነይሩ። ነዚ ጉዕዞ ዘዕውቱ ብርክት ዝበሉ ቀለልቲ ኣማራፂታት ግና ነይርዎም።

ፓስፖርተ እንተዝሕዙ ነይሮም፡ እቲ ንዘይሕጋውያን ኣዘዋወርቲ ዝኸፈልዎ 4460 ዶላር ገንዘብ ትኬት ኣውሮፕላን ክዕድጉ መኽኣሎም።

መንግስቲ ሶርያ ንኩርዳውያን ብምኽልካሉ ግን ፓስፖርት ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ብርግፅ ፓስፖርት ሶርያ እንተዝነብሮም እውን መንግስቲ ካናዳ ንክኣትዉ ኣይምፈቐደሎምን።

መሸጣ ፓስፖርት

መብዛሕተን ሃገራት፡ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ዝቑጸር ዜጋአን፡ ብዓሌት፥ ብሃይማኖትን ፆታን ብዝኣመሳሰሉ ነገራት ከይሰናኸል ዝከላኸል ሕጊታት ኣለወን።

ሙሉእ ንሙሉእ ፓስፖርት ምቕያር እውን ዝኸብድ ኣይኮነን። ንኣብነት 250 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ንዘለዎ ሰብ፡ ካብ ሰይንት ኪትስን ኔቪስን ፓስፖርት ምግዛእ ቀሊል እዩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ 1980ታት ናብ ኣሜሪካ ዝመፁ ዑደተኛታት ፓስፖርት ኣይሕተቱን ነይሮም።

መብዛሕቲኡ እዋን፡ እንሕዞ ፓስፖርት ብዝተወለድናሉ ቦታን ብመንነት ወለድናን ዝውሰን ምዃኑ ይፍለጥ። እዚ ድማ ብምርጫ ዝወሰን ኣይኮነን። ሰባት ብባህሪያቶም እምበር ብፓስፖርቶም ክምዘኑ ግቡእ ከምዘይኮነ ዝካታዕ ሰብ ብዙሕ ኣይኮነን።

መንደቕ በርሊን ካብ ዝፈርስ ድሕሪ 30 ዓመታት፡ ቁፅሪ ስደተኛታት ብዝለዓለ ብርኪ እናወሰኸ መፂኡ'ሎ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ እውን ኣብ ሞንጎ ሃገሮምን ሜክሲኮን ሓፁር ክህነፅ ዘለዎም ድሌት ዕላዊ ምግባሮም ይፍለጥ።

ዞባ ሸንገን ኣውሮፓ፡ ብሰንኪ ቅልውላው ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ወጥሪ ኣትዩ ይርከብ። መራሕቲ ሃገራት ኣውሮፓ እንተኾኑ'ውን ንስደተኛታት ቁጠባ'ዶ ሓተትቲ ፖለቲካዊ ዕቑባ ምእንጋድ ይሓይሽ ኣብ ዝብል ሓሳብ

ዝተፈላለዩ ኣቛም ሒዞም ኣለዉ።

ተዓወን ተስዓር

ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከምዘረድኦ፡ ኣብ ስደት፡ ዝጥቀሙን ዝጉድኡን ኣለው። ኣብ ሓደ እዋን ዝተገብረ መፅናፅቲ ከም ዝሕብሮ ድማ እቶም ዝጥቀሙ ይበዝሑ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ስደተኛታት ስድራ ካብ ቱርኪ ናብ ግሪክ ንምስጋር ፈተነ ይገብሩ።

ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ካብ ዝርከቡ ዜጋታት፡ እቶም ሓሙሽተ ካብ ሽድሽተ፡ ብምኽንያት ዋሕዚ ስደተኛታት ተረባሕቲ ዝኾኑ እዮም። ህዝባዊ ኣገልግሎታት እተን ስደተኛታት ዝቕበላ ሃገራት፡ ንብዝሒ እቶም ዝመጽኡወን ስደተኛታት ኣብ ግምት ብምእታው

ዳግመ ምምሕያሽ እንተዘይተገይርሉ ዓቢ ቅልውላው'ዩ ዘኸትል።

ምኽንያቱ፡ እቲ ዝነበረ ረብሓታት፡ እቶም ስደተኛታት ምስተወሰኹ፡ ንኹሉ ብእኹል ክባፃሕ ስለዘይክል፡ እቲ ረብሓታት ይጎድል።

ንኣብነት፡ ሜክሲካውያን ናብ ኣሜሪካ ኣትዮም፡ ኣብ ስራሕ ምእራይ ኣራንሺ ተዋፊሮም ንበል። እቶም ካብ ካልኦት ኣሜሪካውያን ኣዝዩ ብዝተሓተ ዋጋ ተቖፂሮም ዝሰርሑ ስደተኛታት ሜክሲኮ ዝኣረይዎ ኣራንሺ ዋግኡ ይንኪ።

ኣብዚ ግን፡ እቲ ጎሊሑ ዝረአን ዝዝረበሉን ምንካይ ዋጋ ኣራንሺ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ ስራሕ ዝሰኣኑ ወሑዳት ኣሜሪካውያን ጥራሕ እዩ። ንተጎዳእቲ፡ ብግብሪን ማሕበራዊ ደገፍን ምክሕሓስ ይከኣል እዩ። ኮይኑ ግን ከምኡ ኣይኮነን ዝግበር ዘሎ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ንዝህነፅ ሓፁር መንደቕ፡ ዝወፅእ ወፃኢ ሜክሲኮ እውን ብፅሒታ ክትኸፍል ከምዝህባእ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣተሓሳሲቦም እዮም።

ስግኣት ድሕንነት

ሰባት ናብ ዝድላዮም እናተንቀሳቐሱ ክሰርሑ እንተዝኽእሉ፡ ቁጠባ ዓለምና ብዕፅፊ ከምዝዓቢ ገለ ሰብ-ሙያ ይሕብሩ። ካብ ምጅማር መበል 20 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ፡ ፓስፖርት ኣብ ረብሓ እንተዘይውዕል ነይሩ፡ ዓለምና፡ ዝያዳ ምማዕበለት እውን ይብሉ።

መንግስታት እውን እንተኾኑ፡ ኣብ ጉዕዞ ወይ ድማ ምንቅስቓስ ሰባት፡ ኣብ እዋን ሰላም ከይተረፈ፡ ተፈፃመነት ዘለዎ ማዕቀብ ከንብሩ ኪኢሎም እዮም። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ጉዳይ ድሕንነት እዩ።

ሊግ ኦፍ ኔሽን ኣብ 1920 ዓለም-ለኸ ኣኼባ ፀዊዑ ነይሩ። ኣብ ዛዕባታት ፓስፖርትን ሕጊ ጉምሩኽን ዘድሃበ እቲ ኮንፈረንስ ነዚ ሕዚ ንፈልጦ ፓስፖርት ኣላልዩ።

ካብ 1921 ጀሚሩ ድማ እቲ ፓስፖርት፡ 32 ገፅ ዘለዎ፡ 15.5 ብ 10.5 ሴንቲሜትር ዝዓቐኑ፡ ብተወሳኺ እውን ጉርዲ ስእሊ ክግበረሉን ብሮጒድ ሽፋን ክሽፈንን እዩ እቲ ኮንፈረንስ ወሲኑ። ካብ ሽዑ ንደሓር ዝተገበረሉ ምምሕያሻት ግን ውሑድ እዩ።