ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ናይ ስራሕ ዕድል ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከርግኦም'ዶ ይኽእል ይኸውን?

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ስራሕቲ ዕንፀይቲ
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብቲ ዝፍጠር ዕድል ስራሕ 30% ንስደተኛታት እዩ

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይ ኤርትራ፡ ዝሓሸ ህይወት ከናድዩ ናብ ኣውሮፓ ይጓዓዙ። ካብቲ ንኤውሮጳ ዝገብሩዎ ዘይሕጋዊ ስደት ንምህዳእ፡ተዕቚቦሙላ ኣብዘለዉ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ፡ናይ ስራሕ ዕድል ንኺፍጠረሎም መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

"ክንሰግር ኢና ዝብል እምነት ኣይነበረንን፡ ኣብዚ ምስበፃሕና ግን ቀሲነ'' ይብል ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ሰላማ (ሽሙ ተቐይሩ እዩ)። ምስ መሓዝኡ ኣቢሮ ናብ ኢትዮጵያ ንምብፃሕ ክልተ መዓልቲ እዩ ወሲዱሎም። ጉዕዞኦም ብዘይ መግቢን መስተን ነይሩ። ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት እንትበፅሑ ካብ ወተሃደራት ሃገሮም ከምዝተተኮሰሎም ይሕብሩ።

''ካብ ሃገርና ክንወፅእ ዝመረፅና፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክንፍጽም ስለዝተገደድናን ኣብ ውሽጢ ሃገር ስለእንህደንን እዩ። ብወተሃደራት ኤረትራ ከይንረአ ብዱር እናተሓባእና ኢና መፂእና'' ይብል ሰላማ።

ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣተዉ፡ ዳርጋ እቶም መብዛሕትኦም ጉዕዞኦም ናብ ሱዳን ብምቕፃል ናብ ሊብያ ይሰግሩ። ብኡ ኣቢሎም ድማ ናብ ኣውእሮፓ ምስጋር እዩ ድሌቶም። ገሊኦም ኣብ ኢትዮጵያ ንምፅናሕ ይውስኑ። ንባሕሪ ሜደተራንያን ናብ ኣውሮፓ መስገሪ ይጥቀሙሉ። ጉዕዞኦም ብሰንኪ ብኣሽሓት ዶላራት ዝግመት ወፃኢታትን ዝተሓላለኸ ተግባራት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ብፈተና ዝተኸበ ይኸውን።

ናይ ምስሊ መግለጺ ው.ሕ.መ ናብ ኣውሮፓ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ብሓደጋትት ዝተሓፀረ ምዃኑ ንምግንዛብ ምንቅስቓስ ጀሚሩሎ

ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ባሕሪ ንምስጋር ፈተነ እንትገብሩ ህይወቶም ዝሰኣኑ ዜጋታት ቁፅሮም 2500 ምብፅሑ ፀብፃባት ይሕብሩ።

''ካብዚ ናበይ ከም ንቕፅል ኣይፈልጥን፤ ካብ ኤርትራ ንፈለማ እዋን ኢና ወፂና። ምናልት ኣብዚ ስራሕ ንረክብ'ሞ ሃዲእና ንነብር ንኸውን'' ይብል ኢብሮ ተወላዲ ኩናማ። እንተዘይኮይኑ ድማ ምናልባት ናብ ኣውሮፓ ከምዝፍትኑ ሓሳብ ይገልፅ። ''ንኣውሮፓ ግና ትፈልጥዋ'ዶ ትኾኑ?'' ዝብል ሕቶ እንትቐረበሎም ዝህብዎ መልሲ ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘየለ ዘረጋግፅ እዩ።

ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዘመልክቶ፡ ብብዝሒ ናብ ኣውሮፓ ዝሳገሩ ዜጋታት፡ ካብታ ወሑድ ቁፅሪ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ ዝመፅኡ ስደተኛታት ኣብ ሻብዓይ ይስርዑ።

ነቲ ቑፅሪ ቅቡል ዘይገብር መንግስቲ ኤርትራ፡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ከምዝበዝሑ እዩ ዝሕብር። ሚንስተር ሓበሬታ እታ ሃገር የማነ ገብረመስቀል፡ ከምዝብልዎ ካብ 40 ክሳብ 60% ቁፅሪ ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ወይ ድማ ካብ ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ እዮም ዝብገሱ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ ኣፍሪካ ናብ ኣውሮፓ ንምስጋር ኣብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ስደት ቁፅሪ ኤርትራውያን ዝለዓለ ምዃኑ ይሕበር

ገለ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኤጀንሲ ስደተኛታት (ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር)ን ንኸም በዓል ሰላማ ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ኣብ ምንቅስቓስ እዮም።

ንመፈፀሚ እቲ መደብ ዝውዕል 500 ሚልዮን ዶላር ካብ መንግስቲ እንግሊዝ፥ ሕብረት ኣውሮፓን ባንኪ ዓለምን ተረኺቡ እዩ። ብመሰረት ዝወፀ ትልሚ ኣብ ከተማታት መቐለ፥ ጅማን ዝዋይን ፓርክታት ኢንዳስትሪ ክህነፁ እዮም።

አብዚኦም ድማ ልዕሊ 100,000 ዕድል ስራሕ ክፍጠር ትፅቢት ይግበር።

ካብቲ ዝፍጠር ናይ ስራሕ ዕድል እቲ 30,000 ንስደተኛታት ምዃኑ ተፈሊጡሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 800,000 ስደተኛታት እንትረከቡ መብዛሕቲኦም ካብ ኤርትራ፥ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ምዃኖም መረዳእታታት ይሕብሩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መዕቖቢ እቶም ስደተኛታት ዝተፈላለዩ ሙያዊ ስልጠናታት እናተውሃበ ይርከብ። ስልጠና ኮምፒተር ሓዊሱ ስራሕቲ ዕንፀይቲ፥ ምድላው መግቢን ካልኦትን ነቶም ስደተኛታት እናተዋህቡ እዮም።

ኣብ 1993 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ ኢትዮጵያ ናፅነታ እንተኣወጀት' ኳ ዝምድነአን ግን ምስሓርፈፈ እዩ ዘሎ

ምንቅስቓስ ተቓወምቲ ውድባትን ውልቀ-ሚድያን ኣይትፈቅድን

ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝሕብርዎ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘገድድ ሃገራዊ ኣገልግሎት እያ ተግባራዊ ትገብር

ዜጋታተን ብበዝሒ ናብ ኣውሮፓ ካብ ሞንጎ ዝስደዱለን ሃገራት ትስራዕ

መንግስቲ ግን፡ ኮነ ተባሂሉ ፀገማት ክጋነኑ እናተገበረ እዩ፤ እቶም ፀገማት ንኢትዮጵያ ካብ ዝድግፋ ምዕራባውያን ዝነቐሉ እዮም ይብል

ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ዜጋታት ብዛዕባ ሕሱም ስደት እኹል ግንዛበ ክህልዎም ዝሕግዙ መርሃ-ግብሪታት እናተግበረ ይርከብ።

ኤርትራ ነቲ ዝተሓሰበ ዕድል ስራሕ ናይ ምፍጣር መደብ ቅቡል ኣይገበረቶን። ''ዘይኸውንን ፖለቲካዊ ሽርሒታት ዝተላዕጠጠን'' ክትብል እያ ገሊፃቶ።

''ንደልዮ ነገር እንተሃለወ ሰላምን ኢትዮጵያ ድማ ንዓለም ለኸ ውሳነታት ክተኽብርን እዩ[ኣብ ጉዳይ ውሳነ ባድመ ምዃኑ እዩ]''

ናይ ምስሊ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ በዝሒ ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ከምዘይኮኑን፡ ኢትዮጵያውያን ከምዘለውን ይገልፅ

እሞ ድኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ዕድላት ስራሕ ንምንቅስቓስ ስደተኛታት ክዓግቶ ዶ ይኸውን?

ተኽለማርያም ናብ ኣውሮፓ ንምስጋር ክልተ ግዘ ፈቲኑ ኣይተዓወተሉን። ናብ ኣውሮፓ ንምስጋር ዝግበር ፈተነ ንምቁፅፃር ኣብተን ስደተኛታት ዘዕቖባ ሃገራት ኣድሂብካ ዝያዳ ክስራሕ ከምዝግባእ ፅኑዕ እምነት ኣለዎ።

''ነቲ ጉዕዞ ክፍትኑ ከምዘይብሎም ይዛረቦም እየ። ሓሓሊፉ ይሰምዑኒ፤ ገለ እዋናት ድማ ኣይቕበሉኒን። ከምዚ ዝበለ ስልጠና ግን ፅቡቕ እዩ። ምኽንያቱ ሰልጢኖም ንግዲ እንተጀሚሮም ዘይክኸዱ እውን ይኽእሉ እዮም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ድሳለኝ ምፍጣር እቲ ዕድል፡ ንስደተኛታት ጥራሕ ዘይኮነስ ስራሕ ንዘይብሎም መናእሰይ ሃገሮም እውን ወሳኒ ምዃኑ እዮም ገሊፆም።

በቲ ይፍጠር ዘሎ ዕድል ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ሕጉሳት ኮይኖም ኣብ ጎረቤት ሃገር መነባብሮኦም እንትቕፅሉ ውሑዳት ዘይበሃሉ ድማ ናብ ኣውሮፓ ንምብፃሕ ክንድዝኾነ ይኹን መስዋእቲ ንምኽፋል ዝወሰኑ እዮም።