ምስታይ ቡን፡ ምናልባት ዕድመ ከናውሕ ይኽእል ይኸውን

ኩባያ ቡን
መግለጺ ስእሊ,

ቡን ምስታይ ምስ ጥዕና ዘለዎ ኣሉታዉን እወንታውን ፅልዋታት ኣዘራራቢ እዩ።

ኣብ 10 ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ ዝርከቡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፥ መዓልታዊ ቡን ምስታይ ዕድመ ክውስኽ ከምዝኽእል ኣሚቱ'ሎ።

ገለ ተመራመርቲ ግን፡ ካብ ኣነባብራ እቶም ሰተይቲ ቡን ንላዕሊ፡ ኣብ ምንዋሕ ዕድመ ቡን'ዩ ወሳናይ ግደ ዘለዎ፡ ኢልካ መደምደምታ ምሃብ ቅቡል ኣይገብርዎን። ተወሳኺ ፍንጃል ቡን ዘስቲ ምኽንያት እውን የለን በሃልቲ እዮም።

እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ'ኽ እንታይ ይብል?

ኣብ ለንደን ዝመደበሮም ተመራመርቲ፡ ተወሳኺ ቡን ምስታይ ብፍላይ ምስ ሕማማት ልቢን መዓናጡን ተዛሚዱ ንዝስዕብ ሞት ኣብ ምንካይ ዝለዓለ ግደ ኣለዎ በሃልቲ እዮም።

ናብዚ መደምደምታ ዘብጸሖም ድማ፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ኣብ ዝርከቡን፡ ልዕሊ 35 ዓመት ኣብ ዝዕድሚኦምን ዜጋታት 10 ሃገራት ኣውሮፓ ድሕሪ ዘካየድዎ መጽናዕቲ እዩ።

ፈለማ ዘቕረቡሎም ሕቶ፡ ክንደይ ዝኣክል ቡን ከምዝወስዱ እንትኸውን፡ ብማእኸላይ ኣብ 16 ዓመት ዕድመ ንዘጋጠመ ሞት እውን ዳህሲሶም ነይሮም።

ከምኡ እንተኾይኑ - ሓደ ፍንጃል ቡን ኣብ ዕድመና ክንደይ ዓመት ይውስኸልና?

ሙሁር ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ፕሮፌሰር ዴቪድ ስፒገልሃልተር ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ፡ ብርግጽ ብምኽንያት ቡን ሞት እንተነኪዩ፡ ኣብ መዓልቲ፡ ተወሳኺ ኩባያ ቡን ምስታይ፡

ንደቂ-ተባዕትዮ ብሰለስተ ወርሒ ንደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብሓደ ወርሒ ዕድመ ከምዝውስኸሎም ይገልጹ።

ይኹን እምበር፡ እዚ መጽናዕቲ'ዚ ንብሕቱ ተኣምራት ዘረጋግጽ ኣይኮነን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ተወሳኺ ቡን ምስታይ ጥዕና ዝህብ እንተኾይኑ'ሞ ኣብዚሐና'ዶ ቡን ክንዕድግ?

እቲ መጽናዕቲ ሙሉእ ዘይኮነሉ ምኽንያት፡ ካልኦት ጎናዊ ሳዕቤናት ኣብ ግምት ዘየእተወ ምዃኑ እዩ። ብፍላይ ብወልፊ ቡን ንዝተጠቕዑ ሰባት፡ ሙሉእ ውጽኢት መጽናዕቲ ዝበሃል ኣይኮነን።

ቡን ብምስታይ ጥዕንኦም ክሕልዉ ዝደልዩ ሰባት ንመዕደጊ ቡን ዝኸውን እኹል ገንዘብ ክህልዎም ይግባእ።

ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ፡ ብዝለዓለ መጠን ቡን ምውሳድ፡ ብፍላይ ንደቂ-ኣንስትዮ ንናይ ማህጸን ካንሰር ከቃልዐን ከምዝኽእል ዘረጋግጽ ውጽኢት እውን ረኺቦም እዮም።

እንተኾነ እቲ መጽናዕቲ ሕማም ሽኮር፡ ጸገም ጥዕና ልቢ ዘለዎምን ካልኦትን ኣየካተተን፤ እሞ ድኣ ሰባት፡ ጥዕና ኣብ ዝሰእንሉ እዋን ቡን ብምስታይ ዝረብሑዎን ዝጉድእዎን ነገር እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል፡ እቲ መጽናዕቲ ዝበሎ ነገር የለን።

ውጽኢታት ሕሉፋት መጽናዕትታት ነንሕድሕዶም ዝጋጨዉን ዝጻረሩን እዮም። ከምዝፍለጥ ካፌይን ዘለዎ ነገር ምስታይ ንቑሕ ንኽትከውን እዩ ዝሕግዝ። ኮይኑ ግን መጠኑ ይፈላለ እምበር ካፌይን ንገለ ሰባት እውን ጉድኣት ኣለዎ።

ሰብ ሙያ ጥዕና ንኹሉ ብዝጥምት መልክዑ መጠን ካፌይን እንተዘየነጸሩ'ኳ፡ ነብሰ-ጾራት ግን፡ ልዕሊ 200 ሚ.ግ ክወስዳ ከም ዘይብለን እዮም ዝሕብሩ። ነዚ ዝህብዎ ምኽንያት ድማ

እቲ ዝወስደኦ ብዝሒ ካፌይን፡ እቲ ዝወልደኦ ህጻን፡ ትሑት ክብደትን ንእሽቶ መጠን ሰብነትን ከምዝህልዎ ይገብር ዝብል እዩ። ስሩዕ ከይዲ ጥንሲ እውን ከሰናኽል ይኸእል።

ብብዝሕን ታህዋኽን ካፌይን ብምውሳዱ ንሞት ከምዝተቓልዐ ንዝዝረበሉ ኣሜሪካዊ መንእሰይ ምጥቃስ እውን ይከኣል።

ቡን ዕድመ ከም ዝውስኸልና ብኸመይ ርግጸኛታት ክንኸውን ንኽእል?

ብዛዕባ ቡንን፡ ኣብ ምውሳኽ ዕድመ ዘለዎ ግደን፡ ጭቡጥ ውጽኢት ንምርካብ ዘኽእል ሳይንሳዊ መንገዲ ምስዓብ ግድን እዩ። ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ብብርኪ ዓለም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት

ብቐጻልነት ቡን ክሰትዩ ምግባር፤ ብኣንጻሩ ድማ ካልኦት ተመሳሳሊ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ከይሰትዩ ምኽልካል ግድን ይኸውን።

ብተወሳኺ፡ ተመራመርቲ ቆላሕታ ክህብዎ ዝግባእ ጉዳይ እንተሎ፡ ካልኦት ተወሰኽቲ ምንቅስቓሳት እቶም ዝጽንዑ ሰባት ምክትታል እዩ። እንታይ ይምገቡ፡ መጠን እቶቶም፡ ንጥፈታት ኣካላዊ ምንቅስቓሶም ወዘተ ዝብሉ ብኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።

ገለ ተመራመርቲ ከምዝብልዎ እውን፡ ቡን ንጥዕና ጽቡቕ እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ካብ ምድሃብ፡ ኣብ ካልእ ጻንሒት ዕድመ ዝውስኽ ነገር ምድሃብ ግድን ይኸውን።

ንኣብነት ቡን ዓድግ ኣይትዓድግ ብዘየገድስ ቡን ናብ ዝሽጠሉ ቦታ 20 ደቓይቕ ጉዕዞ እግሪ ምግባር ንጥዕና ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።