ጎንፂ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌ ኢትዮጵያን ዘብራህርሁ ሓሙሽተ ነጥብታት

ሶማሊ፥ ኦሮሞ
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ 30 ሺሕ ንላዕሊ ዜጋታት ተመዛቢሎም

መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስን ሚሊሻታትን ሶማሌ ናብ ኦሮሚያ ኣትዮም መጥቃዕቲ ፈፂሞም ክብል ይኸስስ። መንግስቲ ክልል ሶማሌ ብወገኑ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ኣካላት ብክልል ኦሮሚያ ዝድገገፉ እዮም ክብል ኣፍሊጡ እዩ።

መንግስታት እተን ክልላት ነንሕድሕዶም ምጥቕቓኖምን ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ምልልስ ቃላትን፥ ርክብ መንግስታት እተን ክልላት ዝርከበሉ ደረጃ ካብ ምሕባሩ ብዝሰገረ፡ ክብደት እቲ ጎንፂ የረድእ። ይኹን እምበር ኣብ ሞንጎ'ተን ክልላት ፍሕፍሕ፣ ጎንፂ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ምፍሳስ ደም እንተጋጥም ንፈለማ ኣይኮነን።

1. መካትዒ ዶብ

ኣብ ኢትዮጵያ ብስፍሓታ መሪሕ ዝኾነት ክልል ኦሮሚያ፡ ካልኣይ ኮይና ምስ እትስራዕ ክልል ሶማሌ ዘራኽብ 1410 ኪ.ሜ ዶብ ኣለዋ። እዚ ዶብ ግን፡ ሕዚ ዝወነንኦ ቅርፂ ካብ ዝሕዛ ንደሓር፡ ጎንጽ ርሒቕዎ ኣይፈልጥን። ነቲ ምውጣጠ ፈቲሕካ ወሰናት ንምፍላይ ብምዕላም፡ ብ1997 ዓ.ም ካብ 400 ኣብ ዝዛይዳ ቀበሌታት ህዝበ ውሳነ ተኻይዱ ነይሩ።

ብመሰረት'ቲ ህዝበ ውሳነ ልዕሊ 80 ቀበሌታት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ክፀንሓ እንተተወሰነ'ኳ ዶብ ናይ ምጥራር ስራሕ ግን ተግባራዊ ከይኮነ እዩ ፀኒሑ ። እዚ ድማ በብእዋኑ ንዝለዓሉ ጎንፂታት መጋደዲ ምዃኑ ኣይተረፈን።

መራሕቲ እተን ክልላት ንተግባራውነት'ቲ ህዝበ ውሳነ ዝሕግዝ'ዩ ዝተብሃለሉ ስምምዕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ተፈራሪሞም ነይሮም። ስምምዕ ኣብ ዝተፈረመሉ እዋን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ለማ መገርሳ "ዓብዪ ዓወት" ከምዝተረኸበ እንትገልፁ፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣብዲ መሓመድ ብወገኖም፥ "ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ኣሓት ውድባት ዳግማይ ጎንፂ ኣይክህሉን'ዩ" ኢሎም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን እቲ ጥረራ ዝምልከተን ዝተበሃላ ብሓፈሻ ሸውዓተ ዞባታት፣ ኣብ ውሽጢ 33 ወረዳታት 147 ቀበሌታተትን ምዃኖም መንግስታዊ ጋዜጣ ኢትዮጵያን ሄራልድ ፀብፂቡ ነይሩ።

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ክልል ኦሮምያ ንክመሓደሩ ካብ ሞንጎ ዝተወሰኖም 68 ቀበሌታት፡ ናይ 48 ዝኣኽሉ ስራሕቲ ጥረራ እናተሳለጠ ምዃኑ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣፍሊጡ ነይሩ።

2. ንሕንሕ ሃፍቲ ተፈጥሮ

ርክብ ኣብ ዶብ ኢትዯጵያን ኬንያን ዝርከቡ ኣርባሕቲ እንስሳን ብኽፋል ዘርብሑን ህዝብታት ዘፅንዑ ፍቃዱ ኣዱኛ ከም ዝብልዎ፡ ንሕንሕን ጎንፅን መግለፂ ቦረና ኦሮሞን ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ዓሌታት ሶማሌን ኮይኖም ፀኒሖም እዮም ይብሉ።

Image copyright Empics
ናይ ምስሊ መግለጺ ወጥጥ ዶብ ክልላት ኦሮምያን ኢትዮጵያ ሶማሊን ጎንፂ ኣስዒቡ።

እቶም ንሕንሓትን ጎንፅታትን ብስፍሓት ኣብ ተረባሕነት ከም ማይን መጋሃጫን ዝበሉ ተፈጥሮኣዊ ሃፍትታት ካብ ዝብገሱ ድሌታት እንተኾኑ እውን ካብ ቀረባ እዋናት ንነዘ ግን፡ ጉዳይ ብሄር እናኾኑ ከም ዝመፀ ይግለፅ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ዕላዊ ምዃኑ ስዒቡ፡ ፀጥታን ምርግጋእን ኣብዝሓ ከባብታት እታ ሃገር ኣብ ዝምለሰሉ እዋን፡ ኣብ ዶባት ክልቲአን ክልላት ዘለዋ መዋስንቲ ቀበሌታት ግና ሂወት ብዙሓት ዝበልዑ ጎንፅታት ኣጋጢሞም እዮም።

ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ፡ ንተኸታተልቲ ሰለስተ ኣዋርሕ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝሓወሱ እዞም ጎንፅታት፡ ከምቲ ልሙድ ብምኽንያት ማይን መጋሃጫ መሬትን ካብ ዝነቕሉ ጎንፅታት ብዝተፈለየ፡ ብሄር ተንከፍ ትህዝቶ ከምዝነበሮም፡ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ካብ ዝረኸቦ

መረዳእታታት ከም ዘረጋገፀ ይሕብር።

ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ሂወት 18 ሰባት ጠፊኡ

ተመራማሪ ማሕበረሰባዊ ስነ-ሰብ ኣይተ ፈቃዱ፥ ብመሰረት ፖለቲካዊ ኣወዳድባ እዛ ሃገር፡ ዶባት ብሄር እውን ፖለቲካዊ ዶባት ብምዃኖም፡ ኣብ ሞንጎ እቶም ማሕበረሰብ ዘሎ መንፈስ ንሕንሕ ክልላዊ ትሕዝቶ ከምዝህልዎ ገይሪ'ዩ ኢሎም ይምጉቱ።

ነዚ ከም መርኣይ ዘልዕልዎ፡ ቅድሚ ሐዚ ኣንፃራዊ ዝኾነ ሰላማዊ ዝኾን ርክብ ዝነበሮም ኦሮሞ ኣርሲን ዓሌታት መጎሃሃርቲ ዝኾኑ ይመስሉ።

3. ሕማም ርእሲ ውሳነ ህዝቢ

ንተማራማሪ ፈቃዱ ኣዱኛ ንጎንፅታት ዶብ ከባብታት ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምሃብ ኣብ ዝገበሮ ምንቅስቓስ፡ ውሳነ ህዝቢ ምክያዱ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዘየገናዘበ እዩ።

መብዛሕትኦም ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣርባሕቲ እንስሳ ስለ ዝኾኑ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እዮም ዝንቀሳቐሱ ። እዚ ድማ ዶባት እተን ክልላት ብግቡእ ንምጥራር ከቢድ ይገብሮ።

ንዝተኻየደ ውሳነ ህዝቢ ስዒቡ ክፍጠር ዝኽእል ህውከት ብምስጋእ ኣስታት 21 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ሶማሊያውያን ካብ መረበቶም ምምዝባሎም ፀብፃብ ፕሮጀክት ተመዛብልቲ (ፕሮጀክት አይ.ዲ.ፒ ) ይገልፅ።

ካብ ሞንጎ እዚኦም ኣስታት ፍርቂ ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ኣፍዴራ ተዓቚቦም ከም ዝነበሩ ዝፍለጥ እንትኸውን፡ እቲ ውሳነ ህዝቢ ነቲ ግርጭት ከም ዘጋደዶ እዚ ፀብፃብ ይሕብር።

ናይ ምስሊ መግለጺ ጎንፂ ዶብ ስዒቡ ብዙሓት ነበርቲ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎመ።

4. ሞትን ምምዝባልን

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝተጋደደ ጎንፂ ዘተኣናገደት ከተማ መኢሶ፡ ከምኡ ዓይነት ምውጣጥ ክትርኢ ነመጀመርታኣ ኣይኮነን። ብ1997 ዓመተ ምሕረት ኣብ ዝተኻደ ህዝበ ውሳነ ኣብ ከባብታት መኢሶን ቦርዳዴን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝፀሩ ሰባት ንክመዛበሉ ዘገደደ ጎንፅታት ኣጋጢሞም ይብል ፀብፃብ ፕሮጀክት አይ.ዲ.ፒ ።

ኣብ 2005 ድማ፡ ኣብ ከባቢ ሞያሌ ኣብ ዝተወልዐ ጎንፂ ክልቲኦም ብሄራት፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ዜጋታት ተመዛቢሎም ንኬንያ ምእታዎም ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬንያ ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብቲ እዋን'ቲ ከም መንቀሊ እዚ ጎንፂ ኾይኑ ዝተገልፀ ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብ ኦሮሞ ቦረናን በጋሪ ሶማሌን ጎንፂ መጋሃጫ መሬት ምፍጣሩ እንትኸውን፡ እዞም ጎንፅታት ኣብ ብሄር ዘድሃቡ ከም ዝኾኑ እውን ተሓቢሩ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ለካቲትን መጋቢትን ኣብ ከባብታት ነገሌን ቦረናን ጥራሕ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሰባት ግዳያት ሞት ከም ዝኾኑ፡ ሓደ በዓል ሞያ በይነመንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ንጋዜጣ ዘ ጋርድያን ተዛሪቦም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን'ቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣይተ ኃይለማርያም ደሳለኝ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስመዕዎ ዘረባ መንቀሊ'ቲ ጎንፂ ብሄር ተንከፍ እዩ እንተዘይበሉ እውን ብጋህጺ (መጋሃጫ) መሬትን ማይን ከምዝተልዓሉ እውን ኣይተዛረቡን። የግዳስ ንሹመኛታት ፖለቲካ እዮም ወቒሶም።

5. ማህበረ-ባህላዊ ኣፈላላያትን ሓድነታትን

ህዝብታን ኦሮሞን ሶማሌን ካብ ምብራቓዊ ዘርኢ ዓሌት ቋንቋ ኩሽ ዝመጽኡ ኮይኖም፤ ኣብ ሞንጎ ሶማሌ ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ዝተስፋሕፈሐሎም ከባብታት ኦሮምያን ሰናይ ዝበሃል ርክብ ተመስሪቱ ምፅንሑ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ፈቃደ፡ ኣብ ባሌ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ሸኽ ሑሴን ብህዝብታት ክልቲኤን ክልላት ከም ቅዱስ ቦታ ከም ዝውሰድ የዘኻኽሩ

ይኹን እምበት ኣባላት ብሄር ሶማሌ ብኣውርኡ ኣብ ግመል ዘድህቡ ኣርባሕቲ እንስሳ እንትኾኑ፤ ኣብ መዳውብቲ ከባቢታት ዝርከቡ ኣርባሕትን ክፋል ኣርባሕትን ኦሮምያ ድማ ኣብ ከፍቲ የድህቡ።

"እቲ ቐንዲ ሕቶ፡ እቲ ረፈረንዱም ብኸመይ እዩ ተኻይዱ ዝብል ኪኸውን እንከሎ፡ " ብወገን ሶማሌ ዝለዓል ሕቶ ከኣ፡ ኣብቲ ረፈረንዱም ዝተኻየደሉ እዋን ክልል ሶማል ርእሰ ምምሕዳር ከረጋግጽ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ስለዝነበረ፡ ብዙሕ ቦታታት (ግዝኣት) ተወሲዱኒ እዩ ዝብል ሕቶታት ኣለዎ።" ይብሉ ሓደ ስሞም ክፅራሕ ዘይደለዩ ተመራማሪ ፖሊቲካ።

"ህዝብታት ሶማልን ኦሮሞን ብሓባር ዝነብሩ መዋስብቲ እኳ እንተኾኑ ሕቶ መንነት ብቐሊሉ ኣይረአን እዩ" ዝበሉ እቶም መምህር፡ ዋላኳ እቲ መሬት ዶብ እንተተገብሮን እንተተፋላለየን ሕጂ እውን ክልቲኦም ህዝብታት ብሓባር ዝንቀሳቐስሉሞ ከተማታት ኣለው። እቲ ቐንዲ ክሕተት ዘለዎ ሕቶ፡ እዚ ኩሉ ህዝቢ ክመዛበልን ሃሃልቕን እንከሎ፡ ንብረቱን ህይወቱን ክስእን እንከሎ ፈደራላዊ መንግስቲ እንታይ ይገብር ነይሩ? እንታይ ምላሽ ኣለዎ? ኢድካ ኣጣሚርካ ምርኣይ ጥራሕ?" ይብሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት