ፐረዚደንት ኬንያታ ንዝረኸብዎ ዓወት መረፃ ውድቂ ዝገበረ ቤት ፍርዲ ሃገሮም ቅልጡፍ ፅገና ከምዝገብሩሉ ገሊፆም።

ኡሁሩ ኬንያታ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ንብይን ቤት ፍርዲ ቅቡል ከምዘይገብሩ ግን ድማ ከምዘኽብሩ ተዛሪቦም እዮም።

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ቤት ፍርዲ ሃገሮም ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻደ መረፃ ንዝረኸብዎ ዓወት ውድቂ ብምግባሩ፡ ሃገሮም ኣብ ጉዳይ ዳይነት ኣብ ፀገም ምህላዋ ተዛሪቦም።

ኣብ ቴሌቪዥን ሃገሮም ብቐጥታ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ዳግም እንተተመሪፆም ኣብ ቤት ፍርዲ ሃገሮም ምምሕያሽ ከምዝገብሩ ሓቢሮም።

ነዚ ዝበሉ ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ዳግማይ መረፃ ክካየድ ምውሳኑ ስዒቡ እዩ።

ንሕጊ ከምዘኽብሩ ብምሕባር ጎንፂ ከይፍጠር ንዘሎ ስግኣት ኣብ ግምት ብምእታው ህዝቢ ክሃድእ ፀዊዖም።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ዳያኑ ንተኸታተልቲ መዓልታት ክሲ ክሰምዑ ድሕቲ ምፅናሕ እዮም ፍረዲ ሂቦም።

8 ነሓሰ ዝተኻደ መረፃ ከምቲ ቅድሚኡ ኣብ 2007 ዝተኻድን ቅልውላው ዘስዓበን መረፃ ከይኸውን ተሰጊኡ ኔይሩ እዩ።

ኮሚሽን መረፃ ነቲ ዳግማይ መረፃ መዓልቲ ከነፅር ዘዘኻኸሩ ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሮቶ ውድቦም ድልው ምዃኑ ኣፍሊጦም።

መራሒ ተቓዋውድብ ናሳ ራይላ ኦዲንጋ ብወገኖም እቲ እምነት ዘጉደለ ኮምሸን ክትካእ ከምዘለዎ ድልቶም እናገለፁ እዮም።

ሎምዘበን ዝተኻደ መረፃ ከምቲ ናይ 2007 ስግኣት ዘንፀላለዎ ኣይነበረን። ተቓውሞ ኣብ ዝተኻደሎም መዓልታት ብውሑድ 28 ሰባት እዮም ህይወቶም ስኢኖም።

ኮሚሽን መረፃ ኬንያ ዓወት ኡሁሩ ኬንያታ ብ1.4 ሚልዮን ድምፂ ዓብላልነት ዝተረጋገፀ ምንባሩ ብምግላፅ እዩ ውፅኢት ዕላዊ ገይሩ። ኮይኑ ግን ብራይላ ኦዲንጋ ልዑል ተቓውሞ ዘጋጠሞ ውፅኢት ናብ ቤት ፍርዲ እዩ ኣምሪሑ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ተዓዘብቲ፡ ከይዲ መረፃ ፍትሓውን ዴሞክራሲያውን ምንባሩ ተዛሪቦም።

ነቲ ክሲታት ከድምፁ ዝቐነዩ ዳያኑ ድማ ዝሓለፈ ዓርቢ ንመረፃ ውፅኢት ውድቂ ዝገበረ ብይኖም ኣስሚዖም።

እቲ ውሳነ ንውድብ ፕረዚደንት ኬንያታ ኮነ ነዝነበረ ወፍሪ ተሓታቲ ዝገበረሉ ውሳነ ኣይገለፀን።

72 ዓመት ዝዕድሚኦም ኦዲንጋ "ታሪኻዊ መዓልቲ፡ ንኬንያውያን ስዒቡ ድማ ንህዝቢታት ኣፍሪካ" ክብሉ ንውሳነ ቤት ፍርዲ ገሊፆምዎ።

ኣብ ዝተኻደ መረፃ ዝተርኣየ ከቢድ ምትላል ኣይነበረን ዝበሉ ልኡኻት ሕብረት ኣውሮፓ፥ ሕብረት ኣፍሪካን ኣሜሪካን መራሒ ውድብ ናሳ ኦዲንጋ ነቲ ውፅኢት ክቕበሉ ሓቲቶም ነይሮም እዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ