ቅጥዒ ዝሰኣነ ንግዲ ሽኮር ኢትዮጵያ

ሪጋ ሽኮር ንምግዛ
ናይ ምስሊ መግለጺ ሽኮር ንምግዛእ ብዙሓት ሰባት ነዊሕ ተራ ይሕዙ

ኣብዚ ሰሙን ሚኒስቴር ንግዲ ሓዊሱ ኩሎም ኣብ ክልል ዝርከቡ ቢሮታት፥ ንግዲ ሽኮር ብኮታ እናዓደሉ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ 44 ሽሕ ኩንታል ሽኮር ብሰደድ ምልኣኹ ንብዙሓት ዘገረመ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ኣብዝሓ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሰባት ሽኮር ንምርካብ እንትንገላትዑ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ዝተወሰኑ ዓመታት ዋጋ ሽኮር ሰማይ ምዕራጉን ብቐሊሉ ክርከብ ዘይምኽኣሉን ንብዙሓት ፈተና ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ዘዘራረበት ወይዘሪት ቤቴል፡ ቡን ብምሻጥ እትመሓደር እንትትኸውን፡ ኣብዚ ክልተ ሰሙን ሽኮር ክትረክብ ብዘይ ምኽኣላ ትካል ንግዳ ክትዓፁ ከም ዝተገደደት ትዛረብ።

ብሚኒስቴር ንግዲ ኢትዮጵያ ብዝተተመነ ዋጋ መሰረት ንዓመታት ሽኮር ኣብ ቀበሌታት እናተኸፋፈለ ፀኒሑ እዩ።

ቤተል እውን ከም ወትሩ ናብ ቀበሌ ብምኻድ ሽኮር ኣብ ዝሓተተትሉ እዋን ኣሉታዊ መልሲ ከም ዝረኸበት ትዛረብ።

"ናብ ቀበሌ ሽኮር ንምግዛእ ዋላ እኳ እንተኸድኩ ዝህቡና መልሲ ግን ሽኮር የለን ዝብል እዩ" ብምባል ብሕርቃን ትዛረብ።

ካብ ቀበሌ ወፃኢ ናብ ሓደ ሓደ መደበራት ሽኮር ንምግዛእ እንትትኸድ ድማ ብጣዕሚ ብክባር ዋጋ ካብ 28 እስካብ 30 ብር ከምዝሽየጥ ትሕብር።

ኣብ ጉዳይ ሽኮር፡ ቤቴል ጥራሕ ዘይኮነትስ ብዙሓት ሕርቃኖም ኣብ ዝተፈለላዩ መርበብ ሓበሬታት እናገለፁ እዮም።

ብፍላይ ድማ ጠለብን ድሌትን ሽኮር ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዘይተማልኣሉ እዋን ናብ ወፃኢ ሃገራት ሰደድ ምግባር ምጅማሩ፡ ምግራም ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ ብዙሓት ንምንታይ ዝብል ሕቶ እናልዓለ እዩ።

ኣብ ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ብዘጋጠመ ደርቂ፡ መንግስቲ እታ ሃገር 100 ሽሕ ኩንታል ሽኮር ከም ዝዕድግ ብምግላፁ፡ ኮርፖሬሽን ሽኮር ኢትዮጵያ 44 ሽሕ ኩንታል ሰደድ ከም ዝገበረ

ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ሽኮር ኢትዮጵያ ኣይተ ጋሻው ኣይችልሁም ይገልፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሕፅረት ሽኮር የለን ዝብሉ ኣይተ ጋሻው ካብ ሚኒስቴር ንግዲ ብዝቐረበ ኮታ መሰረት 569 ሽሕ ኩንታል ሽኮር ናብ ተጠቃሚ ከም ዝቐርብ ሓቢሮም።

እቲ ኮርፖሬሽን ሽኮር ናይ ምቕራብ ስራሕ እንትሰርሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት፥ ሸማቶ ማሕበራት፥ ኤት ፍሩትን ጅንኣድን ድማ ሽኮር ናብ ተጠቀምቲ ከም ዘከፋፍሉ ይገልፁ።

ኢትዮጵያ ንዓመታት ሽኮር ናብ ወፃኢ ሰደድ ካብ ምግባር ተዓቂባ ዝፀንሐት እንትትኸውን ኣብዚ ዓመት ንፈለማ እዋን እያ ልኢኻ።

Image copyright MOHAMED EL-SHAHED

ከም ኣገላልፃ ኣይተ ጋሻው፡ ኣብታ ሃገር ዘለዋ ፋብሪካታት ሽኮር፡ 3 ነጥቢ 5 ሚልየን ኩንታል ዘፍርያ እንትኾና፥ 2 ሚልዮን ኩንታል ሽኮር ድማ ካብ ወፃኢ ናብ ዓዲ ይኣቱ።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ጠለብ ሽኮር 6 ነጥቢ 5 ሚልየን ኩንታል እንትኸውን ጠለብ ተጠቃማይ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት 2 ነጥቢ 9 ሚልየን ኩንታል ሽኮር ከም ዘእተወትን እዚ ድማ ነዚ ዓመት ከም ዝጠቐመን ኣይተ ጋሻው ይዛረቡ።

ስለ ዝኾነ ድማ ኣብዛ ሃገር ብዘሎ ዕቑር ሽኮር ናብ ሃገራት ወፃኢ ሰደድ ምግባር ጠቓሚ እዩ ይብሉ።

"ኣብ ዕዳጋ ዓለም እዚ ልሙድ ኣሰራርሓ እዩ። ዕዳጋ ፅቡቐ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ናብ ወፃኢ ምስዳድ፡ ሕፅረት እንተጋጥም ድማ ካብ ካልኦት ሃገራት ምእታው ብዙሓት ሃገራት ዝሰርሓሉ እዩ" ይብሉ ኣይተ ጌታቸው።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ሕፅረት ፍርያት ሽኮር ከም ዘየለ ዋላ እኳ እንተሓበሩ ኣብታ ሃገር ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ሕፅረት ሽኮር ግን፡ ናብ ተጠቀምቲ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ኣብ ዕዳጋ ብዝፍጠሩ ፀገማት ከም ዝኾነ ይገልፁ።

ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ሽኮር ናብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ይለኣኹ እዮም። ካብዚ ብተወሳኺ ነጋዶ ዘይግቡእ ትረፊ ንምርካብ ሽኮር ምኽዛኖም ሕፅረት ሽኮር ንኸጋጥም ፅልዋ ኣሕዲሩ እዩ ።

ሽድሽተ ፋብሪካታት ሽኮር ከም ዘለዋን ኣብታ ሃገር ዘሎ ጠለብ ሽኮር ሕብረተሰብ ንምምላእ ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ሸሞንተ ፋብሪካታት ሽኮር ከም ዝህነፃ ድማ ሓቢሮም።

መንግስቲ፡ ሕፅረት ፍርያት ሽኮር ከም ዘየለ እኳ እንተገለፀ፥ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሕቶ ጉዳይ ሽኮር ንዓመታት ከዛርብ ጸኒሑ እዩ። ካብዚ ብዝዘለለ ድማ ሐዚ ልዑል ስእነት ሽኮር እናጋጠመ እዩ።

ኣብ ክፍፍል ዕዳጋ ሽኮር እውን ከምኡ ፀገማት ምርኣይ ልሙድ እዩ።

Image copyright Getty Images

እሞ ደኣ እዞም ፀገማት ርኡያት እናሃለዉ መንግስቲ ክሳብ ሐዚ ንምንታይ ፍታሕ ዘየናደየሉ ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ዘይተርፍ እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ በዓል ሙያ ቁጠባን ኣማኻሪ ኢንቨስትመንትን ዝኾኑ ኣይተ ጌታቸው ተኽለ ማርያም፡ ብሓፈሻ ኢንዳስትሪ ሽኮር ኢትዮጵያ ነዊሕ እዋን ብዝፀንሑ ፋብሪካታት ዝስራሕ ከም ዝኾነን ንዘመናት ኣብ ኣፍራይነት ምምሕያሽ ከም ዘይነበሮን ብምግላፅ፡

ካብ 2 ሽሕ ዓመተ ምህረት ንደሓር ግን ብመሰረት ዝተተሓዘ ትልሚ ቀዳሞት ኣብ ዝበሃሉ ፋብሪካታት ናይ ምምሕያሽ ስራሕቲ ከም ዝተጀመሩ ይዛረቡ።

ይኹን እምበር እታ ሃገር ሰደድ ካብ ትገብሮ ንላዕሊ ካብ ሃገራት ወፃኢ እተእትዎ ሽኮር ከም ዝዛይድ ይሕብሩ።

" መንግስቲ ኣብዚ ዘፈር ልዑል ገንዘብ ብምምዳብ እናሰርሐ ዘሎ ብዝተወሰነ መልክዑ ናብ ሃገራት ወፃኢ ሰደድ ንምግባርን ኣብዛ ሃገር ዘሎ ሸርፊ ወፃኢ ብዝተወሰነ መልክዑ ንምድጓምን ብምዕላም እዩ" ይብሉ ኣይተ ጌታቸው።

ኣብዛ ሃገር ዘሎ ጠለብ ሽኮር ከይተማልአ ንምንታይ ሓንቲ ሃገር ናብ ወፃኢ ሰደድ ትገብር ንዝብል ሕቶ ኣይተ ጌታቸው እንትምልሱ ድማ፡

ሓንቲ ሃገር ፍርያት ናብ ወፃኢ ሃገር ሰደድ ትገብርን ናብ ዓዲ ተእትውን ብመንፅር ዕዳጋ ዓለምን ነታ ሃገር ብዝህልዎ ረብሓን ከም ዝኾነን ብምሕባር ካልኦት ሃገራት ፍርያት ሰደድ ዝገብራ መሊኡ ስለ ዝተረፈን ከም ዘይኮነ ድማ ይገልፁ።

ኢትዮጵያ ንጅቡቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ትሸጥ ዘላ ካብ ጂኦፖለቲካል ረብሓ ብተወሳኺ ሸርፊ ወፃኢ ስለ ዘለዎ ከም ዝኾነ ድማ ከም ኣብነት የልዕሉ።

ይኹን እምበር፥ ህዝቢ ብቐጥታ ዝጥቀመሎም ፍርያታት እታ ሃገር ንወፃኢ እንትለኣኹን እቲ ሐብረተሰብ ዝደልዮ ነገር ንምርካብ ብጣዕሚ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፍል እንተኾይኑን፡

ብገንዘብ ዝመፅእ ረብሓ እቲ ሕብረተሰብ ንከይምለከቶን ትርጉም ኣልቦ ክኸውን ከም ዝገብር ይገልፁ።

ኢትዮጵያ ናብ ወፃኢ ሃገር ሽኮር ሰደድ ገይራ እንትበሃል፥ ሕብረተሰብ ሽኮር ንምግዛእ ዘጋጥሞ ምንግልታዕን ነዊሕ ሰልፍን ከም ዝለዓል ብምግላፅ፡ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ዋጋ ሽኮር እንትውስኽ ክሳብ 40 ብር ከም ዝሽየጥን ልዑል ስእነት ሽኮር ከም ዘጋጥምን ሓቢሮም።

እዚ ኩነታት ሽኮር ናብ ወፃኢ ሃገራት ሰደድ ቅድሚ ምዃኑ ብግቡእ ክፍተሽን ኣንፈት ፖሊሲ ክቕመጠሉን ከም ዝግባእ ድማ ኣገንዚቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ሽድሽተ ዓመታት፡ ሕፅረት ፍርያት ሽኮር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ፀገም ምሕደራን ዕዳጋን ከም ዝነበረ ገሊፆም።

ዘላቒ መፍትሒ ብዘይ ምቕማጡ ድማ ሕብረተሰብ እናተጎድአ እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ናብ ወፃኢ ሰደድ ምግባር ኣዝዩ ኣፀጋሚ ምዃኑ ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት