ብጸቢብ መንፊት ብልሽውና ዝተታሐዘ በዓል ስልጣን ኖርወይ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብምስግጋር ሐሺሽ ዝተቐየደ ወዲ 60 ዓመት ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ኢሪክ ጀንሰን
ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ብዝወሓደ ብልሽውና ዝፍለጣ ሃገራት፡ ብጉዳይ ሱልኳ ሓሽሽ ንላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ተእቱ።
ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ፓሊስ ኖርወይ፡ ጉቦ ብምቕባልን፡ ንሓደ ዕሉል ኣስላኹ ሓሽሽ ብምትሕብባሩን ን21 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።
ኤሪክ ያንሰን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኦስሎ ሓላፊ ኣንጻር ጥርፍ ገበናት ዝነበረ ኾይኑ፡ ኣብ 2014 እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ትማሊ ሰኑይ፡ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ እቲ ሓላፊ፡ ብቶናት ዝቑጸር ሓሺሽ ናብ ኖርወይ ክኣቱ ንምትሕብባር እንተወሓደ 667 800 ክሮነር ($85000) ዝበጽሕ ብላዕ ከምዝተቐበለ ኣረጋጊጹ።
እቲ ሓላፊ ነቲ ክሲ ከምዝነጽጎን ይግባይ ክብል ምዃኑን ጠበቓኡ ኣፍሊጡ።
እቲ ንያንሰን ዝተበየነሉ 21 ዓመታት ማእሰርቲ፡ ብሕጊ እታ ሃገር ዝፍቀድ ዝለዓለን ሳሕቲ ዝርአን ፍጻሜን እዩ።
ኖርወይ፡ ሓንቲ ካብተን ኣዝዩ ውሑድ ብልሽውና ዘለወን ሃገራት ተባሂላ ብቐጻሊ ዝዝረበላ ሃገር ኮይና እያ። ኣብ 2016፡ ኣህጉራዊ ግልጽነት (ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል) ብዝተባህለ ብልሽውና ዝቋመት ውድብ ዝወጽአ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ነታ ሃገር ኣብ መበል 6ይ ተርታ ዓለም ሰሪዕዋ ይርከብ።
መለለዪ ኮድ 'ሳንሻይን'
ያንሰን፡ ካብ 2004 ክሳብ 2013 ኣብ ዝነበረ ዓመታት 'ካናቢስ ረሲን' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዳርጋ 14 ቶናት ዕጸፋርስ ናብታ ሃገር ንክኣቱ ምትሕብባሩ እቲ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ሰሚዑ።
ኣብቲ ጉዳይ ቀንዲ ምስክር ኮይኑ ዝቐረበ፡ መመሻጥርቱ ዝነበር፡ ጀርመንድ ካፐለን ዝተባህለ ኣስላኹ ዕጸፋርስ ኮይኑ፡ ነቶም ድሮጋት ናብታ ሃገር ከምዘእተወ ብምእማኑ ን15 ዓመታት ማእሰርቲ ተበይንሉ።
እንተኾነ ግን፡ ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃን ኖርወይ ከምዝገለጽዎ፡ ኣምሳያ ናይቲ ንያንሰን ንምቅላዕ ዝገበሮ ምትሕብባር እቲ ናይ 15 ዓመታት ብይን ከምዘጎደለሉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ኦስሎ ከምዝሰምዖ፡ ያንሰንን ካፐለንን፡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ብቴለፎን መልእኽትታት ከምዝተለዋወጡን፡ ገለ ካብኣቶም ብዛዕባ ንጥፈታት ፓሊስን ጉምሩክን ዝምልከቱ ብኮዳት ዝተኸወሉ መልእኽታት ምንባሮም ተረዲኡ።
እቲ ቤት ፍርዲ ከምዝተነግሮ፡ 'ሳንሻይን' ዝብል ኮድ፡ ያንሰን ኣብ ትሕቲ ምክትታል ፓሊስ ከምይ ዘይኣተወን፡ ከይተሰከፈ ነቲ ዕጸፋርስ ናብታ ሃገር ከእቱ ከምዝኽልን ዝተማህዘ መለለዪ እዩ።
ዳኛ ኪም ሀገር፡ ነቲ ብይን ኣብ ዘንበበሉ፡ ኣብ ታሪኽ ሕጊ እታ ሃገር ፍሉይ ዝኾነ፡ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ፡ ኮነ ኢሉ ዕጸፋርስ ናብታ ሃገር ክኣቱ ተሓባቢሩ ኢሉ።
እቲ ጉዳይ፡ ኣብ ኖርወይ ሰፊሕ ኣቓልቦ ከም ዝረኸበን፡ ዓብላሊ ኣርእስቲ ዜና ኮይኑ ከምዘሎን ይግለጽ።

Norway country profile
Provides an overview of Norway, including key events and facts about this north European country.