'ሲኦላዊ' መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ

እሱራት ኣብ መቕየዲ
መግለጺ ስእሊ,

ንእሱራት ክትከናኸን ዘኽእል እኹል ገንዘብ የለን።

ሀነሲ ይበሃል፡ ወዲ 18 ዓመት ደቡብ ሱዳናዊ'ዩ። ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ኣብቲ ሓደገኛ ባሕሪ ክጠፍእ ከም ዝኽእል ይፈልጥ'ዩ። ባሕሪ ሜዲተራንያን ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ኣስታት 24,000 ስደተኛታት ኣህሊቓ'ያ።

ቅድሚ ናብቲ ገማግም ባሕሪ ምብጽሑ ግን ተጨውዩ፡ ተገሪፉን ኣሰርውን ተቐቲሉ ነይሩ።

እቲ ኮተቴ መንእሰይ፡ ብምኽንያት ናብ ሞት ዘምረሐ ናይ ቤተሰብ ባእሲ እዩ ኣብ 2016 ዓዱ ራሕሪሑ ንስደት ዘምረሐ።

ንሱ ሕጂ፡ ኣብቲ "ትሪቕ ኣል ሲካ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ መዳጎኒ ማእከል ምስ ካልኦት ኣስታት 1000 ዝበጽሑ ደቂ ተባዕትዮ ተሓቢሱ ይርከብ።

እቶም ዝበዝሑ ንሕና ዝረኸብናዮም፡ ስራሕ ንምንዳይ ተበጊሶም ገሊኦም ኣብ ባሕሪ ምስበጽሑ፡ ገለውን ገና ኣብኡ ከይበጽሑ ዝተታሕዙ ኣፍሪቃውያን እዮም።

ሕጂ ግን ኣብ ሓደ ጸቢብ መኻዚኖ ተጸፍጺፎም፡ ብርሃን ተሓሪምዎም፡ ነዛ ምትንፋስ'ውን ኣብ ዝሽገሩሉ ኩነታት ይርከቡ።

ኣብቲ ትሕቲ እቲ ዘቃጽል ዋዒ ሊብያ፡ ብሓደ ተጣቢቖም ክሳቐዩ ይረኣዩ።

"ጉዕዞኦም ኣብዚ ከምዘኽተመ ምስረኣዩ፡ ሞራሎም ፍጹም እዩ ዝስበር" ይብል ሓደ ሓላፊ ናይቲ ማእከል።

ገለ ካብኦም ብዝረኸብዎ ነገር፡ ንፋስ ንምርካብ ከንበድብዱ ይረኣዩ። ለይቲ፡ ማዓጹ ብደገ ምስተሸጎሩ ኸኣ ኣብ ጃሎናት ክሸኑ ይግደዱ።

"ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝገደደ ሲኦል'ዩ" ብምባል'ዩ ሀነሲ ዝገልጾ።

"ዝተተኮሰለይ መሲሉኒ ነይሩ"

እቲ ጽሙእ ዝገጹ ኮተቴ፡ ናይቲ ንሰለስተ ዓመታት ምስ ቤተሰቡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተቐመጦ ብናይ ሎንደን መልሓስ ክዛረብ ኣኽኢልዎ'ዩ።

እንደገና ናብኡ ክምለስ ዝነበሮ ተስፋ ድማ'ዩ መጀመርታ ናብ ግብጺ ቀጺሉውን ናብ ምብራቓዊ ሊብያ ከምርሕ ዝገበሮ። ኣብኡ ግን ዕጡቓት ጨወይቲ ንዑኡን 40 ዝኾኑ ካልኦትን ካብ ኢድ እቲ ዘሰጋግሮም ዝነበረ ጨውዮሞም።

ሀንሲ ማንጂንግ
መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ለንደን ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሐ ሀንሲ ማንጂንግ ናብ ሃገሩ ክምለስ ይደሊ

"ብረትን ኣባትርን ዝሓዙ ሰባት ርኢና፡ ኣብ ዓበይቲ መካይን ክንስቀል ኣገዲዶሙና" ይብል ንሱ።

"ሽዑ ገለ ሰባት ዘዘሊሎም ክሃድሙ ጀሚሮም። ክንዘልል ከሎና ሓደ ካብ ቻድ ዝመጽአ ዓቢ ሰብኣይ ምሳና ነይሩ፡ ተኩሶሙሉ። ደሙ ኣብ ሙሉእ ነብሰይ ነጢሩ። ኣነውን ዝተውጋእኩ መሲሉኒ ሂዲመ" ይብል።

ንሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ሰብ ክሕግዞ ምስሓተቶ፡ እቲ ሰብ ሒዙ ናብቶም ጨወይቲ መሊሱ ኣረኪብዎ።

"ንምንታይ ትሃድም ኢሉ፡ ጸፊዑኒን ኣብ ከብደይ ብጉስጢ ሃሪሙኒን"።

"እግዚኣብሄር ይመስገን፡ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እቲ ዘሰጋግረና መጺኡ ኣፍቲሑና"።

ሀነሲ፡ ብነፋሪት ንትሪፖሊ ክኸይድ ናይ ሓሶት ቪዛ ተዋሂብዎ፡ እንተኾነ ግን ኣብኡ ምስ በጽሐ ገለ ሚሊሻ ኣሲሮም ናብቲ ኣብ ጥቓ እቲ ኤርፖርት ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ውሲዶሞ።

"መዓልታዊ ዓመጽ ነይሩ" ከኣ ይብል። "እንተድኣ ድምጺ ጌርካ ወይ ምግቢ ክትዕደል እንተዳኣ ተቐዳዲምካ ትህረም"።

እቶም ሓለውቲ ከም ቀንዲ መሳርሒ መግረፍቲ ዝጥቀምሉ ድማ ናይ ማይ ትቦ እዩ።

ገለ ካብቶም መተኣስርቱ እውን ካልኦት ሓደጋታትን መሰናኽላትን ከምዝገጠሞም እዮም ዝገልጹ። ገለ ተዓዲጎም ዝተሸጡ ክህልዉ ከለዉ፡ ገለ ድማ ከም ገላዩ ዝተጠቕምሎም፡ ንክፍትሑ ነቶም ሓለውቲ ጉቦ ክኸፍሉ ዝተገደዱ'ውን ኣለዉ።

ዖስማን ዓብደል ሳላም ካብ ሱዳን'ዩ፡ በሰልኡ ንምርኣይ ነቲ ኣብ ክሳዱ ዝነበረ ሽጎማኖ ቅንጥጥ ኣቢልዎ።

ዖስማን ዓብደል ሳላም

ዖስማን ዓብደል ሳላም

ዖስማን ዓብደል ሳላም ካብ ሱዳን'ዩ፡ በሰልኡ ንምርኣይ ነቲ ኣብ ክሳዱ ዝነበረ ሽጎማኖ ቅንጥጥ ኣቢልዎ።

ኣብ ባኒ ዋሊድ ዝተባህለት ከተማ ብኢድ ሊብያውያን መቋሕቱ ዝተሃርሞ ምዃኑ ድማ ይዛረብ። እቶም ኣሰርቲ፡ ነቶም ስደተኛታት ብጭካነ እናገረፍዎም፡ ንቤተሰቦም ክድውሉ ድሕሪ ምግዳድ ካብ ቤተሰቦም ገንዘብ ከምዝኽፈሉ ይገብሩ።

"እናበኸና ኢና እንድውል። ኣብ ርእስኻ'ዮም ዝሃርሙኻ። ገለ ሰባት ክእዘዙ ስለዘይደልዩ ኣካላቶም ብሓዊ የንድድዎም። ኣቦይ ሓረስታይ'ዩ። ገንዘብ ስለዘይቡሉ ገዝኡ ሸይጡ።" ይብል ንሱ።

እቲ ንሓጺር እዋን ጥራይ ዝጸንሐ ናጽነት ዖስማን፡ ንቤተሰቡ $5,000 (£3,000) ወዲእሎም።

ምስቲ ኹሉ ዘጋጠሞ ሕጂውን ንኣውሮጳ ክኸይድ ድሌት እንተለዎ ምስ ሓተትክዎ፡ የዒንቱ በቲ ሽጎማኖኡ ድሕሪ ምሽፋን ክበኪ ጀሚሩ።

"ካብዚ ቦታ'ዚ ወጺአ ዓደይ ክኸይድ ጥራይ'የ ዝደሊ" ኸኣ ይብል።

"ዘስካሕክሕ ህሞት"

እንግሊዝኛ ጽቡቕ ጌሩ ዝዛረብ፡ ወዲ 18 ዓመት ዝኾነ ኣማኑኤል ጆን፡ ካብታ ዶብ ዝሰገረላ ጊዜ ጀሚሩ ከምዝተቐጥቀጠን፡ ከይመውት ፈሪሑ ከምዝነበረን ይዛረብ።

"እቶም ናብ ሊብያ ዘምጽኡና ናብ ካልኦት ኣብ ናቶም መርበብ ዘለዉ ኣረኪቦሙና" ይብል።

"ክሳብ ኣብታ ከተማ እትበጽሕ ኣብ ዘሎ መንገዲ ኬላታት ኣለዉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኬላ ድማ ኢኻ ገንዘብ ትኸፍል፡ እንተዘይከፊልካ መግረፍቲ'ሎ"።

እንተኾነ ግን እቲ ኣካላዊ መግረፍቲ ኣይኮነን ቀንዲ ዘሕሞሞ።

"ክልተ ኣዋልድ ኣብቲ ጥቓና ዝነበረ ክፍሊ ተጋሲሶመን" ይብል ንሱ።

"ዘስካሕክሕ ህሞት'ዩ ነይሩ። ዋላሓንቲ ክንገብር ኣይከኣልናን። ዋላሓንቲ ርእስና ክንከላኸለሉ እንኽእል ነገር ኣይነበረናን"።

ንሱ ከምዝበለና ዕድመ እተን ኣዋልድ 15ን 19ን ከምዝነበረን ምስ ቤተሰበን ይጎዓዛ ከምዝነበራን እዩ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ከም ባዓል ኣማኑኤል ዝበሉ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ከይብጽሑ ምእንቲ ሊብያ ብዙሕ ጻዕሪ ከተካይድ እዩ ዝደልያ።

እንተኾነ ግን እዞም ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝተታሕዙ ስደተኛታት፡ ናብተን ቁጠባአን ዝወደቐን ክምግቦኦም ዘይክእላን ሃገራትዮም ከም ዝምለሱ ዝኾኑ ዘለዉ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ዝወጸ ጸብጻብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ዘሎ "ብተደገጋሚ ጸብጻባት ዝተረጋገጸ ኣረሚናዊ ግፍዒ፣ ጾታዊ ዓመጽን ግዱድ ስራሕን" ምስናይ ሕጽረት መግቢን ዘሓወሰ ዝበሎ "ኢሰባዊ ኩነታት ኣተሓሕዛ" ኮኒንዎ'ዩ።

ሶላ
መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከጸንሕ ዝተገደደ ወዲ ሰለስተ ወርሒ ሶላ

ንክትጥረዝ ዘብህግ

ቁርሲ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ታሪቕ ኣል ሲካ ነዊሕ ሪጋ ንቁንጣሮ መግቢ እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ንእሽቶ ከባብ ባኒ፣ ንእሽቶ ፈርማጆን ሓንቲ ኩባያ ቀጢን ጽሟቕን እያ ትዋሃቦ።

እቶም ስደተኛታትን እቶም ሓለፍቲ ባዕሎምን ነቲ ኩነታት ብዓይንና ክንዕዘቦ እዮም ደልዮምና። እቶም ሓለፍቲ ከምዝብልዎ፡ ንቀረብ ዝኽፈል ገንዘብ ስለዝወድኡ ብሓገዝ ናይ ገበርቲ ሰናይ ይኸዱ ከምዘለዉ እዮም ዝዛረቡ።

እዞም ኣብዚ ተዳጒኖም ዘለው ዳርጋ ፍዶም ዘይፈልጡ እሱራት እዮም ኮይኖም ዘለዉ። ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ፡ ንዘይተወሰነ ጊዜ ክተሓዙ ይኽእሉ'ዮም። እታ እንኮ ተስፋኦም ንዓዶም ክምለሱ እያ።

ወዲ ሰለስተ ወርሒ ሶላ፡ ዝበዝሐ ካብዛ ንእሽተይ ዕድሚኡ ኣብ ማሕቡስ'ዩ ኣሕሊፍዎ።

እታ ንባዕላ መንእሰይ ዝኾነት ኣዲኡ፡ ዋሲላ ኣላሳነ፡ ወዲ ኣርባዕተ ሰሙን ኮሎ እያ ናብ ስግር ባሕሪ፡ ናብ ጣልያን ክትወስዶ ኣበጊሳቶ።

"እንጎዓዘላ ዝነበርና ጃልባ ብምስባራ ፖሊስ መጺኦም ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣሲሮሙና" ትብል ዋሲላ።

"ካብቲ እዋን'ቲ ጀሚርና ኣብ 5 ኣብያተ ማእሰርቲ ተወሲድና። እኹል መግቢ የብልናን። ንቤተሰብና ክንድውል መሰል የብልናን። እሙት እሃሉ ኣይፈልጡን'ዮም። ኣነን ቆልዓይን ንሳቐ ኣሎና" ድማ ትብል።

ብዓል ቤታ ንዋሲላ'ውን ኣብ ካልእ መዳጎኒ ማእክል ተታሒዙ ይርከብ።

ሃገራ፡ ቶጎ፡ ኣብ ሊብያ ኣምባሳደር የብላን።

ከምቲ ንኣውሮጳ ክትከይድ እትምነዮ ዝነበረት ሕጂ ሓንቲ ትምኒታ ንዓዳ ክትጥረዝ ጥራይ'ያ።