ንፔርቶ ሪኮ ብዘይ ፀዓት ዘትረፈ ህቦብላ ማሪያ ኣብ ዶሚኒካ ህይወት 15 ሰባት ኣጥፊኡ

ኣብ ሮሲዩ ዝበፅሐ ዕንወት Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ "ምሕረት ዘይብሉ'ዩ" ንህቦብላ ማሪያ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚንስትር ስከሪት

ቀዳማይ ሚንስትር ዶሚንካ ከምዝሓበርዎ ነታ ካሪብያናዊት ደሴት ዝወቅዐ ህቦብላ ማሪያ፡ 15 ሰባት ከምዝቐተለን ደሃይ ካልኦት 20 ጠፊኡ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር ሩዘቬልት ስከሪት፥ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ዘይምማቶም ተኣምር'ዩ ክብሉ ኣብ ቴሌቪዥን ሃገሮም እናነብዑ ተዛሪቦም።

ህቦብላ ማርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 'ውን ንካሪብያናዊት ዶሚኒካ ኣጥቂዑ ብኣማኢት ዝግመቱ ገዛውቲ አዕንዩ።

ትማሊ ድማ ናብ ፔርቶ ሪኮ ሰጊሩ፡ ብዘይ ነሓይሊ ኤለክትሪክ ከመእትተርፍ ገይርዋ።

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነቲ ዘጋጠመ ዕንወት ንምንዕዛብ ንዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብሄሊኮፕትር ከምዝዘሩ ገሊፆም።

"ዘይምሕር'ዩ ነይሩ" ክብሉ ንዝገለፅዎ ሓደጋ ተፈጥሮ ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዝበለ ዕንወት ኣጋጢሙ ከምዘይፈልጥ ኣዘኻኺሮም።

ገዛውቲ ከምዘይነበሩ ኮይኖም፥ ኣብያተ ትምህርቲ ዓንዮም፥ ግልጋሎት ቴሌኮም እንትቋረፅ ዓብዪ ሆስፒታል'ታ ደሴት እውን ካብ ሓይሊ ወፃኢ ኮይኑሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር ሩዘቬልት ስከሪት ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ሰብአዊ ሓገዛት ከምዘድልዮም እውን ሓቢሮም ኣለው።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት