"ዓለም እንተረሰዓትና ፈጣሪ ኣሎና" ኤርትራዊ ኣብ የመን

Image copyright NABIL HASSAN
ናይ ምስሊ መግለጺ መሰልን ፍትሕን ዝጠልብ ህዝባዊ ጠለብ የመን 2011

ኣብ የመን ብዝጋጠመ ቅልውላው ኣማኢት ኤርትራውያን ይሳቐዩ ኣለዉ። ብፍላይ በቲ ሎሚ ኣብ ከተማ ሰንዓ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ መበል 35 ዓመት ምምስራት ህዝባዊ ሰልፊ ጉባኤ፡ ጸጥታዊ ኩነታት ሰንዓ ኣሻቓሊ ኮይኑ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ቕልውላው ኣብ ጭንቂ ዝርከብ ነባሪ ሰንዓ ኤርትራዊ ""ዓለም እንተረሰዓትና ፈጣሪ ኣሎና" ክብል መረርኡ ብምግላጽ ማሕበረ -ሰብ ዓለም ቆላሕታ ኪገበረሎም ተማሕጺኑ። እቲ ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃበ ነባሪ ሰንዓ ኤርትራ ኣብዚ እዋን'ዚ 22 ኤርትራውያን ኣብ ቤተ ማእሰርቲ ከምዘለዉ ሓቢሩ።