ስእልታት ኣፍሪቃ ኣብዚ ሰሙን፡ 8 - 14 መስከረም 2017
ዝንቕ ሕሩያት ምስልታት ኣፍሪቃን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣፍሪቃውያንን፡ ኣብዚ ሰሙን።

ኣብ ቅድስቲ ማርያም ዉቕሮ (ትግራይ) ነጋሪት ዝወቕዑ ቀሺ፥
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ረቡዕ፥ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይጀርያ (ላጎስ) ኣብ ርእሱ ተሸኪሙ እናዘወረ ክዳን ዝሸይጥ መንእሰይ።
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ኮንጎ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ (ኪንሻባ) ኣብ ውሽጢ ታክሲ ጠጠው ኢሉ ካብ ስርሑ ናብ ገዝኡ ዝመላለስ መንእሰይ።
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሃደ ገጠር ሰሜን ምብራቕ ናይጀርያ ካብ ቤት ትመህርታ ብብሽክለታ እትመላለስ ተመሃሪት
ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕሬዚደንት ዙምባብወ ሮበርት ሙጋቤ፡ ፓርላማ ሃገሮም ብዕሊ ንምኽፋት ዘይተለምደ ዓይነት መጓዓዝያ ተጠቒሞም ንርእሰ ከተመኦም ንሃረሬ እንተምርሑ።
ምንጪ ስእሊ, EPA
ዓጀብቲ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ብኸምዚ ተፀቢዮምዎም።
ምንጪ ስእሊ, AFP
ዓርቢ፥ ክለብ ኩዕሲ እግሪ ጀርመን (RB Leipzig) ተኸላካሊ ማእከል ተወላዲ ጊኒ ናቢ ከይታ፥ ኣብ ፀዋታ ቀዳማይ ዲቪዠን ጀርመን ምስ ሃምበርግ ጎል ምስ አእተወ ታሕጓሱ እንትገልፅ።
ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተኸላኻላይ ኩዕሶ እግሪ ፈረንሳይ ጆርዳን ኢኮኮ ካብ ተናሓናሒኡ ኔዘርላንድ ኬኒ ቴተ እንተምልጥ።
ምንጪ ስእሊ, AHMED JALLANZO
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳመ ሰንበት፥ ኣባላት ተናሓናሒ ውድብ ኣብ ርእሰ ከተማ ላይበርያ (ሞኖሮቭያ) ፖሊቲካዊ ጎስጓስ ብዕሊ እንትጅምሩ ብሓምለዋይን ብፃዕዳን ደሚቆም ውዒሎም።
ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ዓለምለኸ ፈስቲቫል ማላዊ ብባህላዊ ሳዕሳዒት ዚምባብወ ኣዚዩ ዝተደነቐ ቆልዓ።
ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብቲ ተመሳሳሊ መድረኽ ፌስቲቫል፡ ሓደ ምስ ጉጅለ ባህሊ ሃረሬ ዝመጽአ ኣብ ተዓደምቲ ድሙቕ ኣቀባብላ ኪግበረሉ።
ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ መወዳእታ፥ በዓል ሞያ ምግቢ ጉጅለ ኣቢጃን ንተኻፈልቲ እቲ ፌስቲቫል ስጋ ጠቢሱ ክዕንግል ተዳልዩ እንትፅበ።