ንምንታይ ቴዲ አፍሮ ?

ቴዲ አፍሮ Image copyright Teddy Afro/Facebook
ናይ ምስሊ መግለጺ ህቡብ ደራፊ ቴዲ እፍሮ

ድሕሪ ክንደይ ታሕትን ላዕልን ቅድም ክብል ንዕዳጋ ዘቐረበ ኣልበም ቴዲ ኣፈሮ፥ ሐዚ ውን ምረቓቱ ዓንቀፍቀፍ ይገጥሞ ኣሎ።

እቲ ጉዳይ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መዘራረቢ ኾይኑ ዝቐፀለ እንትኸውን፥ እቲ ኣልበም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሂልተን ሆቴል ክምረቕ ተባሂሉ እዩ ትልሚ ተታሒዙሉ ነይሩ።

ይኹን መብር ቀንዲ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ኣግባብ፥ መእተዊ ካርዲ ዝተዓደሎም 1000 ዝኣኽኡ ዕዱማት ቴዲ ከምዚሓሰብዎ፥ ኣብ ምርቓት ኣልበም ኣይወዓሉን።

"ኢትዮጵያ" ብዝብል ዝፍለጥ ኣልበም ቴዲ ኣሐታሚን መዳለዊን ከምኡ ድማ መከፋፋሊ ዝኾነ ጆይስ ኤቨንትስ ሄኖክ ተፈራ ፥ ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ቃለመሐትት፥ ሓደ ሚልዮን ዝኣክል ገንዘብ ብምክንያት እቲ ምርቓት ወፃኢ ምግባሩ ነቲ ጋዜጠኛ ገሊፁሉ።

እቲ ፕሮግራም ብፖሊሰ ዘተቛዓረፀ እንተኾን 'ኳ ንምንታይ ዝብል ሕቶ ዝምልስ መንግስቲዊ ኣካል ኣየተረኸበን።

ፖሊስ ዘቕረቦ መክንያያት ናይ ኣብቲ ምርቓት ከጋጥም ዝኽእል ናየዕ ፀጥታ ፀገም ሓላፍነት ከምዘየዕወስድን ፍቓድ ከምዝይብሉን ምዝራቦም ጥራሕ ካብቲ ከባቢ ሖቴል ዘረኽብናዮ ሓበሬታ የርኢ።

ብርግፅ ብፖሊቲካዊ ትሕዝቶ እቲ ኣልበም ከዘራርብ ዝፀንሀ እንትኸውን፥ ንመእተዊ ሓድሽ ዓመት ዝተትሓዘ ቾንሰርት ቴዲ ቅድም ክብል ውን ምስራዙ ድማ ዓይዝንጋዕን።

ቅድም ክብል ውን ብ2008 ስብ ብመኪና ሰብ ኣጥቂዕኻ ሃዲምካ ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሕጊ ምውዓሉን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ምቕራቡን ዝዝከር እዩ። ቴዲ ብፖሊቲካ ዝተቐነባበረ ክሲ ክብሎ ፀኒሑ።

ስራሕ መካየዲ ቴዲ ኣፍሮ ዝኾነ ንቢቢሲ ጌታቸው ማንጉዳይን ከምዝገለፆ፥ ክሳዕ ሐዚ ካብ ምንግስታዊ ኣካል ዝተውሃበ መግለፂ የለን። ቢቢሲ ቤትፀሕፈት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ንምዝርራብ ዝገብሮ ፈተን ድማ ዓይተሳኸአን።