ኣብ ዶብ ክልላት ኦሮምያን ሶማሊ ኢትዮጵያን ብዘጋጠመ ጎንጺ ሞትን መምዝባልን ኣጓኒፉ

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ኦሮምያን ሶማሊ ኢትዮጵያን ተመዛቢሎም

ብሰንኪ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓድሕዳዊ ጎንጺ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብ ክልል ሶማሊ ኢትዮጵያ ከምዝተመዛበሉ ተሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ 18 ሰባት ከምዝሞቱን ካብኦም እቶም 12 ሶማልያውያን፡ እቶም 6 ድማ ካብ ብሄረ ኦሮሞ ምዃኖም ገሊጾም።

እቲ ህውከትን ጎንፅን ዝተፈጥረ፣ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክልል ሶማል፡ ኢትዮጵያ ንኣማሓዳሪ ወረዳ ግሩሱም ሓዊሱ ንኻልኦት 2 ሰራሕተኛታት ድሕሪ ምእሳሩ ከምዝኾነ እቶም ወሃቢ ቃል ወሲኾም ሓቢሮም።

''ብፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሊ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኦሮምያ ተገሪፎም ስለዝሞቱ'ዩ ናብቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ኣጋጢሞ ዘሎ ጎንጺ ኣምሪሑ ዘሎ'' ዝበሉ

አይተ ኣዲሱ ኣብዚ ዓመጽ ኢድ ዘለዎም ሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ናይ ምቕራብ ስራሕ'ውን ተጀሚሩ'ዩ ኢሎም።

''ኣብቲ ዝቐነየ ህውከትን ሓድሕዳዊ ምቅትታልን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሊ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ሃገረ ሶማሊያን ተሳቲፎም'' እዮም ዝበሉ ኣይተ ኣዲሱ ሓደ ዕጡቕ ሃገረ ሶማልያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝርከብ ገሊጾም።

ኣማኻሪ ፕሬዚደንት ክልል መንግስቲ ሶማሊ ኢትየጵያ ኣይተ መሓመድ ባይል ብወገኖም ሓይልታት ጸጥታ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ንጹሃት ዜጋታት ሶማሌ ኢትዮጵያ ይቀትልን የጎሳቑልን ከምዘሎ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብሪሆም።

'ቀንዲ መበገሲ እቲ ህውከት'ውን ሓይልታት ጸጥታ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ከምዝኾኑ'ዮም ኣይተ መሓመድ ወሲኾም ዝገለጹ።

ብሰንኪ እቲ ህውከት ካብ ክልቲኡ ክልላት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ተመዛቢሎም ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ይርከቡ።

ካብ ጅግጅጋ ምስ ስደርኡ ተመዛቢሉ ዝመጸ ዓብዱልሓኪም መሓመድ ''መገዛእ ጎረባብተይ ኣንጻረይ ተላዒሎም፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞቶት በደል ኣብጺሖም'' ብምባል ኩነታት ኣብ ጅግጅጋ ናይ ዘለዉ ተወለድቲ ኦሮሞ ከምዘተሓሳስቦ ስግኣቱ ገሊጹ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማሊ ላንድ ሃርጌሳ ዝርከቡ ተወለድቲ ኦሮም'ውን ብሰንኪ እቲ ህውከት ኣብ ዕላማ ኣትዮም ከምዘለዉ ኣብታ ከተማ ዝነብር ካልድ ኢማም ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ ክልል ሶማሊ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ተወለድቲ ኦሮሞ ብዘይ ገለ ጸገም ናብ ዓዶም ንኽኣትዉ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ምስ መንግስቲ ፌደራል ተሓባቢሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ሓቢሮም።