ዩኒቨርሲቲ ማካራሬ ብዘጋጠሞ ናይ ዲግሪ ወረቐት ምጭብርባር እናጻረየ'ዩ።

ዩኒቨርሲቲ ማካራሬ Image copyright ANDREW MOORE
ናይ ምስሊ መግለጺ ዩኒቨርሲቲ ማካራሬ ተደጋጋሚ ምጭብርባር ነጥብታት ኣጋጢምዎ

ኣብ ኣፍሪቃ ጽቡቕ ሽም ካብ ዘለዎም ዩኒቨርሲታት ሓደ ዝኾነ ኡጋንዳዊ ዩኒቨርሲቲ ማካራሬ ብዘይ ግቡእ ነጥቦም ናይ ዝተቐየረ ኣስታት 300 ተማሃሮኡ የጻሪ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ዛጊድ ብዘካየዶ ምጽራይ፡ ኣብ 2015 ነጥቢ ተማሃሮ ተደናጊሩ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ድሕሪት እዚ ትግባረ ዝነበሩ ኣካላት ምምሕዳር ኣወሃህባ ስርዓተ ነጥቢ ድማ ተሓተቲ ምዃኖም ምክትል ቻንስለር ዩኒቨርሲቲ ማካራሬ ፕሮፌሰር ባርናባስ ናውንግዌ ገሊጾም።

ወረቐት ዲግሪ እቶም ተመሃሮ፡ ኣብ ቀይዲ ምውዓሉን ኣብ ልዕልኦም ኣድላይ ዘበለ ምጽራይ ከምዝተገበረሎምን'ውን ፕሮፌሰር ባርናባስ ኣረዲኦም።

ከይዲ ምጽራይ ነጥቢ ተማሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ቅድሚ 6 ዓመታት ኣትሒዙ ብመማህራን ይወሃብ ንዝነበረ ነጥቢ'ውን ዝሓወሰ ብምዃኑ፡ ዲግሪ ተመረቕቲ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ማካራሬ ኣብ ዓይኒ ጥርጣረ ኣትዩ።

ዩኒቨርሲቲ ማካራሬ፡ ወረቓቕቲ ዲግሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዕዳጋ ቅድሚ ምውዓሎም ኣብ ቀይዲ ስለዘውዓሎም ከም ቀደሙ ሽሙ ሓልዩ ከምዝቕጽል ፕሮፌሰር ባርናባስ ሓቢሮም።

ቅድሚ 2 ዓመታት ኣስታት 600 ተመሃሮ ኮሌጅ ሕብረተሰብ ሳይንስ፡ ነጥቦም ካብቲ መሕለፊ ነጥቢ ብምውሓዱ ካብ ስነ ስርዓት ምረቓ ተኣልዮም ምንባሮም ዝዝከር'ዩ።

ማካራሬ ዩኒቨርሲቲ፡ መብዛሕትኦም ካብ ኡጋንዳ ወጻኢ ዝኾኑ ኣስታት 40 ሽሕ ተመሃሮ ዘምህር ኮይኑ ከም እኒ ፈላማይ ፕሬዚደንት ታንዛንያ ጀልየስ ነረሬ ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰባት ተማሂሮሙሉ'ዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት