ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌ ኢትዮጵያን ጭናክሰን ኣብ ዝተብሃለ ወረዳ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 22 ሰባት ህይቶም ሓሊፉ።

ካርታ ዶባት ኦርሚያን ሶማሌን
ናይ ምስሊ መግለጺ መራሕቲ ክልቲኤን ክልላት ንሰላም ከምዝሰርሑ ድሕሪ ምዝራቦም መጥቃዕቲ ተፈፂሙ።

ርአሰ ምምሕዳራት ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ሰላም ንምዕሳል ከምዝሰርሑ ዝሓለፈ ሰንበት ተዛሪቦም ነይሮም። ኮይኑ ግን ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ጭናክሰን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንሕልፈት ህይወት 22 ሰባት ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።

ኣብ ዘካየድናዮ ምፅራይ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ኣብታ ወረዳ 22 ሰባት ከምዝተቐተሉ፣ 33 ከምዝቖሰሉን 86 ኣባይቲ ሓረስቶት ብሓዊ ምቅፃሎምን ተፈሊጡ'ሎ።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ጭናክሰን ኣይተ ጀማል ሙሳ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመ ንክልል ሶማሌ ሰጊሮም ብዝመጽኡ ዕጡቓት ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኦሮሚያ ብሮድካስት ኔትዎርክ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጣብያ ቴሌቪዥን፡ ዘዘራረቦም ሓላፊ ፀጥታ'ቲ ወረዳ፥ እቲ መጥቃዕቲ ብፍሉይ ሓይሊ'ዩ ተፈጺሙ ኢሎም።

ኣይተ ጀማል ወሲኾም ከምዝሓበርዎ እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ክንዲ ዝዝሕል እናተጉሃሃረ ይመፅእ ምህላዉን፡ ቁፅሪ እቶም መጥቃዕቲ ዝፍፀሙ ኣካላት ይውስኽ ምህላውን ሓቢሮም።

መራሕቲ ክልትኤን ክልላት ንሰላም ክንሰርሕ ኢና እንተበሉ'ውን ገና ጎንፂ ይቕጽል ኣሎ።

ጋዜጠኛ ኦሮሚያ ብሮድካስት ኔትዎርክ ኣብ ወረዳ ጭናክሰን፡ ይቃፀል ዝነበረ ገዛ ዝረኣየ እንትኸውን፡ ብጥይት ዝተወቕዑ ሰባት እውን ኣዘራሪቡ ነይሩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ልዕሊ 86 ገዛውቲ ከምዝተቃፀሉ ተሓቢሩ

እቲ ጋዜጠኛ ዘዘራረቦም ወላዲ "ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሌና ዝፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ ደው ከብለልና እንተዘይኪኢሉ፡ ጥርዓንና ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ክነብፅሕ ኢና" ኢሎም።

ኣብቲ ዝነበረሉ ከባቢ፡ ድምፂ ተኩሲ ይሰምዕ ምንባሩ ድማ እቲ ጋዜጠኛ ገሊፁ።

ብዘይካ'ዚ ሰብ-ሞያ ጥዕና፡ ጎንፂ ብምፍራሕ ካብቲ ከባቢ ብምህዳሞም፡ ጣብያታት እቲ ጥዕና ሙሉእ ብሙሉእ ስራሕ ደው ከምዘበሉ ክንፈልጥ ኪኢልና ኣለና።

ብወገን ክልል ሶማሌ ዘሎ ምላሽ ንምፍላጥ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ክሰምረልና ኣይከኣለን።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ክልላት ብዝተወልዐ ጎንፂ ዝተፈናቐሉ ሰባት ልዕሊ 55 በፂሑ ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት