ትግራይ ኣብ ምክልኻል ምድረ በዳ ንዘርአየቶ ሽልማት ኣብነታዊ ውፅኢት ክብርን ኣፍልጦን ኣብ ቻይና ወሲዳ።

ትግራይ ኣብ ዕቃበ ሓመድን ማይን
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓደ ካብቲ ንሽልማት ዘብቀዐ ንጥፈታት ዕቃበ ሓመድን ማይን

ትግራይ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ምክልኻል ምድረ በዳን ብዘመዝገበቶ ርኡይ ለውጢ ኣፍልጦን ሽልማት ወርቅን ረኺባ።

እቲ ፅምብል ሽልማት ባሕቲ መስከረም 2010 ብ ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ከኣ 11 መስከረም 2017 ኣብ ቻይና ከተማ ኦርዶስ ተፈፂሙ።

ኣብ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ መራሒ ጉጅለ መፅናዕትን ዲዛይንን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ንቢቢሲ እንትገልፁ

"እቲ ሽልማት ኣብ ልምዓት ተደሪኹ ንዝወፀአን ተግባራዊ ዝዀነን ፖሊሲ ዘመዝገቦ ውፅኢት ዝተወሃበ እዩ" ኢሎም።

እዚ ድማ ንመናእሰይ ተረባሕቲ ዝገበረ ውፅኢት ልምዓታዊ ፖሊሲ ምዃኑ ተዘሪቡ'ሎ።

"ኣብ ምድሪ ትግራይ ኣብ ውሽጢ 31 ዓመታት ሓመድን ማይን ንምዕቃብ 1.3 ሚልየን ሄክታር ስፍሓት መሬት ዛላ ተሰሪሕሉ፤ ልዕሊ 787 ሽሕ ሄክታር ስፍሓት መሬት ፈልሲ ተተኺልሉ፤

ካልእ 1.2 ሚልየን ሄክታር ስፍሓት መሬት ድማ ተሓዚኡ'' ኢሎም ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ሓረስቶት ትግራይ ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ምብራስ ዘፀንሐ መረበቶም ብነፃ ጉልበቶም ኣሕዊዮሞ።

ኣብ ትግራይ ከም ቀንዲ ጠንቅታት ምድኻም ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝቑጸር፡ ንዓመታት ዝፀንሐ ሳይንሳዊ ዘይኰነ ኣጠቓቕማ መሬትን ነቲ ዝተሃሰየ መሬት ናብ ንቡር ንምምላስ ብቑዕ ፖሊስን ኣመራርሓን ዘይምንባሩን ምዃኑ ድማ ተገሊፁ'ሎ።

ኣብ ሕሉፍን ህልውን ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ መፅናዕትን ምርምርን ዘካየዱ ሊቃውንቲ ቤልጀማዊ ፕሮፌሰር ጃን ኒይሰንን ሆላንዳዊ ፕሮፌሰር ክሪስ ሬጅ እዮም።

እዞም ሊቃውንቲ እዚኦም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ዓለምና መዳርግቲ ዘይርከቦ ውፅኢት ከምዘመዝገበ ይምስክሩ።

ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ምስ ኣኽራናትን ኣኻውሕን ገጢሙ ዘርአዮ ለውጢ ካብ ካልኦት ለውጢ ዘርአዩ ህዝብታት ፍሉይ ይገብሮ እውን ይብሉ።

እቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ለውጢ፡ ንትግራይ ናብቲ ቅድሚ 145 ዓመታት ዝነበረትሉ መልክዕን ወዝን ዝመለሰ እዩ ብምባል ይኣምኑ።

ነቲ ሽልማት ዝሃቡ ዓለምለኻዊ ትካላት World Future council ከምኡ እውን UNCCD ይበሃሉ።

እቲ ፅምብል ሽልማት ትማሊ ኣብ ቻይና እንትካየድ 300 ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም።

ነቲ ሽልማት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ፣ ሓለፍቲ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ ኣይተ ኪሮስ ቢተውን ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦን ንህዝቢ ወኪሎም ተቐቢሎም።

መድረኽ ኣቀባብላ ሽልማት ትግራይ መስከረም 8 ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ እዩ። ዓመተ 2010 (2017) ድማ፥ ትግራይ መራሒት መፃኢ ፖሊሲ ዓለምና ኰይና ምሽላማ ንምብሳር ብስራሕን ካልኦት ምስንዳኣትን ክደምቕ እዩ ኢሎም ኣይተ ሃፍቱ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት