ዘይከኣል ስቓይ ዝኸኣለ ስሙይ ከያኒ

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ድምጻዊ ባህታ ገብረሂወት ተጋዲሉ ምንባሩ እንፈልጥ ክንደየኖትና ኢና?

ብግርማይ ገብሩን የማነ ናግሽን

ንፈለማ እዋን ብኣምሓርኛ ደሪፉ፤ ብስሩ እውን ኣምሓርኛ ጥራሕ እዩ ዝደርፍ ነይሩ። "ምኽንያቱ ኣብቲ ግዜ'ቲ ኣምሓርኛ ዝደርፍ እዮም ዝደልዩ ነይሮም፤ ትግርኛ ዝደረፍ እውን ኣይነበረን" ይብል ከያኒ ባህታ ገበረሂወት።

ባህታ ኣብ ዓጋመ ከተማ ዓዲግራት ተወሊዱን ዓብዩን።

ቅድሚ ደርፊ ምጅማሩ ተምሃራይ እዩ ነይሩ። ኣብ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ጎንደር ሓደ ዓመት ተማሂሩ፤ናብ ኣዲስ ኣበባ መፂኡ።

ኣብታ ንፍለማ እዋን ደርፊ ዝመሰሰላ ራስ ሆቴል ኮይኑ ከመይሉ ናብ ደርፊ ዓለም ከምዘኣተወን ቀፂሉ ዝገጠሞ ተጓንፎን ከምዚ ክብል የዘንቱ።

ብሙዚቃ ሰብ ክቑፀር ምልክታ ምስ ወፅአ፡ ሓደ መሓዝኡ መሪሑ ናብቲ ፈተና የእትይዎ። ባህታ ኣብ ሙዚቃ ክቕፅል ሓሳብ ኣይነበሮን ኮይኑ ግና ፈተና ሓሊፉ።

ሻቡ እቲ ዝሰልጠነሉ ሞያ ጠንጢኑ፡ ናብ ሙዚቃ ዓለም ኣትዩ፤ ጎና ጎጊ ድማ ኣብ ኮሌጅ ስራሕቲ ንግዲ ብሞያ ኣተሓሕዛ ሕሳብ ተመሪቑ።

ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን እሞ ድማ ብቋንቋታት ትግርኛን ኣምሓርኛን ደርፍታቱ ይፍለጥ።

ብዝበለፀ ድማ "ስቓይ ዝከኣል 'ዩ ኩሉ ግዜ፥ ናይ ፍቕሪ ስቓይ ግን ዘይከኣል 'ዩ" እናበለ ብዘዚማ ጥዕምትን ምቅርትን ደርፊ ይልለ።

ባህታ ግጥምን ዜማን ባዕሉ ምሂዙ ከምዝደርፍ ይገልፅ፤ ኮይኑ ግና ኣፀቢቑ ዝመልኮ መሳርሒ ሙዚቃ ከምዘይብሉ ነጊሩና።

ቅድሚ ሮሃ ባንድ

ኣብ ራስ ባንድ ምስ ድምፃዊ ግርማ በየነ እዮም ስራሕ ተቖፂሮም። ሻቡ ብ1955 ዓ.ም "የፍቅርን እንጎቻ ጣፍጦን ስንበላ… በቃኝ ትይ ይሆናል አንቺም እንደሌላ " እትብል ደርፊ ንፈለማ እዋን ኣብ መድረኽ ኣቕሪቡ።

ኣብቲ እዋን ዝበዝሕ ግዜ ምስቶም ብቛንቋ ኣምሓርኛ ዝደርፉ ዝነበሩ ጉጅለ ደረፍቲ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ።

"ሮሃ ባንድ ደሓር እዩ ተጣይሹ" ይብል። ቅድሚኦም ራስ ባንድ፥ ዋልያስ ባንድ፥ ሶል ኤኮስ ዝበሃሉን ካልኦትን ብዙሓት ባንድታት ነይሮም።

ሮሃ ባንድ ደንጉዩ እዩ ተጣይሹ፥ ኮይኑ ግና ክሳብ ዘበነ ደርጊ ዝቐፀለ ባንድ እዩ -ይብል ባህታ።

ባህታ፡ ደርፍታት ምምያ (ሳንሱር) ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረሉ ዘበን እዩ ደርፊ ጀሚሩ። "ማስታወቂያ ሚኒስቴር ክፍሊ ሳንሱር ወይ ምርመራ" ንቲ ግጥሚ ውሽጢ ሊጡ ክሳብ ዝርከብ ይፍትሹዎ።

ኣብቲ እዋን ብዙሓት ደርፍታት ፖለቲካዊ ትርጉም እናተውሃቦም ይእገዱ ነይሮም።

"ፅመድ ብዕራይ" ዝብል ካብቶም ፈለምቲ ድርፍታቱ ሓደ "እንታይ ማለት እዩ፥ ጉድ ከይህልዎ ይፈተሽ?" ተባሂሉ ከም ዝተሓተተ ይዝክር።

ላዕለዋይ ትርጉም እቲ ደርፊ ብትንትን ኣቢሉ ምስ ነገረ ፈቒዶምሉ። ኣቶ ገብረኣብ ተፈሪ ዝበሃሉ ገጣሚ ዝፀሓፍዎ ብጉልባብ ፍቕሪ ቅኔያዊ መልእኽቲ ዝሓዘለ ደርፍታት ይደርፍ ነይሩ።

ብፍላይ ትግርኛ ምድራፍ ምስ ጀምረ ኣብ ዓይኖም ስለስኣተወ ንዘፃወድሉ ኩሉ ዓይነት ውዲት ብብልሓትን ትብዓትን ይሰግሮ ምንባሩ ይዛረብ።

ቅድመ ምርመራ ደርፊ፡ (ሳንሱር) ምህዞን ፈጠራን ብዙሓት ደረፍቲ እኳ እንተልመሰ ብኻልእ መዳይ ከኣ ብሱል ደርፊ ንምቕራብ ሓጊዙ እዩ ይብል ባህታ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ስነ-ጥበባዊ ባህታ ገብረህይወት

ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ብዙሕ ሕማቕን ፅቡቕን ዘጓንፎ ባህታ፡ ምስ ጓል ሃረር ፍቕሪ ሒዙዎ "በተለየ ፍቅር ልቤ ተመርዞ…እጅግ ደስ ይለኛል ወደ ሃረር ጉዞ" ኢሉ እናደረፈ ንሃረር ገፁ ከምዝተዓዝረ ብግልፂ ይንሳህ።

እንተኾነ ግን ፍቕሮም ኣይቀጸለን - ኣብ ሓፂር እዋን ተቖፅዩ ተሪፉ። "ብዝኾን ከብዲ ይፅሮ" ኢሉ ብዛዕብኡ ብዙሕ ክዛርብ ኣይደልን።

ተጋዳላይ ባህታ

ድምጻዊ ባህታ ብ1968 ናብ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተሰሊፉ፡ ኣብ ከባቢ ዓሳጋራ ተዓሊሙ። ኣባል ጉጅለ ባህሊ ኮይኑ ከኣ ምስ በዓል ብዙኣይነህ (ወዲ ዘገየ)፥ንግስቲ ሓየሎም፥ ሙሉጌታ ኣብርሃ(ወዲ ሳጅን) ምርኢት ኣቕሪቦም።

ኣብ ገድሊ "ስውኣት ብፆትና…በቲ ኣብነትኩም ተዳሊና ኣለና" ዝብል ደርፊ ኣቕሪቡ።

ካብኡ ቀፂሉ እታ ጉጅለ ባህሊ ግልፂ ብዘይኮነ መንገዲ ፈሪሳ።

ኣብ ሓይልታት ተመዲቡ ኣንፃር ኢድዩ (EDU) ኣብ ዝተኻየደ ኲናት እውን ተሳቲፉ ነይሩ።

"ብድሕሪኡ ብዙሕ ኣይፀናሕኹን፥ ኣብ ቃልሲ ብዙሕ ፀገማት ስለዝነበሩኒ ክቕፅል ኣይከኣልኩን፡ ተመሊሰ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትየ" ይብል።

ኣብ ዘበነ ደርጊ ናብቲ ዝነበሮ ደርፊ ኣይኣተወን፤ ኣብ ሃገር ፍቅር በዓል ሞያ ተሓዝ ሒሳብ ኮይኑ ቀፂሉ።

ቅድሚ ናብ ገድሊ ምውፅኡ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዓዲ ግራት እናኸደ፡ ኣብ መቐለ ምስበጽሐ ሽጉጥ ስለዝተረኸቦ ተኣሲሩ።

ዕድል ገይሩ ግና ብሰበሰብ ብዋሕስ ምስወፅአ፡ ብኡ ገይሩ ናብ በረኻ ኣትዩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ከያኒ ባህታ ገብረሂወት፥ ደርፊ ዝመሰሰ ኣብ ራስ ሆቴል ነይሩ።

ልጋብ ደርፊ

ባህታ፡ ናይ ቀደም ደረፍቲ ኣርሒቖም ይሓስቡ ምንባሮም ይኣምን።

በቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነት ፖለቲካዊ መልእኽቲ ብፍቕሪ ጎልቢቦም ይደርፉ ምንባሮም ይዝክር።

ብርግፅ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብቑፅሪ ብርክት ዝበሉ ደረፍቲ ተጋሩ ይዕምብቡ ምህላዎም ይኣምን።

"ስሞም ዘርዚርካ ንምቕራብ ይኸብድ እምበር ብዙሓት ተስፋ ዘለዎም መናእሰይ ደረፍቲ እውን ኣለዉ" ብምባል ክንደየናይ ሕጉስ ምዃኑ ይዛረብ።

ኮይኑ ግና ሓደ ሓደ ድምጻውያን፡ ቀዳሞት ካብ ዝደረፉዎ ደርፍታት እናቖንጠሩን እናለገቡን ዘቕርብዎ ደርፊ ምሒር ከምዘጉህዮ ኣይሓብአን።

ከምኡ እውን ብስመ ትልሂት፡ ቅጥዑ ዝጠፈኦን ብልሓቱ ዘይፍለጥን ዝቐርብ ዘሎ ጠገለ ዘይብሉ ሳዕስዒት ኣመና ከምዘሕዘኖን ኣምሪሩ ከምዝኹንኖን እውን ተዛሪቡ።

ሰማዒ ኣይረኸበን 'ምበር፥ እዚን መሰልን ትዕዝብቱ ንዝምልከቶም መናእሰይ ደረፍቲ ብግልፂ ይነግሮም'ዩ።

"ወላኳ ልቓሕ ነውሪ ኣይኹን" ይብል 'ሞ ብፍላይ ድማ ነቶም ናይ ሰብ ለጋጊቦም ዝደርፉ ብናይ ባዕልኻ ክእለት ተለሊኻ ምድማቕ ከምዘድሊ ባህታ አትሪሩ ይምዕድ።

ሐዚ ዘሎ ኣከያይዳ ኣብ ትግርኛ ምህዞን ፈጠራን ዝቐትል ድማ'ዩ ይብሎ።

ኣብዚ ሎሚ እዋን ዝደርፉ ዘለዉ መናእሰይ ፅቡቕ ባይታ ከምዘሎ፤ ዝቕይዶም ሕጊ ከምዘይብሎምን ኣብ ዝተማለአ ሳይንሳዊ ናውቲ ይደርፉ ምህላዎም ዕድለኛታት እዮም ይብል።

ናይ ምስሊ መግለጺ ከያኒ ባህታ ገብረሂወት ስእሊ ቑልዕነቱ እናረአየ

ባህታ ከምዝሎሚ እንተይኮነ ጨጉሪ ርእሱ ልስሉስን መለለይኡን ምንባሩ ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ንዝተሳኣሎ መልክዕ ርኢኻ ምፍራድ ይከኣል።

ብኣካል እውን ወትሩ ትርኑዕ መንእሰይ ዘምስለሉ ዘሎ ምሽጢር ኣካላዊ ምውስዋስ ስለዝገብር እዩ።

ፍቕሪ ሙዚቃ ስለዘይሰድድ፡ ዋላእውን ከምቲ ናይ ቀደም ኣይኹን እምበር ሎሚ እውን፡ ሳሕቲ ኣብ ዓበይቲ መድርኻት ይደረፍ እዩ።

ባህታ ብ1963 ተመርዕዩ፤ 5 ቆልዑ ወሊዱ፤ኣምሂሩ ደቂ ደቁ ዝረኣየ ዕድለኛ ሰብ እዩ።

ቅድሚ 50 ዓመት ደርፊ ዝጀመረ ወዲ 74 ዓመት ባህታ፥ ሎሚውን "ስቓይ ይከኣል'ዩ" ይብለና 'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት