ህቦብላ ማሪያ ንደሴታት ካሪብያን የዕንወን ኣሎ

ምስሊ ህቦብላ ማሪያ ኣብ ደሴት ጓድሎፕ Image copyright AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ህቦብላ ማሪያ ደሴት ፈረንሳይ ጓድሎፕ ኣጥቂዑ።

ህቦብላ ማርያ ኣብ ሰዓት 250 ኪሎሜትር እናተጓዓዘ ንደሴታት ካሪብያን የጥቅዐን ኣሎ።

ህቦብላ ማሪያ ካብ ዶሞኒካ ናብ ጓድሎፕ ብምቕፃል፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀር ህዝቢ፡ ካብ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ወፃኢ ክኾኑ ገይሩ ኣሎ። እቲ ከባቢ ድማ ብዕልቕልቕ ማይ ተመሊኡ'ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶሞኒካ ሪፐብሊክ ሩዝቬልት ስከሪት፡ ዶሞኒካ ብከቢድ ህቦብላ ማሪያ እናተፈተነት ምዃና ኣብ ፌስቡክ እናገለፁ እዮም።

" ገንዘብ ክዕድጎ ዝኽእል ነገራት ኩሉ ዓንዩና" ይብሉ ኣብ መረባ ፌስቡኮም።

ህቦብላ ማሪያ ንደሴት ካሪቢያን ቅድሚ ምጥቅዑ ድንገት ናብ ዝለዓለን ኣዕናውን ደረጃ ተጠናኺሩ።

ቅድም ክብል እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ኣብ መረባ ፌስቡኮም ላዕለዋይ ክዳን ገዝኦም ተገንፂሉ፣ መንበሪ ገዝኦም ብዕልቅልቅ ማይ ተመሊኡ፡ ካብ ተፈጥሮ ምሕረት ኣብ ዝደልይሉ ኩነት ከም ዝነበሩ ገሊፆም ነይሮም እዮም።

" ሎሚ ንጉሆ ብጣዕሚ ዘፍርሐኒ ነገር፡ ኣብ ህዝብና ኣካላዊ መጉዳእትን ሞትን በፂሑ ዝብል ዜና ምስማዕ እዩ" ክብሉ ካብቲ ዘጋጠሞም ሓደጋ ምስ ወፅኡ ኣብ ፌስቡክ ፅሒፎም።

ህቦብላ ማርያ ንዶሞኒካ ምስ ኣጥቀዐ፡ ኣብ ሰዓት 250 ኪሎሜትር ብምጓዓዝ ናብ ደረጃ ኣርባዕተ ወሪዱ።

ይኹን እምበር ሓበሬታ ሜትሮሎጂ፡ እዚ ህቦብላ'ዚ ናብ ፔርቶ ሪኮን ደሴታት ቨርጂንን እንትጓዓዝ ናብ ልዑል ደረጃ ክውስኽ ከምዝኽእል የመላኽት።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶሞኒካ ሪፐብሊክ ሩዝቬልት ስከሪት፡ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ "መዕናዋይን መደንገፅን" ኢሎሞ።

"ሕዚ ትኹረተይ ንዝተጎድኡ ወገናት ኣብ ምድሓንን ደገፍ ሕክምና ኣብ ምሃብን እዩ"

ማሕበረሰብ ዓለም ህፁፅ ሓገዝ ክገብረሎም ድማ ፀዊዖም።

ደሴታት ካሪብያን ብሓዲሽ ህቦብላ ከይውቀዓ ተሰጊኡ

ማሪያ፡ ኣብ ፔርቶ ሪኮ ከቢድ ሓደጋ ኣስዒቡ

ህቦብላ ማሪያ፡ ህቦብላ ኢርማ ብዝመፀሉ ተመሳሳሊ መንገዲ ዝመፀ እንትኸውን፡ ኣብዚ ወርሒ እዚ ንደሴታት ካሪብያን የጥቅዕ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ እዚ ሓያል ህቦብላ ማሪያ ከጥቅዐን ዝኽእላ ከባታት

ርቶ ሪኮ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ህቦብላ ማሪያ ካብ ሎምዓንቲ ጀሚሩ፡ ካብ ህቦብላ ኢርማ ብዝኸፍአ መልክዑ ከጥቅዕ ስለዝኽእል ንግዳያት እቲ ሓደጋ ክኸውን ዝኽእል ሓገዝ እናዳለወ እዩ።

ኣማሓዳሪ እቲ ግዝኣት ሪካርዶ ሮሴሎ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ናብ ካልእ መፅለሊ ንክወፅኡ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

Image copyright Mark Moriarty
ናይ ምስሊ መግለጺ ነበርቲ ፖርተሪኮ ህቦብላ ማሪያ ብምፍራሕ ዘድልዮም ኩሉ ቀዲከሞም ዓዲጎም እዮም።

ደሴታት ቨርጂን ኣሜሪካን ቨርጂን ኢንግሊዝን ፡ ክልቲአን ደሴታት ብህቦብላ ኢርማ ሓደጋ ኣጋጢምወን'ዩ፡ ሕዚ ድማ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንግዝኣታት ኣሜሪካ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ኣዊጆም።

መንግስቲ ኢንግሊዝ እውን ህቦብላ ኢርማ ዘስዓቦ ዕንወት ከይሓወየ፡ ተወሳኺ ህቦብላ ማሪያ ከየጋጥም ኣብ ስግኣት ይርከብ።

ኣብ ከባቢታት ሴንት ኪትን ነቪስን፣ ሞንቴሰራትን ሴንት ሉሲያን፣ ኣሴንት ማርቲን፣ ሳባ፣ ሴንት ኡስታትዩስን ኣንጉላን፡ ሓያል ህቦብላ ከጋጥም ከምዝኽእል መጠንቀቕታት እናተውሃቡ እዮም።

ካብዘን ደሴታት ገሊአን ብህቦብላ ኢርማ ተጠቒዐን ዝነበራ እንትኾና፡ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዳግማይ ህንፀት ይርከባ። በዚ ህቦብላ ኣስታት ህይወት 37 ሰባትን ብቢልዮን ዶላራት ዝቑፀር ሃፍቲ ጠፊኡ እዩ።

ቅድሚ ሐዚ ብህቦብላ ኢርማ ዝተጠቕዓ ኣብ ደሴታት ሊዋርድ ዝርከባ ኣንቲጓን ባርቤዳን እውን፡ ኣብ ስግኣት ህቦብላ ማርያ ይርከባ።

ማእከል ትንበያ ህቦብላ ኣሜሪካ፡ መጠን ህቦብላ ማሪያ፥ ትማሊ ካብ ዝነበሮ ደረጃ ክልተ ናብ ደረጃ ኣርባዕተን ሓሙሽተን ክዓቢ ከም ዝኽእል ገሊፁ እዩ።

Image copyright YVES THOLE/AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ብርክት ዝበሉ መንበሪ ኣባይቲ ብህቦብላ ማሪያ ተዕለቕሊቖም።

ህቦብላ ማሪያ፥ ህይወት ዘጥፍእ ሓያል ዝናብ ከስዕብ ከምዝኽእል እውን ሓበሬታታት ሜትሮሎጂ የመላኽቱ።

ግዝኣት ኢንግሊዝ ዝነበረት ዶሞኒካ፡ 72 ሽሕ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ እንትትኸውን፡ ኣስታት ፍርቂ ህዝባ ኣብ ጓድሎፕን ማርቲንክን ይርከብ።

ከም ሓበሬታ ማእከል ትንበያ ህቦብላ ኣሜሪካ፡ እዘን ደሴታት ካብ ሎምዓንቲ ጀሚሩ ሓደጋ ህቦብላ ማሪያ ከምዘጋጥመን የጠንቅቕ።

ኩሎም ወደባትን መዕርፎ ነፈርትን ዶሞኒካ እውን ተዓፅዮም እዮም። ኣብተን ዝተሰግአለን ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት እውን ናብ ዝተኸለሉ መፅለልታት ክኸዱ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ኣሎ።

ህቦብላ ማሪያ፡ ብህቦብላ ኢርማ ንዝተጠቕዓ ደሴታት ዳግማይ ከም ዘጥቅዕ ተገሊፁ።

መንግስቲ ኢንግሊዝ ኣብ ደሴታት ቨርጂን ብህቦብላ ኢርማ ንዝተጠቕዑ ሰባት ንምሕጋዝ፡ ኣስታት 1300 ወታሃደራት መዲቡ።

ህቦብላ ኢርማ፡ ንኣሜሪካ እውን ዘጥቀዐ እንትኸውን፡ ብዙሓት ግዳያት ሞት ክኾኑ፡ ኣስታት ሽድሽተ ነጥቢ ትሽዓተ ሚልየን መንበሪ ኣበይቲ ከባብታት ፍሎሪዳ፣ ሰሜንን ደቡብን ካሎሪና፣ ኣልባማን ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣትሪፍወን እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት