ደቡብ ኮርያ ንፈተነታት ሰሜን ኮርያ ዘነፃፀሩ ሚሳይላት ተኲሳ።

ምስሊ ምፍናው ሚሳእላት ደቡብ ኮርያ Image copyright AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ደቡብ ኮርያ ኣብ ምብራቓዊ ገምገም ዘካደቶ ፈተነ ሚሳይል ዘርኢ ምስሊ ፈንያ።

ደቡብ ኮርያ፡ ሰሜን ኮርያ ንዘካየደቶ ሻድሻይ ፈተነ ስዒቡ እታ ሃገር ፈተነ ናብ ተካይደሉ ቦታ ዘነፃፀሩ ሚሳይላት ተኲሳ።

እቲ ብዕሊ ምስሉ ዝተፈነወ ልምምድ ባላስቲክ ሚሳይል ካብ ነፈርቲን መሬትን እዩ ተፈንዩ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኣን ፈተውታን ዘነፃፀረ ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ከቢድ ግብረ-መልሲ ከምዝፅበዮ ምሕናያ ስዒቡ ዝተፈፀመ እዩ።

ብተካይዶ ውጉዝ ፈተነታት ሚሳይል ተደጋጋሚ ዓለም ለኻዊ ፀቕጢታት ዝበፅሓ ሰሜን ኮርያ ብወገና፡ እቲ ዘካየደቶ ፈተነ ሃይድሮጅን ቦምብ ምንባሩ ዕላዊ ገይራላ። ቤት ምኽሪ ፀጥታ ወድብ ሕቡራት ሃገራት ንሎሚ ሶኒ ህፁፅ ኣኽባ ከካይድ እዩ።

እቲ ከካይዶ ዝሓሰበ ህፁፅ ኣኼባ ድማ ብኢትዮጵየያ ከምዝምራሕ ዕላዊ ገይሩሎ።

ቅድሚ እቲ ኣኼባ መራሕቲ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን እቲ ቤት ምኽሪ ተሪር ስጉምቲ ንክወስድ ድፍኢት ንምግባር ምድላወን ኣቐባሊ ቃል መንግስቲ ደቡብ ኮርየያ ተዛሪቦም።

መልእኽቲ ተኹሲ ደቡብ ኮርያ

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሮቢን ብራንት፡ ነቲ ፈተነ ጫፍ ቁጠዐ ደቡብ ኮራያ ዘረጋግፅ እዩ ኢልዎሎ። ደቡብ ኮርያ ድልዱል ዓቕሚ ኒኩሌርዊ ኣፅዋር ዘይብላ እንትትኸውን ሕዚ ዘካድቶ ፈተነ ሕጋዊ ኣፅዋር ፑንጉየ-ሪ ንዝተብሃለ መፈተኒ ሚሳይላት ጎረቤታ ዘነፃፀረ እዩ።

ኤጀንሲ ዝና ደቡብ ኮርኣ ዮንሃፕ ከምዝፀብፀቦ " ንቶኽታኹነት እታ ሃገር ደው ንምባል ጥራህ ዘይኮነስ፡ ኣመራርሃ ፀላኢን ደገፍቲ ሃእሊታትን ስግኣት ህዝብና እንተኾእኖም ንዕኦም እውን ንምቅባፅ ዝዓለመ እዩ" አሎም ኣለው ኣቐባሊ ቃል ሰራዊት እታ ሃገር ኮሎንል ጂ-ቺዮን።

Image copyright AFP/Getty Images

ሕዚ ዘለዋ ዓቕሚ ባላሲቲክ ሚሳይል ንምጥንኻር ምስ ኣሜሪካ ብደረጃ መትከል ኣብ ስምምዕ ምብፅሐን እውን እቲ ኤጀንሲ ፀብፂቡሎ።

ምቅላዕ ፈተነ ኒኩሌር

ሰብ-ሞያ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ሰሜን ኮርያ ፈተነ ሚሳይል ኣብ ተካይደሉ ከባቢ፡ ትማሊ ሰንበት ምርመራ ኣካይዶም ነይሮም። ትካል መፅናዕቲ መሬት ኣሜሪካ ዕላዊ ከምዝገበሮ ድማ እቲ ዓቐን ምንዋፅ መሬት 6.3 ማግኒትዩድ ምዃኑ ተረጋጊፁሎ።

መራሕቲ ሰሜን ኮርያ ነዚ ምላሽ ንምሃብ ኣይደንጎዩን። ሻድሻይ ዙር ከቢድ ፈተነ ኒኩሌር ምዃኑ ኣረጋጊፆም። እቲ ሃይድሮጅን ቦምብ ማዕረ'ቲ ነዊሕ ዝሕምበብ ሚሳይል ክምላእ ከምዝኽእል ኣፍሊጦም። መራሒ እታ ሃገር ምስ ሓድሽ ሃይድሮጅን ቦምብ እንትላለዩ ዘርኢ ምስሊ ብማእኸን ዜን እታ ሃገር ተፈንዩሎ።

ነቲ ፈተነ ስዒቡ ውሱን ምንቅጥቃጥ መሬት ዘጋጠማ ቻይና ብወገና ምርመራ ጨረር ተካይድ ምህላዋ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ተዛሪቦም ኣለው።

ሰብ-ሞያ እቲ ዓውዲ ከምዝበልዎ ብሰንበት ዝተኻደ ፈተነ፡ ሰሜን ኮርያ ዛጊድ ካብ ዝገበረቶም ፈተነታት ዕውትን ዝዓበየን እዩ። መልእኽቱ እውን ንፁር ምንባሩ ኣዘካኺሮም።

ግብረ-መልሲ

እቲ ፈተነ ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዘቖጥዐ እንትኸውን "ሓደገኛ" ን "ተፃባኢን" ክብሉ ገሊፆምዎ።

Image copyright Reuters/KCNA
ናይ ምስሊ መግለጺ ቴሌቪዥን ሰሜን ኮራያ መራሒ እታ ሃገር ንሓድሽ ሃይድሮጅን ቦምብ እንትዕዘቡ ዘርኢ ምስሊ ፈንዩ።

ኣሜሪካ፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ሓቢራ ምስ እትሰርሕ ዝኾነት ትኹን ሃገር ዘለዋ ንግዳዊ ርክብ ደው ክተብል ከምትኽእል ድማ ኣዘኻኺሮም።

ሚንስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ጀምስ ማቲስ ፡ ንዝኾነ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ዘንፀላሉ ስግኣት "ዕውትን ኣዝዩ ብርቱዕን" ምላሽ ከምዝወሃብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ተዛሪቦም።

ሰሜን ኮርያ ከም ሃገር ምድምሳስ ድሌት ሃገሮም ከምዘይኮነ እውን ገሊፆም።

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጄ "ትርጉም ኣልቦ ስትራቴጂካዊ ስሕተት" ክብሉ ነቲ ፈተነ ኣውጊዞም። ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ከመሓላለፎ ንዝኽእል ነታ ሃገር ዝንፅል ማዕቐብ ሓዊሱ ካልእ ጥንኩር ምላሽ ክወሃብ እውን ተላቢዮም።

ቻይና ብወገና ነቲ ተግባር ብምኹናን እታ ሃገር ንሰፊሕ ዓለም-ለካዊ ተቓውሞታት ትነፅግ ምህላዋ ኣፍሊጣ።

መልእኽቲ'ቲ ፈተነ

ሰበ-ስልጣን ደቡብ ኮርያ ከምዘፍለጥዎ እቲ ፈተነ ፑንግየ-ሪ ካብ ዝተብሃለ ጣብያ ፈተነ ኒኩሌር እዩ ተፈንዩ።

እቲ ፈተነ ዝፈጠሮ ምንዋፅ መሬት፡ ቅድም ክብል ተፈንዩ ካብ ዝነበረ ሓምሻይ ፈተነ ብ9.8 ዕፅፊ ዝሓየለ እዩ ተባሂሉሎ።

ሃይድሮጂን ቦምቢታት ካብ ኣቶማዊ ቦምቢታት ተዓፃፃፊ ሓይሊ ይውንኑ።

ሕቶታት ሰሜን ኮርያ ምስ መጠንቀቕታ ክተኣናገድ ከምዝግባእ ዝሃበሩ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ እንተዘይኮይኑ ግና ኒኩሌራዊ ዓቕማ ሓለፋ ከምትርብሓሉ ኣጠንቂቖም።

ተወሳኺ ዛንታ