መረፃ ኬንያ፡ ኣብ ዝመፅእ ጥቅምቲ ንዝካየድ መረፃ ዘሳልጥ ቴክኖሎጂ ድልው ኣይኮነን

ምስሊ ራይላ ኦዲንጋ ዝሓዘ ዓብዪ ሰደቓ ይሰቅል ዘሎ ሰብ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ዝሓለፈ መረፃ ናብ ቤት ፍርዲ ዘብፅሕዎ ክሲ ዕውት ገይርዎም።

ኣብ መረፃ ዘገልግሉ ናውቲ ዘቕርብ ትካል፥ እቶም ቴክኖሎጂታት ንዳግማይ መረፃ ኬንያ ብእዋኑ ከምዘይበፅሑሉ ኣፍሊጡ።

ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ኡሁሩ ኬንያታ ምዕዋቶም ዕላዊ ተገይሩ'ኳ እንተነበረ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ግን ምዕሩይ ዘይምንባሩ ብምግላፅ ውድቂ ገይርዎ እዩ።

ኦቲ-ሞርፎ (OT-Morpho) ዝተብሃለ ፈረንሳዊ ኩባንያ 17 ጥቅምቲ ንዝካየድ ዳግማይ መረፃ ዘድልዩ ቴክኖሎጂታት ክገጥም ድልየት ኣለዎ።

ኮይኑ ግን ይብል "ወሰንቲ ዝበሃሉ ስራሕቲ" ብእዋኑ ኣይክዛዘሙን።

እቲ ኩባንያ ክፍጠር ዝኽእል ምድንጓይ ዝገልፅ ደብዳበ ናብ ኮሚሽን መረፃ ኬንያ ከም ዝለኣኸ ኤጀንሲ ዜና ሮይተርስ ሓቢሩሎ። ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ኮምሽን ድማ ብዛዕባ'ቲ ክፍጠር ዝኽእል ምድንጓይ ንቢቢሲ መረጋገፂ ሂቦም።

18 መስከረም ዝተፅሓፈ ደብዳበ ከምዘመልክቶ ኣብቲ ዝሓለፈ መረፃ ዘገልገሉ ክልተ ቴክኖሎጂታት መረፃ ዳግማይ ክግጠሙ እዮም።

ብኣሰር ኣፃብዕቲን ስእሊን፥ ዝመረፀን ዘይመረፀን ሰብ ንምፍላይ ዝሕግዛ ልዕሊ 45,000 ኣናኣሸቱ ኮምፒተራት እውን ኣብ እዋን መረፃ ቀሪበን ነይረን እየን።

እተን ፍሉያት ኮምፒተራት ውፅኢት ኣብ ምፍናው ዝህሉ ከይዲ ውሑስ ኣብ ምግባር ከምዝሕግዛ ኩባንያ ኦቲ-ሞርፎ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሂብዎ ኣብ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ኮይኑ ግን ኣብ ምፍናው ዝነበረ ከይዲ ምዕሩይ ዘይምንባሩ ብቤት ፍርዲ ካብ ሞንጎ ዝተልዓሉ ፀገማት እዮም። ቤት ፍረዲ ንተወሰኽቲ ጉዳያት ዝህቦ ውሳነ ክሳብ ድሕሪ ፅባሕ ሓሙስ'ዩ ትፅቢት ዝግበር።

ኣብቲ ቴክኖሎጂ መረፃ ካብ ዘጋጠመ ፀገም ብተወሳኺ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ናሳ - ራይላ ኦዲንጋ ኣብቲ ዳግማይ መረፃ ንዝህልዎም ተሳትፎ ቅድመ ኩነት ኣቐሚጦም ኣለው።

ዝነበሩ ኣባላት ኮሚሽን መረፃ ወሪዶም ብኻልኦት ክትክኡ እንተዘይተገይሮም፥ ኣብቲ መረፃ ኣይሳተፍን እናበሉ እዮም።

እቲ ኮሚሸን ዓበይቲ ኣብ ዝበሃሉ ፀገማት ምስ ሕፁያት ክልቲኦም ውድባት ንምዝታይ ንፅባሕ ሮብዕ መደብ ሒዙሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት