ወፍሪ ፀረ ብልሽውና ኢትዮጵያን መልእኽቱን

ህንፀት መንገዲ ባቡር ከተማ ኣዲስ ኣበባ Image copyright CARL DE SOUZA
ናይ ምስሊ መግለጺ መንገዲ ባቡር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምቅላል ግልጋሎት መጉዓዝያ እታ ከተማ ዓብዪ ብፅሒት ኣለዎ።

ብቢልዮናት ዝቑፀር ሃፍቲ ህዝቢ ብምጉዳል ዝተጠርጠሩ 34 ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፣ ደለልትን ነጋዶን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ዕላዊ ካብ ዝኾነሉ እዋን ጀሚሩ፡ ምስ ጉዳይ ብልሽውና ተተሓሒዙ ዝእሰሩ ሰበስልጣንን ነጋዶን ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ንደሓር፡ ቐንድን ኣዘራራብን ጉዳይ ኮይኑ ጸኒሑ ክሳብ ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ምኽምባት (ምውዳእ) ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመረ ወፍሪ ምትሓዝ ብግዕዝይና ዝተጠርጠሩ ሰበስልጣንን ነጋዶን፡ ከምቲ ዝጀመሮ ዝቐጸለ ኣይመስልን።

ኣብ ዝተፈላዩ እዋናት፡ ካብ ትካላት መንግስትን ካልእን ከቢድ ብልሽውና ፈፂሞም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት፡ ናብ ቤት ፍርዲ ይቐረቡ እዮም።

ካብ ሞንጎ እዚኦም ድማ ኣብ ላዕለዋይ ብርኪ ስልጣን መንግስቲ ካብ ዝርከቡ ሓለፍቲ፡ ሚኒስትር ዲኤታ ኢኮኖምን ገንዘብን ኣይተ ኣለማዮ ጉጆ ሓደ እዮም። ኣባል ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዝነበሩ ኣይተ ኣለማዮ፡ ሓላፍነቶም ዘውሕሶም ዝነበረ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ተላዕሊ እዩ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።

ሕጂ እውን ወፍሪ ጸረ ብልሽውና ይቕጽልን፡ ብጥርጠራ ዝተታሕዙ ክሱሳት ናብ ቤት ፍርዲ ይቐርቡን ስለዘለው፡ መንግስቲ ብልሽውና ንምቅላስ ዝኣተኹዎ ቃል ብምኽባር ሰፊሕ መፅናዕትን እኹል ምድላውን ገይረ ምእካብ ክራይ ብልዑል ናህሪ ጀሚረ ኣለኹ ይብል።

ምስ ስልጣን ተተሓሒዙ ግጉይ ኣመለኻኽታ ከም ዘሎ ዝኣምን ቤት ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ተሓታትነት ንምስፋን ኢሉ 'ውን ጥፍኣተኛታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንምቕራብ ኣብ ስራሕ ከም ዝርከብ ይገልፅ።

ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ብምትሕብባር ቢሮ ምርመራ ፖሊስ ፌደርኢን ዓቃቢ ሕግን ይውስድ ኣሎ ኣብ ዝተብሃለ ስጉምቲ፡ ብዙሓት ነቐፍቲ ዘለዎም ጥርጣረ እናገለፁ እዮም።

ኣብ ውፅኢታውነት እዚ ወፍሪ ሕቶ ዘልዕሉ ከም ዘለዉ ኩሉ፡ ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ምስ ነባራዊ ኩነታትት እታ ሃገር ዘተሓሕዙ እውን ኣይጠፍኡን።

ብድሆ ግዕዝይና

ልዕሊ 70 ኣብ ዝኾኑ ትካላት መንግስትን ውልቀን ኦዲት ብምግባር ልምዲ ዘኻዕበቱ በዓል ሞያ ፋይናንስን ኣተሓሕዛ ሒሳብን ኣይተ ኣብዱልመናን መሓመድ፡ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝፀንሕሎም ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ግዕዝይና እናተስፋሕፍሐ ከም ዝመጽአ ኣስተውዒለ ይብሉ።

እዚ ድማ ካብ ንእሽተይ ጉቦ ጀሚሩ ክሳብ ልዑል መጠን ገንዘብ ከምዘጠቓልል ይገልፁ።

ምምሕዳርን ኣዋሃህባን ውዕል ስራሕን፡ ምምሕዳር መሬትን ግብርን ድማ፡ ብልዑል ደረጃ ስርቂ ካብ ዝፍፀመሎም ዘርፍታት እዮም።

ቀንዲ ዕላምኡ ኣብ ግዕዝይናን ተተሓዝቲ ገበናትን ብምግባር ዝቃለስ ዓለም ለኻዊ ቤት ፅሕፈት ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ጨንፈር ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝህነፁ ፕሮጀክታት ስራሕቲ መንገዲ ብምንቃስ፡ መርኣያ ብልሹው ኣሰራርሓ ምዃኖም ይገልፅ።

ኣብዚ ወፍሪ እዚ፡ መንግስቲ፡ በሪ በዓል መዚ መንገዲ ኣዲስ አበባ ምኹሕኩሑ ድማ "ዝበረታታዕ" እዩ ኢሉ።

ሚኒስቴር ጉዳይ ኢኮኖምን ገንዘብን፣ ምምሕዳር ልምዓት ኣባይቲ ከምኡ እውን ኮርፖሬሽን ሽኮርን ካልኦትን፡ ሓለፍቲ ስራሕ ጋዕዝዮም ተባሂሎም ኣካየድቲ ስራሕ ዝተኣሰሩሎም እዮም።

ንብረት ተጠርጠርቲ ካብ ምእጋድ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝተፈላለዪ ክልላት እውን ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሓለፍቲ ብጥርጣረ ግዕዝይና ተኣሲሮም እዮም።

Image copyright CARL DE SOUZA
ናይ ምስሊ መግለጺ ጉዳይ ህንፀት መንገዲ፥ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሞንጎ ብነበርቲ ዝለዓሉ ሕቶታት ሓደ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ብግዕዝይና ትፍተን ዘላ ሃገር ከም ዝኾነት ድማ፡ ናይ 2016 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ፀብፃብ 'መለክዒ ምልከታ ህዝቢ ኣብ ግዕዝይና' ከም መረጋገፂ የቕ

ብመሰረት እዚ መለክዒ፡ ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ 176 ሃገራት መበል 108 ደረጃ ብምሓዝ፡ ኣብ ተርታ "ብግዕዝይና ዝተቖማጥዓ" ሃገራት ትርከብ።

ብንፅህና ግዕዝይና 34% ጥራሕ እያ ከተመዝግብ ኪኢላ። ብመሰረት እዚ መለክዒ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ማእኸላይ ደረጃ እታ ሃገር ከባቢ 109 እዩ ነይሩ።

ከም ኣገላልፃ ኣብዱልመናን፡ ቀንዲ ምኽንያት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ምስፍሕፋሕ ግዕዝይና፡ መንግስቲ ኣብ ምጣነ ሃፍቲ ብሰፊሑ ኢዱ ምእታዉ እንትኸውን፡ ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ናይ ምቁፅፃር ሓላፍነት ዘለዎም ትካላት ብጣዕሚ ድኹማት ምዃን እውን ልዑል እጃም ኣለዎ።

"ኣብ ጉዳያት ምምሕዳር ዘሎ ኣድላይ ዘይኮነ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት" 'ውን ንግዕዝይና መንገዲ ዝኽፈት'ዩ ይብሉ።

"ፈኸራ ጥራሕ"

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውልቀ ትካል ንግዲ ተቖፂሩ ዝሰርሕ ብሩክ ዘለኣለም፡ መንግስቲ ግዕዝይና ንምቕራፍ ልባዊ ድሌት ኣለዎ ኢሉ ከም ዘይኣምን ይገልፅ። "ኩሉ ግዜ ፀገምና ፈሊጥናዮ ኢና ክበሃል ንሰምዕ፤ ሓደ ሰሙን ይዋዓዋዕ'ሞ ድሕሪኡ ድማ ይርሳዕ" ይብል።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ዝዋዓዋዕ ዝነበረ ወፍሪ ምጽራይ ግዕዝይና፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ምዝሓሉ እዚ ጉዳይ "ፈኸራ ጥራሕ" ከም ዘምሰሎ ይዛረብ።

ኣይተ ኣብዱልመናን ሱር ዝሰደደ ፀገም ግዕዝይና እታ ሃገር ብወፍሪ ምቕራፍ ይከኣል'ዶ ኣብ ዝብል ጉዳይ ድማ ሕቶ የልዕሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኃይለማርያም ደሳለኝ፡ ግዕዙያት ኣብ ምሓዝ ዘድሃበ ጉጅለ ምርምራ ምጥያሹ ኣብ ዘፍለጡሉ እዋን፤ መንግስቶም፡ ብዘይኣግባብ ስልጣኖም ንውልቀ ረብሕኦም ኣብ ዘውዓሉ ሰበስልጣናት ስጉምቲ ከምዝወሰድ ቃል ኣትዮም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ኣስታት 130 ውልቀ ሰባት ብግዕዝይና ተጠርጢሮም ከምዝተኣስሩ ዝዝከር እዩ።

እዞም ስጉምትታት ካብ ወትሩ ብዝተፈለየ ደጋዊ ድፍኢታት (ፀቕጥታት) ከምዘለዎም ዝካትዑ ኣብዱልመናን፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኣብ ፍሉይ ከባብታት እታ ሃገር ተወሊዖም ዝነበሩ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ኣብ መንግስቲ ፅዕንቶ ከም ዘሕደሩ ይኣምኑ።

ግዕዝይና፡ ፈጠራ ስራሕ፣ ጥንካረን ሓቀኛ ንሕንሕን ብምድኻም፡ ኣብ ምጣነ ሃፍቲ እታ ሃገር ከቢድ ሓደጋ እናንፀላለወ እዩ ዝብሉ እዞም በዓል ሞያ፡ ትካላዊ ድኽመትን ፖለቲካዊ ወገናውነትን መግለፂኦም ዝኾኑ ኣብያተ ፍርዲ፡ ናይ መንግስትን ውድብን ደረት ብምትሕውዋሱ፡ ፖለቲካዊ ህውከት እናተራእየ እዩ በሃሊ እዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት