ፕረዚደንታት ትራምፕን ኪም ጆንግን ነንሓድሕዶም ጽሉል -ጽሉል ይበሃሃሉ

ፕረዚደንት ትራምፕን ኪም ጆንግን
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ትራምፕን ኪም ጆንግን ይፋጠጡ

ኪም ጆንግ ኡን፡ መደረ "እቲ ፅሉል" ክብሉ ዝሰመዩዎ ፕረዚደንት ትራምፕ፥ ሃገሮም፡ ሰሜን ኮርያ፡ ኣፅዋር ኒኩሌር ከም ዘድልያ ከም ዘረጋገፀሎም ሓቢሮም።

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ "ኣይተ ትራምፕ ኣብ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተዛረቦ መደረ ዋጋ ክኸፍለሉ እዩ" ክብሉ ግብረ መልሲ ሂቦም።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ኣሜሪካ፡ ዓርሳ ንምክልኻል "ንሰሜን ኮርያ ካብ ምድረ ገፅ ክተጥፍኣ ክትግደድ እያ" ምባሎም ይዝከር።

ትራምፕ፡ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን "ዓርሰ ቅትለት ክፍፅም ዝተዳለወ፥ ወናኒ ሮኬት"ክብሉ ኣናሽዮም እዮም።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ንንዘ፡ ክልቲአን ሃገራት ርሱን ናይ ቃላት ምልልስ ከካይዳ ቀንየን።

ሰሜን ኮርያ፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ይበፅሓ ንዘሎ ተቓውሞ ብምንፃግ፡ ሽዱሽተ ግዜ ፈተነ ኒኩሌር ኣካይዳ።

ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ሰሜን ኮሪያ ሪ ዮንግ - ሆ፡ ቅድም ክብል፡ መደረ ዶናልድ ትራምፕ "ነባሒ ከልቢ" ብምባል፡ ሃገሮም ንፈኸራ ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ኣብ ባሕሪ ፓሲፊክ ፈተነ ሃይድሮጅን ቦምብ ከምእተካይድ ገሊፆም።

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ብወገኖም፡ ንመንግስታዊ ሚድያ KCNA፡ ብኢንግሊዝኛ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ዘረባ ትራምፕ "ኣብ ክንዲ ጠጠው ምባልን ምፍርራሕን፡ ዝመረፅክዎ መንገዲ ትኽክል ምዃኑ ኣረጋጊፁለይ" ኢሎም።

"ሕዚ ትራምፕ፡ ሃለዋትና ብምኽሓድ ንዓይን ንሃገረይን ኣብ ቅድሚ ዓለም ኣዋሪዱና፣ ኣብ ታሪኽ ሕማቕ ኲናት ኣዊጁ" ብምባል፥ ሰሜን ኮርያ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ "ዘረብኡ ከቢድ ዋጋ ከኽፍሎ እዩ" ክብሉ ተሓንዮም።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
"እንተተገዲድና ንሰሜን ኮርያ መሊእና ክነቃብፃ ኢና" ትራምፕ

"እዚ ብሓዊ ዝፃወት ዘሎ እንስሳ ዘቤት፣ ደደብን ፅሉልን ኣሜሪካዊ ክቕፃዕ ኣለዎ" ብምባል ድማ ኪም ጆንግ ኡን ዘረብኦም ዛዚሞም።

ዶናልድ ትራም፥ ትማሊ ሓሙስ፡ ሰሜን ኮሪያ ተወሳኺ ማዕቐብ ክንበረላ ፈሪሞም እዮም።

"ሰሜን ኮሪያ ኣፅዋር ኒኩሌር ክተማዕብልን ክትውንን ዘኽአላ ፋይናንስ ዓለም እዩ" ብምባል ድማ ተቓዊሞም።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕብራት መንግስታት፡ ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ንዘካየደቶ ሻድሻይ ፈተነ ኒኩሌር እውን፡ ኣብ ልዕሊ እቶት ነዳዲ ፡ሓድሽ ማዕቐብ ከምዘንበረላ ዝዝከር እዩ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ሰሜን ኮርያ ብዘካደቶ ተደጋጋሚ ፈተነ ሚሳይል ወጥሪ ዛይዱ'ሎ።