ኣብ መንጎ ኦሮምያን ሶማሊ ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ፥ ቁፅሪ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ካብ 50ሺሕ ንላዕሊ ምብፅሑ ተገሊፁ ነይሩ።

ጎንፂ ስዒቡ ዝተመዛበሉ ዜጋታት
ናይ ምስሊ መግለጺ ጎንፂ ዶብ ብዙሓት ዜጋታት ካብ መረበቶም ክፈናቐሉ ምኽንኣት ኮይኑ

ኣብ መንጎ ኦሮምያን ሶማሊ ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ፥ ቁፅሪ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ካብ 50ሺሕ ንላዕሊ ምብፅሑ ተገሊፁ ነይሩ።

ቅድም ክብል ብ2009 ዓመተ ምሕረት ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዝነበረ ዓመፅን ህውከትን፥ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ካብ 416 ሺሕ ንላዕሊ ዜጋታት ምመዝባሎም መንግሰቲ እቲ ክልል ይሕብር።

ኣብ ክልል ሶማሊ ኢትዮጵያ፡ ቦምባስ ኣብ ዝተብሃለ ከተማ፡ ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ኣብ እንዳ ውልቀ ሰብ ተቖፂሩ ክርሕ ዝፀንሐ ደንሳ፥ እዚ ጎንፂ ምስተላዕለ ኣብ ኢዱ ምንም ከይሐዘ ከምዝተመዛበለ ንቢቢሲ ይዛረብ።

ንሒደት መዓልታት ኣብ ሃረር ስታድየም ተዓቑቡ ምስፀንሐ ናብ ሓደ እንዳ ውልቀሰብ ክዛወር ተገዲዱ።

ደንሳ፡ ቀፃሊ ጉዕዝኡ ናብ ተውልዲ ዓዱ ናብ ዝኾነ ናብ ኣርሲ ዞባ ፍሉይ ስሙ ነንሰቦ ወረዳ እንትኸውን፡ ካብዚ ንድሓር ሂወቱ ናበይ ከምዘምርሕ ኾነ እንታይ ከምዝገጥሞ ኣይፈልጥን።

ኣብ ዝሓለፉ ዉሑዳት መዓልታት እቲ ተጓሃሂሩ ዝነበረ ጎንፂ ዝሑል ምባሉ ዝንገር እንትኸውን፥ ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ካዓ ተቓራኒ ሓበሬታታት ይወፁ ኣለዉ። "ኣብ ርእሲ ድኽነተን ምራኽ ሞተን" ከምዝብሃል፥ ብኽልቲኡ ገፅ ከም ደንሳ ዝዓይነቶም ተመዛበልቲ ዘላቒነት ዘለዎ ፍታሕ ምርካብ ሕማም ርእሲ ኮይኑ ኣሎ።

ብርግፅ ሓደ ሓደ ግዱሳት ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ገንዘብን ኣቑሑትን ብምውፃእ ዝተፈላለየ ፃዕሪ ድጋፍ እናገበሩ ይርከቡ።

ደርቂ፥ ካልእ ሕማም ርእሲ

ንዝሓለፉ ሰለስተ ተኸታተልቲ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሕፅረት ዝናብ ምኽንያት ብድምር 8.5 ዜጋታት ተፀበይቲ ምግቢ ከምዝኾኑ፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ይገልፅ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቁፅሪ ተሓገዝቲ፥ 5.6 ጥራሕ ነይሩ።

ብፍላይ በቲ ብድርቂ ብዝገደደ ዘተጠቕዐ አከባቢ፥ ክልል ሶማሊ እንትኸውን ፥ ኣብቲ ክልል ጥራሕ 3.3 ነበርቲ ንዋሕዲ ምግቢ ምግላፆም ፀብፃብ ምግቢ ዓለም ይሕብር።

ናይ ምስሊ መግለጺ ብጎንፂ ምኽንያት ብዙሓት ተመዛበልቲ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም።

ካበ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ድማ ዘይነዓቕ ቑፅሪ ጥሪት እቶም ነበርቲ ብጥሜት ከምዘሃለቓ ይፍለጥ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ዝነበረ ኣፃዳፊ ተምላስን ውፅኢትን ድማ ነቲ ፀገም ኣጋዲዱዎ ከምዝነበረ ይንገር።

በዚ ምኽንያት ድማ ሓለፍቲ ሰለስተ ዓበይቲ ዓለም ለኸ ትካላት፡ ማለት 'ውን ትካል ምግብን ሕርሻን፥ ምግቢ ዓለምን ከምኡ ድማ ዓለምለኸ ፈንድ ሕርሻን ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሶም ኣብ መሬት ዘሎ ፀገም ወሪዶም ምርኣዮም ይዝከር።

እቶም ሓለፍቲ እቲ ፀገም፥ ምስ ምልውዋጥ ፀባይ ኣየር ኣተአሳሰሲሮም ዘላቒ ፍታሕ ክርከበሉ ፀዊዖም ነይሮም፥

"ደርቂ፥ ህፁፅ ሓገዝ ዝሕተተሉ ጉዳይ ክኸውን የብሉን" ብማለት።

ኮይኑ ግና፥ መተሓባበሪ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት መንግስታት ፀብፃብ ከምዘርእዮ፥ ህፁፅ ሓገዝ ምስ ዘድልዮም ብተወሳኺ 4 ሚሊዮን ዜጋታት ብሴፍትኔት ፕሮግራም ተሓቛፎም ዝነብሩ ዘይተቛረፀ ድጋፍ ዘድልዮም እዮም።

ስለዚ ኢትዮጵያ ሎሚዘበን ጥራሕ፥ ነዞም ተሓገዝቲ ንምድጋፍ 1.2 ቢሎዮን ሓገዝ ዘድልያ እንትኸውን፥ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ረድኤት ኢትዮጵያ ከምዝብሎ እንተኾይኑ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራሕ ናይ 418 ዶላር ዝግመት ድጋፍ ከድልያ እዩ።

ብጎንፂታት ዝተጋደደ ቑፅሪ ተመዛበልቲ

ኣብ ዶባት ክልል ሶማሊ ኢትዮጵያን ኦሮምያን ዝንቀሳቐስ ሓደ ገባሪ ሰናይ ከምዝበሎ፥ ብሰንኪ ብዝሒ ምዝንባል 66 ጣብያታትን ጥዕና፡ 41 ቤት ትምህርትን ስረሐን ከቛርፃ ምኽንያት ኮይኑ እቲ ጎንፂ።

ተቐማጥነቱ ጀኔቫ (ስዊዘርላንድ) ዝኾነ ማእኸል ምቁፅፃር ተመዛበልቲ (ኣይ ዲ ኤም ሲ) ከምዝብሎ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ፈረንጂ 2017፥ 213 ሺሕ ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ኣብ ኢትዮዮጵያ ኣለው።

ብጎንፂ ምኽንያት ዝተመዛበሉ እንትውሰኹዎ እዚ ቑፅሪ ናብ 588 ክብ ይብል።

ብፍላይ ኣብ ዓመታት 2007ን 2008ን ዝተፈጠሩ ዓመፃትን ጎንፅታትን፡ ቑፅሪ ተመዛበልቲ ካብ ዝግመት ንላዕሊ ንክውስኽ ምኽንያት ከምዝኾኑ ይዝረብ።

ፀብፃብ ሓደ ዓለምለኸ ትካል ተመዛበልቲ ከምዝሕብሮ፥ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ልዕሊ 544 መዕረፊ ተመዛበልቲ ብዝገበሮ ምፅራይ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ሓደ ሚልዮን ንላዕሊ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ምህላዎም ኣረጋጊፁ። ካብ መንጎ እዚኦም ካብ ፍርቂ ሚሊዮን ንላዕሊ ዝኾኑ ኣብ ክልል ሶማሊ ኢትዮጵያ ይርከቡ ይብል እቲ ፀብፃብ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፥ ኢትዮጵያ ካብ ጎረቤት ሃገራት ደቡብ ሱዳን፥ ኤርትራን ከምኡውን ካብ ሶማልያ ተሰዲዶም ዝመጽኡ አስታት ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ተመዛበልቲ ተዕቁብ። ከምኡ ድማ፥ ሳውዲ ዓረብያ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘውፀአቶ መምርሒ ምሕረት መሰረት ካብ 70 ሺሕ ንላዕሊ ዜጋታት ናብ ሃገር ምምላሶም ይፍለጥ። ስዑዲ ኣብ ሃገራ ዝተረፉ ብኣማኢቲ ኣሻሓት ዝቑሩ ኢትዮጵያውያን እንተሰጒጓ፥ እቲ ሸኽሚ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ እታ ሃገር ከይኸውን የስግእ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት