ካብ ፍሉይ ባህርያት ኣልበርት ኣንስታይን እንታይ ክንመሃር ንኽእል?

ምስሊ ኣልበርት ኤይነስታይን Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኤይነስታይን ንስሩዕ ትምህርቲን ማዕዳን ብዙሕ ቅቡል ኣይገብርን ነይሩ።

ካብ ኣዝዩ ደቅቕ ባእታ ፀዓት ዝፈጠረ ኣንስታይን፡ ካብቲ መዋቲ ሓንጎልና ከመይ ዝኣመሰለ ፅቡቕ ነገራት ከነመንጩ ከምንኽእል ምመሃረና ነይሩ ይኸውን።

ካብ ኣመጋግባ፡ ልምዲ ድቃስን ኣነባብራን ኣንስታይን ብዙሕ ክንረኽቦም እንኽእል ረብሓታት ይህልው'ዶ ይኾኑ?

ድቃስ 10 ሰዓትን ሰለምታ (ቀምታ) ሓንቲ ሰከንድን

ጽቡቐ ድቃስ ምድቃስ ንጥዕና ሓንጎልና ዓቢ ረብሓ ኣለዎ። ኣንስታይን ድማ ነዚ ምኽሪ ዘተግበረ ሰብ እዩ። መዓልታዊ ን10 ሰዓታት ናይ ምድቃስ ልምዲ ነይርዎ።

እዚ ከኣ ዳርጋ ሓደን ፈረቓን ናይቲ ኣሜሪካውያን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝድቅስዎ ሰዓታት (6.8 ሰዓታት) ይኸውን። ግናኸ ኣእምሮና በሊሕ ንምግባር፡ ኣብ መንገዲ ሰለም ምባል ይከኣለና'ዶ ይኸውን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሪኦም ዳርጋ መብዛሕቲኦም ብሉፃት ውፅኢታት ምርምር፤ ንኣብነት ከም ሰደቓ ኬሚካላዊ ባእታታት (ፐርዮዲክ ቴብል)፥ ኣቃውማ 'ዲ ኤን ኤ'ን ንፅፅር ክልስ ሓሳብነ፡

እቶም መሃዝቶም ምስ ሙሉእ ቀልቦም ኣብ ዘይነበሩሉ ቅፅበታት እዮም ተጋሂዶሙሎም።

ኣንስታይን እውን ከብቲ ብኤለክትሪክ ክቕተላ እንከለዋ ኣብ ዝሓለመሉ እዋን ከምዝተግሃደሉ'ዩ ይግለፅ። እዚ ግን ሓቂ'ዶ ይኸውን?

ነዚ ሕቶ ንምምላስ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሉቤክ ጀርመን ኣብ 2004 መፅናዕቲ ድሕሪ ምክያዶም እቶም እኹል ደቃስ ዝረኽቡ ሰባት ካብቶም ብዙሕ ዘይድቅሱ ንነገራት ብዝሓሽን ብኽልተ ዕፅፍን ከምዘስተብህሉ ኣረጋጊፁ።

ኣብ እንድቀሰሉ እዋን፡ ኣብ ሓንጎልና፡ ተመራመርቲ፡ 'ስፒንድል ኤቨንትስ' እናበሉ ዝፅውዕዎም ፍፃመታት ይሳለጡ ። ስርሖም ድማ ግዳማዊ ሓበሬታታት ናብ እዝንና ብምልሓኹ ደቂስና ከምእንፀንሕ ምግባር እዩ።

ከምዚ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ዘካይዱ ሰባት፡ ንቡር ሓቂ ተጠቒሞም ፀገማት ኣብ ምፍታሕን፡ ብቐሊሉ ሓደሽቲ ቅዲታት ኣብ ምንጻርን ብልጫ ኣለዎመ። ኣንስታይን እውን ምስቶም ዝለዓሉ ሰባት እዩ ዝመድብ።

"እዚኦም ምስ ካልኦት ዓይነታት ብቕዓት፡ ማለት እውን ምስ ምዝካር ቁፅሪታትን ሓቂታትን ዝዛመዱ ኣይኮኑን። ምስ ክእለት ምምዝዛን ዝተሓሓዙ እዮም።" ይብሉ ፎገል ዝተብሃሉ በዓል ሙያ ምርምር ሓንጎል ዩኒቨርሲቲ ኦታዋ።

Image copyright Science Photo Library
ናይ ምስሊ መግለጺ ማእኸላይ ዝበሃል ሓንጎል 1400 ግራም እንትምዘን ሓንጎል ኤይነስታእን ግን 1230 ግራም ይምዘን።

ኣንስታይን ሰለም/ቀም ዝብለሉ ስሩዕ ግዜ ነይሩዎ። ኣብ ኮፍ ዝበለሉ ወንብር ኣብ ኢዱ ኣቕሓ ሒዙ ከሎ ከይተረፈ ንሰከንድ ሰለም የብል ነይሩ።

መዓልታዊ ጉዕዞ እግሪ

ኣንስታይን ብእግሪ ምኻድ የዘውትር ነይሩ። ንዕኡ ብእግሪ ምኻድ ዝተቐደሰ ነገር እዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፕሪንስቶን ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣርኣያ ካልኦት ብምኽታል ብእግሩ'ዩ ይጓዓዝ ነይሩ።

ንኣብነት ቻርለስ ዳርዊን ኣብ መዓልቲ ን45 ደቓይቕ ብእግሪ ይጉዓዝ ምንባሩ ይፍለጥ። እዞም ልምድታት ንኣካላዊ ብቕዓት ዝዓለሙ ኣይነበሩን።

ጉዕዞ እግሪ፡ ዓቕሚ ምዝካር ከምዘዕቢ፥ መሃዝነን ፀገማት ናይ ምፍታሕ ክእለትን ከምዘጎልብት ብርክት ዝበሉ መረዳእታታት ኣለው። መሃዚ ንምዃን እንተወሓደ ናይ እግሪ ጉዕዞ ምግባር ተመራፂ ምዃኑ ይግለፅ።

ፓስታ ስፓጌቲ ምምጋብ

ሰብ በሊሕ ኣእምሮ እንታይ ይምገቡ? ንኣእምሮ ኣንስታይን ዝብልሐን ዝሃነጸን እንታይ ዓይነት መግቢ ከምዝነበረ እኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ካብቶም ዝተረኽቡ መረዳእታታት ከም ዝሕብርዎ ግን፡

ኣንስታይን ፓስታ ስፓጌቲ'ዩ ይምገብ ነይሩ። ሓደ እዋን ብዛዕባ ጣልያን ካበ ዝፈትዎ ነገር 'ፓስታ ስፓጌቲን ሌቪ ሲቬታ ዝተብሃለ ናይ ሕሳብ ሙሁርን ምዃኖም ብቐልዲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሓንጎል ልዑል መግቢ'ዩ ዝወስድ፡ ነዚ ዘረጋግጽ ከኣ፡ ካብ ክብደት ሰብነትና 2% ጥራሕ'ኳ እንተተመዘነ፡ ካብ ሓፈሻዊ ፀዓት ሰብነትና ግና 20% እዩ ዝጥቀም። ናይ ኣንስታይን ሓንጎል ግን ካብቲ ማእኸላይ ዝበሃል ክብደት ዝነኣሰ እዩ።

ሽኮር ኣብ ዕብየት ሓንጎል ወሳኒ ግደ ኣለዎ። እዚ ማለት ግን ኣብ ስፓጌቲ ጥርሕ ምትኳር ፅቡቕ እዩ ንምባል ኣይኮነን። 25 ግራም ካርቦሃይድሬት እኹል እዩ ዝብሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሮሃምፕተን ዝምህሩ ለይ ጊብሰን፤

ዕፅፊ ናይቲ ዓቐን ምውሳድ ናይ ምሕሳብ ክእለትና ከምዘድክም የዘኻኽሩ።

ልምዲ ምትኻኽ

ኣብዚ እዋን'ዚ ብሰንኪ ምትካኽ ሽጋራ ዘጋጥሙ ብርክት ዝበሉ ሳዕቤናት ጥዕና ተነፀሮም ኣለዉ። ሽጋራ ምትካኽ ካብ ካሊእ ሰብ ክውረስ ዘይብሉ ልምዲ እዩ።

ኣንስታይን ብምትካኽ ካብ ዝፍለጡ ሰባት ሓደ እዩ። ምስ ሸጋራ ብርቱዕ ፍቕሪ ነይርዎ ምባል ይከኣል። "ምትካኽ ነክትረጋጋእን ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ርትዓዊ ፍርዲ ንክትህብን ይሕግዘካ'ዩ" ኢሉ ይኣምን።

ኣብ መገዲ ወዲቑ ዘዝረኸቦ ውዳእ ሽጋራታት (ቺካ) እናኣከበ ናብታ ዘትኽኸላ ፒፓ ረፍቲቱ ይጥቀመሉ ነይሩ።

Image copyright Science Photo Library
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰንደል ጫምኡ እንትስእን ናይ በዓልቲ ቤቱ ታኮ ጫማ ዝወድየሉ እዋን ነይሩ።

ክሳብ 1962 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ትምባኾ፡ መንሽሮ ጎረሮን ካልኦት ሕማማትን ከምዘስዕብ ኣይተነፀረን ነይሩ። ሕዚ ግን እቲ ሳዕቤን ተፈሊጡ ኣሎ።

ምትካኽ፡ ኣብ ዋህዮታት ሓንጎል ፅልዋ የሕድር፤ ንቀፀላ ሓንጎል ይሃሲ፡ ሓንጎል እኹል ኦክስጂን ንከይረክብ ይገትእ። ስለዝኾነ ንብልሒ ኣእምሮ ኣንስታይን፡ ምትካኽ ከም ሓደ ምኽንያት ገይርካ ከተቕርቦ ዝከኣል ኣይኮነን።

ኣብ እንግሊዝ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ኣትከኽቲ ሽጋራ እታ ሃገር፡ ዝተሓተ መጠን ብልሒ-ኣእምሮ (ኣይ ኪው) ኣለዎም።

ፅልኣት ካልሲ

ኣንስታይን ካልሲ ምግባር ኣይፈቱን ነይሩ። ሓደ እዋን፡ ናብታ ደሓር በዓልቲ ቤቱ ዝኾነት ጓል ሓትንኡ ኤልሳ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ "ዓባይ ዓባይቶ ኣፃብዕቲ እግረይ ንካልሰይ ስለዝበስዖ ካልሲ ምግባር ኣቋሪፀለኹ" ኢልዋ ነይሩ።

ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ካልሲ ብዘይምግባር ከጋጥም ዝኽእል ሳዕቤን ጥዕና እንታይ ከምዝኾነ ዘረድእ መፅናዕቲ ኣይተኻደን። ኮይኑ ግን ዘይወግዓዊ ወይ ድማ ዘይልሙድ ኣከዳድና ንረቂቕ ኣተሓሳስባና ኣሉታዊ ፅልዋ ከምሕድረሉ ብፈተነ ተረጋጊፁ እዩ።

ኣብ 1955፡ "እቲ ወሳኒ ጉዳይ፡ ሕቶ ምሕታት ምቁራፅካ ኣይኮነን፤ ህንጡይ ምዃን ዓርሱ ዝኸኣለ ምኽንያት ኣለዎ" ክብል ንጋዜጣ ላይፍ ሓቢሩ ነይሩ።