ወጥሪ ፖለቲካ ማይ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን

ሩባ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ማያዊ ኣካላት ዶባት ሃገራት ንምፍላይ ዘኽእሉ ተፈጥሮኣዊ ሕንፃፃት እዮም።

"ናይ ፅባሕ ነዳዲ" ይብልዎ። ንኽንነብር ማይ ከድልየና እዩ። ንግድን ሸቐጥን፥ ቁጠባዊ ዕቤትን ፈጠራን ሓንቲ ሃገር ዘደንፍዕ ሓይሊ እዩ።

እዚ፡ ካብ ቀደም ካብ ፈለግ ኒል፡ ኣብ ጥንታዊት ግብፂ፡ ክሳብ ኣማዞን፡ ኣብ ጫካታት ብራዚል ዝፀንሐ ክስተት እዩ። ኣካላት ማይ፡ ብዙሕ ግዜ ተፈጥሮኣዊ ዶብ ሃገራት ዝሕንፅፅ እንትኸውን፥

ብርክት ዝበሉ ሃገራት ከዓ ሓደ ሓደ ሩባታትን ቀላያትን ብሓባር ይውንኑ።

ኣባይ [ናይል] ከም ኣብነት እንተወሲድና፥ ደርዘን ሃገራት ጥሒሱ ይሓልፍ። ኮይኑ ግና ምስቲ ተፈጥሮ ወዲሰብን ንጎንፂን ዝተቓልዐ ምዃኑ እንትረአ፥ ክሳዕ ሎሚ ጉዳይ ማይ መሰረት ዝገበረ ብርቱዕ ኲናት ዘይምክያዱ ዝገርም እዩ።

ሰብ ሞያ ማይ ፥ 'ኣብ ዓለምና ማይ እንተዘየለ ሰላም ዝብሃል ኣይህሉን" ክብሉ ይስማዕምዑ። ንዚውን 'ዩ እዚ ተዃሳሓይ ዝኾነ ኣተኣላልያ ሃፍቲ ማይ ንቕድሚት ሒዝካ ከመይ ምቕፃል ከምዝከኣል ናይ ቀረባ ዓሰርተ ዓመታት ዓብይ ፈተና ዝኸውን።

ኣብ መበል 21 ክ/ዘመን ብዙሓት ፍልፍላት ማይ ነቒፆም፥ ለውጢ ኩነታት ኣየር ድማ ብርኪ ማያት ንላዕሊ ሓፍ ክብል ብምግባር፡ ዶባት ሃገራት ክለዋወጡን ክዛብዑን እናገበረ ይርከብ። ምስዚ ጎናጎኒ'ዚ ቁፅሪ ህዝቢ ዓለም ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምውሳኽን ጠርዚ ብሄርተኝነት መሰከፊ እናኾነ ምምፃእን ኣብ መንጎ ሃገራት ዝካየድ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ጉዳይ ማይ ዓንቀፍቀፍ ከይገጥሞ የስግእ።

ኣብ መንጎ 2000ን 2050ን ከም ኣቆጻጽራ ፈረንጂ፡ ድልየት ቀረብ ማይ ብኣስታት 55% ሓፍ ክብል ከምዝኽእል ይግመት። ንዚ'ውን እዩ ብዓለም ለኸ ደረጃ ብዘለዎ ልዑል ክብሪ እንትምዘን፥ ማይ ከም ናይ ፅባሕ ነዳዲ ዝረአ።

እሞ ደኣ ዓለምለኸ ቀረብ ማይ ንምርግጋፅን ናይ ዓለምና ሰላም ንምሕላውን እንታይ ንግበር?

ናይ ዓለምና ሰላም ኣብ ጉዳይ-ማይ ዝተሓንገጠ እዩ።

ማይ ፖሊቲካዊ ሃዋህው ዓለም፥ ቅርፂ ምትሓዝ ካብ ዝጅምር ዛጊድ ክፍለ ዘመናት ተቖፂሮም። "ኤክስ ፕራይዝ" አብ ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ትካል ማይ ተመራማሪ ዝኾኑ ዘይና ታታ፥ "ቀደም፥ ዓበይቲ ኣካላት ማይ፡ ዶብ ህዝብታትን ዓድታተትን ክፍጠር ገይሮም" ይብሉ። መልክዕ ምድራዊ ፖለቲካ ሎሚ ግና ብጣዕሚ ዝተፈለየ ብምዃኑ፥ ሕቶ ቀረብ ማይ ዓብይ ፖሊቲካዊ ጉዳይ ምዃኑ ይዛረቡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዓለም፥ ዓበይቲ ኣካላት ማይ ብዙሓት ሃገራት ኣቋሪፆምን ዶባት ጥሒሶምን ይሓልፉ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ብዛዕባ መሰል ምጥቃም ማይን ተዛማድቲ ጉዳያትን ይለዓሉ። ብፍላይ ሩባ እንተኾይኑ፥ ብምድራዊ ኣቀማምጠኦም ላዕለዎት ሃገራት ዝበለፀ ናይ ምውሳን ስልጣን ዘለዎም እንትኸውን፥ ኣብ ልዕሊ ታሕተዎት ሃገራት እቲ ተፋሰስ ድማ ፅዕንቶ ናይ ምፍጣር ጉልበት ኣለዎም።

ጆርዳን፥ ፍልስጥኤምን ንእስራኤልን ሓዊሱ ንብዙሓት ከባቢታት ፍልፍል ማይ እንትኸውን፡ ንዘመናት ምኽንያት ጎንፅን ምውጣጥን ኾይኑ ፀኒሑ። ብኻሊእ ገፅ፥ ኣብ ሶርያ ንኣስታት ሺሕ ዘመን ዝፀንሐ ድርቂ፡ ነቲ ናይ ሕዚ ወለዶ ዘብርስ ዘሎ ኲናትን ዕግርግርን ከምኡ ድማ ንሱ ስዒቡ ዝተጣየሸ እስላማዊ ጉጅለ ንምፍጣር ከም ምኽንያት ኮይኑ ይለዓል።

ብኻሊእ ገፅ፥ ኣብ ኢትዮጵያን ግብፅን ምስ ምጥቃምን ምምዕባልን ሩባ ኣባይ (ናይል) ተኣሳሲሩ፥ ንዘመናት ምኽንያት ጎንፂ ኮይኑ ፀኒሑ። ሩባ ኣባይ፡ ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሱ ነዊሕ ርሕቐት ድሕሪ ምጉዓዝ ኣብ ግብፂ 'ዩ ዝዓርፍ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢትዮጵያ ትሃንፆ ዘላ ግድብ ልዕሊ 6000 ሜጋ ዋት ሓይሊ ከመንጩ ትፅቢት ይግበረሉ።

ብርግፅ ኣብ 2005 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ፡ ካብ ኣፍሪካ ብዕቤቱ ቀዳማይ ዝኾነ ዓብይ ሓፅቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረን ኣፈላላይ ምፅባበን ይዝከር።

ብተወሳኺ ድማ፥ እተን ሃገራት ፍትሓዊ ቀረብ ማይ ንምርግጋፅ ዘኽእል ናይ ሓባር ምርድዳእ ተፈራሪመን።

ተመራማሪ ሃፍቲ ማይ ታታ፥ ካብ ገረብ ጆሆር ማይ ብመሸጣ ክቐርብ ዝፈቅድ ን99 ዓመታት ዝተፈረመ ውዕሊ ማሌዥያን ሲንጋፖርን ከም ኣብነት ይጠቕሱ፥ ተመሳሰሊ ፀገም ዘጓንፈን ዘሎ ዓድታት፥ ከም መርኣያ ክውሰድኦ ድማ ይመኽሩ።

"ሲንጋፖር ብቑጠባ ካብ ዝውንጨፋ ዘለዋ ሀገራት ዓለም ሓንቲ እያ። ኮይኑ ግና፡ ኣብ ግዝኣታ እኹል ተፈጥሮ ማይ ብዘይምህላው ኢንዳስትሪ፥ ንግድን ዕቤት ባህልን እታ ዓዲ ኣብ ዘለዎ ጠጠው ምበለ ነይሩ" ይብሉ ታታ።

ብዛዕባ ተፈጥሮ ማይ መረዳእታ ዝህብ ኣብ ካሊፎርንያ ዝቕመጥ "ፓሲፊክ ኢንስትትዩት" ዝተብሃለ ትካል ከምዝብሎ፥ ካብ 2000 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ጀሚሩ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ዓለምና ምስ ማይ ዝተኣሳሰሩ ብደርዘናት ዝቑፀሩ ጎንፅታት ኣጓኒፎም እዮም።

ናይ ሎሚ ሕቶ "ኩሉ ሰብ እኹል ማይ ረኺቡ፡ ኣብ መበል 21 ክ/ዘመን ናይ ዓለምና ሰላም ብኸመይ ይሕሎ"-ዝብል እዩ ?

እቲ ልክዕ መልሲ ብተለምዶ "ኲናታት ማይ" እናበልና እንፅወዖ፡ ሓደ ሃገር፡ ናይ ካሊእ ሃገር ሃፍቲ ማይ ብምቁፅፃር ዝርከብ ኣይኮነን። የግዳስ ብዙሕ ምግብን ማይን ዘለወን ሀገራት፡ ብኸመይ ናብ ካልኦት ሃገራት ይልእኻ፡ ኣብ ዝብል ክድረኸ ኣለዎ" ይብል።

ኣሮን ዎልፍ፡ ኣብ ኦሪጎን ስቴት ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ጂኦግራፊ እንትኾኑ፡ በዓል ሞያ ሃፍቲ ማይን ተፈጥሮ ከባቢን እዮም። ኣብ መበል 21 ክ/ዘመን ሃፍቲ ማይ ብዝምልከት ሰለስተ ቀንዲ ኣገደስቲ ዛዕባታት አስተብሂሎም።

ቀዳማይ ሕፅረት ማይ እዩ። "ሰኣን ንፁህን ዘተኣማምንን ማይ፡ ዳርጋ ክንዲ ብኤች ኣይቪ ኤይድስን ብዓሶን ዝሞቱ ዝኣክል ሰባት ይቐትል"፥ ይብሉ እቶም ምሁር።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ልዕሊ ዓቐን ማይ ዘለወን ሃገራት ናብ ካልኦት ሃገራት ሰደድ ይገብራ።

ካልኣይ ዛዕባ፥ እዚ፡ ሕፅረት ማይ ዘምፅኦ ፖሊቲካዊ ሳዕቤን እዩ። ንኣብነት ኣብ ሶርያ ንዘመናት ዝፀንሐ ድርቂ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ከተማ ክተምም ዘገደደ እንትኸውን፥ ዋጋ ምግቢ ክውስኽ ገይሩ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝመፀ ፀገም እነሆ ክሳዕ ሎሚ ዘይዛሪ ኲናት ሕድሕደ ኣስዒቡ። እቲ ህዝቢ ድማ ኣለሻ ማይን ምግብን ፎቐዶ ዝተበተነ እንትኸውን፥ እዚ ንርእሱ ካልእ ፖሊቲካዊ ምስሕሓባት እናስዐበ ይርከብ።

እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ዘተሓሳስብ ጉዳይ፥ እቶም ሰብ ሞያ "ክሳዕ ሎሚ ብዙሕ ዘይተብሃለሉ" ዝበሉዎ 'ዩ። ኣብ መንጎ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ዝሰግር ተፈጥሮ ማይ ። ምስ ምጥቃም ተፈጥሮ ማይ ተኣሳሲሩ ዝለዓል ጉዳይ መሰል ኣብዚ እዋን እዩ። ዎልፍ ከምዝብልዎ ግና፡ እዚ ዛዕባ ብዙሕ ተስፋ ዝግበረሉ 'ምበር ተስፋ ዘቑርፅ ኣይኮነን። ምኽንያቶም እንተቕምጡ ድማ፥ "ክሳዕ ሎሚ ካብ ምትፍናን ሓሊፉ ብርቱዕ ኲናት ኣየስዐበን" ይብሉ።

ዓብይ ፈተና፡ ልዝብ ጉዳይ ማይ

"ኲናት ማይ" ኣመልኪቶም ዋላኳ ብጣዕሚ መደንገፅቲ ኣርእስቲ እንተወፁ፥ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ብዛዕባ ሃፍቲ ማይ ክካየድ ዝኽእል ዝርርብ ዝቕይዱ ሓደሽቲ ሕልኽላኻት ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ ኤስያን አፍሪካን ቁፅሪ ህዝቢ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምውሳኹ፡ ልዑል ብኽነት ሃፍቲ እናስዐበ እዩ። ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ድማ፡ ሓደ ሓደ ኣካላት፡ ማይ ወዲኦም ክነቕፁ ምክንያት እናኾነ እዩ። ከምኡ ውን ኣብ ዓለም ጠርዚ ብሄርተኝነት እናሓየለ ምኻድ፡ ኣብ ልዕሊ ርክባት ማይ ዝግበሩ ዲፕሎማስያዊ ፃዕርታት ክተኣጓጉሉ ከምዝኽእሉ ይእመን።

ንዚ ውን እዩ፡ ኣሮን ዎልፍ ዝሰርሕሉ ትካል ምርምር ማይ፥ ኣተኣላልያ ጎንፅታት ማይ፡ ልዝብ ዝካየደሎም መድረኻት ዘዳልዉ። ንኣብነት ንነዊሕ ዘመን ብኲናት ክትሕመስ ዝፀንሐት ኣፍጋኒስታን ካብ ዝኣተወቶ ዕንወት ንምውፃእ፡ ኣብ ልዕሊ ገረብ ካቡል ዘለዋ ዋንነት (ልዑልነት) ክትጥቀመሉ ትኽእል፥ እዚ ድማ መሰል ታሕተዎት ሃገራት እቲ ተፋሰስ ኣብ ግምት ዘይከአቲ ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ። ንዚ ድማ ሙሁራዊ ትንታነታት ዝጠልቡ መድረኻት ምድላው ይሓትት። ማይ ንፖለቲካዊ ዓስቢን ንጎንፅን ጥራሕ ዘይኮነስ ምትሕብባርን ሕብረትን ንምፍጣር ዘተን ልዝብን የድሊ።

"ኣብ ጉዳይ ማይ ዝላዘቡ ዲፕሎማሲታት እናሃነፅና ኢና"፥ ይብሉ ዎልፍ።

መፍትሒኡ፤ ሓረስታይ ምኽሓስ

እዚ ኩሉ ፖሊቲካዊ ሃዋህው እንትፍጠር፥ ሰብ ሞያ ማይ ከዓ፡ ሓደ ነገር የዘኻኽሩ፥ ማይ ዝርከብ ኣብ ሩባታት፥ ቀላያትን ውቅያኖሳትን ጥራሕ ዘይምዃኑ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ድርቂን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ንዘሎ ዲፕሎማሲ ዘጉሃህሩ ክኾኑ እዮም።

ሓረስቶት ኣትክልቲ፥ ኣሐምልትን እንስሳትን ኣብ ዘፍርይሉ መሬት ማይ ኣሎ። እዞም ኣሕምልቲን እንስሳትን ቅድሚ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ወፃኢ ሃገር ምልኣኾም፥ ማይ ካብ ሓመድ ናብዞም ውፅኢታት ሕርሻ የሰጋግር። ጆን ኣንቶኒ ኣላን ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን መምህር እንትኾኑ፥ ብከምዚ መንገዲ ዝርከብ ማይ "ቪርቹዋል ዎተር" ( ናይ ሓሳብ ማይ) ኢሎም ይፅውዕዎ።

ኣብዚ ዑደት ማይ ዓብይ ተራ ዝፃወቱ ሓረስቶት እዮም። ኣብ ኣውሮፓ ጥራሕ ካብ 40 ሚኢታዊ ንላዕሊ እቲ 'ቪርቹዋል' ማይ ዝመፅእ ካብ ካሊእ ክፍለ ዓለም እዩ።

ፀገሙ ግና ሓረስቶት ኣይክፈሎምን። ብምግቢ መልክዕ ዝወፅእ ፍርያት፡ ኣብቲ ዝተልኣኸሉ ዓዲ ምስ በፅሐ፥ ብፖሊቲከኛታት ይድጎም። ምኽንያቱ ህዝቦም ብሰላምን ተረጋጊኡን ክሓድር ስለዝደልዩ። ዜጋታተቶም፡ ከም ልቦም ምግቢ ምርካቦምን ምብለዖምን ከረጋግፁ ኣለዎም።

160 ሃገራት ካብ ካሊእ ዓዲ ምስዝነቕለ ማይ ሓዊሶም ብኸምዚ ዝልኣኸ (ኢምፖርትድ) ምግቢ ይጥቀሙ። ኣላን ከም ዝብሉዎ፥ መንግስታት ህዝቦም ካብ ዓቐን ንላዕሊ ንከብዶም ከይኸፍሉን ከይኸብሮምን ዝከኣሎም ኩሉ ይገብሩ።

ከም ኣሜሪካን ካናዳን ዝኣመሰሉ መሊኡ ዝፈስስ ማይ ዘለዎም ሃገራት፥ ሕፅረት ማይ ንዘለዎም ዓድታት እዞም ፍርያታቶም ብሕሱር ዋጋ ይሸጥሎም። ብሓቂ ግና፡ ሐዚ ውን ናብ ካልኦት ዓድታት ዝለኣኽ ዘሎ ማይ ካብ ካልእ ዝመጽአ እዩ። ነዚ እዩ ድማ ልዝብ ጉዳይ ማይ፡ ኣብ ዓለም ቅድሚ ሐዚ ተሰሚዑን ተራኢዩን ዘይፈልጥ ሰላም ከምፅእ ዝድለ።

ሃፍቲ ማይ ዘለዎም ሃገራት ተመጣጢኖም ክኸዱ ዝገብር ኣብ መንጎ ሃገራት ዝካየድ ናይ ሸቐጣት ልውውጥ ምዃኑ ኩሉ ክፈልጥ ይግባእ። ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ናብ ሓንቲ መንደር ኣብ ዝተጠርነፈት ዓለም ፥ ምሒር ዘገድስ፡ ኣብ ሓደ ተፋሰስ ማይ ብላዕሊ ወይ ከዓ ብታሕቲ ምዃን ዘይኮነስ፥ ኣብ ዓለምና ክቡር ዝኾነ እዚ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብሓባር ምጥቃም ምኽኣል እዩ።

ፅምእና እንትነርዊን ኣሕምልትና እንትነስትን ሓደ ክንዝንግዖ ዘይግበአና ዓብይ ጉዳይ ኣሎ። ፖሊቲካዊ ጉልበት ማይ፥ ንኣሽሓት ዘመን ዝነበረ እዩ፥ ንሓዋሩ ድማ ክህሉ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት