ትግራይ ኣብ ህዘባዊ ቦታታት ሽጋራ ምትካኽ ብምቁጽጻራ ብውድብ ጥዕና ዓለም ተሸሊማ

ናይ ምስሊ መግለጺ ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ፓሚላ ሚቱላ ንምምሕዳር ክልል ትግራይ ሸሊመን።

ውድብ ጥዕና ዓለም ትግራይ ሓንቲ ካብ ተሸለምቲ 6 ኣካላት ኣፍሪካ ገይሩ ብምሕራይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ሸሊምዋ'ሎ።

እቲ ፅምብል ኣብ ሆቴል ኣክሱም ዝተኻየደ እንትዀን ኣብ ኢትዮጵያ ተወካሊት ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ፓሚላ ሚቱላ ንዋና ዳይሬክተር እቲ ውድብ ብምውካል ንምምሕዳር ክልል ትግራይ ሸሊመን።

"ኣብ ዓለምና ብጠንቂ ምትካኽ ሽጋራ 7 ሚልየን ሰባት ህይወቶም ይስእኑ" ዝበላ ዶክተር ፓሚላ ኢትዮጵያውያን ንዘርአኹምዎ ኣብነታዊ መርአያ እንኳዕ ደስ በለኩም" ኢለን።

ምክትል ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ኣምባሳዳር ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ነቲ ዝተዳለወ ክብርን ኣፍልጦን ተቐቢሎም።

ዶክተር ኣዲስ ኣለም፡ ትግራይ፡ ትካላት ምሕደራኣ ንዘውጸኦ ሕግታት ምቁጽጻር ሽጋራ ተግባራዊ ክትገብር ምኽኣላ ብምግላጽ፤ እቲ ዝተወሃበ ክብርን ኣፍልጦን ንዝያዳ ስራሕ ዘተባብዕና እዩ ኢሎም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ጎስጓስ ተመሃሮ ኣንጸር ምትካኽ ሽጋራ

ኣብ ትግራይ፡ ህዝቢ ኣብ ዝእከበሉን ዝግልገለሉን ቦታታት ሽጋራ ምስታይ ዝኽልክል ሕጊ ተግባራዊ ኣብ ምግባር፤ ህዝቢ ዝለዓለ ግደ ከምዝነበሮ፡ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ሓጐስ ጐደፋይ ገሊጾም።

በዓል መዚ ምምሕዳርን ቁፅፅርን መግቢ፣መድሓኒትን ክንክን ጥዕናን ኣይተ የሁሉ ደነቀው ብወገኖም ኣብ ኢትዮጵያ 3.1 ሚልየን ሰብ ሽጋራ ከምዘትከኽ ኣብቲ መድረኽ ብዕሊ ገሊፆም።

"እዚ ድማ" ኢሎም "ንሕማማት ሳምቡእ፣ መንሽሮ፣ ልቢን ካልኦትን የሳጥሕ፤ ጥንሲ እውን ይጐድእ፤ ሽጋራ ንዘይሰትዩ ኸዓ ጥዕናኦም ይህውኾ'ሎ" እንትብሉ ሓበሬታ ሂቦም።

ኣብ ከተማ መቐለ ብፍላይ መንኣሰይ ተኣኪቦም ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝርእይሉ ማእኸል መዘናግዒ፣ቤት ምግብን መስተን ቤተ'ምበሳ ሽጋራ ኣይስተን።

እቲ ሕጊ ካብ ዝወፅእ ናብዚ ሽጋራ ዝሰትዩ ናብ ደገ ክወፅኡን ኣፀቢቖም ክርሕቑን ከምዝግበር ወናኒ እቲ ትካል ኣይተ ብርሃነ ኪሮስ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ 153 ኣምቡላንስ ኣለዋ

ካልእ ኣብ መቐለ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ብበዝሒ ኣብ ዝርከብሉ ማእኸል መዘናግዒ ሳምቡካ ኣብ ውሽጢ እቲ መዘናግዒ ሽጋራ ምስታይ ፈፂሙ ከምዘይፍቀድ ወናኒት ሳምቡካ ወይዘሮ ሰብለወንጌል ኣሰፋ ንቢቢሲ ይገልፃ።

ሰተይቲ ሽጋራ ካብ ካንሸሎ ወፂኦም ክሰትዩ ከምዝግደዱ እውን ሓቢረን።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተኻየደ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚንስትር ሚንስትሪ ጥዕና ፕሮፌሰር ይፍሩ ብርሃነ "ትግራይ ብጥዕና ጥራሕ እንተይኰነትስ ብኻልኦት ክፋላት ልምዓት እውን ኣብነት እያ፤

ወትሩ ንትግራይ ምሰሉ እዩ ዝበሃል ዘሎ" ብምባል ንኢዶም።

"ንትግራይ ውድብ ጥዕና ዓለም ጥራሕ ኣይኰነን ኣፍልጦን ክብርን ዝህባ፤ ሚኒስትሪ ጥዕና እውን ሸሊምዋ'ሎ" ኢሎም።

"ሚኒስትሪ ጥዕና ንትግራይ 130 ኣምቡላንስ ብመልክዕ ሽልማት ኣበርኪቱ'ሎ፤ መንግስቲ ትግራይ እውን ተወሰኽቲ 120 ኣምቡላንስ ዓዲጉ'ሎ፤ ስለ'ዚ ሎሚ ዓመት ናብ ትግራይ 250 ኣምቡላንስ ክውሰኻ እየን" ኢሎም ፕሮፌሰር ይፍሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ 153 ኣምቡላንስ እየን ዘለዋ፡ ምስተን ሐዚ ተወሲኸን ዘለዋ ትግራይ ብድማር 403 ኣምቡላንስ ከምትውንን ተገሊፁ እዩ። ብመሰረት'ዚ ኣብ ሕድሕድ ወረዳ ትግራይ 5 ኣምቡላንስ ኣገልግሎት ክህባ እየን።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ፅምብል ምሃብ ኣፍልጦ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ጥዕናን ንግድን ዝተዋፈሩ ትካላት ብወከልቶም ኣቢሎም ተረኺቦም።