"ናምቢያ" ኣበይ ትርከብ? ፕረዚደንት ትራምፕ ሓዳሽ ኣፍሪካዊት ሃገር ፈጢሮም

ትራምፕ ምስ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ኣልፋ ኮንዴን ምኽትል ፕረዚደንት የሚ ኦሲንባጆን Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ኣፍሪካውያን መራሕቲ ኣብ ወርሒ ግንበት ኣብ ዝተቓንዐ ጉባኤ ኣባላት ጉጅለ-7 ተራኺቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ ሮቡዕ ምስ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ኒውዮርክ ምስተራኸቡ "ስርዓት ጥዕና ናምቢያ ዓርሰ (ርእሰ) ምርኮስኡ እናደልደለ እዩ" ክብሉ ተዛሪቦም።

እዚ ድንግርግር ዝተፈጠረ ድማ ብዛዕባ ዕውት ስራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ክዛረቡ እንከለዉ'ዩ። ኮይኑ ግን በቲ ስም'ቲ እትፍለጥ ሃገር የላን። ነይራ ከኣ ኣይትፈልጥን።

እቶም ፕረዚደንት፡ ምናልባት፡ ናሚብያ፣ ዛምቢያ ወይ ድማ ጋምቢያ ክብሉ'ዶ ደልዮም ይኾኑ?

ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ነቲ ጉዳይ መዘራረቢ ምግባሮም ኣይተረፈን። ዝተፈላለዩ ግምታት ኣብ ምሃብ ከኣ ይርከቡ።

ገለ ተጠቀምቲ ትዊተር 'ውን ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ብዛዕባ ኣፍሪካ "ልዑል ዓቕሚ ቢዝነስ" ምህላው ንዝሃብዎ መግለፂ ተቓዊሞም።

ትራምፕ፡ "ብዙሓት ሰባት ሃብቲ ክድልቡ ናብ ሃገራትኩም እናኸዱ፡ ብርክት ዝበለ ገንዘብ የፍሰሱ ኣለዉ'ሞ እንኳዕ ሓጎሰኩም ክብል እደሊ...። " ኢሎም።

"እዚ ንዘሎ ሰፊሕ ኣማራፂታት ዕዳጋ 'ይውክል'...ክኽየድ ዝግባእ ቦታ እናኾነ ከአ'ዩ" ክብሉ ድማ ሓሳቦም ሂቦም።

እቶም ፕረዚደንት "ናምቢያ" ካብ ዝብል ኣዘራራቢ ቃል ሓሊፉ፡ ረብሓ ዘለዎም ነጥቢታት ከምዘልዓሉ ብምሕባር ደገፎም ዝገለፁሎም እውን ኣይተሳእኑን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት