ኣሜሪካ፥ ንሰሜን ኮርያ ኣብ ዝርዝር እገዳ ጉዕዞ ኣስፊራ

ዓለምለኸ ተጓዓዝቲ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ተጓዓዝቲ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ዋሺንግተን

ቤተ-መንግሰቲ ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ) ምስ መንግስታት ካልኦት ሃገራት ድሕሪ ዝገበሮ ዳግመ ግምትን ምልውዋጥ ሓበሬታን እዩ፡ ትማሊ ሰንበት፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ሓድሸ እገዳ ተወሰኽቲ ሃገራት ኣዊጅዎ።

"ንኣመሪካ ውሕስቲ ምግባር ቁጽሪ ሓደን ቀዳማይን እዩ። ነቶም ብርግፅ ከነፃርዮም ዘይንኸእል ሰባት ክኣትዉ ኣይንፈቕደሎም ኢና" ኢሉ ትራምፕ።

እቲ እገዳ ጉዕዞ ናይ ቨንዝወላ ንሰበስልጣን መንግስትን ስድረኦምን ጥራይ'ዩ ዝምልከት።

እዘን ሰለስተ ሓደስቲ ሃገራት፡ ነተን ኣቐዲመን ብፕረዚደንት ትራምፕ ተኣጊደን ዝፀንሓ ካልኦት ሓሙሽተ ሃገራት ማለት፣ ኢራን፣ ሊቢያ፣ ሶርያ፣ የመንን ሶማልያን ተወሲኸንአን ኣለዋ።

እነተኾነ እዚ ሓድሽ ኣዋጅ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝፀንሐ እገዳ ኣልዒልዎ ኣሎ።

እቲ ናይ ፕረዚደንት ትራምፕ ናይ ፈለማ እገዳ፡ብኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ንዝተዓብለላ ሹዱሽተ ሃገራት ጥራይ ዘጠቓልል ብምንባሩ ኣዝዩ ኣካታዒ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ "እገዳ ምስልምና" ተባሂሉ ተሰምዩ ነይሩ።

ስለዝኾነ ከኣ ሕጋዊ መስገደላትን ሓያል ናይ ጎደናታት ተቓውሞን ክገጥሞ ፀኒሑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ብኸፊል ድሕሪ ምትግባሩ ድማ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ጥቅምቲ ዳግመ ግምት ክግበረሉ እዩ።

ጉጀለ ሕብረት ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባት፡ ኣመሪካ ምውሳኽ ናይዘን ሓደሸቲ ሃገራት ነቲ "እቲ እገዳ ናይ ምስልምና እገዳ እዩ ንዝብል ሓቂ ኣይክሽፍኖን እዩ" ኢሉ'ሎ።

እዚ ንሓያሎ ኣገደስቲ ዝኾኑ ባእታታት ዝቐየረ ሓዲሽ ፕረዚደንታዊ ኣዋጅ ነቲ ሕጋዊ መስገደል ክሳብ ክንደይ ከምዝጸልዎ ገና ፍሉጥ ኣይኮነን።

ምውሳኽ ሰመን ኮርያን ቨንዙወላን፡ ንምስሊ መዝገብ እገዳ ቐይሩዎ ኣሎ። ብውሕዱ እቲ መዝገብ ንእስላማውያን ሃገራት ጥራይ ዝምልከት ከምዘይመስል ገይርዎ ኣሎ።

መዓቀኒ ናይዚ ሓደሽ እገዳ ኣብ መስርሕ ምፅራይን ምትሕብባርን ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ብነፍስ ወከፍ ሃገር "ዝዕቀን" ኮይኑ'ሎ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ሓድሽ እገዳ ጉዕዞ ዘንበሩ፥ ፕረዚደንት ትራምፕ

1.ዋይት ሃውስ ከም ዝብሎ ኩሉ ጉዕዞታት ዜጋታት ሰሜን ኮርያ ተኸልኪሉ'ሎ። ምኽንያቱ ሰሜን ኮርያ "ኣብ ዝኾነ ኩነት" ኣይተሓባበረትን፡ ንኹሉ መዓቀኒታት ድማ ኣየማልኣትን።

2.ዋላካ ቻድ ኣብ ቃልሲ ኣንፃር ግብረ ሽበራ ኣገዳሲት መሻርኽቲ ኣመሪካ እንተኾነት" እታ ሃገር ንእትደልዮ ንግብረ ሽበራ ካልእን ዝምልከት ሓበረታ ኣየካፈለትን። በዚ ድማ ዜጋታታ ዝሓትዎ ናይ ንግድን ናይ ምብጻሕን ቪዛ ደው ኢሉ ኣሎ።

3."ዝተወሰኑ ሰበስልጣን መንግስቲ ቨነዝወላን ቀረባ ስድረኦምን" ጥራይ ተኣጊዶም ኣለዉ። እቲ መንገስቲ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብኣመሪካ ናይ ቁጠባ ማዕቀብ ተገይርሉ ነይሩ።

መንግስቲ ኣመሪካ መንግስቲ ቨነዝወላ "ዜጋታቱ ንሃገራዊ ድሕነትን ህዝባዊ ድሕነትን ሓደጋ ድዮም ኣይኮኑን ዝብል ሓበሬታ ኣብ ምፅራይ ኣይተሓባበርን እዩ" ኢሉ ይኸስስ። ከምኡውን ካብ ኣመሪካ ንዝስጎጉ ዜጋታቱ ኣይቅበልን ትብል።

4. መብዛሕትኡ እቲ ናይ ቢዝነስን በፃሕትን ቪዛ ቢ-1ን ቢ-2ን ደው ምባል ዝምልከት እገዳ፡ ናይ ግዜ ገደብ የብሉን፡ ብመልክዕ'ቲ ዝፀንሐ ናይ ፕረዚደንት ትራምፕ እገዳ ከኣ እዩ ዝትግበር።

ብመሰረት እቲ ንናይ ሚሰተር ትራምፕ ኣዋጅ ዝድግፍ ናይ ሓቅታት ወረቐት ዋይት ሃውስ ዝብሎ፡ ዒራቕ'ውን መምዘንታት ኣየማልአትን ዘላ።

እንተኾነ፡ "እታ ሃገር ምስ ሕቡራት ኣመሪካ ብዘለዋ ጥቡቕ ናይ ምትሕብባር ዝምድና"ን ተራኣ ኣብ ውግእ ኣንፃር እቲ ንርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ኢሉ ዝፅውዕ ጉጅለን ኣብቲ ሊስታ ኣይኣተወትን።

ዋይት ሃውስ ከምዝሓበሮ እዚ ሓድሽ እገዳ ካብ ዕለት 18 ጥቅምቲ ጀሚሩ'ዩ ተግባራዊ ዝኸው፤ ይኹን እምበር ነቶም ድሮ ቪዛ ሒዞም ዘለዉ ኣይምልከትን እዩ።