ናይጀርያዊት ኣሚና ዩጉዳ ቢቢሲ ዘዳልዎ ሸልማት ኮምላ ዱሞር ተዓዊታ

Amina Yuguda
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣሚና ዩጉዳ ኣብ ሰሜን-ምብራቕ ናይጀርያ ዝተረኸበት ጋዜጥኛ'ያ

ተወላዲት ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ፡ ጋዜጠኛ ኣሚና ዩጉዳ፥ ቢቢሲ ዘዳለዎ ሳልሳይ ዙር ሸልማት ኮምላ ዱሞር ተዓዊታ።

ኣሚና ዩጉዳ፡ ኣብ ሓደ ቴሌቪዥን ሃገራ፡ ኣቕራቢት ዜና ኮይና'ያ ትሰርሕ። ንጉዳይ ኣል-ሸባብን ካልእ ዓበይቲ ዜናታትን ሽፋን ብምሃብ ድማ ትፍለጥ።

ካብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ መስከረም ጀሚራ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ለንደን ናብ ዝርከብ ቢቢሲ ክትምደብ'ያ።

እቲ ሽልማት ንዝኽሪ መዋቲ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኮምላ ዱሞር ዝዳሎ እዩ። ኣቕራቢ ዜና ቢቢሲ ኮምላ ብ2014 ዓመተ ምሕረት ኣብ መበል 41 ዓመት ዕድሚኡ'ዩ ዓሪፉ።

ዩጉዳ፡ ነቲ ሸልማት "ዓብዪ ክብሪ'ዩ" ክትብል ገሊፃቶ።

"ብታሕጓስ ተመሊአ ነይረ። ኣቕረብቲ ዜና ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ኣፍሪካ ወሳኒ ግደ ኣለዎም...ንሱ'ዩ መግለፂና። ኣብዚ ሕዚ እዋን ጋዜጠኛታት ነዚ ሓለፍነት እናተሰከሙ እዮም" ትብል።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣሚና ዩጉዳ ሳልሰይቲ ኣፍሪካዊት ጓል-ኣንስተይቲ ተዓዋቲት ሸልማት ኮምላ ዱሞር

ኣብ ቢቢሲ ክትሰርሕ ዕድል ብምርካብ ኣዝያ ሕጉስቲ'ያ።

ንውድድር እንትተመልክት፡

"ብዝተወሰነ መልክዑ ዝተማህሩ ይኹኑ ፈፂሞም ዘይተማህሩ ደቂ-ዓደይ፥ ኣብ ጉዳይ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ኣሜሪካ፣ እምቢተኛነት ሰሜን ኮርያ፣ ብፑቲን እትመሓደር ሩስያ ብዛዕባ ዝህልዋ ርክባት ወፃኢን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ይከታተሉ እዮም" ኢላ።

ዳይሬክተር ኣገልግሎት ቢቢሲ ዎርልድ ፍራንሴስካ ኣንስወርዝ፥ ኣሚና ዩጉዳ 'ቲ ሽልማት ይገበኣ እዩ ኢለን።

" ኩምላ ዝልለየሎም ብቕዓታት ዝወነነ ሰብ እንተተረኺቡ ክብሪ ክንህቦ ይግባእ፡ ምስ ኣሚና ክንሰርሕ ምኽኣልና ድማ ኣዚና ሕጉሳት ኢና"

ቅድም ክብል፡ ዩጋንዳዊት ኣንባቢት ዜና ናንሲ ካኩንጊራን ናይጀርያዊት ጋዜጠኛ ቢዝነስ ዲዲ ኣኪንየሉረን ተዓወትቲ ኮይነን ነይረን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት