ሲይሪል ራማፎሳ፡ ካብ ሓዳሮም ወፃኢ ንዝነበሮም ምስጢራዊ ርክብ ኣሚኖምሉ።

ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲይሪል ራማፎሳ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሲይሪል ራማፎሳ ዒላማ ተቓወምቲ ከምዝኾኑን፡ መፀለምታ ይበፅሖም ምህላውን ይዛረቡ።

ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲይሪል ራማፎሳ ካብ ሓዳሮም ወፃኢ ሚስጢራዊ ረኽቢ ከምዝነበሮም ብምእማን፡ ምስ ብዙሓት ንዝብል ግን ውድቂ ገይሮም ኣለዉ።

ንውልቀ ህይወቶም ጠሚቱ ንዝወፀ ሕታም ስዒቡ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ፖለቲካዊ ተቓወምቶም ዝፈጠርዎ መፀለምታ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ራማፎሳ ንመሪሕነት ውድብ ኤ ኤን ሲ (ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረስ) ክወዳደሩ ተሊሞም እዮም። ጃኮብ ዙማ ዝሃለፈ ዓመት ካብቲ ሓላፍነት ምውራዶም ይዝከር።

ምስ ሓንቲ ዶክተር ዘለዎም ርክብ ንምርግጋፅ ውልቃዊ ኢመይሎም ተጨውይዎም እዩ። መልእኽቲታት ኢመይሎም ድማ ምስ ዝተፈላለያ ደቂ-ኣንስትዮ ጥቡቕ ርክብ ከምዝነበሮምን፡ ዘይውሑስ ፆታዊ ርክብ ከምዝፈፀሙን ከምዘመልክቱ ተሓቢሩ።

ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ምስታ ዶክተር ሕቡእ ፆታዊ ርክብ ከምዝነበሮም ዝኣመኑ ምኽትል ፐረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ይራኸብወን ነይሮም ብዝብል ሽመን ይፀራሕ ዘሎ ካልኦት ደቂ-ኣንስትዮ ግን ትምህርተን ንክቕፅላ ብበልቲ ቤቶም ዝድገፋ ምዃነን ተዛሪቦም።

ከምዚኦም ዝበሉ ፀብፃባት ከይቃልሑ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝሞገቱ ራማፎሳ ውልቃዊ ህይወቶም ምስ ህዝባዊ ረብሓታት ዘተኣሳስር ከምዘይብሉ ኣረዲኦም።

ሃገራዊ ድሕንነት ደቡብ ኣፍሪካ እውን ኣብ ጉዳይ መጭወይቲ ኢመይሎም ምርመራ ኽገብር ፀዊዖም።

"ምስ ሓንቲ ጥራሕ እዩ ሕቡእ ርክብ ኔይሩኒ። ምስ በዓልቲ ቤተይ እውን ተረዳዲእናሉ ኢና።" ክብሉ ንደቡብ ኣፍሪካዊ ጋዜጣ ሰንደይ ታይመስ ተዛሪቦም።

ካብቲ ንመሪሕነት ዝገብርዎ ንሕንሕ ክወፁ ዝግበር ፀቕጢታት ደው ክብል እውን ተላቢዮም።

"ገበን ኣይፈፀምኩን፥ ገንዘብ እውን ኣይሰረቕኩን። ሃፍቲ ሃገር ኣይጉሓልኩን። ኮይኑ ግን ሽመይ ክፅልም እናተገበረ እዩ።"

64 ዓመት ዝዕድሚኦም ራማፎሳን ነበር ኣደ-መንበር ኮሚሸን ሕብረት ኣፍሪካ ድላሚኒ ዙማን ንስልጣን ውድብ ኤ ኤን ሲ መሪሕ ተናሓናሕቲ እዮም። እቲ መረፃ ዝመፅእ ወርሒ ታህሳስ እዩ ክካየድ።

ዝተዓወተ ድማ ፕረዚደንትነት እታ ሃገር ንምዃ ኣብ ዝካየድ መረፃ ሕፁይ ኮይኑ ይቐርብ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ