ሰሜን ኮርያ ንካልኣይ ግዜ ባላስቲክ ሚሳይል ናብ ጃፓን ተኲሳ።

ንምትኳስ ሚሳይል ዝፅብፅብ ፈነወ ዝከታተሉ ሰባት - ኣብ ከተማ ሴኡል (15 መስከረም 2017) Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ውሽጢ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ነቲ ምትኳ ሚሳይል ኮኒነን

ሰሜን ኮርያ ናብ ጃፓን ባላስቲክ ሚሳይል ዝተኮሰት ንኻልኣይ ግዜ እንትኸውን ቅድም ከብል ኒኩሌር ቦምብ ምስፈነወት ድሕሪ ከልተ ሰሙን ምዃኒ 'ዩ ። እቲ ፍፃመ ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ራዕዲ ፈጢሩሎ።

እቲ ዝተተኮሰ ሚሳኤል ክሳብ 770 ኪሎ ሜትሮ ብራኸ አንትሕምበብ፥ ኣብ ባሕሪ ሆካይዶ ቅድሚ ምብፅሑ ድማ 3700 ኪ.ሜ ርሕቐት ከምዝተጉዓዘ ሰራዊት ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ጃፓን ምስ ዝተተኮሰ ኒኩሌር እንትነፃፀር፥ እቲ ናይ ሐዚ ልዕል'ቲ ፈላማይ ዝትወንጨፈን ነዊሕ ርሕቐት ዝተጉዓዘን ኮይኑ ተረኺቡ።

ቀዳማይ ሚንስትር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ኸምዚ ዝዓይነቱ "ሓደገኛ ተግባር"፡ ሃገሮም ፈፂማ ክትፃወሮ ከምዘይትኽእል ተዛሪቦም።

ኣብ መግለፂኦም "ሰሜን ኮርያ በዚ ኩነታት ክትቕፅል እንተኾይና፥ ብሩህ መፃኢ ኣይክህሉን" ክብሉ ኣታሓሳሲቦም።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚንስትር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ሰሜን ኮርያ ንሰላም ዓለም-ለኸ ማህበረሰብ ስግኣት ትኸውን ምህላዋ ተዛሪቦም።

ነቲ ምውንጫፍ ሚሳኤል ስዒቡ፥ ደቡብ ኮርያ ብወገና ናብቲ ባሕሪ ክልተ ፕላሲቲክ ሚሳይላት ተኲሳ እያ።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን፥ ነቲ ተግባር ኮኒኖም። ብመሰረት ሕቶ ኣሜሪካን ጃፓንን፡ ጉባኤ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሎማዓንቲ ኣብ ኒውዮርክ ከተማ ህፁፅ ከካይድ እዩ።

ብመዳይ ቁጠባ ምስታ ሃገር ጥቡቕ ርክብ ካብ ዘለወን ቻይናን ሩስያን ግብረ-መልሲ ከምዘድሊ ዝሓበሩ ቲለርሰን፡ "ቀጥታዊ ዝኾነ ስጉምቲ ብምውሳድ ነዚ ተግባር ከምዘይፃወርኦ ከረጋግፃ ይግባእ" ኢሎም።

ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሃገሮም ህፁፅ ኣኼባ ዝፀውዑ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጄ-ኢን፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ "ከቢድ ኩነታት" ምስ ሰሜን ኮርያ ዘተ ምክያድ ዘይሕሰብ እዩ ምባሎም፥ ኤጀንሲ ዜና ዮንሃፕ ፀብፂቡ።

Image copyright Reuters/KCNA
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰሜን ኮርያ ኣብ መእተዊ ወርሒ መስከረም ፈተነ ከምተካይድ ዕላዊ ገይራ ነይራ።

ሰራዊት ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ከምዝሓበሮ ነቲ ኣብዚ ሰሙን ክጠብቕ ዝተገበረ ማዕቐባት ስዒቡ፡ ንፈለማ እዋን ዝተፈነወ ሚሳኤል፥ ካብ መዓልቦ ነፈርቲ ሱናን እዩ ተተኲሱ።

ኣብ ውቅያኖስ ፓስፊክ ቅድሚ ምጥሓሉ ድማ፥ ሆካዪዶ ብዝተብሃለት ኣብ ምዕራብ ጃፓን ትርከብ ደሴት ኣቢሉ'ዩ ሓሊፉ።

ዜጋታት ጥንቃቐ ንክገብሩ፥ ሳይረን (ድምፂ ሓደጋ) ተፈንዩ፤ ሓፂር መልእኽቲ ፅሑፍ እውን ብሞባይል ክባፃሕ ተገይሩ።

ተዓዘብቲ ከምዝበልዎ እቲ ሚሳኤል ማእኸላይ ርሕቐት ዝሕምበብ እዩ።

ንፅፅር ኣብ ልዕሊ ጃፓን ዝተተኮሱ ሚሳይላት
15 መስከረም 29 ነሓሰ
ዝተጉዓዞ ርሕቐት 3,700 ኪ.ሜ 2,700ኪ.ሜ
ዝለዓለ ብራኸ 770ኪ.ሜ 550ኪ.ሜ
ዝዓልበሉ ርሕቐት - ካብ ጃፓን 2,200ኪ.ሜ 1,180ኪ.ሜ
ኣብ ሰማይ ዝፀንሓሉ ግዜ 19 ደቓይቕ 32 ደቓይቕ
ዓይነት ሚሳይል ማእኸላይ ርሕቐት ዝሕምበብ ተባሂሉ ይግመት ማእኸላይ ርሕቐት ዝሕምበብ ተባሂሉ ይግመት

ሰሜን ኮርያ፥ ኣብ ፓስፊክ ኣብ እትርከብ ጉዋም ዝተብሃለት ግዝኣት ኣሜሪካ፥ ሚሳኤል ናይ ምትኳስ መደብ ከምዘለዋ ኣፍሊጣ እያ።

ካብ ፒዮንግያንግ 3,400 ኪ.ሜ ርሒቓ እንትትርከብ፥ ማእኸላይ ርሕቐት ዝሕምበብ ሚሳይል ከምዝኣኽላ ይግመት።

ሕዚ ነቲ ማእኸላይ ርሕቐት ዝሕምበብ ሚሳይል፡ ብነዊሕ ርሕቐትን ልዑል ብራኸን ፈቲናላ።

ቀፃሊ ስጉሚ ድማ ዋሶንግ-14 ICBM ዝተብሃለ ዓይነት ሚሳይል፥ ኣብ ልዕሊ ጃፓንን ናብ ርሕቕ ዝበለ ክፋል ፓስፊክን ምፍታን እዩ ክኸውን።

Image copyright KCNA
ናይ ምስሊ መግለጺ ጃፓን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንዘካየደቶ ፈተነ፡ "ተራእዩ ዘይፈልጥ ስግኣት" ክትብል ጃፓን ገሊፃቶ ነይራ።

እዚ ኩሉ ምዕባለታትን ፈተነታትን ሚሳኤላት ሰሜን ኮርያ ድማ፥ ነታ ቀንዲ ዒላምኣ ዝኾነት ኣሜሪካ ንምውቃዕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ይዝረብ።

ብማዕቐባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓወፅወፅ ኣብ ምባል እትርከብ ሰሜን ኮርያ ተደጋገምቲ ፈተነታት ሚሳኤል እናካየደት መፂኣ እያ።

ሻድሻይ ፈተንኣ እውን ሃይድሮጅን ቦምብ ምንባሩ ዝዝረበሉ ሚሳኤል፥ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣካይዳ።

ሰሜን ኮርያ፥ ንጃፓን ከምተጥሕላ፤ ንኣሜሪካ ድማ ናብ ሓሙኹሽቲ ከምትቕይራ ተሓንያላ።