ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ዝላበድ ዘሎ ሕማም ዓሶ ብመድሓኒት ዓሶ ዘይድሕን'ዩ።

ጣንጡ Image copyright Science Photo Library
ናይ ምስሊ መግለጺ ሕማም ዓሶ ብሰንኪ ደም እትመጥጥ ጣንጡ'ዩ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ዝተኸሰተ ቅልጡፍ ለበዳ ሕማም ዓሶ ንመላእ ዓለም'ውን ሓደጋ ከምዝኾነ ተመራመርቲ ይገልፁ። ብፍላይ እዚ ዓይነት ዓሶ በቲ ነባር ፈውሲ ዓሶ ዘይድሕን ምዃኑ ድማ ክብደት እቲ ለበዳ ከምዘጋደዶ ሓቢሮም።

እቲ ፈለማ ኣብ ካምቦድያ ጥራሕ ተኸሲቱ ዝነበረ ሕማም ዓሶ ኣብዚ እዋን ታይላንድ፣ ላኦስን ደቡባዊ ቬትናምን ኣባጺሑ ይርከብ።

ጉጅለ መጽናዕቲ ሕክምና ኦክስፎርድ ትሮፒካል፣ እቲ ለበዳ ኣመልኪቱ ካብ ባንኮክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሕማም ዓሶ ምክልኻል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ጉጅለ መጽናዕቲ ፕሮፌሰር ኣርጀን ዶንዶርፕ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ከምዘተሓሳስቦም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብ መላእ ኤስያ ብቑልጡፍ ይጋፋሕ ምህላዉ ንማሕበረሰብ ዓለም ደወል ከምዝኾነ ዝገለጹ ፕሮፌሰር ኣርጀን፥ እቲ ሕማም ናብ ካሊእ ክፋል ዓለም ብፍላይ ናብ ኣፍሪቃ ከይጋፋሕ ስግኣት ከምዝሓደሮም ገሊጾም።

ኣብ ዓለም በብዓመቱ 212 ሚልዮን ሰባት ብሕማም ዓሶ ዝጥቁዑ ክኾኑ እንከለዉ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ለበዳ ድማ ደም ብዝቐለባ ጣንጡ'ዩ።

ናይዚ ሕማም ኣውራ ተጠቃዕቲ ከኣ ህጻውንቲ ከምዝኾኑ መረዳእታት ይሕብሩ።

ሕማም ዓሶ ንምድሓን ዘኽእሉ ፈውስታት 'ኣርተሚስኒን' ከምኡ እውን 'ፓይፐራኵኒን እቶም ቀንዲ'ዮም።

ይኹን እምበር ዓቕሚ ምድሓን ኣርተሚስኒን እናተዳኸመ ብምምጽኡ ሲዒቡ ጣንጡ ብፓይፐራኵን'ውን ክትምለስ ኣይከኣለትን።

ብመሰረት እቲ ብጉጅለ ተመራመርቲ ዝተጽሓፈ ድብዳቤ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ዘኽእሉ ዝነበሩ መድሓኒታት ናይ ምፍዋስ ዓቕሞም እናተመናመነ ብምምጽኡ ስዒቡ ስግኣት ይዛይድ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ከም ኣገላልጻ ፕሮፌሰር ዶንዶርፕ፣ ዓቕሚ ፍወሳ እቶም መድሓኒታት ኣብ ቬትናም ተፈቲኑ 3 ግዜ ወዲቑን ኣብ ካምቦድያ ድማ 60 % ከድሕን ከምዘይከኣለ ተረጋጊጹ'ዩ ኢሎም።

ብፍላይ ድማ 92 % ለበዳ ሕማም ዓሶ ኣብ እተተኣናግድ ኣፍሪቃ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ እቶም መድሓኒታት ዝገደደ ክገብሮ ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

''ሕማም ዓሶ ምስ ግዜ ተቐላጢፍና ክነወግድ እንተዘይኪኢልና ክንከላኸሎ ናብ ዘይከኣል ደረጃ ይበጽሕ እሞ ሂወት ብዙሓት ሰባት ክቐጥፍ ይኽእል'ዩ'' ኢሎም ፕሮፌሰር ዶንዶርፕ።

በብዓመቱ ንሕማም ዓሶ ሓዊሱ ብሰንኪ ረኽሲ ሕማማት ኣስታት 7 ሚኢቲ ሽሕ ሰባት ይሞቱ።

ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣድማዒ ስራሕ እንተዘይተወጊኑ እዚ ቁጽሪ ኣብ 2050 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ ናብ ሚልዮናት ክዓቢ ከምዝኽእል'ውን ተኣሚቱ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ በብዓመቱ ልዕሊ 200 ሽሕ ዜጋታት ብሕማም ዓሶ ተጠቒዖም ናብ ማእኸላት ሕክምና ከምዘምርሑ ዘረድአ ጸብጻብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሆስፒታላት ጥራሕ ብሰንኪ እቲ ሕማም 22 ሰባት ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት