ህቦብላ ማርያ ንፔርቶ ሪኮ ካብ ቐረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ወፃኢ ገይርዋ

ዝወደቐ መስመር ኤለክትሪክ ኣብ ፔርቶ ሪኮ - 20 መስከረም 2017 Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ማዕበላዊ ህቦብላ ማርያ ንህንፃታት ፔርቶ ሪኮ ኣዕንዩ ንጎደናታት ብፍርስራስ መሊኡ።

በዓል-መዚ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እታ ሃገር ከምዘፍለጦ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ደሴት ቐረብ ፀዓት ዘለዎ ሰብ የለን።

ማእከል መፅናዕቲ ህቦብላ ኣሜሪካ ከምዘፍለጦ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ ውሕጅ ነታ ደሴት የዕለቕልቓ ኣሎ።

ካብ ፔርቶ ሪኮ ዝርሕቕ ዘሎ ማዕበላዊ ህቦብላ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ካልኣይ ደረጃ እናወረደ ይርከብ።

"ንደገ ምውፃእ ኣብ ዝኸኣልናሉ እዋን ደሴትና ዓንያ ክንረኽባ ኢና" ክብሉ ሓደ በዓል ስልጣን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብታ ደሴት ምህማም መሬት ዝፈጠረ ማዕበላዊ ህቦብላ እንተጋጥም፡ ኣብ ውሽጢ ክፍለ-ዘመን ማርያ ፈላሚ'ዩ ተባሂሉ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ንግዳያት ሓደጋ ተፈጥሮ ማርያ፡ 500 ግዝያዊ መፅለሊ ከምዝተዳለወ ተገሊፁ

ኣመሓዳሪ'ታ ግዝኣት ሪካርዶ ሮሴሎ እቲ ከቢድ ሓደጋ ክሳብ ቀዳም ክፀንሕ ከምዝኸእል ሓቢሮም ኣለው።

ሓደጋ ምግጣሙ ዘይተርፍ ምዃኑ ብምሕባር፡ ንግዳያት ዝኸውን 500 ግዝያዊ መዕቆቢ ከምዝተዳለወ ገሊፆም።

እቲ ከቢድ ማዕበላዊ ህቦብላ ኣብ ደሴት ዶሚኒካ'ውን ንሕልፈት ሸውዓተ ሰባት ምኽንያት ኮይኑ'ዩ። ግን ድማ ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብ ሰዓት 225 ኪ.ሜ ዝሕምበብ ንፋስ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ዚንጎታት ገዛውቲ ተገንፂሎም፤ ተኽልታትን መስመራት ሓይሊ ኤለትሪክ እውን ካብ ዝነበርዎ ተነቒሎም እንትኸዱ ዘርእዩ ምስሊታት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሖም ይርከቡ።

75 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ሃገራዊ ዕዳ ዘለዋ ደሴት ፔርቶ ሪኮ፡ እቲ ሕዚ ዘጋጠማ ሓደጋ ማርያ ናብ ዝኸፍአ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ከእትዋ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ።

ህቦብላ ማርያ ኣብዚ ዓመት'ዚ ንካሪብያን ዝወቕዐ ካልኣይ ዓይነት ማዕበላዊ ህቦብላ እዩ። ቅድም ክብል፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ መስከረም ብደረጃ ሓሙሽተ ዝግለፅ ኢርማ ዝተብሃለ ህቦብላ ተመሳሳሊ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ኣስዒቡ ነይሩ'ዩ።