ኣብ ሜክሲኮ ዘጋጠመ ኣዝዩ ከቢድ ምንቅጥቃጥ መሬት ህንፃታት ኣዕንዪ ጥሪት እውን ኣጥፊኡ

ሰራሕተኛታት ምድሓን ነብሲን ወለንተኛታትን ኣብ ሓደጋ ምንቅጥቓጥ መሬት - 19 መስከረም 2017 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰራሕተኛታት ምድሓን ነብስን ወለንተኛታትን ኣብ ህንፃታት ዝተቐበሩ ሰባት ንምውፃእ ይረባረቡ ኣለዉ።

ኣብ ማእከላይ ሜክሲኮ ዘጋጠመ ኣዝዩ ከቢድ ምንቅጥቃት መሬት ህይወት ልዕሊ 200 ሰባት አሕሊፉ።

ፕረዚደንት እታ ሃገር ኤንሪክ ፔና ነይቶ ከምዝገለፅዎ ንምፍራስ ህንፃ ቤት ትምህርቲ ስዒቡ ልዕሊ 20 ህፃናት እንትሞቱ 30 ድማ ተፀቒጦም ኣለው።

እቲ ብርክት ዝበሉ ህንፃታት ርእሰ ከተማ-ሜክሲኮ ዘዕነወ 7̏.1 ማግኒትዩድ ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብፍርስራስ ህንፃታት ዝተፀቐጡ ተምሃሮ'ውን ህይወቶም ስኢኖም።

ቅድም ክብል ቁፅሪ ዝሞቱ 250 ምብፅሑ እንተተሓበረ'ኳ፡ ካብ ሃገራዊ ድሕንነት ዜጋታት ዝወፀ መረዳእታ ግን ነቲ ቁፅሪ ናብ 217 ይንክዮ።

ግዝኣት ሞርሎስ፡ 71

ግዝኣት ፑየብላ፡ 43

ከተማ ሜክሲኮ፡ 86

ግዝኣት ሜክሲኮ፡ 12

ኦሃካ፡ 1 ከምዝሞቱ ይግልፅ።

እቲ ናይ ሕዚ ሓደጋ፥ ቅድሚ 32 ዓመታት ኣብታ ከተማ ዘጋጠመን ህይወት ኣሽሓት ዝበልዐን ተመሳሳሊ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን እዩ ኣጋጢሙ።

ሜክሲኮ፡ ንምንቅጥቃት መሬት ዝተሳጥሐት ሃገር እያ። ኣብ መእተዊ'ዚ ወርሒ ዘጋጠመ 8.1 ዝዓቐኑ ተመሳሳሊ ሓደጋ ብውሑዱ ንሕልፈት ህይወት 90 ሰባት ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።

ኣስታት ክልተ ሚልዮን ነበርቲ'ታ ከተማ፡ ካብ ኣገልግሎት መብራህትን መስመር ስልኪን ወፃኢ ኮይኖም። ሓደጋ ባርዕ ንከየጋጥም ድማ ዝኾነ ሰብ ኣብ ጎደናታት ሽጋራ ከየትክኽ ሰበ-ስልጣን ኣጠንቂቖም።

ከንቲባ ከተማ ሜክሲኮ ሚጉየል ኣንገል ማንሴራ ከምዝሓበርዎ፥ ሰራሕተኛታት ምድሓን ነብሲ ኣብ 44 ከባቢታት ኣብ ዝርከቡ ብኸቢድ ዝተሃሰዩን ዝዓነውን ህንፃታት ቀዳምነት ብምሃብ እናሰርሑ ይርከቡ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ድሕቲ እቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃት መሬት ዝፈረሰ ህንፃ

ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ሜክሲኮ ብውሑድ ሸሞንተ ተመሃሮን መምህራንን ሞይቶም። ብፍርስራስ ዝተፀቐጡ ተምሃሮ ንምድሓን ልዑል ምርብራብ እናተገበረ እንትኸውን፥ ብርክት ዝበሉ'ውን ምስቶም ኣብ ደገ ዘለው ብማሕበራዊ መራኸብታት ይራኸቡ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ኣብ መስኮት ቴሌቪዥን ቀሪቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕረዚደንት'ታ ሃገር ኤንሪክ ፔና ነይቶ፥ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ከምዝተኣወጀን፡ ሓገዝ ዝህቡ ኣባላት ሰራዊት ከምዝተዋፈሩን ገሊፆም።

ኣብታ ከተማ፥ ሰራሕተኛታት ምድሓን ነብስን ወለንተኛታትን ኣብ ፍርስራስ ዝተፀቐጡ ሰባት ይደልዩ ኣለዉ።

"ባዓልቲ ገዛይ ኣብ ውሽጢ'ያ ዘላ፤ ክረኸባ ኣይከኣልኩን" ይብል ወዲ 33 ዓመት ጁኣን ጋርሲ ኣብ ጥቓ ዝፈረሰ ህንፃ ደው ኢሉ እናነብዐ።

"እንትድውለላ እናመለሰትለይ ኣይኮነትን። ባርዕ ከይለዓል ብዝብል ድማ ስልኪ ከይንድውል እናከልከሉና እዮም" ክብል እውን ተዛሪቡ።

ከተማ ሜክሲኮ ኣብ ዓለምና ፅዑቕ ብዝሒ ህዝቢ ካብ ሞንጎ ዘለወን ከተማታት ሓንቲ'ያ። ንዙርያኣ ሓዊሱ ብሓፈሻ ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ይነብሩላ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት