ሆቦብላ ማሪያ ኣብ ደሴታት ካሪብያን ሓደገኛ ማዕበል ከኸትል'ዩ

ወታደራት ኣሜሪካ ካብ ደሴት ቨርጂን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ወፂኦም እዮም Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ወታደራት ኣሜሪካ ካብ ደሴት ቨርጂን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ወፂኦም እዮም

ሆቦበላ ማሪያ ኣብ ደሴታት ካሪብያን ሓደገኛ ሳዕቤን ከኸትል ከም ዝኽእል ይግለፅ ኣሎ።

ሓበሬታ ማእኸል ትንበያ (ምርምር) ሆቦብላ ኣሜሪካ፥ እዚ ሆቦብላ'ዚ ኣብ ሓደገኛ ዓይነት ምደብ ከምዝስራዕ ሓቢሮም። ሆቦብላ ማሪያ ፡ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ኣብ ደሴታት ካሪብያን ክበፅሕ'ዩ።

ሆቦብላ ማሪያ፡ እቲ ኣብዚ ወርሒ እዚ፡ ጠንቂ ብዙሕ ብርሰት ዝኾነ ሆቦብላ ኢርማ ብዝመፀሉ መንገዲ'ዩ ዝጓዓዝ ዘሎ።

እዚ ኣስታት 37 ሰባት ዝቐዘፈን ብቢልዮናት ዶላር ዝቑፀር ሃፍቲ ዘባደመን ሆቦብላ ኢርማ ቅድሚ ምምፅኡ፡ ቅድመ መጠንቀቕታታት ክወሃቡ ምፅንሖም ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ ሓድሽ ሓበሬታ ማእኸል ትንበያ (ምርምር) ሆቦብላ ኣሜሪካ ከም ዝተገለፀ ድማ፡ ሆቦብላ ማሪያ ኣብ ሰዓት 137 ኪሎ ሜትር ዝጓዓዝ ብርቱዕ ሆቦብላ እዩ።

እዚ ሆቦብላ'ዚ ካብ ደቡባዊ ምብራቕ ባርቤዶስ ብምብጋስ ኣብ ሰዓት 140 ማይል ዝጓዓዝ እንትኸውን፡ ሆቦብላ ማሪያ ድማ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ/ ምዕራብ ኣብ ሰዓት 13 ኪሎ ሜትር እንተጓዓዘ እዩ።

" ኣብዚ ትንበያ ሆቦብላ ማሪያ፡ ኣብ ደሴታት ሊዋርድ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ እንትበፅሕ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ባሕርታት ካሪብያን ድማ ሰሉስ ምሸት ክበፅሕ እዩ" ይብል ማእከል ትንበያ (ምርምር) ሆቦብላ ኣሜሪካ NHC።

ኣብ ደቡባዊ ደሴት ሊዋርድ ዝርከባ ኣንቲጉን ቤርቡዳን፡ መጀመርታ ሆቦብላ ማሪያ ዝጥቀዓ እየን። እዘን ደሴታት እዚኣተን ብኢርማ ከም ዝውቀዓ እውን ተገሊፁ ነይሩ'ዩ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ሆቦብላ ማሪያ፡ ኣብተን ኣቐዲመን ዝተሃሰያ ከባቢታት እውን እናተዘዋወረ ከጥቅዕ ይኽእል እዩ

እዚ ሓያልን ሓደገኛን ዕልቕልቕ ዝተሓወሶ ሆቦብላ፡ መጠን ማይ ደሴታት ሊዋርድ ካብ 5 ክሳብ 7 ሜትሮ ክብ ከም ዘብሎ ተሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ማእከል ትንበያ ኣብ ደቡባዊን ማእከላይን ደሴታት ሊዋርድ፡ ኣብ ፔርቶ- ሪኪ፣ ኣሜሪካ ፣ ኣብ ኢንግሊዝ ደሴታት ቨርጂን ድማ 20 ኢንች (51 ሴንቲ ሜትር) ዝልካዕ ሓያል ዝናብ ከም ዝዘንብ ማእከል ሓበሬታ ትንበያ ኣሜሪካ ይገልፅ።

እዚ ሓያል ዝናብ 'ዚ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ጥፍኣት ከስዕብ ከም ዝኽእል ድማ የጠንቅቕ።

ኣብዚ ወርሒ'ዚ ሆቦብላ ኢርማ፡ ክልተ ሲሶ ኣብ ዳች ዝርከቡ ገዛውቲ ሴንት ማርቲን ብምዕናው፡ ካብ ግልጋሎት ሓይሊ ኤለክትሪክን ዝሰተ ማይን ወፃኢ ከም ዝገበረ ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ሴንት ማርቲንን ሲንት በጋርትስን ብዝበፅሐ ሓደጋ፡ ኣስታት 1.2 ቢልየን ዩሮ ሓገዝ ከም ዘድሊ ገሊፁ ነይሩ።

ሆቦብላ ኢርማ፡ ኣብ ኩለን ከባብታት ደሴታት ቨርጂን እውን ተስፋሕፊሑ ነይሩ።

እዚ ሆቦብላ'ዚ ኣብ ኣሜሪካ እውን 11 ሰባት ዝቐተለ እንትኸውን፡ ኣብ ፍሎሪዳ፣ ሰሜንን ደቡብን ካሎሪና፣ ጆርጂያን ኣስታት ሽድሽተ ነጥቢ ትሽዓተ ሚልዮን ሓይሊ ኤለክትሪክ ገዛውቲ ኣዕንዩ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ጆሴ ዝበሃል ካልእ ዓይነት ሆቦብላ ኣብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ይረአ ኣሎ ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት