ቅልውላው ስደተኛታት፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ከም ዝሞቱ እናተሰግአ እዩ

መድሐኒ ህይወት ጃኬት Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብዛ ዝጠሓለት ጀልባ ከም ዝመፀ ዝተኣመነሉ፡መድሐኒ ህይወት ጃኬት፡ ኣብ ወደብ ባሕሪ ሊቢያ ተረኺቡ

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ስደተኛታት ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ጀልባ ነዳዲ ወዲኣ ብምጥሓላ ብውሕዱ 50 ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

እዛ ጀልባ ካብ ምዕራባዊ ሊቢያ ከተማ ሳብራታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣስታት 100 ሰባት ሒዛ ከም ዝተበገሰት፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እዛ ጀልባ ቅድሚ ምጥሓላ ብዘጋጠማ ፀገም፡ ንመዓልታት ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ብምጓዓዝ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ጥቓ ከተማ ዙዋራ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ከምዝተራእየት ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ኣለሻ 35 ሰባት ከምዝደሓኑን 8 ሬሳታት ከምዝተረኸቡን ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊፆም።

ወሃቢ ቃል ሓይሊ ባሕሪ ሊቢያ ከም ዝገለፆ፡ እዞም ካብ ሞት ዝተረፉ ስደተኛታት ኩሎም ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት እዮም።

ሊቢያ ዘይሕውያን ስደተኛታት፡ ናብ ደቡባዊ ኣውሮጳ ብባሕሪ ንምስጋር ዝጥቀሙላ መነሃርያ እያ። መብዛሕትኦም ስደተኛታት ብጀልባ ደለልቲ እዮም ባሕሪ ሜዴተራንያን ዘቋርፁ ።

ከም ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ጣልያን ንምእታው፡ ባሕሪ ሜድተራንያን ኣቋሪፆም እዮም። ህይወት ልዕሊ 2400 ስደተኛታት ድማ ኣብ ባሕሪ ተሪፉ።

ባሕሪ ሜድተራንያን ንምቁራፅ ኣብ ሊቢያ ዝተሓዙ ስደተኛታት፡ ብዙሓት ኣብ ኣፀገሚ ኩነታት ናብ ዝርከብሉ መዕቖቢ ስደተኛታት ትሪፖሊ ይውሰዱ።

ብዓለም ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ትሪፖሊን ምልሻ ሊቢያን፡ ብባሕሪ ሊቢያ ዝካየድ ጉዕዞ ስደተኛታት ንምክልኻል ብዝፈፀምዎ ስምምዕ፡ ኣብዚ ክረምቲ ካብ ሊቢያ ናብ ጣልያን ዝካየድ ጉዕዞ ስደት ከም ዝቐነሰ ይዝረብ።

ቤት ምኽሪ ጣልያን ድማ፡ ባሕሪ ሜድተራንያን ኣቋሪፆም ናብ ጣልያን ዝኸዱ ስደተኛታት ደው ንምባል፡ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ናብ ሊቢያ ንምልኣኽ ወሲኑ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት